ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣድላይነት ጸሎትን ትሕትናን

ኣድላይነት ጸሎትን ትሕትናን

ምዕራፍ 94

ኣድላይነት ጸሎትን ትሕትናን

ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ይሁዳ ከሎ የሱስ ብቐጻሊ ምጽላይ ኣድላዪ ከም ዝዀነ እተርኢ ምሳሌ ነጊርዎም ነበረ። ሕጂ ኣብቲ ንመወዳእታ ግዜ ናብ የሩሳሌም ገጹ ዝጓዓዞ ዘሎ ግዜ: ጸሎት ከቋርጹ ከም ዘይብሎም ኣጕልሐ። የሱስ እዚ ተወሳኺ ምሳሌ ክነግሮም ከሎ ምናልባት ገና ኣብ ሰማርያ ወይ ገሊላ ኢዩ ነይሩ ዝኸውን።

“ኣብ ሓንቲ ኸተማ: ንኣምላኽ ዘይፈርህ ንሰብ ድማ ዘይሐፍር ፈራዲ ነበረ። ኣብታ ኸተማ እቲኣ ድማ መበለት ነበረት: ናብኡ እናመጸት ከኣ፤ ምስ እዚ መባእስተይ ፍትሒ ኣውጽኣለይ: ትብሎ ነበረት። እናአበያ ኸኣ ሓያሎ መዓልቲ ኣደንጐያ። ድሕርቲ ግና ብልቡ፤ ኣምላኽ እንተ ዘይፈራህኩ ሰብውን እንተ ዘይሐፈርኩ: እዛ መበለት እዚኣ ላሕ ኣቢላትኒ እያ እሞ: መመሊሳ እናመጸት ከይተሰልክየንስ: ፍትሒ ደኣ ኸውጽኣላ: በለ።”

ብድሕርዚ የሱስ ትርጕም ናይዚ ዛንታ እዚ ከምዚ ብምባል ገለጸ:- “እዚ ዓመጸኛ ፈራዲ ዚብሎ ዘሎ ስምዑ። ኣምላኽዶ ግዳ [“ዋላ እኳ ነዊሕ ተጻዋርነት ይሃልዎ:” NW  ] ነቶም ለይትን መዓልትን ናብኡ ዚጠርዑ ሕሩያቱ ፍትሒ ኣየውጽኣሎምን እዩ፧”

የሱስ ከምዚ ምባሉስ የሆዋ ኣምላኽ ከምቲ ዓመጸኛ ፈራዲ ኢዩ ማለቱ ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡስ ሓደ ዓመጸኛ ፈራዲ ነቲ ብቐጻሊ ዝመጾ ልመና ይምልሰሉ ካብ ኰነ: እቲ ሕያዋይ ዝዀነ ኣምላኽ ከኣ ህዝቡ ብቐጻሊ እንተድኣ ጸልዮም ከም ዝምልሰሎም ኢዩ ዘረጋግጽ ዘሎ። ስለዚ የሱስ “[ኣምላኽ] ቀልጢፉ ፍትሒ ኸም ዜውጽኣሎም: እብለኩም አሎኹ” በለ።

እቶም ትሑት መነባብሮ ዘለዎምን ድኻታትን ብዙሕ ግዜ ፍትሒ ኣይረኽቡን ኢዮም: ነቶም ሓያላትን ሃብታማትን ግን ኵሉ ግዜ ንዕኦም ዝጥዕሞም ኢዩ ዝኸውን። ይኹን እምበር: ኣምላኽ እቶም እኩያት ከም ዝቕጽዑ ይገብር ጥራይ ዘይኰነስ ንኣገልገልቱ ናይ ዘለኣለም ህይወት ብምሃብ ብልክዕ ከም ዝፍረዱ ክገብር ኢዩ። እንተዀነ ግን: ኣምላኽ ብቕልጡፍ ፍትሒ ከም ዘውጽእ ጽኑዕ እምነት ዘለዎም ክንደይ ሰባት ኢዮም፧

የሱስ ንእምነት ምስቲ ጸሎት ዘለዎ ሓይሊ ብምትሕሓዝ “ወዲ ሰብ ምስ ዚመጽእ ግና: እንድዒ እምነት ደዀን ኣብ ምድሪ ኺረክብ እዩ፧” ብምባል ሓተተ። እቲ ሕቶ ከይተመለሰ እኳ እንተ ተረፈ: ኣብቲ ክርስቶስ ብስልጣን መንግስቱ ዝመጸሉ ግዜ ከምዚኣ ዝበለት እምነት ኣብ ብዙሓት ከም ዘይትርከብ ኢዩ ዘርኢ ዘሎ።

ካብ መንጎ እቶም ንየሱስ ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ሰባት ብዛዕባ እምነቶም ርግጸኛታት ዝነበሩ ሰባት እውን ነይሮምዎም ኢዮም። ጻድቃን ከም ዝዀኑ ይመስሎም: ንኻልኦት ከኣ ኣትሒቶም ይርእዩ ነበሩ። ገለ ካብ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እውን ኣብዚ ጕጅለ እዚ እቱዋት ኢዮም ነይሮም። ስለዚ ነዞም ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት እዛ ቀጺላ ዘላ ምሳሌ ነገሮም:-

“ክልተ ሰብኣይ: እቲ ሓደ ፈሪሳዊ: እቲ ኻልኣይ ከኣ ተጋዊ: ኪጽልዩ ናብ ቤተ መቕደስ ደየቡ። እቲ ፈሪሳዊ ደው ኢሉ ብልቡ፤ ዎ ኣምላኽ: ኣብ ሰሰሙን ክልተ መዓልቲ እጸውም: ካብ ኵሉ ገንዘበይ ከኣ ዕሽር ኤውጽእ አሎኹ: ከምቶም ካልኦት ሰባት፤ ከተርቲ: ዓመጽቲ: ዘመውቲ: ወይ ከምዚ ተጋዊ እዚ ስለ ዘይኰንኩ: ኤመስግነካ አሎኹ።”

ፈሪሳውያን ንኻልኦት ንምምሳጥ ኢሎም ኣብ ቅሉዕ ቦታ ኰይኖም ብዝገብርዎ ናይ ጽድቂ ተግባራት ፍሉጣት ኢዮም። እቲ ልሙድ መዓልትታት ናይቲ ባዕሎም ዘቘምዎ ጾም ሰኑይን ሓሙስን ኢዩ ነይሩ: ናይ ኣሕምልቲ እውን ከይተረፈ ዕሽር ንምኽፋል ጥንቁቓት ኢዮም ነይሮም። ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ኣብ በዓል ዳስ “እዚ ሕጊ [እዚ ማለት ከኣ እቲ ፈሪሳውያን ዝሃብዎ ትርጕም ማለት ኢዩ] ዘይፈልጥ ህዝብዚ ግና ርጉም እዩ” ክብሉ ከለዉ ነቶም ተራ ህዝቢ ብንዕቀት ከም ዝርእይዎም ተቓሊዑ ኢዩ።

ምሳሌኡ ብምቕጻል የሱስ ብዛዕባ እቲ “ርጉም” ተባሂሉ ዘሎ ሰብ ከምዚ ብምባል ይዛረብ:- “እቲ ተጋዊ ግና ኣብ ርሑቕ ደው ኢሉ፤ ኣምላኸይ: ንኣይ ንሓጥእ ምሐረኒ: እናበለ ኣፍ ልቡ ይወቅዕ ነበረ እምበር: ዓይኑ ናብ ሰማይ ቋሕ ኬብል እኳ ኣይደፈረን።” እቲ ተጋዊ ብትሕትና ንጕድለቱ ኣፍልጦ ስለ ዝሃበ የሱስ “ርእሱ ልዕል ዜብል ኵሉ ይዋረድ: ርእሱ ዜትሕት ግና ልዕል ይብል እዩ እሞ: እዚ ሓለፋ እቲ ጸዲቑ ናብ ቤቱ ኸም ዝወረደ: እብለኩም አሎኹ” በሎም።

በዚ ኸምዚ ኸኣ የሱስ ትሑት ናይ ምዃን ኣድላይነት እንደገና ኣጕልሐ። ኣብቲ ርእሶም ዘጽድቑ ፈሪሳውያን ጽልዋ ዝገብሩሉ ከምኡውን መዓርግን ክብርን ዓቢ ቦታ ዝወሃቦ ሕብረተሰብ ብምዕባዮም እቶም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እውን ከይተረፈ በዚ ኣረኣእያ እዚ ምጽላዎም ዘገርም ኣይኰነን። ይኹን እምበር: ከመይ ዝበለ ናይ ትሕትና ትምህርቲ ኢዩ የሱስ ዝማሃረ! ሉቃስ 18:⁠1-14፣ ዮሃንስ 7:⁠49

▪ እቲ ዓመጸኛ ፈራዲ ነታ መበለት ፍትሒ ዘውጽኣላ ስለምንታይ ኢዩ: እቲ ናይ የሱስ ምሳሌኸ እንታይ ትምህርቲ የመሓላልፍ፧

▪ የሱስ ክመጽእ ከሎ እንታይ ዓይነት እምነት ኢዩ ክደሊ፧

▪ የሱስ ነቲ ብዛዕባ ሓደ ፈሪሳውን ሓደ ተጋውን ዝገልጽ ምሳሌኡ ንመን ኢዩ ተዛሪብዎ፧

▪ እንታይ ናይ ፈሪሳውያን ኣረኣእያ ኢዩ ክውገድ ዘለዎ፧