ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቲ ኣብ ቤት መቕደስ ዝግበር ኣገልግሎት ተወድአ

እቲ ኣብ ቤት መቕደስ ዝግበር ኣገልግሎት ተወድአ

ምዕራፍ 110

እቲ ኣብ ቤት መቕደስ ዝግበር ኣገልግሎት ተወድአ

የሱስ ንመወዳእታ ግዜ ኢዩ ኣብ ቤት መቕደስ ዘሎ። ብሓቂ ክርአ ኸሎ: ብዘይካ እቲ ኣብቲ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ዝመጽእ ዝፍረደሉን ዝቕተለሉን ግዜ ዝኸውን ፍጻሜታት: እቲ ኣብ ምድሪ ዝገብሮ ኣገልግሎት ይድምድም ኢዩ ዘሎ። ሕጂ ኸኣ ነቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ምግናሕ ቀጸለ።

ወሲኹ ሰለስተ ግዜ “ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን . . . ወይለኹም” በለ። መጀመርታ “ዝባን ዋንጫን መሬትን ጻሕልን” ስለ ዘጽርዩ “ውሽጡ ግና ከትርን ስስዔን ምሉእ” ስለ ዝዀነ ወይለኹም በሎም። ስለዚ ኸኣ “ነቲ ዋንጫ መሬትን ጻሕልን ዝባኑ ድማ ጸሩይ ምእንቲ ኪኸውንሲ: ቅድም ውሽጡ ኣጽርዮ” ብምባል መዓዶም።

ቀጺሉ ኸኣ ንጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ነቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ብልሽውን ምሽሙሽን በቲ ሃይማኖታውያን ዘምስሎም ደጋዊ ነገር ስለ ዝሽፍንዎ ወይለኹም በሎም። ከምቲ “ወጻኢኡ ጽቡቕ ኰይኑ ዚርኤ: ውሽጡ ግና ኣዕጽምቲ ምዉታትን ርኽሰትን ዝመልኤ ልቕሉቕ መቓብር ትመስሉ” በሎም።

ኣብ መወዳእታ: ኣብቲ ንሶም ዝገብርዎ ተግባራት ልግሲ ቈላሕታ ከም ዝግበር ንምግባር: መቓብር ነብያት ክሰርሑን: ክስልምዎን ብምድላዮም እቲ ግብዝንኦም ግልጺ ኰነ። እንተዀነ ግን: ከምቲ የሱስ ዝገለጾ “ደቂ ቐተልቲ ነብያት” ኢዮም። ብርግጽ ከኣ ነቲ ግብዝንኦም ከቃልዕ ዝደፈረ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣብ ሓደጋ ኢዩ ዝኣቱ!

ቀጺሉ የሱስ እቲ ዝሓየለ ናይ ኵነኔ ቃላቱ ኣውስአ። “ኣቱም ኣትማን: ውሉድ እቲ መንደላይ ተመን: ከመይ ጌርኩምከ ኻብ ፍርዲ ገሃነም ክትመልቁ፧” በሎም። ገሃነም እቲ ኣብ የሩሳሌም ጐሓፍ ዝድርበየሉ ዝነበረ ስንጭሮ ኢዩ። ስለዚ የሱስ እቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ብምኽንያት እቲ ዝኸድዎ ዝነበሩ እኩይ መገዲ ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት ከም ዝረኽቡ ኢዩ ዝዛረብ ዘሎ።

የሱስ ብዛዕባ እቶም ከም ወኪላቱ ዝልእኮም ሰባት ከኣ ከምዚ ይብል:- “ንገሊኦም ትቐትሉን ትሰቕሉን: ንገሊኦም ከኣ ኣብ ቤት ጸሎትኩም ትገርፉ: ካብ ዓዲ ናብ ዓዲውን ትሰጕዎም አሎኹም። እቲ ኻብ ደም ኣቤል ጻድቕ ጀሚሩ: ክሳዕ ደም እቲ ኣብ መንጎ ቤተ መቕደስን መሰውእን ዝቐተልኩምዎ ዘካርያስ ወዲ በራክያስ: [ኣብ ካልኣይ ዜና መዋእል ዮያዳ ተባሂሉ ኣሎ] ኣብ ምድሪ ዝፈሰሰ ዅሉ ጻድቕ ደም ኣባኻትኩም ኪበጽሕ እዩ። እዚ ዅሉ ነዚ ወለዶ እዚ ኸም ዚበጽሖ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።”

ዘካርያስ ንመራሕቲ እስራኤል ስለ እተቘጥዖም “ተማሓሐሉሉ: ብትእዛዝ ንጉስ ድማ ኣብቲ ኣጸድ ቤት እግዚኣብሄር: ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ።” ከምቲ የሱስ እተነበዮ ግን ናይቶም ከምዚኦም ዝበሉ ጻድቃን ዝፈሰሰ ደም: እስራኤል ክትከፍሎ ኢያ። ድሕሪ 37 ዓመታት ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ናይ ሮሜ ሰራዊት ንየሩሳሌም ደምሲሶም ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ኣይሁድ ምስ ጠፍኡ ኢዮም ከፊሎምዎ።

የሱስ ነዚ ዘፍርህ ኵነታት ምስ ገመቶ ተጨነቐ። እንደገና ኸኣ “የሩሳሌም: የሩሳሌም: . . . ከምቲ ደርሆ ንጨጨውታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ እትእክቦም: ክንደይ ሳዕከ ንደቅኺ ኽእክቦም ዘይደሌኹ እሞ ኣቤኹም። . . . እንሆ: ቤትኩም ዐንያ ኽትተርፍ እያ” በሎም።

የሱስ ወሲኹ ኸኣ “ደጊም ብስም እግዚኣብሄር ዚመጸእ ብሩኽ እዩ: ክሳዕ እትብሉ: ካብ ሕጂ ኣይክትርእዩንን ኢኹም” በሎም። እዛ መዓልቲ እዚኣ ብሰማያዊ መንግስቱ ምስ መጸ ሰባት ከኣ ብናይ እምነት ኣዒንቲ ምስ ረኣይዎ ኣብ ህላወ ክርስቶስ ኢዩ ዝኸውን።

ካብኡ የሱስ ነቲ ሳጹን ምጽዋትን ነቶም ኣብኡ ገንዘብ ዘውድቑ ሰባትን ክርእየሉ ኣብ ዝኽእል ቦታ ናይቲ ቤት መቕደስ ከደ። እቶም ሃብታማት ብዙሕ ኣውደቑ። ደሓር ግን ሓንቲ ድኻ መበለት መጺኣ ክልተ ሒደት ዋጋ ዘለዎ ሰናቲም ኣውደቐት።

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ “እዛ ድኻ መበለት እዚኣ ኻብዞም ኣብዚ ሳጹን ምጽዋት ዘውደቑ ዅሎም ዚበዝሕ ከም ዘውደቐት: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” በሎም። እዚ ከመይ ኢሉ ይኸውን ኢሎም ተገሪሞም ይዀኑ ኢዮም። ስለዚ የሱስ “ኵሎም ካብ ተረፎም እዮም ዘውደቑ እሞ: እዚኣ ግና ካብ ድኽነታ ዘለዋ ዘበለ ዅሉ ምግባ እያ ዝሀበት” በሎም። ከምኡ ድሕሪ ምባሉ የሱስ ንመወዳእታ ግዜ ካብቲ ቤት መቕደስ ከደ።

ሓደ ካብቶም ደቀ መዛሙርቱ ብዕቤትን ጽባቐን ናይቲ ቤት መቕደስ ተገሪሙ “መምህር: ከመይ ዝበለ ኣእማንን ከመይ ዝበለ ህንጻንማ ርኤ” በሎ። ብሓቂ ኸኣ እቲ ኣእማን ምንውሑ ካብ 11 ሜትሮ ንላዕሊ: ግፍሑ ካብ 5 ሜትሮ ንላዕሊ: ቁመቱ ኸኣ ካብ 3 ሜትሮ ንላዕሊ ኢዩ!

የሱስ ከኣ “ነዚ ዓቢ ህንጻዶ ትርእዮ አሎኻ፧ ዘይፈርስ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይኪተርፍን እዩ” ኢሉ መለሰ።

እዚ ድሕሪ ምባሉ የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ብስንጭሮ ቄድሮን ሰጊሮም ናብ ደብረ ዘይቲ ደየቡ። ካብኡ ኸኣ ነታ እተደንቕ ቤት መቕደስ ክርእይዋ ይኽእሉ ኢዮም። ማቴዎስ 23:⁠25–24:⁠3፣ ማርቆስ 12:⁠41–13:⁠3፣ ሉቃስ 21:⁠1-6፣ 2 ዜና መዋእል 24:⁠20-22

▪ የሱስ ኣብቲ ንመወዳእታ ግዜ ናብ ቤት መቕደስ ዝኸደሉ እዋን እንታይ ገበረ፧

▪ ናይ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ግብዝና ብኸመይ ኢዩ ተገሊጹ፧

▪ “ፍርዲ ገሃነም” እንታይ ማለት ኢዩ፧

▪ የሱስ እታ መበለት ካብቶም ሃብታማት ንላዕሊ ኢያ ሂባ ዝበለ ስለምንታይ ኢዩ፧