ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ገሊላ እተገብረ ካልእ ናይ ስብከት ጕዕዞ

ኣብ ገሊላ እተገብረ ካልእ ናይ ስብከት ጕዕዞ

ምዕራፍ 49

ኣብ ገሊላ እተገብረ ካልእ ናይ ስብከት ጕዕዞ

የሱስ ንኽልተ ዓመት ኣቢሉ ኣበርቲዑ ድሕሪ ምስባኹ ሕጂ ክዝሕትል ወይ ከኣ ሸለል ክብል ክጅምር ድዩ፧ ኣይፋሉን: ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ንሳልሳይ ግዜ ናብ ገሊላ ብምጕዓዝ ነቲ ናይ ስብከት ተግባራቱ ኣስፍሐ። ኣብ ቤት ጸሎት ብምምሃርን ብስራት ናይታ መንግስቲ ብምስባኽን ንዅለን ኣብቲ ከባቢ ዘለዋ ከተማታትን ዓድታትን ዞረን። እቲ ኣብቲ ጕዕዝኡ ዝረኣዮ ኵነታት ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝገበሮ ብዝያዳ ሰፊሕ ናይ ስብከት ዕዮ ከም ዘድሊ ኣረጋጊጹሉ ኢዩ።

የሱስ ኣብ ዝኸዶ ዘበለ ሰባት መንፈሳዊ ምሕዋይን ምጽንናዕን ከም ዘድልዮም ረኣየ። ሓላዊ ከም ዘይብለን ኣባጊዕ ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን ኢዮም ነይሮም: ንሱ ኸኣ ደንገጸሎም። ነቶም ደቀ መዛሙርቱ “እቲ እኽሊ ብዙሕ እዩ: ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም። ስለዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእከሉ ለምንዎ” በሎም።

የሱስ ክገብሮ ዝደለየ ነገር ነይርዎ ኢዩ። ነቶም ቅድሚ ዓመት ኣቢሉ ይገብር ዝመረጾም 12 ሃዋርያት ጸውዖም። በብኽልተ ገይሩ ሽዱሽተ ጕጅለ ሰበኽቲ ኣዳለወ: መምርሒታት ከኣ ሃቦም። “ናብተን ጥፉኣት ኣባጊዕ ቤት እስራኤል ደኣ ኺዱ እምበር: ብመገዲ ኣህዛብ አይትኺዱ: ናብ ከተማ ሳምራውያን ድማ ኣይትእተዉ። ኬድኩም ድማ: መንግ​ስተ ሰማያት ቀሪባ አላ: ኢልኩም ስበኹ” ብምባል መምርሒታት ሃቦም።

እዛ ቀሪባ ኣላ ኢሎም ዝሰብኩላ መንግስቲ እታ የሱስ ኣብቲ ናይ ኣብነት ጸሎት ክጽልዩላ ዝማሃሮም መንግስቲ ኢያ። እቲ ንጉስ ኽኸውን ብኣምላኽ እተመዘዘ የሱስ ክርስቶስ ኣብኡ ስለ ዝነበረ እታ መንግስቲ ቀሪባ ኢያ ነይራ ክብሃል ይከኣል። ወኪላት ናይታ ሰማያዊት መንግስቲ ንምዃን ከም እተመዘዙ ንኸርኢ የሱስ ንሕሙማት ከሕውዩ ምዉታት ከተንስኡ ሓይሊ ሃቦም። እዚ ብናጻ ክገብርዎ መምርሒ ሃቦም።

ካብኡ ቀጺሉ ንመገዶም ዝኸውን ስጋዊ ምድላዋት ከይገብሩ ንደቀ መዛሙርቱ ነገሮም። “ወርቂ ዀነ: ብሩር ኰነ: ኣስራዚ ዀነ ኣብ ቅናውትኹም ኣይትቛጽሩ። ንዓያዪ ምግቡ ይግብኦ እዩ እሞ: ስንቂ ንመገዲ: ወይስ ክልተ ኽዳን: ወይ ኣሳእን: ወይ በትሪ” ኣይትማልኡ። እቶም ነቲ መልእኽቲ ዘማስውሉ ሰባት መግብን ቤትን ክህብዎም ኢዮም። የሱስ “ኣብ ዝዀነ ኸተማ ወይስ ዓዲ አቲኹም: ኣብኡ እቲ ብቑዕ መን ምዃኑ ሕተቱ። ክሳዕ እትወጹውን ኣብኡ ተቐመጡ” በሎም።

የሱስ ካብኡ ንሰብ ገዛ ብኸመይ ከም ዝቐርብዎም መምርሒ ሃቦም። “ናብ ቤት ምስ አቶኹም: ሰላም በሉ። እታ ቤት ነዚ እትበቅዕ እንተ ዀይና: ሰላምኩም ይሕደራ። ዘይትበቅዕ እንተ ዀነት ግና: ሰላምኩም ናባኻትኩም ይመለስ። እንተ ዘይተቐበሉኹም ድማ: ወይስ ቃልኩም እንተ ዘይሰምዑ: ካብታ ቤት እቲኣ ወይ ካብታ ኸተማ እቲኣ ወጺእኩም: ተጐጓ ኣእጋርኩም ንገፉ” ዝብል መምርሒ ሃቦም።

ነታ መልእኽቶም እትነጽግ ከተማ እቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝወርድ ፍርዲ ብሓቂ ብርቱዕ ከም ዝኸውን ነገሮም። “ብመዓልቲ ፍርዲ ኻብ ነታ ኸተማ እቲኣስ ንምድሪ ሶዶምን ጎሞራን ከም ዚቐልል: ብሓቂ እብለኩም አለኹ” በሎም። ማቴዎስ 9:⁠35⁠–​10:⁠15፣ ማርቆስ 6:⁠6⁠-​12፣ ሉቃስ 9:⁠1⁠-​5

▪ የሱስ ኣብ ገሊላ ሳልሳይ ናይ ስብከት ጕዕዞ ዝጀመረ መዓስ ኢዩ: እንታይከ ኢዩ ዘረጋገጸሉ፧

▪ የሱስ ነቶም 12 ሃዋርያቱ ክሰብኩ ክልእኮም ከሎ: እንታይ መምርሒ ኢዩ ዝሃቦም፧

▪ እቶም ደቀ መዛሙርቲ እታ መንግስቲ ቀሪባ ኣላ ኢሎም ክሰብኩ ቅኑዕ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧