ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ዕንጨይቲ ዘጋጠሞ ስቓይ

ኣብ ዕንጨይቲ ዘጋጠሞ ስቓይ

ምዕራፍ 125

ኣብ ዕንጨይቲ ዘጋጠሞ ስቓይ

ምስ የሱስ ክልተ ሰረቕቲ እውን ንኽቕተሉ ተወሲዶም ኣለዉ። እቶም እኩባት ህዝቢ ካብቲ ከተማ ብዙሕ ከይርሓቑ ኣብ ጐልጎታ ወይ ቦታ ኣዕጽምቲ ርእሲ ኣብ ዝብሃል ቦታ ምስ በጽሑ ደው በሉ።

ነቶም እሱራት ክዳውንቶም ቀንጠጥዎም። ከርበን ወይንን ሓዊሶም ከኣ ሃብዎም። ኣንስቲ የሩሳሌም ከም ዘዳለውኦ ርዱእ ኢዩ: እቶም ሮማውያን ከኣ እዚ ፈውሲ ቃንዛ ነቶም ዝስቀሉ ክወሃቦም የፍቅዱ ነይሮም ኢዮም። የሱስ ግን ምስ ጠዓሞ ምስታይ ኣበየ። ስለምንታይ ኢዩ ዝኣበየ፧ ብርግጽ እቲ ዝለዓለ ናይ እምነቱ ፈተና ክበጽሖ ከሎ ኣእምሩኡ ምሉእ ብምሉእ ንቑሕ ክኸውን ስለ ዝደለየ ኢዩ።

ሕጂ የሱስ ኣእዳዉ ናብ ልዕሊ ርእሱ ብምዝርጋሕ ኣብቲ ዕንጨይቲ ቀጥ ኢሉ ኢዩ ዘሎ። እቶም ወተሃደራት ዓበይቲ መስማር ኣብ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ሸንከሩ። እቲ መስማር ስግኡን ጅማውቱን ወጊኡ ክሓልፍ ከሎ ብስቓይ ኣዕለበጠ። እቲ ዕንጨይቲ ካብ ምድሪ ሓፍ ምስ ኣበልዎ እቲ መስማር ኣትይዎ ዝነበረ ቍስሊ ብኽብደት ኣካሉ ስለ እተሳሕበ እቲ ስቓይ ኣዝዩ ብርቱዕ ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን: የሱስ ኣብ ክንዲ ዘፈራርሕ “ኣቦይ: ዚገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ: ሕደገሎም” ብምባል ምእንቲ እቶም ሮማውያን ወተሃደራት ጸለየ።

ጲላጦስ ኣብቲ ዕንጨይቲ “የሱስ ናዝሬታዊ: ንጉስ ኣይሁድ” ዝብል ጽሑፍ ኣንበረ። እዚ ዝጸሓፎ ንየሱስ ስለ ዘኽብሮ ጥራይ ዘይኰነስ እቶም ናይ ኣይሁድ ካህናት ዓማጺጾም የሱስ ሞት ከም ዝፍረዶ ብምግባሮም ስለ ዝጸልኦም ኢዩ። ኵሉ ሰብ ነቲ ምልክት ምእንቲ ከንብቦ ጲላጦስ እቲ ጽሕፈት ብእብራይስጢ: በቲ ወግዓዊ ቋንቋ ላቲን: ከምኡውን ብቋንቋ ግሪኽ ገይሩ ኣዳለዎ።

እቶም ሊቃውንቲ ኻህናት: ቀያፋን ሃናን እውን ሓዊስካ ተጨነቑ። እዚ ኣወንታዊ መግለጺ እዚ ንዓወቶም ዘበላሹ ኢዩ። ስለዚ “ንሱ ባዕሉ፤ ኣነ ንጉስ ኣይሁድ እየ: ከም ዝበለ ደኣ እምበር: ንጉስ ኣይሁድ እዩ ኢልካስ ኣይትጽሐፍ” በልዎ። እቶም ካህናት ከም መሳርሒ ስለ እተጠቐሙሉ ብምሕራቕ ጲላጦስ “ዝጸሐፍክዎ ጸሐፍኩ” ኢሉ ብትብዓት መለሰሎም።

እቶም ካህናት ምስ ብዙሓት ህዝቢ ኰይኖም ኣብቲ ፍርዲ ዝፍጸመሉ ቦታ ደው ኢሎም ነበሩ: እቶም ካህናት ከኣ ነቲ እቲ ምልክት ዝህቦ ምስክርነት ነጸግዎ። ነቲ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ሳንሄድሪን ተዋሂቡ ዝነበረ ናይ ሓሶት ምስክርነት ደገምዎ። እቶም ሓለፍቲ መገዲ ርእሶም እናነቕነቑ “ኣታ ንቤተ መቕደስ ኣፍሪስካስ ብሰለስተ መዓልቲ እትሀንጻ: ርእስኻ እስኪ አድሕን። ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ: ካብ መስቀል ውረድ” እናበሉ ምጽራፎም እምበኣር ኣይገርምን ኢዩ።

እቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን እቶም ካልኦት ሃይማኖታውያን ኣዕሩኽቶምን ተሓባቢሮም “ንኻልኦት አድሐኖም: ርእሱ ግና ኬድሕን አይከአለን። ንጉስ እስራኤል እንተ ዀይኑስ: ሕጂ ኻብ መስቀል ይውረድ: ንሕና ኸኣ ብእኡ ኽንአምን። ብኣምላኽ ተአሚኑ እዩ: ድማ፤ ወዲ ኣምላኽ እየ: ኢሉ አሎ እሞ: ሰሚርዎ እንተ ዀይኑስ: ሕጂ የድሕኖ” በሉ።

እቶም ወተሃደራት እውን በቲ ናቶም መንፈስ ተጸልዮም ንየሱስ ሰሓቕዎ። እናኣላገጹ መጺጽ ወይኒ ሃብዎ: ካብቲ ነቒጹ ዝነበረ ከንፈሩ ከም ዘየሕለፎ ግን ርዱእ ኢዩ። “ንስኻ ንጉስ ኣይሁድ እንተ ዄንካስ: ርእስኻ ኣድሕን” እናበሉ ኣላገጹሉ። እቶም ኣብ የማንን ኣብ ጸጋምን የሱስ ተሰቒሎም ዝነበሩ ሰረቕቲ እውን ከይተረፉ ኣላገጹሉ። ሕስብ እሞ ኣብሎ! እቲ ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ እወ: እቲ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ንዅሉ ነገራት ኣብ ምፍጣር ዝዓየየ ኢዩ እዚ ዅሉ ውርደት ዘሕልፍ ዘሎ!

እቶም ወተሃደራት ነቲ ናይ የሱስ ክዳውንቲ ወሲዶም ኣብ ኣርባዕተ ተማቐልዎ። ንመን ከም ዝበጽሖ ንምርኣይ ዕጭ ኣውደቕሉ። እቲ ውሽጢ ቐሚሱ ግን ስፋይ ዘይብሉ ዝበለጸ ዓይነት ኢዩ ነይሩ። ስለዚ እቶም ወተሃደራት ንሓድሕዶም “ንዝበጽሔ ኺበጽሖስ ዕጭ ደኣ ነውድቐሉ እምበር: ኣይንቕደዶ” ተባሃሃሉ። ስለዚ ከይሓሰብዎ: ነቲ “ክዳውንተይ ንርእሶም ተማቐልዎ: ንቐምሸይውን ዕጭ ተዋደቑሉ” ዝብል ጽሑፍ ፈጸምዎ።

ድሕሪ ገለ ግዜ ሓደ ካብቶም ሰረቕቲ የሱስ ብሓቂ ንጉስ ከም ዝዀነ ተገንዘበ። ስለዚ ንብጻዩ “ኣታ ኣብዚ ኸምዚ ዝበለ ፍርዲ ኸሎኻኸ: ኣምላኽዶ ኣይትፈርህን ኢኻ፧ ንሕናስ ብሓቂ ብግብርና ዚግብኣና ተፈዴና: እዚ ግና ሓንቲ ኽፍእቲ እኳ ኣይገበረን” ብምባል ገንሖ። ካብኡ “ጐይታይ: ብመንግስትኻ ምስ እትመጽእ ዘክረኒ” ብምባል ንየሱስ ለመኖ።

የሱስ ከኣ “ሎሚ ምሳይ ኣብ ገነት ከም እትኸውን: ብሓቂ እብለካ አሎኹ” ኢሉ መለሰሉ። እዚ መብጽዓ እዚ የሱስ ንጉስ ኰይኑ ኣብ ሰማይ ክገዝእ ምስ ጀመረን ነቲ እተናስሐ ገባር ክፉእ ከኣ ኣተንሲኡ ኣብታ ደሓንቲ ኣርማጌዶንን ብጾቶምን ዝዀስኰስዋ ገነታዊት ምድሪ ክነብሩ ምስ ጀመሩ ኢዩ ዝፍጸም። ማቴዎስ 27:⁠33-44፣ ማርቆስ 15:⁠22-32፣ ሉቃስ 23:⁠27, 32-43፣ ዮሃንስ 19:⁠17-24

▪ የሱስ እቲ ከርበ እተሓወሶ ወይኒ ምስታይ ዝኣበየ ስለምንታይ ኢዩ፧

▪ ኣብቲ ናይ የሱስ ዕንጨይቲ ምልክት ተገይሩ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ: ኣብ መንጎ ጲላጦስን እቶም ሊቃውንቲ ኻህናትንከ እንታይ ኣለዓዓለ፧

▪ የሱስ ኣብቲ ዕንጨይቲ ከሎ እንታይ ተወሳኺ ውርደት ኢዩ ዘጋጠሞ: ካብ እንታይ ዝመጸኸ ኢዩ፧

▪ እቲ ንኽዳውንቲ የሱስ ዝገበርዎ: መፈጸምታ ትንቢት ዝዀነ ብኸመይ ኢዩ፧

▪ ሓደ ካብቶም ሰረቕቲ እንታይ ለውጢ ኣርኣየ: የሱስከ ነቲ ንሱ ዝሓተቶ ብኸመይ ክፍጽሞ ኢዩ፧