ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ጽምብል መዓልቲ ልደት እተፈጸመ ቅትለት

ኣብ ጽምብል መዓልቲ ልደት እተፈጸመ ቅትለት

ምዕራፍ 51

ኣብ ጽምብል መዓልቲ ልደት እተፈጸመ ቅትለት

የሱስ ንሃዋርያቱ መምርሒ ድሕሪ ምሃቡ በብኽልተ ገይሩ ናብቲ ዞባ ሰደዶም። ምናልባት እቶም ኣሕዋት ዝነበሩ ጴጥሮስን እንድርያስን: ያእቆብን ዮሃንስን: ፊልጶስን በርተሎሜዎስን: ቶማስን ማቴዎስን: ያእቆብን ታድዮስን: ስምኦንን ይሁዳ ኣስቆሮታውን ብሓንሳእ ከይዶም ነይሮም ይዀኑ። እዞም ሽዱሽተ ጽምዲ ወንጌላውያን ኣብ ዝኸድዎ ብዛዕባ እታ መንግስቲ ብስራት ይእውጁን ብተኣምራት የሕውዩን ነበሩ።

ክሳዕ ሽዑ ዮሃንስ መጥምቕ ገና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኢዩ ነይሩ። ሕጅስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዳርጋ ክልተ ዓመት ኣቢሉ ገይሩ ኢዩ። ሄሮድስ ኣንጢጳስ ንሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ ሓዉ ክወስድ ጌጋ ምዃኑ ዮሃንስ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ከም እተዛረቦ ትዝክሩ ትዀኑ። ሄሮድስ ኣንጢጳስ ንሕጊ ሙሴ ከም ዝስዕብ ይዛረብ ስለ ዝነበረ: ዮሃንስ ነቲ ናይ ዝሙት ናብርኡ ምቕልዑ ግቡእ ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ሄሮድስ ምናልባት ሄሮድያዳ ስለ ዝደፋፍኣቶ ክኸውን ይኽእል ንዮሃንስ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎ።

ሄሮድስ ኣንጢጳስ ዮሃንስ ጻድቕ ሰብ ምዃኑ ይፈልጥ: አረ ባህ ኢልዎ ኢዩ ዝሰምዖ ነይሩ። ስለዚ እንታይ ከም ዝገብሮ ጠፊእዎ ነበረ። በቲ ሓደ ወገን ከኣ ሄሮድያዳ ንዮሃንስ ትጸልኦ: ከተቕትሎ ኸኣ ትደሊ ነበረት። ኣብ መወዳእትኡ ኸኣ እቲ ትጽበዮ ዝነበረት ኣጋጣሚ ረኸበት።

ቀቅድሚ ፋስጋ ናይ 32 ከ.ኣ.ዘ. ሄሮድስ መዓልቲ ልደቱ ንምኽባር ዓቢ ጽምብል ኣዳለወ። ኣብቲ ጽምብል ከኣ ኵሎም ሰብ ስልጣን: መኳንንቲ: ከምኡውን ክብ ዝበሉ ተቐማጦ ገሊላ ነበሩ። ምስ መሰየ ኸኣ ሰሎሜ እታ ሄሮድያዳ ካብ ፊልጶስ እቲ ናይ መጀመርታ ሰብኣያ ዝወለደታ ንእሽቶ ጓላ ነቶም ኣጋይሽ ክትስዕስዓሎም ወጸት። እቶም ሰብኡት በቲ ሳዕስዒታ ኣዝዮም ተሓጐሱ።

ሄሮድስ ብሰሎሜ ኣዝዩ ተሓጐሰ። “ዝደሌኽዮ ለምንኒ እሞ ኽህበኪ: በላ። ክሳዕ ፍርቂ መንግስተይ እኳ እንተዀነ: ዝለመንክኒ ኽህበኪ እየ” ኢሉ መሓለላ።

ሰሎሜ ከይመለሰትሉ ናብ ኣዲኣ ኸደት። “እንታይ ክልምኖ፧” ኢላ ኸኣ ሓተተታ።

ኣብ መወዳእትኡ እቲ ትደልዮ ዝነበረት ኣጋጣሚ ረኸበት! ሄሮድያዳ ከይተጠራጠረት “ርእሲ ዮሃንስ መጥምቕ” በለታ።

ሰሎሜ ብቕልጡፍ ናብ ሄሮድስ ተመሊሳ “ርእሲ ዮሃንስ መጥምቕ ሕጂ ሕጂ ኣብ ሒላብ ጌርካ ኽትህበኒ እደሊ አሎኹ” ኢላ ለመነቶ።

ሄሮድስ ኣዝዩ ሓዘነ። እንተዀነ ግን እቶም ኣጋይሹ እቲ ማሕልኡ ስለ ዝሰምዑ ንጹህ ሰብ ምቕታል ማለት እኳ እንተ ነበረ ክኣብያ ሓፈረ። ብኡብኡ ንዮሃንስ ዝቐትል ሰብ ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ዘርዕድ ትእዛዝ ሒዙ ከደ። ድሕሪ ሓጺር ግዜ ኸኣ ርእሲ ዮሃንስ ኣብ ሒላብ ሒዙ መጸ እሞ ንሰሎሜ ሃባ። ንሳ ኸኣ ብግዲኣ ነዲኣ ሃበታ። ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ እቲ ዝዀነ ምስ ሰምዑ መጺኦም ሬስኡ ወሲዶም ቀበርዎ: ካብኡ ኸኣ ንየሱስ ነገርዎ።

ሄሮድስ ጸኒሑ የሱስ ንሰባት የሕዊ ኣጋንንቲ የውጽእ ከም ዘሎ ምስ ሰምዐ: የሱስ እቲ ካብ ምዉታት ዝተንስአ ዮሃንስ ከይከውን ፈርሐ። ካብኡ ንንዮ ሄሮድስ ንየሱስ ክርእዮ ኣጸቢቑ በሃገ: ስብከቱ ክሰምዕ ዘይኰነስ እቲ ፍርሑ መሰረት ዘለዎ ምዃኑን ዘይምዃኑን ንኸረጋግጽ ኢሉ ኢዩ። ማቴዎስ 10:⁠1⁠-​5፣ 11:⁠1፣ 14:⁠1⁠-​12፣ ማርቆስ 6:⁠14⁠-​29፣ ሉቃስ 9:⁠7⁠-​9

▪ ዮሃንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝኣተወ ስለምንታይ ኢዩ: ሄሮድስ ክቐትሎ ዘይደለየ ስለምንታይ ኢዩ፧

▪ ኣብ መወዳእትኡ ሄሮድያዳ ዮሃንስ ከም ዝቕተል ዝገበረት ከመይ ገይራ ኢያ፧

▪ ድሕሪ ሞት ዮሃንስ ሄሮድስ ንየሱስ ክርእዮ ዝደለየ ስለምንታይ ኢዩ፧