ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቲ መብጽዓ እተገብሮ ቈልዓ

እቲ መብጽዓ እተገብሮ ቈልዓ

ምዕራፍ 6

እቲ መብጽዓ እተገብሮ ቈልዓ

ናብ ናዝሬት ኣብ ክንዲ ምምላስ ዮሴፍን ማርያምን ኣብ ቤት⁠-​ልሄም ተረፉ። የሱስ ወዲ ሸሞንተ መዓልቲ ምስ ኰነ ከምቲ ኣምላኽ ንሙሴ ዝሃቦ ትእዛዝ ገዘርዎ። ንወዲ ኣብ ሻምናይ መዓልቲ ስም ምውጻእ ከኣ ልሙድ ከም ዝነበረ ርዱእ ኢዩ። ስለዚ ንወዶም ከምቲ ገብርኤል መልኣኽ ኣቐዲሙ ዝበሎም የሱስ ኢሎም ሰመይዎ።

ካብ ወርሒ ንላዕሊ ሓለፈ: የሱስ ከኣ ወዲ 40 መዓልቲ ኰነ። ወለዱ ኣበይ ኢዮም ዝወስድዎ ዘለዉ፧ ናብቲ ካብ ቤት-ልሄም ብዙሕ ዘይርሕቕ ኣብ የሩሳሌም ዘሎ ቤት መቕደስ ኢዮም ወሲዶሞ። ብመሰረት እቲ ኣምላኽ ንሙሴ ዝሃቦ ትእዛዝ: ሓንቲ ኣደ ወዲ ምስ ወለደት ድሕሪ 40 መዓልትታት ናይ መንጽሂ መስዋእቲ ኣብ ቤት መቕደስ ከተቕርብ ኣለዋ።

ማርያም ከኣ ከምኡ ገበረት። ንመስዋእቲ ዝኸውን ክልተ ንኣሽቱ ኣዕዋፍ ኣቕረበት። እዚ ኸኣ: ብዛዕባ እቲ ዮሴፍን ማርያምን ዝነበሮም ናይ ቍጠባ ኵነታት ዝገልጽ ኢዩ። ሕጊ ሙሴ እቲ ካብ ኣዕዋፍ ኣዝዩ ዝኸበረ ገንሸል ዓመት ክቐርብ ከም ዘለዎ ኢዩ ዝዛረብ። እታ ኣደ እዚ ከተቕርብ ዘይትኽእል ምስ እትኸውን ግን ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫጩት ርግቢ ምቕራብ ይከኣል ኢዩ።

ኣብቲ ቤት መቕደስ ሓደ ኣረጊት ሰብኣይ ንየሱስ ሓቘፎ። ስሙ ስምኦን ኢዩ። ነቲ ናይ የሆዋ መብጽዓ ዝዀነ ክርስቶስ ወይ ከኣ መሲሕ ከይረኣየ ከም ዘይመውት ኣምላኽ ብራእይ ነጊርዎ ነይሩ ኢዩ። ስምኦን በዛ መዓልቲ እዚኣ ናብ ቤት መቕደስ ምስ መጸ: መንፈስ ቅዱስ ናብቲ ዮሴፍን ማርያምን ሒዞሞ ዝነበሩ ሕጻን መርሖ።

ስምኦን ንየሱስ ምስ ሓቘፎ “ዎ ጐይታይ: ነቲ ንምብራህ ኣህዛብ [“ካብ ኣህዛብ ጕልባብ ዝቕንጥጥ:” NW ] ብርሃን: ንህዝብኻ እስራኤልውን ክብረት ምእንቲ ኪኸውን: ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ዘዳሎኻዮ ምድሓንካ ኣዒንተይ ካብ ረአያስ: ሕጂ ኸምቲ ዘረባኻ ንባርያኻ ብሰላም ተፋንዎ ኢኻ” ብምባል ንኣምላኽ ኣመስገነ።

ዮሴፍን ማርያምን እዚ ምስ ሰምዑ ተገረሙ። ብድሕርዚ ስምኦን ባረኾም እሞ ንማርያም ከኣ ወዳ “ንብዙሓት ኣብ እስራኤል ንምዳቖምን ምትንሳኦምን” ከም እተወልደ: ንዓኣ እውን ከም ሴፍ ዝወግእ ጓሂ ክወርዳ ከም ዝዀነ ነገራ።

ኣብዚ ግዜ እዚ እታ ጓል 84 ዓመት ዝነበረት ሃና ዝስማ ነብዪት ኣብኡ ነበረት። አረ ካብ ቤት መቕደስ ኣብኲራ ኣይትፈልጥን ኢያ። ኣብታ ግዜ እቲኣ ኸኣ ቅርብ በለት እሞ: ንኣምላኽ ከተመስግንን ንዅሎም እቶም ዝሰምዑ ዘበሉ ኸኣ ብዛዕባ የሱስ ክትነግሮምን ጀመረት።

ዮሴፍን ማርያምን በቲ ኣብ ቤት መቕደስ ዝዀነ ፍጻሜታት ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዮም እተሐጐሱ! እዚ ዅሉ እቲ ቘልዓ እቲ ኣምላኽ እተመባጽዓሉ ከም ዝዀነ ኣረጋጊጹሎም ኢዩ። ሉቃስ 2:⁠21⁠-​38፣ ዘሌዋውያን 12:⁠1⁠-​8

▪ ሓደ እስራኤላዊ ሕጻን ወዲ ምስ ዝኸውን ብልምዲ ስም ዝወጸሉ ግዜ መዓስ ኢዩ፧

▪ ሓንቲ እስራኤላዊት ኣደ ወዳ ወዲ 40 መዓልቲ ምስ ኰነ እንታይ ክትገብር ኢዩ ትጽቢት ዝግበረላ ዝነበረ: ነቲ ካብኣ ዝድለ ነገር ኣብ ግብሪ ምውዓላኸ ማርያም ዝነበራ ናይ ቁጠባ ኵነታት ዝገልጽ ብኸመይ ኢዩ፧

▪ ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ መንነት ናይ የሱስ እተገንዘቡ መን ኢዮም: ነዚኸ ብኸመይ ኣርኣይዎ፧