ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቲ ሃብታም ሰብኣይን ኣልኣዛርን

እቲ ሃብታም ሰብኣይን ኣልኣዛርን

ምዕራፍ 88

እቲ ሃብታም ሰብኣይን ኣልኣዛርን

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ንገንዘብን ንኣምላኽን ከነገልግል ከም ዘይንኽእል ብምግላጽ ብዛዕባ ግቡእ ኣጠቓቕማ ሃብቲ ኢዩ ክገልጸሎም ጸኒሑ። እቶም ፈሪሳውያን ከኣ ይሰምዑ ኢዮም ዘለዉ: ፍቕሪ ገንዘብ ስለ ዘለዎም ከኣ ንየሱስ ከናሽውዎ ጀመሩ። ስለዚ ኸኣ “እቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዓብዪ መሲሉ ዚርኤ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ፍንፉን እዩ እሞ: ንስኻትኩም ርእስኹም ኣብ ቅድሚ ሰብ ተጽድቑ ኢኹም: ንልብኹም ግና ኣምላኽ ይፈልጦ እዩ” በሎም።

እቶም ብዓለማዊ ነገራት: ፖለቲካዊ ሓይሊ: ከምኡውን ሃይማኖታዊ ቝጽጽርን ጽልዋን ሃብታማት ዝዀኑ ሰባት ዝግልበጦም ግዜ በጺሑ ኣሎ። ክዋረዱ ኢዮም። እቶም ብመንፈስ ዘድልዮም ነገራት ኣፍልጦ ዝህቡ ግን ክብ ክብሉ ኢዮም። የሱስ ነቶም ፈሪሳውያን ከምዚ ዝስዕብ ክብሎም ከሎ ነዚ ከምዚ ዝበለ ለውጢ ኢዩ ኣመልኪቱ:-

“ሕግን ነብያትን ክሳዕ ዮሃንስ [መጥምቕ] ነበሩ። ካብ ሽዑ ንነጀው መንግስቲ ኣምላኽ ትብሰር አላ: ኵሎም ድማ ይዳፍኡላ አለዉ። ካብ ሕጊ ሓንቲ ነቝጣ ኻብ እትወድቕሲ: ሰማይን ምድርን ኪሐልፍ ይቐልል።”

ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ንሕጊ ሙሴ ንስዕቦ ኢና ስለ ዝብሉ በዚ ይዀርዑ ነበሩ። የሱስ ብተኣምራት ንሓደ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ዕዉር ሰብኣይ ምስ ኣሕወዮ “ንሕና ግና ደቀ መዛሙርቲ ሙሴ ኢና። ንሕናስ: ኣምላኽ ንሙሴ ኸም እተዛረቦ: ንፈልጥ አሎና” ኢሎም ከም እተጃህሩ ዘክር። ሕጂ ግና ሕጊ ሙሴ ነቶም ትሑታት ናብቲ ብኣምላኽ እተሰየመ ንጉስ የሱስ ክርስቶስ ናይ ምምራሕ ዕላምኡ ፈጺሙ ኢዩ። ስለዚ ካብቲ ዮሃንስ ኣገልግሎቱ ዝጀመረሉ ግዜ ኣትሒዙ: ኵሎም ሰባት ብፍላይ ከኣ እቶም ትሑታትን ድኻታትን ተገዛእቲ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ንኽዀኑ ይጽዕሩ ኣለዉ።

ሕጊ ሙሴ ተፈጺሙ ስለ ዝዀነ ንዕኡ ናይ ምሕላው ግዴታ ከልግስ ኢዩ። እቲ ሕጊ ብእተፈላለየ መገዲ ፍትሕ የፍቅድ ኢዩ የሱስ ግን “ንሰበይቱ ዚፈትሓ ዘበለ ኻልእውን ዜእቱ ይዝሙ: ካብ ሰብኣያ ንእተፈትሔት ዜእቱውን ይዝሙ” በለ። ፈሪሳውያን ብእተፈላለየ ምኽንያት ፍትሕ የፍቅዱ ስለ ዝነበሩ ከምዚ ዝበለ ዘረባስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኣሕሪቕዎም ክኸውን ኣለዎ!

ቀጺሉ ኸኣ የሱስ ንፈሪሳውያን ብዛዕባ ኣብ መወዳእታ ብሃንደበት ደረጅኦም ወይ ከኣ ኵነታቶም እተለወጠ ክልተ ሰብኡት ምሳሌ ነገሮም። እዞም ሰብኡት እዚኣቶም እንታይ ከም ዘመልክቱ: ናይ ኵነታቶም ምልዋጥ ከኣ እንታይ ማለት ምዃኑስ ክትፈልጦዶ ምኸኣልካ፧

የሱስ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ቀይሕ ክዳንን ክቡር በፍታን ዚኽደን: ኵሉ መዓልቲ ኸኣ እናኣጋየጸ ዚሕጐስ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ። ኣልኣዛር ዝስሙ ድኻውን: ብቝስሊ ተወሪሱ ኣብ ኣፍ ደጊኡ ወዲቑ ነበረ። ካብቲ ኻብ መኣዲ እቲ ሃብታም ዚወድቕ ርፍራፍ ኪጸግብ ድማ ሃረር ይብል ነበረ። ኣኽላባት እናመጹ ኸኣ ቍስሉ ይልሕሱ ነበሩ።”

የሱስ እቲ ሃብታም ሰብኣይ ነቶም ፈሪሳውያንን ጸሓፍትን ጥራይ ዘይኰነስ ነቶም ሰዱቃውያንን ሊቃውንቲ ኻህናትን እውን ዘጠቓልል ናይ ኣይሁዳውያን መራሕቲ ሃይማኖት ንምምልካት ኢዩ ተጠቒሙሉ። ብመንፈሳዊ መሰላትን ኣጋጣሚታትን ሃብታማት ኢዮም: ከምቲ እቲ ሃብታም ሰብኣይ ዝገበሮ ኸኣ ኢዮም ዝገብሩ። እቲ ናይ ንግስነት ቀይሕ ክዳኖም ነቲ ምሾት ዘለዎ ቦትኦም የመልክት: እቲ ጻዕዳ በፍታ ኸኣ ርእሶም ዘጽድቑ ምዃኖም ዘመልክት ኢዩ።

እዞም ዕቡያት ዝዀኑ ክፍሊ ናይቲ ሃብታም ሰብኣይ ነቶም ድኻታት: ተራ ህዝቢ ‛ኣምሃ· ’ኣ ʹረትስ: ወይ ከኣ ሓመድ ሓፋሽ ኢሎም ብምጽዋዕ ብንዕቀት ኢዮም ዝርእይዎም። ስለዚ እቲ ድኻ ኣልኣዛር ነዞም ሃይማኖታውያን መራሕቲ ግቡእ መንፈሳዊ መግብን መሰልን ዝኸልእዎም ሰባት ኢዩ ዘመልክት። በዚ ኸምዚ ኸኣ ከምቲ ኣልኣዛር ቍስሊ ዝነበሮ: እዞም ተራ ሰባት ብመንፈስ ከም ዝሓመሙ እሞ ምስ ኣኽላባት ጥራይ ክሓብሩ ከም ዝኽእሉ ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎም ነይሮም። ይኹን እምበር: እቶም ክፍሊ ኣልኣዛር መንፈሳዊ መግቢ ንምርካብ ይጠምዩን ይጸምኡን ኢዮም: ስለዚ ኸኣ ኢዮም ካብ ርፍራፍ ናይቲ ሃብታም ሰብኣይ ክረኽቡ ሃንቀው ብምባል ኣብ ኣፍ ደገ ዘለዉ።

ካብኡ ቐጺሉ የሱስ ኵነታት ናይቲ ሃብታም ሰብኣይን ኣልኣዛርን ከም እተለወጠ ገለጸ። እዚ ለውጢ እንታይ ኢዩ: እንታይ ኢዩኸ ዘመልክት፧

እቲ ሃብታም ሰብኣይን ኣልኣዛርን ለውጢ የጓንፎም

እቲ ሃብታም ሰብኣይ ነቶም መንፈሳዊ መሰልን ኣጋጣምን ዝረኸቡ መራሕቲ ሃይማኖት ኢዩ ዘመልክት: ኣልኣዛር ከኣ ነቶም መንፈሳዊ መግቢ ንምርካብ ሃረር ዝብሉ ተራ ህዝቢ ኢዩ ዘመልክት። የሱስ ኣብ ኵነታት ናይዞም ሰብኡት ሃንደበታዊ ለውጢ ከም ዝዀነ ብምንጋር ዛንትኡ ከምዚ ኢሉ ይቕጽል:-

“ኰነ ድማ: እቲ ድኻ ምስ ሞተ: መላእኽቲ ናብ ሕቝፊ ኣብርሃም ወሰድዎ። እቲ ሃብታም ከኣ ሞተ ተቐብረውን። ኣብ ሲኦል ኣብ ስቓይ ኰይኑ: ዓይኑ ቛሕ ኣቢሉ: ንኣብርሃም ኣብ ርሑቕ: ንኣልኣዛርውን ኣብ ሕቝፉ ረአዮ።”

እቲ ሃብታም ሰብኣይን ኣልኣዛርን ቃል ብቓሉ ንኽልተ ሰባት ዘይኰኑስ ጕጅለ ሰባት ዘመልክቱ ብምዃኖም: እቲ ሞቶም እውን ምሳልያዊ ከም ዝዀነ ርዱእ ኢዩ። ሞቶም እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧

የሱስ ናይ ኵነታት ለውጢ ክህሉ ከም ዝዀነ ንምምልካት “ሕግን ነብያትን ክሳዕ ዮሃንስ ነበሩ። ካብ ሽዑ ንነጀው መንግስቲ ኣምላኽ ትብሰር አላ” ብምባል ኣቐድም ኣቢሉ ተዛሪቡ ነይሩ ኢዩ። ስለዚ እቲ ሃብታም ሰብኣይን ኣልኣዛርን ብናይ ዮሃንስን የሱስ ክርስቶስን ስብከት ኢዮም ካብቲ ቅድም ዝነበሮም ኵነታት ዝሞቱ።

እቶም ትሑታትን ዝናስሑን ክፍሊ ኣልኣዛር ካብቲ ቅድም ዝነበሮም ኵነታት ናይ መንፈሳዊ ጥሜት ሞይቶም: መለኮታዊ ስምረት ኣብ ዘለዎ ቦታ ይኣትዉ። ቅድሚ ሕጂ ነቲ ካብ መንፈሳዊ መኣዲ ናይቶም መራሕቲ ሃይማኖት ዝወድቕ ሒደት ርፍራፍ ኢዮም ዝጽበዩ ነይሮም: ሕጂ ግን እቲ ብየሱስ እተነግሮም ሓቂ ዘድልዮም ነገር ከም ዝረኽቡ ገይርዎም ኢዩ። በዚ ኸምዚ ኣብ ናይቲ ዝዓበየ ኣብርሃም ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ሕቝፊ ኣተዉ ማለት ስምረቱ ረኸቡ።

በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ እቶም ክፍሊ እቲ ሃብታም ሰብኣይ ዝዀኑ: ብተደጋጋሚ ነቲ ብየሱስ እተነግረ መልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ምቕባል ስለ ዝኣበዩ ካብ መለኮታዊ ስምረት የልግሱ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ካብቲ ቅድም ስምረት ዘለዎ ዝመስል ዝነበረ ኵነታቶም ይሞቱ። አረ ኣብ ምሳልያዊ ምስቓይ ከም ዝኣትዉ ኢዩ ተዛሪቡሎም ዘሎ። ሕጂ እቲ ሃብታም ሰብኣይ ክዛረብ ከሎ ስምዓዮ:-

“ዎ ኣቦይ ኣብርሃም: በዚ ሃልሃልታዚ እስቀ አሎኹ እሞ ምሐረኒ: ኣንፊ ኣጻብዑ ኣብ ማይ ጠሚዑ ልሳነይ ኬዝሕለለይ: ንኣልኣዛር ስደደለይ።” ነዞም ክፍሊ ሃብታም ሰብኣይ ዘሳቕዮም እቲ ብደቀ መዛሙርቲ የሱስ እተሰብከ ብዛዕባ ፍርዲ ኣምላኽ ዝገልጽ መልእኽቲ ኢዩ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ነዚ መልእኽትታት እዚ ካብ ምንጋር ከቋርጹ ኢዮም ዝደልዩዎም ነይሮም: በዚ ኸምዚ ኸኣ ካብቲ ስቓዮም ቁሩብ ዕረፍቲ ይረኽቡ።

“ኣብርሃም ግና፤ ወደይ: ንስኻስ ብህይወትካ ኸሎኻ ተድላኻ ኸም እተቐበልካ: ኣልኣዛር ድማ ከምኡ መከራ ኸም ዝጸገበ ዘክር። ሕጂ ግና ንሱ ኣብዚ ይጸናናዕ: ንስኻ ድማ ትስቀ። ምስናይ እዚ ዅሉ ድማ: እቶም ካብዚ ናባኻትኩም ኪሐልፉ ዚደልዩ ምእንቲ ኸይክእሉ: ኣብኡ ዘለዉውን ናባና ኸይሳገሩስ: ኣብ መንጎናን መንጎኹምን ዓብዪ ጋግ ተገይርዎ አሎ: በሎ።”

ኣብ መንጎ እቶም ክፍሊ ኣልኣዛርን እቶም ክፍሊ ሃብታም ሰብኣይን ከምዚ ዝበለ ሃንደበታዊ ለውጢ ክህሉስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ግቡእ ኰን ኢዩ ነይሩ! እቲ ናይ ኵነታት ለውጢ ሒደት ኣዋርሕ ድሕሪ በዓል ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ኢዩ ተፈጺሙ: ሽዑ እቲ ሕጊ ኺዳን በቲ ሓድሽ ኪዳን ተተክአ። ኣብቲ ግዜ እቲ ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም እቶም ፈሪሳውያንን ካልኦት መራሕቲ ሃይማኖትን ዘይኰኑስ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ምዃኖም ግልጺ ዀነ። ነቲ ምሳልያዊ ሃብታም ሰብኣይን ንደቀ መዛሙርቲ የሱስን ዝፈላልዮም “ዓቢ ጋግ” ነቲ ዘይልወጥ ጻድቕ ፍርዲ ኣምላኽ ኢዩ ዘመልክት።

ብድሕርዚ እቲ ሃብታም ሰብኣይ “ዎ ኣቦይ: እምብኣርሲ ሓሙሽተ ኣሕዋት አለዉኒ እሞ: . . . ንኣልኣዛር ናብ ቤት ኣቦይ ክትሰዶ እልምነካ አሎኹ” በሎ። በዚ ኸምዚ እቲ ሃብታም ሰብኣይ ምስ ካልእ ኣቦ ማለት ሰይጣን ድያብሎስ ጥብቂ ርክብ ከም ዘለዎ ተናዘዘ። እቲ ሃብታም ሰብኣይ ነቶም ‘ሓሙሽተ ኣሕዋቱ’ ማለት ነቶም ሃይማኖታውያን ደገፍቱ ኣብዚ ‘ስፍራ ስቓይ ከይመጹ’ ኣልኣዛር ነቲ መልእኽቲ ናይ ፍርዲ ኣምላኽ ከዝሕሎ ኢዩ ሓቲቱ።

ኣብርሃም ግና “ሙሴን ነብያትን አለውዎም: ንኣታቶም ይስምዑ” በሎ። እወ: እዞም “ሓሙሽተ ኣሕዋት” ካብዚ ስቓይ ክድሕኑ እንተድኣ ደልዮም ናብቲ ንየሱስ ከም መሲሕ ዝዛረበሉ ናይ ሙሴን ነብያትን ጽሑፋት ከቕልቡ እሞ ብድሕርዚ ኸኣ ደቀ መዛሙርቱ ክዀኑ ጥራይ ኢዩ ዘለዎም። እቲ ሃብታም ሰብኣይ ግን ተቓወመ እሞ: “ኣይኰነን: ኣቦይ ኣብርሃም: ካብ ምዉታት ሓደ እንተ ኸዶምሲ: ኪንስሑ እዮም” በሎ።

ይኹን እምበር: “ንሙሴን ነብያትን እንተ ዘይሰምዕዎምሲ: ካብ ምዉታት ሓደ እንተ ተንስኤውን: ከቶ አይአምኑን እዮም” በሎ። ኣምላኽ ሰባት ከም ዝኣምኑ ንምግባር ፍልይ ዝበለ ምልክት ወይ ተኣምራት ኣየዳሉን ኢዩ። ስምረቱ ክረኽቡ ዝደልዩ እንተድኣ ዀይኖም ቅዱሳት ጽሑፋት ከንብቡን ኣብ ተግባር ከውዕልዎን ኣለዎም። ሉቃስ 16:⁠14-31፣ ዮሃንስ 9:⁠28, 29፣ ማቴዎስ 19:⁠3-9፣ ገላትያ 3:⁠24፣ ቈሎሴ 2:⁠14፣ ዮሃንስ 8:⁠44

▪ ሞት ናይቲ ሃብታም ሰብኣይን ኣልኣዛርን ምሳልያዊ ክኸውን ዘለዎ ስለምንታይ ኢዩ: ሞቶምከ እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧

▪ ኣብ ምጅማር ናይ ዮሃንስ ኣገልግሎት እንታይ ለውጢ ከም እተገብረ ኢዩ የሱስ ዘመልከተ፧

▪ ብድሕሪ ሞት የሱስ እንታይ ኢዩ ከልግስ: እዚኸ ንናይ ፍትሕ ጕዳይ ብኸመይ ክትንክፎ ኢዩ፧

▪ ኣብ ናይ የሱስ ምሳሌ እቲ ሃብታም ሰብኣይን ኣልኣዛርን ንመን ኢዮም ዘመልክቱ፧

▪ ስቓይ ናይቲ ሃብታም ሰብኣይ እንታይ ኢዩ: ብኸመይ ክፈዅሰሉ ኢዩኸ ዝሓተተ፧

▪ እቲ “ዓብዪ ጋግ” እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧

▪ ነቲ ሃብታም ሰብኣይ ናይ ሓቂ ኣቡኡ መን ኢዩ: እቶም ሓሙሽተ ኣሕዋቱኸ መን ኢዮም፧