ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ቤት ጸሎት ናይታ ዝዓበየላ ዓዲ

ኣብ ቤት ጸሎት ናይታ ዝዓበየላ ዓዲ

ምዕራፍ 21

ኣብ ቤት ጸሎት ናይታ ዝዓበየላ ዓዲ

የሱስ ናብ ዓዱ ምስ ተመ​ልሰ ናይ ሓጐስ ስምዒት ከም ዘለዓዓለ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ልዕሊ ሓደ ዓመት ይገብር ብዮሃንስ ንኽጥመቕ ኢሉ ቅድሚ ምኻዱ የሱስ ከም ጸራባይ ኢዩ ዝፍለጥ ነይሩ። ሕጂ ግን ኣብ ርሑቕ ይኹን ቀረባ ከም ገባር ተኣምራት ኢዩ ዝፍለጥ። ናይቲ ከባቢ ተቐማጦ: ኣብ ቅድሚኦም ገለ ካብዚ መስተንክር ዝዀነ ተግባራት ክገብር ከሎ ክርእይዎ ተሃንጥዮም ኢዮም ዘለዉ።

የሱስ ከም ልማዱ ናብቲ ናይቲ ከባቢ ቤት ጸሎት ምስ ኣተወ ህንጥዮቶም ዓበየ። ኣብቲ ሃይማኖታዊ ስርዓት ዝግበረሉ ግዜ ኸኣ ከንብብ ተንስአ: ናይ ነብዪ ኢሳይያስ ጥቕላል ከኣ ሃብዎ። ኣብቲ ብዛዕባ እቲ ብመንፈስ የሆዋ እተቐብአ ዝነግር ቦታ ገንጸለ: እዚ ኣብ ናይ ሎሚ መጽሓፍ ቅዱስና ኣብ ምዕራፍ 61 ኢዩ ዝርከብ።

እቲ ቅቡእ ከመይ ገይሩ ነቶም ምሩኻት ከም ዝመልስ: ንዕዉራት ከም ዘጥዒ: ከምኡውን ብዛዕባ እታ ሕርይቲ ዓመት የሆዋ ድሕሪ ምንባቡ: የሱስ እቲ ጥቕላል ነቲ ኣገልጋሊ ሂብዎ ኮፍ በለ። ኵለን ኣዒንቲ ኸኣ ናብኡ ኣተኲረን ይጥምታ ነበራ። ኣብ መወዳእትኡ “እዚ ጽሑፍ እዚ ሎሚ ኣብ ኣእዛንኩም ተፈጸመ ” ብምባል ክገልጸሎም ጀመረ።​—⁠ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።

እቶም ሰባት በቲ “ዘረባ ጸጋ” ተገረሙ ንሓድሕዶም ከኣ “እዝስ ወዲ ዮሴፍ ደይኰነን፧” ይብሉ ነበሩ። የሱስ ግን ተኣምራት ክገብር ከሎ ክርእይዎ ከም ዝደለዩ ስለ ዝፈለጠ “እዚ ምስላ እዚ፤ ፈዋሳይ ንርእስኻ ፈውስ: እቲ ኣብ ቅፍርናሆም ዝገበርካዮ ኸም ዝሰማዕና: ኣብዚ ኣብ ዓድኻውን ከምኡ ግበር: ትብሉኒ አሎኹም” ብምባል ቀጸለ። እቶም ቀደም ጐረባብቱ ዝነበሩ ሰባት: የሱስ ንጥቕሚ ህዝቡ ክብል ምፍዋስ ብቐዳምነት ካብ ዓዱ ክጅምር ዝግብኦ ኰይኑ ከም እተሰምዖም ንጹር ኢዩ። ስለዚ የሱስ ሸለል ዝበሎም ኰይኑ ተሰምዖም።

ኣተሓሳስብኦም ብምግንዛብ ከኣ የሱስ ገለ ተግባራዊ ዝዀነ ታሪኽ ኣዘንተወሎም። ኣብ ግዜ ኤልያስ ኣብ እስራኤል ብዙሓት መበለታት ከም ዝነበራ: ኤልያስ ግን ናብ ዋላ ሓንቲ ካብኣተን ከም ዘይተላእከ ኣመልከተሎም። ኣብ ክንድኡ ግን ናብ ሓንቲ ኣብ ሲዶን ዝነበረት እስራኤላዊት ዘይኰነት መበለት ኢዩ ዝኸደ: ኣብኡ ኸኣ ህይወት ዘድሕን ተኣምራት ገበረ። ኣብ ግዜ ኤልሳእ ከኣ ብዙሓት ለምጻማት ነበሩ: ኤልሳእ ግን ነቲ ካብ ሶርያ ዝመጸ ንእማን ጥራይ ኢዩ ኣንጺሁ።

እቶም ኣብቲ ቤት ጸሎት ዝነበሩ ሰባት በቲ ስሱዓት ምዃኖምን ጕድለት እምነት ከም ዝነበሮምን ዝቐልዕ ደስ ዘየብል ናይ ታሪኽ ምምስሳል ስለ ዝሓረቑ ንየሱስ ካብቲ ከተማ ኣውጽእዎ። ኣብኡ ኸኣ ካብ ጫፍ እቲ ናዝሬት ዘላቶ ጎቦ ከጽድፍዎ ፈተኑ። የሱስ ግን ካብ ኢዶም ኣምለጠ: ብሰላም ከኣ ኸደ። ሉቃስ 4:⁠16⁠-​30፣ 1 ነገስት 17:⁠8⁠-​16፣ 2 ነገስት 5:⁠8⁠-​14

▪ ኣብ ናዝሬት ናይ ሓጐስ ስምዒት ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧

▪ እቶም ሰባት ብዛዕባ ናይ የሱስ ዘረባ እንታይ ሓሰቡ: ደሓር ግን እንታይ ኣሕረቖም፧

▪ እቶም ህዝቢ ንየሱስ እንታይ ክገብርዎ ኢዮም ዝፈተኑ፧