ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣጋንንቲ ዝሓዝዎ ወዲ ሓወየ

ኣጋንንቲ ዝሓዝዎ ወዲ ሓወየ

ምዕራፍ 61

ኣጋንንቲ ዝሓዝዎ ወዲ ሓወየ

የሱስ: ጴጥሮስ: ያእቆብ: ከምኡውን ዮሃንስ ኣብ ከረን ሄርሞን ደይቦም ከለዉ: እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ ሽግር ኣጓነፎም። የሱስ ምስ ተመልሰ: ገለ ጸገም ከም ዘሎ ብኡንብኡ ተረድኦ። ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ህዝቢ ከቢብዎም ነበረ: እቶም ጸሓፍቲ ኸኣ ይከራኸርዎም ነበሩ። እቶም ህዝቢ የሱስ ክመጽእ ምስ ረኣይዎ ኣዝዩ ገረሞም እሞ ሰላም ክብልዎ ብጕያ ናብኡ ኸዱ። ንሱ ኸኣ “ብዛዕባ እንታይ ትካራኸርዎም አሎኹም፧” ኢሉ ሓተቶም።

ካብቶም ህዝቢ ኸኣ ሓደ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚ የሱስ ተደፊኡ “መምህር: ንወደይ ዘይዛረብ መንፈስ ሒዝዎስ ናባኻ ኣምጺኤዮ አሎኹ: ኣብ ዝሐዞ ድማ የምበድብዶ: ንሱ ኸኣ ይዐፍር: ኣስናኑ ይሕርቅም ይነቅጽውን። ንደቀ መዛሙርትኻ ድማ ኬውጽእዎ ነጊረዮምሲ: ንሳቶም ግና ኣይከአሉን” በሎ።

ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ነቲ ወዲ ከሕውይዎ ብዘይምኽኣሎም እቶም ጸሓፍቲ ከም ዓቢ ነገር ገይሮም ረኣይዎ: ምናልባት እውን ነቲ ጻዕሮም ኣናሽዮሞ ይዀኑ ኢዮም። ኣብዚ ወሳኒ ህሞት እዚ የሱስ መጸ እሞ: “ኣታ ዘይእሙን ወለዶ: ክሳዕ መኣዝ ምሳኻትኩም ክነብር እየ፧ ክሳዕ መኣዝሲ ኽዕገሰኩም እየ፧” በሎም።

የሱስ እዚ ቃላት እዚ ንዅሎም እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት ዝበሎም ኢዩ ዝመስል: ብፍላይ ግን ነቶም ንደቀ መዛሙርቱ ከሸግርዎም ዝጸንሑ ጸሓፍቲ ዝምልከታ ምንባረን ኣየጠራጥርን ኢዩ። ካብኡ ቀጺሉ ኸኣ የሱስ ነቲ ወዲ “ናባይ ኣምጽእዎ” በሎም። እቲ ወዲ ናብ የሱስ ገጹ ክመጽእ ከሎ ግን እቲ ሒዝዎ ዝነበረ ጋኔን ናብ ምድሪ ኣውደቖ እሞ ኣበርቲዑ ከም ዘምበድብድ ገበሮ። እቲ ወዲ ኣብ መሬት ኣንገርገረ ብኣፉ ኸኣ ዓፈረ።

የሱስ ከኣ “እዚ ኻብ ዚሕዞ ኽንደይ ዘመኑ እዩ፧” ኢሉ ሓተተ።

እቲ ኣቦኡ ኸኣ “ካብ ንእስነቱ: [እቲ ጋኔን] ኬጥፍኦ ብዙሕ ሳዕ ኣብ ሓውን ኣብ ማይን ደርብይዎ” ብምባል መለሰሉ። “ገለ ትኽእል እንተ ዄንካ ግና: ደንግጸልናን ርድኣናን” ኢሉ ለመኖ።

እቲ ኣቦ ምናልባት ንብዙሕ ዓመታት ሓገዝ ይደሊ ነይሩ ይኸውን። ሕጂ ኸኣ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ምኽኣል ምስ ሰኣንዎ ዝገደደ ተጨነቐ። ነቲ ጭንቀት ዝነበሮ ልማኖ ናይቲ ሰብኣይ ብምምልካት የሱስ “እትኽእል እንተ ዄንካ: ትብል አሎኻ። ንዚአምን ኵሉ ይክአል እዩ” በሎ።

እቲ ኣቦ ብኡንብኡ ዓው ኢሉ: “እአምን” ኢሉ መለሰ። እንተዀነ ግን: “ንዘይምእማነይ ደግፎ” ኢሉ እውን ለመኖ።

የሱስ እቶም ህዝቢ ናብኡ ገጾም ይጐዩ ከም ዘለዉ ምስ ረኣየ ኸኣ ነቲ ጋኔን “ኣታ ዘይዛረብ ጸማም መንፈስ: እእዝዘካ አሎኹ: ካብኡ ውጻእ ተመሊስካውን አይትእተዎ” ኢሉ ገንሖ። እቲ ጋኔን ክወጽእ ከሎ ነቲ ወዲ ከም ዝግዕርን ብዙሕ ሳዕ ከም ዘምበድብድን ገበሮ። ብድሕርዚ እቲ ወዲ ኣብቲ መሬት ረፍ በለ እቶም ህዝቢ ኸኣ ‘ዝሞተ’ መሰሎም። የሱስ ነቲ ወዲ ብኢዱ ሓዞ እሞ ንሱ ኸኣ ሓፍ በለ።

ኣቐድም ኣቢሉ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ክሰብኩ ምስ ተላእኩ ኣጋንንቲ ኣውጺኦም ነይሮም ኢዮም። ስለዚ ኸኣ ኢዮም ሽዑ ኣብ ሓደ ቤት ምስ ኣተዉ ንየሱስ “ከመይ ደአ ንሕና ምውጻኡ ዝሰአንና፧” ኢሎም ዝሓተትዎ።

እምነት ብምጕዳሎም ምዃኑ ንምምልካት ‘እዚ ኸምዚ ዝበለ ዓሌት ብዘይ ብጸሎት ኪወጽእ ኣይከአልን ኢዩ’ ኢሉ መለሰሎም። ነቲ ዘጓነፎም ፍልይ ዝበለ ጋኔን ንምውጻእ ምድላው የድሊ ከም ዝነበረ ርዱእ ኢዩ። ብርትዕቲ እምነት ከምኡውን ሓይሊ ዝህብ ሓገዝ ኣምላኽ ንምርካብ ብጸ​ሎት ምሕታት የድሊ ነበረ።

ብድሕርዚ የሱስ “ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትአክል እምነት እንተ አልያትኩም: ነዚ ኸረን ድማ፤ ካብዚ ናብቲ ኣግልስ: ትብልዎ: ንሱ ኸኣ የግልስ: ዚሰአነኩምውን የልቦን” በሎም። እምነት ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢያ ሓያል ክትከውን እትኽእል!

ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዕቤት ንኸይትገብር ክዓናቕፍን ከሸግርን ዝኽእል ነገራት ልክዕ ከም ዓቢ ጎቦ ክትሰግሮ ወይ ከተልግሶ ዘይከኣል መሲሉ ይርአ ይኸውን ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣብ ልብና እምነት እንተ ዘሪእና: ከምኡውን ማይ ምስ እነስትዮን ከም ዝዓቢ ምስ እንገብሮን ኣብ ብስለት ይበጽሕ እሞ: ከም ጎቦ ዝበለ ዝዓናቕፍን ዘሸግርን ነገራት ንኽንዋጽኣሉ ከም ዘኽእለና የሱስ ኣርኣየ። ማርቆስ 9:⁠14-29፣ ማቴዎስ 17:⁠19, 20፣ ሉቃስ 9:⁠37-43

▪ የሱስ ካብ ከረን ሄርሞን ምስ ተመልሰ እንታይ ኵነታት ኢዩ ዘጋጠሞ፧

▪ የሱስ ነቦ እቲ ጋኔን ዝሓዞ ወዲ እንታይ መተባብዒ ኢዩ ዝሃቦ፧

▪ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ነቲ ጋኔን ከውጽእዎ ዘይከኣሉ ስለምንታይ ኢዮም፧

▪ የሱስ እምነት ክሳዕ ክንደይ ሓያል ክትከውን ከም እትኽእል ኢዩ ዘርኣየ፧