ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቲ ኣዝዩ ፍሉጥ ስብከት

እቲ ኣዝዩ ፍሉጥ ስብከት

ምዕራፍ 35

እቲ ኣዝዩ ፍሉጥ ስብከት

የሱስ ኣብ ጎቦ ኰይኑ ነቲ ውሩይ ናይ ከረን ስብከቱ ከቕርብ ከሎ: ኣብ ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ፍጻመ ኢዩ ነይሩ። እቲ ቦታ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ ምናልባት ናብ ቅፍርናሆም ዝቐርብ ኢዩ። ምሉእ ለይቲ ክጽሊ ድሕሪ ምሕዳሩ የሱስ 12 ካብቶም ደቀ መዛሙርቲ ሃዋርያቱ ክዀኑ መረጸ። ብድሕርዚ ምስ ኵላቶም ኰይኑ ኣብቲ ሰጥ ዝበለ ቦታ ናይቲ ጎቦ ከደ።

የሱስ ኣዝዩ ደኺሙ ኢዩ ዘሎ ክድቅስ ይደሊ ይኸውን ኢልኩም ትሓስቡ ትዀኑ። እንተዀነ ግን: ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ መጸ: ገሊኦም ካብቲ ርሕቀቱ ካብ 96 ክሳዕ 112 ኪሎ ሜተር ዝዀነ ይሁዳን የሩሳሌምን ኢዮም መጺኦም። ካልኦት ካብቲ ብሰሜን ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ጢሮስን ሲዶንን ኢዮም መጺኦም። ንየሱስ ክሰምዕዎን ካብ ሕማሞም ንኽሓውዩን ኢዮም መጺኦም። ኣብ ማእከሎም ብኣጋንንቲ በቶም እኩያት መላእኽቲ ናይ ሰይጣን እተሸገሩ ሰባት እውን ኣለዉ።

የሱስ ክወርድ ከሎ ዝሓመሙ ሰባት ናብኡ ቀሪቦም ይትንክይዎ ነበሩ: ንሱ ኸኣ ንዅሎም ኣሕወዮም። ብድሕርዚ የሱስ ኣብቲ ጎቦ ናብ ልዕል ዝበለ ቦታ ደየበ። ኣብኡ ኸኣ ኮፍ በለ እሞ ነቶም ኣብ ቅድሚኡ ኣብ ሰጥ ዝበለ ቦታ ለም ኢሎም ዝነበሩ ህዝቢ ክምህሮም ጀመረ። ሕስብ እሞ ኣብሎ! ሕጂ ካብቶም ሰማዕቲ ብሕማም ዝሳቐ ሰብ ፈጺሙ የልቦን!

እቶም ህዝቢ ነቲ ዘገርም ተኣምራት ክገብር ዝኽእል መምህር ክሰምዑ ሃንቀው ኢሎም ኢዮም ዘለዉ። ይኹን እምበር የሱስ: ነቶም ምናልባት ኣብ ጥቕኡ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቱ ዝያዳ ክጠቅም ኢሉ ኢዩ ነቲ ስብከቱ ዘቕረቦ። እንተዀነ ግን: ንሕናውን ካብኡ ምእንቲ ክንጥቀም ማቴዎስን ሉቃስን መዝጊቦምልና ኣለዉ።

እቲ ማቴዎስ ብዛዕባ እቲ ስብከት ዘቕረቦ ጸብጻብ ካብቲ ናይ ሉቃስ ብኣርባዕተ ዕጽፊ ይነውሕ። ኣብ ርእሲ እዚ ንማቴዎስ 6:⁠9⁠-​13 ምስ ሉቃስ 11:⁠1⁠-​4 ከምኡውን ንማቴዎስ 6:⁠25⁠-​34 ምስ ሉቃስ 12:⁠22⁠-​31 ብምንጽጻር ክንምልከቶ ከም እንኽእል ገለ ክፍሊ ናይቲ ማቴዎስ ኣቕሪብዎ ዘሎ ጸብጻብ: ሉቃስ ከኣ የሱስ ኣብ ካልእ እዋን ናይ ኣገልግሎቱ ከም ዝበሎ ገይሩ ኣቕሪብዎ ኣሎ። ይኹን እምበር እዚ ዘገርም ክኸውን ኣይግባእን። የሱስ ሓደ ዓይነት ትምህርቲ ካብ ሓደ ግዜ ንላዕሊ ከም ዝማሃረ ርዱእ ኢዩ: ሉቃስ ከኣ ንገለ ካብዚ ትምህርትታት እዚ ከምቲ ናይ ማቴዎስ ዘይኰነስ ብኻልእ መልክዕ ከቕርቦ መረጸ።

ንናይ የሱስ ስብከት ክቡር ዝገብሮ እቲ ዕምቈት ናይ መንፈሳዊ ትሕዝቶኡ ጥራይ ዘይኰነስ: እቲ ንሓቂ ንምቕራብ ዝጥቀመሉ ዘይተሓላለኸን ብሩህን ኣገባብ እውን ኢዩ። ተራ ዝዀነ ተመክሮን ሰባት ዝፈልጥዎ ነገራትን ብምጥቃም: ኵሎም እቶም ብመገዲ ኣምላኽ ዝሓሸ ህይወት ክረኽቡ ዝደልዩ ሰባት ሓሳባቱ ብቐሊሉ ከም ዝርድእዎ ይገብር።

ብሓቂ ሕጉሳት መን ኢዮም፧

ኵሉ ሰብ ሕጉስ ክኸውን ኢዩ ዝደሊ። ነዚ ብምግንዛብ ከኣ ኢዩ የሱስ እቲ ናይ ከረን ስብከቱ ብሓቂ ሕጉሳት መን ምዃኖም ብምግላጽ ዝጀመሮ። ክንግምቶ ከም እንኽእል እዚ ብኡንብኡ ቈላሕታ ናይ ብዙሓት ሰማዕቱ ስሒቡ ኢዩ። ይኹን እምበር: እተን እተጠቕመለን መኽፈቲ ቃላት ንብዙሓት ኣብ ንሓድሕዱ ዝጋጮ ኰይኑ ተሰሚዕዎም ክኸውን ኣለዎ።

እቲ ዝብሎ ዝነበረ ናብቶም ደቀ መዛሙርቱ ብምምልካት “ኣቱም ድኻታት: መንግስቲ ኣምላኽ ንኣኻትኩም እያ እሞ: ብጹኣን ኢኹም። ኣቱም ሕጂ እትጠምዩ: ክትጸግቡ ኢኹም እሞ: ብጹኣን ኢኹም። ኣቱም ሕጂ እትበኽዩ: ክትስሕቁ ኢኹም እሞ: ብጹኣን ኢኹም። ሰብ . . . እንተ ጸልኡኹም . . . ኣብ ሰማይ ዓስብኹም ብዙሕ ኪኸውን እዩ: ሽዑ በታ መዓልቲ እቲኣ: ባህ ይበልኩም ተሐጐሱውን” በሎም።

እዚ ናይ የሱስ ስብከት እዚ ሉቃስ ዘቕረቦ መእተዊ ኢዩ። ብመሰረት ናይ ማቴዎስ ጸብጻብ ግን የሱስ ዓቃላት: መሓርቲ: ጽሩያት ልቢ: ገበርቲ ሰላም: እውን ሕጉሳት ኢዮም በለ። እዚኣቶም ንምድሪ ስለ ዝወርስዋ: ምሕረት ስለ ዝረኽቡ: ንኣምላኽ ስለ ዝርእይዎ: ውሉድ ኣምላኽ ስለ ዝብሃሉ: ሕጉሳት ከም ዝዀኑ ኢዩ ኣመልኪቱ ዘሎ።

ይኹን እምበር: የሱስ ሕጉሳት ክብል ከሎ ኣብ ጸወታ ዝህሉ ወኻዕታ ወይ ሰሓቕ ጥራይ ማለቱ ኣይኰነን። ናይ ሓቂ ሓጐስ ካብኡ ይዓምቝ: ናይ ርውየት: ናይ ዕግበት ከምኡውን ኣብ ህይወት ዕዉት ናይ ምዃን ሓሳብ ዝሓዘ ኢዩ።

ስለዚ የሱስ እቶም ብሓቂ ሕጉሳት ዝዀኑ እቶም ንመንፈሳውነቶም ዘድሊ ነገራት ዝግንዘቡ: በቲ ሓጥእ ኵነታቶም ዝጕህዩ: እሞ ንኣምላኽ ክፈልጥዎን ከገልግልዎን ኢሎም ዝመጹ ምዃኖም ሓበረ። ብድሕሪኡ ፍቓድ ኣምላኽ ብምግባሮም እኳ እንተ ተጸልኡ ወይ እንተ ተሰጉ: ንኣምላኽ የሐጕስዎ ከም ዘለዉን ናይ ዘለኣለም ህይወት ዓስቢ ከም ዝረኽቡን ብምፍላጦም ሕጉሳት ኢዮም።

ይኹን እምበር: ልክዕ ከምዞም ሎሚ ዘለዉ ሰባት ብዙሓት ካብ ሰማዕቲ የሱስ ሃብታም ምዃንን ተድላ ምርካብን ኢዩ ንሰብ ሕጉስ ዝገብሮ ኢሎም ይኣምኑ ነበሩ። የሱስ ከምኡ ከም ዘይኰነ ይፈልጥ ኢዩ። ንብዙሓት ካብ ሰማዕቱ ከገርም ዝኽእል ምንጽጻር ብምግባር ከምዚ በለ:-

“ኣቱም ሃብታማት ግና: ሐጐስኩም ወዲእኩም ኢኹም እሞ: ወይለኹም። ኣቱም ጽጉባት: ክትጠምዩ ኢኹም እሞ: ወይለኹም። ኣቱም ሕጂ እትስሕቁ: ክትበኽዩን ክትሐዝኑን ኢኹም እሞ: ወይለኹም። ኵሉ ሰብ ጽቡቕ እንተ ተዛረበልኩም: ኣቦታቶም ንነብያት ሓሶት ከምኡ ይገብርዎም ነይሮም እዮም እሞ: ወይለኹም።”

የሱስ እንታይ ማለቱ ኢዩ ነይሩ፧ ሃብቲ ምህላው: ምስሓቕ: ተድላ ምድላይ: ከምኡውን ሰባት ንኢዶምኻ ምሕጓስ ወዮ ዘምጽእ ስለምንታይ ኢዩ፧ ሓደ ሰብ እዚ ነገራት እዚ እንተ ኣልይዎን ዝሕጐሰሉ እንተድኣ ኰይኑን እቲ ናይ ሓቂ ሓጐስ ዘምጽእ ንኣምላኽ ምግልጋል ካብ ህይወቱ ይውገድ ብምዃኑ ኢዩ። በቲ ኻልእ ወገን ከኣ የሱስ ድኻ ምዃን: ምጥማይ: ከምኡውን ምሕዛን ኣብኡ ኸሎ ንሓደ ሰብ ሕጉስ ክገብሮ ይኽእል ኢዩ ማለቱ ኣይነበረን። ይኹን እምበር: ብዙሕ ግዜ እዞም ከምዚኦም ዝበሉ ጽጉማት ሰባት ኢዮም ነቲ ናይ የሱስ ትምህርቲ ምላሽ ዝህብሉ: ብእኡ ኣቢሎም ከኣ ብናይ ሓቂ ሓጐስ ይባረኹ።

ካብኡ ቀጺሉ ንደቀ መዛሙርቱ ብምምልካት የሱስ “ንስኻትኩም ጨው ምድሪ ኢኹም” በሎም። ርግጽ ኢዩ ቃል ብቓሉ ጨው ኢዮም ማለቱ ኣይነበረን። ኣብ ክንድኡስ ጨው ሓደ ነገር ንምዕቃብ ዝጠቅም ኢዩ። ኣብ ቤት መቕደስ የሆዋ ኸኣ ኣብ ጥቓ መሰውኢ ኩምራ ጨው ይቕመጥ ነበረ: እቶም ኣብኡ ዘገልግሉ ዝነበሩ ካህናት ከኣ ካብኡ ወሲዶም ነቲ መስዋእትታት ይገብሩሉ ነበሩ።

ደቀ መዛሙርቲ የሱስ “ጨው ምድሪ” ዝዀኑ: ኣብ ሰባት ናይ ምድሓን ጽልዋ ስለ ዘለዎም ኢዩ። አረ: እቲ ሒዞሞ ዘለዉ መልእኽቲ ንህይወት ናይቶም ዝቕበልዎም ሰባት ዘድሕን ኢዩ! ኣብ ዝዀነ ይኹን መንፈሳዊ ከምኡውን ስነ-ምግባራዊ ምብልሻው ከይወድቁ ብምክልኻል: ህይወቶም ቀጻሊ ከም ዝኸውን: ናይ ተኣማንነትን ዕዮኻ ብዘይምቍራጽ ምፍጻምን ባህርያት ከም ዝህልዎም ይገብር።

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም” በሎም። መብራህቲ ኣብ ቀዋሚ ቀንዴል እምበር ትሕቲ ከፈር ኣይኰነን ዝቕመጥ: ስለዚ የሱስ “ከምኡ ኸኣ . . . ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ” በሎም። ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ነዚ በቲ ህዝባዊ ምስክርነቶምን ምስ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ዝሰማማዕ ባህሪ ዘንጸባርቑ ኣብነታት ብምዃኖምን ኢዮም ዝፍጽምዎ።

ንሰዓብቱ ዝኸውን ክብ ዝበለ መዐቀኒ

እቶም ሃይማኖታውያን መራሕቲ ንየሱስ ሕጊ ኣምላኽ ከም ዝጥሕስ ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ: ቅድሚ ቀረባ እዋን ከኣ ንኽቐትልዎ ተመሻጠሩ። ስለዚ የሱስ ነቲ ናይ ከረን ስብከቱ ከቕርብ ከሎ “ንሕጊ ዀነ ወይስ ንነብያት ክፍጽሞም እምበር: ክስዕሮም ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩም” በሎም።

የሱስ ንሕጊ ኣምላኽ ልዑል ግምት ኢዩ ነይርዎ: ካልኦት ከምኡ ዝበለ ኣረኣእያ ክህልዎም ከኣ ኣተባብዐ። “ኻብዘን ናእሽቱ ትእዛዛት ሓንቲ ዝሰዐረ: ከምኡውን ንሰብ ዝመሀረ: ኣብ መንግስተ ሰማያት ንእ​ሽቶ ኺበሀል እዩ” በለ: እዚ ከምዚ ዝበለ ሰብ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኣይኣቱን ማለት ኢዩ።

የሱስ ይትረፍዶ ንሕጊ ኣምላኽ ሸለል ክብልሲ: ነቲ ናብ ሕጊ ኣምላኽ ምፍራስ ክመርሕ ዝኽእል ኣመለኻኽታ እውን ከይተረፈ ኢዩ ዝዅንን። የሱስ እቲ ሕጊ “ኣይትቕተል” ከም ዝብል ድሕሪ ምምልካቱ “ኣነ ግና፤ ንሓዉ ዚቝጥዖ ዘበለ ዅሉ ኺፍረዶ እዩ . . . እብለኩም አሎኹ” በሎም።

ምስ ብጻይካ ምቝጣዕ ናብ ቅትለት እውን ዝመርሕ ከቢድ ስለ ዝዀነ: የሱስ ሓደ ሰብ ምእንቲ ሰላም ክሳዕ ክንደይ ክጽዕር ከም ዘለዎ ኣብርሀ። ከምዚ ኢሉውን ማሃረ:- “እምብኣርከ መባእካ ናብ መሰውኢ እንተ ኣምጻእካ: ሓውካ ሐዚኑልካ ምህላዉ ኸኣ ኣብኡ እንተ ሐሰብካ: ነቲ መባእካ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ሕደጎ: ኪድ: ቅድም ምስቲ ሓውካ ተዐረቕ: ደሓር ድማ ተመሊስካ መባእካ ኣቕርብ።”

ካብተን ዓሰርተ ትእዛዛት ናብታ ሻብዐይቲ ብምትኳር “ኣይትዘሙ: ከም እተባህለሎም: ሰሚዕኩም አሎኹም” በሎም። ይኹን እምበር: የሱስ ናይ ዝሙት ዝምባለ ምሕዳር እውን ይዅንኖ ኢዩ። “ኣነ ግና፤ ንሰበይቲ ኺብህጋ [“ብቐጻሊ:” NW ] ዚጥምታ ዅሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወ: እብለኩም አሎኹ።”

ኣብዚ የሱስ ብዛዕባ ሕልፍ ዝብል ናይ ዘይስነ-ምግባር ሓሳባት ዘይኰነስ ብዛዕባ እቲ [“ብቐጻሊ: ” NW ] ዚጥምታ ” ኢዩ ዝዛረብ ዘሎ። ከምዚ ዝበለ ቀጻሊ ምጥማት ስምዒታዊ ባህጊ የሕድር እሞ ኣጋጣሚ ኣብ እተረኽበሉ ኸኣ ብዝሙት ይውድእ። ሓደ ሰብ ከምዚ ከየጋጥሞ ክከላኸል ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧ የሱስ “የማነይቲ ዓይንኻ እንተ ኣስሐተትካ: ካባኻ ጐጥጒጥካ ደርብያ። . . . የማነይቲ ኢድካ እንተ ኣስሐተትካውን: ካባኻ ቘሪጽካ ደርብያ” ብምባል ሓለፍ ዝበለ ስጕምቲ ምውሳድ ከም ዘድሊ ኣብርሀ።

ሰባት ህይወቶም ምእንቲ ከድሕኑ ዝሓመመ መሓውሮም ክቘርጹ መብዛሕትኡ እዋን ፍቓደኛታት ኢዮም። ብመሰረት እቲ የሱስ ዝበሎ ግን ካብ ዘይስነ-ምግባራዊ ኣተሓሳስባን ተግባርን ንምርሓቕ ዝዀነ ይኹን ክቡር ነገር: ከም ዓይኒ ወይ ኢድ ዝኣመሰለ እውን ከይተረፈ ‘ክድርብዩ’ ዝያዳ ኣድላዪ ኢዩ። እንተ ዘይኰነ: እዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ናብቲ ንናይ ዘለኣለም ጥፍኣት ዘመልክት ገሃነም (ኣብ ጥቓ የሩሳሌም ዝነበረ መንደዲ ጐሓፍ) ክድርበዩ ምዃኖም ገለጸ።

የሱስ ምስቶም ዝጓድኡን ዘቐይሙን ሰባት ብኸመይ ምምልላስ ከም ዝግባእ እውን ተዛረበ። የሱስ “ንኽፉእ ኣይትቃወምዎ። የማነይቲ መ[ትል]ሕካ ንዚወቕዓካ ግና: እታ ኻልአይቲውን ምለሰሉ” ብምባል ይመክር። የሱስ ሓደ ሰብ ንርእሱ ወይ ከኣ ንስድራቤቱ ካብ መጥቃዕቲ ክከላኸል የብሉን ማለቱ ኣይኰነን። ጽፍዒት ንሓደ ሰብ ንኸተዋርዶ ኢልካ ደኣ እምበር ኣካላዊ ጕድኣት ንምውራድ ኢልካ ኣይኰነን ዝግበር። ስለዚ ሓደ ሰብ ቃል ብቓሉ ብኢዱ ብምጽፋዕ ይኹን ወይ ዘሕርቕ ናይ ጸርፊ ቃላት ብምውሳእ: ባእሲ ወይ ቈየቛ ከለዓዕል ምስ ዝፍትን ሕነ ምፍዳይ ጌጋ ምዃኑ ኢዩ የሱስ ዝዛረብ ዘሎ።

ናብቲ ንብጻይካ ኣፍቅር ዝብል ሕጊ ኣምላኽ ከም ዘስተብህሉ ድሕሪ ምግባሩ የሱስ ከምዚ በለ:- “ኣነ ግና: እብለኩም አለኹ። ጸላእትኹም ፍተዉ: ንዚረግሙኹም መርቑ።” ከምዚ ዝገብርሉ ቀንዲ ምኽንያት ክገልጽ ከሎ “ውሉድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኽትኰኑ: ንሱ ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ጸሓይ የብርቕ” በሎም።

የሱስ ነዚ ክፍሊ ናይ ስብከቱ “ኸምቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ፍጹም ዝዀነ: ንስኻትኩምውን ፍጹማት ኩኑ” ብምባል ደምደሞ። የሱስ ሰባት ምሉእ ብምሉእ ፍጹማት ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም ማለቱ ኣይነበረን። ኣብ ክንድኡስ ንኣምላኽ ብምምሳል ንጸላእቶም እውን ከይተረፈ ፍቕሮም ከርእዩ ይኽእሉ ኢዮም። እቲ ተማሳሳሊ ናይ ሉቃስ ጸብጻብ “ከምቲ ኣቦኹም ርሕሩሕ ዝዀነ: ርሕሩሓት ኩኑ” ይብል።

ጸሎትን ኣብ ኣምላኽ ምውካልን

የሱስ ስብከቱ ክቕጽል ከሎ ንግብዝና ናይቶም ኣምልኾ ከም ዘለዎም ከርእዩ ዝደልዩ ሰባት ኰነኖ። “ክትምጽውት ከሎኻ: ከምቲ እቶም ግቡዛት . . . ዚገብርዎ: ኣብ ቅድሜኻ መለኸት ኣይተንፍሕ” በለ።

ቀጺሉ ኸኣ “ክትጽልዩ ኸሎኹም: እቶም ግቡዛት ብሰብ ምእንቲ ኺርአዩ: ኣብ ኣባይቲ ጸሎትን ኣብ ቃራናታት መገድን ደው ኢሎም ኪጽልዩ ይፈትዉ እዮም እሞ: ከማታቶም ኣይትኹኑ” በሎም። ኣብ ክንድኡስ “ክትጽሊ ኸሎኻ: ናብ ቤትካ እቶ: ማዕጾኻ ዕጾ: ነቲ ብሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ለምኖ” ኢሉ ማሃሮም። የሱስ ንባዕሉ እውን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ይጽሊ ነይሩ ኢዩ: ስለዚ ነዚ ኣይኰነን ዝዅንን ዘሎ። ነቲ ሰማዕቲ ንምምሳጥን ናእዳ ንምርካብን ተባሂሉ ዝግበር ጸሎት ኢዩ ዝዅንን ዘሎ።

ወሲኹ ኸኣ “ክትጽልዩ ኸሎኹም ከኣ: ኣህዛብ ብምብዛሕ ዘረባኦም ዚስምዑ ይመስሎም እዩ እሞ: ከማታቶም ዘረባ ኣይተብዝሑ [“ኣይትደጋግሙ:” NW ]” ኢሉ መኸሮም። የሱስ ምድግጋም ንርእሱ ጌጋ ኢዩ ማለቱ ኣይነበረን። ሓደ ግዜ ንሱ እውን “ከም ብሓድሽ እቲ ኢልዎ ዝነበረ” ጸልዩ ኢዩ። እቲ ንሱ ዘይሰምሮ ዘሎ ግን ከምቲ እቶም ብመቝጸርያ ዝጽልዩ ሰባት ብተርታ መመሊሶም ዝደጋግምዎ ዓይነት: ብቓል እተጸንዐ ጸሎት ‘ደጋጊምካ’ ምጽላይ ኢዩ።

እቶም ሰማዕቱ እንታይ ኢሎም ክጽልዩ ከም ዘለዎም ንኽሕግዞም ኢሉ የሱስ ሸውዓተ ልማኖ ዘለዎ ናይ ኣብነት ጸሎት ሃቦም። እተን ናይ መጀመርታ ሰለስተ ንናይ ኣምላኽ ሉዓላውነትን ንዕላማታቱን ኣፍልጦ ዝህባ ኢየን። ስም ኣምላኽ ክቕደስ: መንግስቱ ክትመጽእ: ፍቓዱ ኸኣ ክፍጸም ዝልምን ኢዩ። እቲ ዝተረፈ ኣርባዕተ ኸኣ ብሕታዊ ነገራት ማለት ንዕለታዊ መግቢ: ናይ ሓጢኣት ይቕረታ: ክንጽመሞ ካብ እንኽእል ንላዕሊ ፈተና ንኸየጋጥም: ከምኡውን ካብ እከይ ንምድሓን ዝሓትት ኢዩ።

ቀጺሉ ኸኣ የሱስ ብዛዕባ እቲ ንስጋዊ ነገራት ካብ መጠን ንላዕሊ ኣጕሊሕካ ኣብ ምርኣይ ዘሎ መፈንጠራ ተዛረበ። “ብልዒ ኣብ ዚበልዖ: ነቐዝ ኣብ ዜንቅዞ: ሰረቐቲ ዂዒቶም ኣብ ዚሰርቅዎ ኣብ ምድሪ ንኣኻትኩም መዝገብ ኣይትግበሩ” በሎም። ከምዚ ዝኣመሰለ መዝገብ ጠፋኢ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እውን ስምረት ከም እንረክብ ኣይገብረናን ኢዩ።

ስለዚ የሱስ “ኣብ ሰማይ ደኣ መዝገብ ግበሩ” በሎም። እዚ ኸኣ ንኣገልግሎት ኣምላኽ ኣብ ህይወትካ ቀዳማይ ቦታ ብምሃብ ኢዩ ዝግበር። እቲ በዚ መገዲ እዚ እንረኽቦ ስምረት ኣምላኽ ካባና ክወስዶ ዝኽእል ዋላ ሓደ የልቦን። የሱስ ወሲኹ “መዝገብካ ኣብ ዘለዎ: ኣብኡ ድማ ልብኻ አሎ” በለ።

ካብኡ ቐጺሉ ነዚ ናይ ፍቕረ-ንዋይ ሓደጋ ብዝምልከት “ናይ ስጋ መብራህቲ ዓይኒ እያ። ዓይንኻ ጥዕይቲ እንተ ዀነት: ብዘሎ ስጋኻ ብሩህ ይኸውን። ዓይንኻ ሕምምቲ እንተዀነት ግና: ብዘሎ ስጋኻ ጸልማት ይኸውን” ዝብል መብርሂ ሃበ። ጥዕይቲ ዓይኒ ንኣካላት ከም ኣብ ጸልማት ዝበርሀት መብራህቲ ኢያ። ብልክዕ ክንርኢ ምእንቲ ግን ዓይኒ ከነግፍሕ የብልናን: እዚ ማለት ከኣ ኣብ ሓደ ነገር ኣተኲርና ክንጥምት ኣለና። ኣነጺራ ዘይትርኢ ዓይኒ ንነገራት ብጌጋ ናብ ምግማት: ንዋታዊ ነገራት ካብ ንኣምላኽ ምግልጋል ኣብሊጽካ ናብ ምርኣይ ኢያ እተምርሕ: ውጽኢቱ ኸኣ ‘ብዘሎ ስጋ’ ጸልማት ይኸውን።

የሱስ ነዚ ነገር እዚ ብሓደ ሓያል ዝዀነ መብርሂ ገይሩ ይድምድሞ: ከምዚ ዝብል:- “ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ: ነቲ ሓደ ይፈቱ። ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ተአዚዙ: ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይዀነልኩምን እዩ።”

እዚ ምኽሪ እዚ ድሕሪ ምሃቡ የሱስ ነቶም ሰማዕቱ ንኣገልግሎት ኣምላኽ ቀዳምነት ዝህቡ እንተድኣ ኰይኖም ብዛዕባ ዘድልዮም ንዋታዊ ነገራት ክጭነቑ ከም ዘይብሎም ኣረጋገጸሎም። “ነዕዋፍ ሰማይ ተመልከቱ። ናይ ሰማይ ኣቦኹም ደኣ ይምግበን እምበር: ኣይዘርኣ: ኣይዐጽዳ: ኣብ ማዕከንውን ኣይእክባን እየን” በሎም። ቀጺሉ ኸኣ “ንስኻትኩምዶ ግዳ ኻባታተን ብዙሕ ኣይትበልጹን፧” ኢሉ ሓተቶም።

ቀጺሉ ኸኣ የሱስ ናብ ዕምባባታት መሮር ከስተብህሉ ሓበሮም: “ሰሎሞን እኳ በቲ ዅሉ ኽብሩ ኸም ሓደ ኻባታቶም ከም ዘይተኸድነ” ኣመልከተሎም። “ኣምላኽ ነቲ . . . ሳዕሪ መሮር ከምዚ ገይሩ ዚኸድኖ ኻብ ኰነ ደኣ: ኣቱም ጕዱላት እምነት: ንኣኻትኩምዶ ግዳ ኣብሊጹ ኣይከድነኩምን፧” በሎም። ቀጺሉ “እምበኣርከ እንታይ ንበልዕ: እንታይ ንሰቲ: እንታይ ንኽደን፧ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። . . . እዚ ዅሉ ኸም ዜድልየኩም: ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ። ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ: እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም።”

መገዲ ህይወት

ምስ ትምህርትታት የሱስ ተሰማሚዕካ ምምልላስ መገዲ ህይወት ኢዩ። እዚ ግን ክትገብሮ ቀሊል ኣይኰነን። ንኣብነት ፈሪሳውያን ንኻልኦት ብጭከና ናይ ምፍራድ ዝምባለ ነበሮም: ብዙሓት ሰባት ከኣ ከምቲ ናቶም ኢዮም ዝገብሩ። ስለዚ የሱስ እቲ ናይ ከረን ስብከቱ ክቕጽል ከሎ “ብዝፈረድኩምዎ ፍርዲ ኺፍረደኩም: ብዝሰፈርኩምሉ መስፈሪውን ኪስፈረልኩም እዩ እሞ: ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ” ብምባል መዓዶም።

መሪሕነት ናይቶም ኣዝዮም ነቐፍቲ ዝዀኑ ፈሪሳውያን ምስዓብ ከቢድ ኢዩ። ብመሰረት ናይ ሉቃስ ጸብጻብ የሱስ “ዕዉርዶ ንዕዉር ኪመርሖ ይኽእል እዩ፧ ክልቲኣቶምዶኸ ኣብ ጕድጓድ ኣይወድቁን፧” ብምባል ነዚ ሓደጋ እዚ ኣብርሆ።

ንኻልኦት ጌግኦም ብምጕላሕ እትነቅፍ ምዃን ከቢድ ገበን ኢዩ። ስለዚ የሱስ “ከመይ ጌርካ ንሓውካ: ካብ ዓይንኻ በሰር ከውጽኣልካስ ሕደገኒ: ትብሎ፧ እንሆ: ጕንዲ ኣብ ዓይንኻ አሎ። ኣታ ግብዝ: ቅድም ካብ ዓይንኻ ጕንዲ ኣውጽእ። ሽዑ ኻብ ዓይኒ ሓውካ በሰር ንምውጻእ ኣጸቢቕካ ትርኢ” በሎም።

የሱስ ደቀ መዛሙርቱ ኣብቲ ምስ ሰባት ዝገብርዎ ርክብ ምስትውዓል ኣየድልዮምን ኢዩ ማለቱ ኣይነበረን: ከመይሲ “እቲ ቅዱስ ነኽላባት ኣይትሀቡ። ዕንቍኹምውን ኣብ ቅድሚ መፋልስ [“ሓሰማታት:” NW ] ኣይትደርብዩ” ኢልዎም ኢዩ። እቲ ናይ ቃል ኣምላኽ ሓቂ ቅዱስ ኢዩ። ከም ምሳልያዊ ዕንቊ ኢዩ። እንተዀነ ግን ከም ኣኽላባትን ሓሰማታትን ዝበሉ ውልቀ-ሰባት ነዚ ክቡር ሓቂ እዚ ሞሳ ምስ ዘየርእዩ: ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ሓዲጎም ነቶም ዝያዳ ዝቕበሉ ክደልዩ ኣለዎም።

የሱስ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብቲ ናይ ከረን ስብከቱ ብዛዕባ ጸሎት ምሂሩ እኳ እንተ ነበረ: ሕጂ ኸኣ ብዘይምቍራጽ ክግበር ከም ዘለዎ ኣጕልሐ። “[“ብዘይምቍራጽ: NW ] ለምኑ: ይውሀበኩም” በሎም። የሱስ እቲ ኣምላኽ ጸሎት ንምምላስ ዘለዎ ቅሩብነት ንምግላጽ “ካባኻትኩምከ: ወዱ እንጌራ እንተ ለመኖስ: እምኒ ዚህቦ . . . እንታዋይ ሰብኣይ እዩ። እምበኣርከ ንስኻትኩም እኳ: ክፉኣት ክነስኹም: ንደቅኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም: እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ ጽቡቕ ዘይህቦም” በሎም።

ካብኡ ቀጺሉ የሱስ እቲ ወርቃዊ መምርሒ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝበለጸ ናይ ጠባይ መምርሒ ሃበ። “ከምቲ ሰብ ኪገብረልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም” በሎም። በዚ መምርሒ እዚ ምን​ባር ንኻልኦት ሰናይ ምግባር: ከምቲ ንስኻ ክገብሩልካ እትደልዮ ብምግባር ኣወንታዊ ስጕምቲ ምውሳድ ዘጣምር ኢዩ።

የሱስ መገዲ ህይወት ቀሊል ከም ዘይኰነ ካብቲ “እታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ ደገ ርሕብቲ: መገዳውን ገፋሕ እያ: እቶም ብእኣ ዚአትዉ ድማ ብዙሓት እዮም። እታ ናብ ህይወት እትወስድ ደገ ግና ጸባብ: መገዳውን ቀጣን እያ: እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ሒደት እዮም እሞ: በታ ጸባብ ደገ እተዉ” ብምባል ዝሃቦ መምርሒ ክርአ ይኽእል ኢዩ።

ነቶም ቅኑዓት ከስሕትዎም ስለ ዝኽእሉ: የሱስ “ካብ ነብያት ሓሶት ተጠንቀቑ: ብውሽጦም ዚምንጥሉ ተዃሉ ኽነሶምሲ: ክዳን ኣባጊዕ ተኸዲኖም እዮም ዚመጹኹም” በለ። ከምቲ ጽቡቕ ኦምን ሕማቕ ኦምን ብፍሪኡ ዝልለ: ናይ ሓሶት ነብያት ከኣ ብጠባዮምን ብትምህርቶምን ክልለዩ ከም ዝኽእሉ ኣመልከተ።

ቀጺሉ ኸኣ የሱስ ሓደ ሰብ ወደ መዝሙሩ ዝኸውን: በቲ ዝብሎ ዘይኰነስ በቲ ዝገብሮ ምዃኑ ገለጸ። ገለ ሰባት የሱስ ጐይትኦም ከም ዝዀነ ይዛረቡ: ፍቓድ ኣቡኡ ዘይገብሩ እንተድኣ ኰይኖም ግን “ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ: ከቶ ኣይፈለጥኩኹምን: ካባይ ርሐቑ” ክብሎም ኢዩ።

ኣብ መወዳእታ የሱስ ነቲ ናይ ከረን ስብከቱ በዚ ዝስዕብ ክርሳዕ ዘይብሉ ሓሳባት ደምደሞ። “ነዚ ነገረይ ሰሚዑ ዚገብሮ ዅሉ: ቤቱ ኣብ ከውሒ ዝሰርሔ ብልሂ ሰብኣይ ይመስል። ዝናም ዘነመ: ውሒዝ ወሓዘ: ንፋስውን ነፈሰ: ነታ ቤት ከኣ ደፍእዋ። ኣብ ከውሒ ተሰሪታ እያ እሞ: ኣይወደቐትን።”

በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ የሱስ “ነዚ ነገረይ ሰሚዑ ዘይገብሮ ዅሉ ኸኣ ቤቱ ኣብ ሑጻ ዝሰርሔ ዓሻ ሰብኣይ ይመስል። ዝናም ዘነመ: ውሒዝ ወሐዘ: ንፋስውን ነፈሰ: ነታ ቤት ደፍእዋ: ወደቐት: ኣዋዳድቓኣ ድማ ዓብዪ ዀነ” በሎም።

የሱስ ስብከቱ ምስ ወድአ: እቶም ህዝቢ በቲ ኣማሃህርኡ ተገረሙ: ምኽ​ንያቱ ከም ቶም ሃይማኖታውያን መራሕቶም ዘይኰነስ ስልጣን ከም ዘለዎ ኢዩ ዝምህሮም ነይሩ። ሉቃስ 6:⁠12-23፣ ማቴዎስ 5:⁠1-12፣ ሉቃስ 6:⁠24-26፣ ማቴዎስ 5:⁠13-48፣ 6:⁠1-34፣ 26:⁠36-45፣ 7:⁠1-29፣ ሉቃስ 6:⁠27-49

▪ የሱስ እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስብከቱ ከቕርብ ከሎ ኣበይ ኢዩ ነይሩ: ኣብኡ መን ነበረ: ቀቅድሚ እቲ ስብከቱ እንታይ ተፈጸመ፧

▪ ሉቃስ ንገለ ናይቲ ስብከት ትምህርትታት ብኻልእ መልክዕ ዘቕረቦ ስለምንታይ ኢዩ፧

▪ ናይ የሱስ ስብከት ክቡር ዝገበሮ እንታይ ኢዩ፧

▪ እቶም ናይ ሓቂ ሕጉሳት መን ኢዮም: ስለምንታይከ፧

▪ ወዮ እተቐበሉ መን ኢዮም: ስለምንታይከ፧

▪ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ “ጨው ምድሪ” ከምኡውን “ብርሃን ዓለም” ዝዀኑ ብኸመይ ኢዮም፧

▪ የሱስ ንሕጊ ኣምላኽ ዝለዓለ ክብሪ ዘርኣየ ብኸመይ ኢዩ፧

▪ ምኽንያት ናይ ቅትለትን ዝሙትን ንምምሓው የሱስ እንታይ መምርሒ ኢዩ ዝሃበ፧

▪ የሱስ እታ ኻልአይቲ መትልሕ ምለሰሉ ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ ኢዩ፧

▪ ከምቲ ኣምላኽ ፍጹም ዝዀነ ንሕናውን ፍጹማት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

▪ የሱስ ብዛዕባ ጸሎት እንታይ መምርሒታት ኢዩ ዝሃበ፧

▪ ናይ ሰማይ መዝገብ ዝበልጽ ስለምንታይ ኢዩ: ብኸመይከ ኢዩ ዝርከብ፧

▪ ሓደ ሰብ ካብ ፍቕረ-ንዋይ ክርሕቕ ንምሕጋዙ እንታይ ምሳሌታት ኢዩ ተዋሂቡ ዘሎ፧

▪ የሱስ ምጭናቕ ኣየድልን ኢዩ ዝበለ ስለምንታይ ኢዩ፧

▪ የሱስ ንኻልኦት ብዛዕባ ምፍራድ እንታይ በለ: ይኹን እምበር: ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ሰባት ምስትውዓል ከዘውትሩ ከም ዘድልዮም ብኸመይ ኣርኣየ፧

▪ የሱስ ቀጺሉ ብዛዕባ ጸሎት እንታይ በለ: እንታይ ናይ ጠባይ መምርሒ ኢዩኸ ዝሃበ፧

▪ የሱስ መገዲ ህይወት ቀሊል ከም ዘይከውን: ከምኡውን ነቶም ቅኑዓት ካልኦት ከስሕትዎም ከም ዝኽእሉ ብኸመይ ኣርኣየ፧

▪ የሱስ ስብከቱ ብኸመይ ደምደሞ: እንታይ ሳዕቤንከ ነበሮ፧