ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ የማን ኣምላኽ

ኣብ የማን ኣምላኽ

ምዕራፍ 132

ኣብ የማን ኣምላኽ

ኣብ መዓልቲ ጴንጠቆስጠ መንፈስ ቅዱስ ምውራዱ የሱስ ናብ ሰማይ ከም እተመልሰ መረጋገጺ ኢዩ ነይሩ። እቲ ብዙሕ ከይጸንሐ ወደ መዝሙር እስጢፋኖስ ዝረኣዮ ራእይ እውን ኣብ ሰማይ ከም ዝበጽሐ ዘረጋግጽ ኢዩ። ብተኣማንነት ስለ ዝመስከረ ብዳርባ እምኒ ቀቅድሚ ሙማቱ እስጢፋኖስ “እንሆ: ሰማይ ተኸፊቱ: ወዲ ሰብ ድማ ኣብ የማን ኣምላኽ ደው ኢሉ እርኢ አሎኹ” በለ።

የሱስ “ኣብ ማእከል ጸላእትኻ ግዛእ” ዝብል ትእዛዝ ካብ ኣቡኡ ክሳዕ ዝውሃቦ ኣብ የማን ኣምላኽ ኰይኑ ይጽበ። ክሳዕ ሽዑ: ማለት ክሳዕ እቲ ኣንጻር ጸላእቱ ስጕምቲ ዝወስደሉ ግዜ ግን የሱስ እንታይ ኢዩ ዝገብር፧ ነቶም ቅቡኣት ደቀ መዛሙርቱ ኣብቲ ናይ ስብከት ንጥፈቶም ብምምራሕን ብትንሳኤ ኸኣ ኣብ መንግስቲ ኣቡኡ መናግስቱ ንኽዀኑ ብምድላውን ክመርሖም ወይ ከኣ ክገዝኦም ኢዩ።

ንኣብነት: ኣብ ካልእ ዓድታት ነቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ መሪሕነት ንኽወስድ: የሱስ ነቲ ሳውል (ጸኒሑ ኸኣ ዝያዳ በቲ ጳውሎስ ዝብል ናይ ሮማውያን ስሙ እተፈልጠ) ዝብሃል ሰብኣይ መረጾ። ሳውል ንሕጊ ኣምላኽ ቅንኢ ዝነበሮ ኢዩ ነይሩ: እንተዀነ ግን ብመራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ተታሊሉ ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ሳውል ንሞት እስጢፋኖስ ሰሚርዎ ጥራይ ዘይኰነስ ካብ ሊቀ ኻህናት ቀያፋ ስልጣን ተቐቢሉ ሰዓብቲ የሱስ ዝዀኑ ሰብኡትን ኣንስትን ኣኣሲሩ ናብ የሩሳሌም ንኸምጽኦም ናብ ደማስቆ ኸደ። ይኹን እምበር: ሳውል ኣብ መገዲ ከሎ ብድንገት ጸዳል ብርሃን ኣብቲ ንሱ ዝነበሮ ቦታ ኣንጸባረቐ እሞ ንሱ ኸኣ ወደቐ።

ካብ ሓደ ዘይርአ ምንጪ ኸኣ “ሳውል: ሳውል: ንምንታይ እትሰጐኒ፧” ዝብሎ ድምጺ ሰምዐ። ሳውል ከኣ “ጐይታይ: መን ኢኻ፧” ኢሉ ሓተቶ።

እቲ መልሲ ኸኣ “ኣነ እቲ ንስኻ እትሰጎ ዘሎኻ የሱስ እየ” ዝብል ነበረ።

የሱስ ከኣ ነቲ ብተኣምራታዊ ብርሃን ዝዓወረ ሳውል: ናብ ደማስቆ ክኣቱ እሞ ኣብኡ መምርሒ ክውሃቦ ክጽበ ነገሮ። ብድሕርዚ የሱስ ንሃናንያ ሓደ ካብቶም ደቀ መዛሙርቱ ብራእይ ተገልጸሉ። የሱስ ንሃናንያ “እዚ ሰብኣይ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣህዛብን ኣብ ቅድሚ ነገስታትን ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤልን ስመይ ኪጸውር: ንኣይ ሕሩይ ኣቕሓ እዩ” ብምባል ብዛዕባ ሳውል ነገሮ።

ብርግጽ ከኣ ብሓገዝ የሱስ: ሳውል (ሕጂ ጳውሎስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ) ከምኡውን ካልኦት ወንጌላውያን ኣብቲ ናይ ስብከትን ምምሃርን ዕዮኦም ሓለፍ ዝበለ ዓወት ኢዮም ረኺቦም። ብሓቂ ክርአ ከሎ ኸኣ የሱስ ኣብ መገዲ ደማስቆ ምስ ተራእዮ ድሕሪ 25 ዓመታት ጳውሎስ ‘እቲ ወንጌል ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጡር ተሰብከ’ ኢሉ ጸሓፈ።

ብዙሕ ዓመታት ምስ ሓለፈ ኸኣ የሱስ ነቲ ዘፍቅሮ ሃዋርያ ዮሃንስ ተኸታታሊ ራእያት ኣርኣዮ። ብሓቂ ኸኣ በዚ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዝገልጾ ራእያት ኣቢሉ ዮሃንስ ንየሱስ ብስልጣን መንግስቱ ክምለስ ከሎ ርእይዎ ኢዩ። ዮሃንስ “ብመንፈስ” ንቕድሚት ናብ ‘መዓልቲ ጐይታ’ ከም እተወስደ ተዛረበ። እዛ ‘መዓልቲ’ እዚኣ እንታይ ኢያ፧

ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ: ነቲ የሱስ ብዛዕባ እተን ዳሕሮት መዓልትታት ዝሃቦ ትንቢት እውን ሓዊስካ ብጥንቃቐ እንተድኣ ኣጽኒዕና: ‘መዓልቲ ጐይታ’ ኣብታ ታሪኻዊት ዝዀነት ዓመት ናይ 1914 ከም ዝጀመረት ኢዩ ዝገልጽ! ስለዚ የሱስ ብዘይርአ መገዲ እተመልሰ ብ1914 ኢዩ: እቶም እሙናት ኣገልገልቱ ጥራይ ከስተውዕልዎ ብዝኽእሉ መገዲ ህዝቢ ከይረኣዮ ኢዩ ተመሊሱ። የሆዋ ኣብታ ዓመት እቲኣ የሱስ ኣብ ማእከል ጸላእቱ ምስዓር ክጅምር ኣዘዞ!

ነቡኡ ብምእዛዝ ከኣ የሱስ ንሰይጣንን ኣጋንንቱን ናብ ምድሪ ብምድርባይ ንሰማይ ኣጽረዮ። እዚ ብራእይ ክፍጸም ከሎ ምስ ረኣየ: ዮሃንስ “ሕጂ ምድሓንን ስልጣንን መንግስትን ናይ ኣምላኽና ዀይኑ: ምልኪ ኸኣ ናይቲ ቕቡኡ እዩ” ዝብል ድምጺ ሰምዐ። እወ: ብ1914 ክርስቶስ ከም ንጉስ ኰይኑ ክገዝእ ጀመረ!

እዝስ ነቶም ኣብ ሰማይ ኰይኖም ንየሆዋ ዘምልኹ ከመይ ዝበለ ብስራት ኢዩ! “ኣቱም ሰማያት: ኣባታቶም እትነብሩውን: ተሐጐሱ” ተባሂሉሎም ኢዩ። ኵነታት ናይቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ግና ከመይ ኢዩ፧ እቲ ካብ ሰማይ እተሰምዐ ድምጺ “ኣቱም ምድርን ባሕርን ግን: ድያብሎስ ቅሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡ: ብብርቱዕ ቍጥዓ ወሪዱኩም አሎ እሞ: ወይለኹም” ብምባል ቀጸለ።

ሕጂ ኣብቲ ሓጺር እዋን እቲ ኢና ዘለና። ኣብዚ እዋን እዚ ሰባት ኣብቲ ናይ ኣምላኽ ሓድሽ ኣገባብ ንምእታው ዝበቕዑ ድዮም ወይስ ጥፍኣት ኢዩ ዘጋጥሞም የርእዩ ኣለዉ። ንመጻኢ ግዜ እንታይ ከም ዘጋጥመካ ዝውሰን ነቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ብመሪሕነት ክርስቶስ ዝስበኽ ዘሎ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብእትህቦ ምላሽ ኢዩ።

ብድሕርዚ የሱስ ንምድሪ ካብ ናይ ሰይጣን ኣገባብን ካብቶም ደገፍታን ንኸጽርያ ከም ልኡኽ ኣምላኽ ኰይኑ ከገልግል ኢዩ። የሱስ ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሃርማጌዶን ወይ ኣርማጌዶን ኢሉ ዝጽውዖ ውግእ ነዚ እከይ ናይ ምልጋስ ተግባር ክፍጽሞ ኢዩ። ብድሕርዚ እቲ ኣብ ኣድማስ ደድሕሪ የሆዋ ዝዓበየ ኣካል ዝዀነ የሱስ ንሰይጣንን ኣጋንንቱን ክሕዞም ንሽሕ ዓመት ከኣ ኣብ ‘መዓሙቝ’ ማለት ኣብቲ ከም ሞት ዝበለ: ምንም ንጥፈት ዘይብሉ ኵነታት ክኣስሮም ኢዩ። ግብሪ ሃዋርያት 7:⁠55-60፣ 8:⁠1-3፣ 9:⁠1-19፣ 16:⁠6-10፣ መዝሙር 110:⁠1, 2፣ እብራውያን 10:⁠12, 13፣ 1 ጴጥሮስ 3:⁠22፣ ሉቃስ 22:⁠28-30፣ ቈሎሴ 1:⁠13, 23፣ ራእይ 1:⁠1, 10፣ 12:⁠7-12፣ ራእይ 16:⁠14-16፣ 20:⁠1-3፣ ማቴዎስ 24:⁠14

▪ የሱስ ንሰማይ ምስ ዓረገ ኣበይ ኢዩ እተቐመጠ: እንታይከ ተጸበየ፧

▪ የሱስ ናብ ሰማይ ምስ ዓረገ ኣብ ልዕሊ መን ኢዩ ዝገዝአ: ግዝኣቱ ግሉጽ ዝዀነኸ ብኸመይ ኢዩ፧

▪ ‘መዓልቲ ጐይታ’ መዓስ ኢያ ጀሚራ: ኣብ ምጅማራኸ እንታይ ኣጋጠመ፧

▪ እዚ ሎሚ ዝግበር ዘሎ ዕዮ ስብከት ንነፍሲ ወከፍና ብብሕትና ብኸመይ ይትንክፈና፧

▪ እዚ ናይ ስብከት ዕዮ ምስ ተወድአ እንታይ ፍጻሜታት ክስዕብ ኢዩ፧