ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቲ የሱስ ንመወዳእታ ግዜ ዘብዕሎ ፋስጋ ቀሪቡ

እቲ የሱስ ንመወዳእታ ግዜ ዘብዕሎ ፋስጋ ቀሪቡ

ምዕራፍ 112

እቲ የሱስ ንመወዳእታ ግዜ ዘብዕሎ ፋስጋ ቀሪቡ

ሰሉስ 11 ኒሳን ክትውዳእ ምስ ቀረበት: የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ ደብረ ዘይቲ ኰይኑ ምምሃሮም ወድአ። ኣየ ከመይ ዝበለት ስራሕ ዝበዝሓ መዓልቲ ኰን ኢያ ነይራ! ሕጂ ምናልባት ምሕዳሮም ናብ ቢታንያ ገጾም ክምለሱ ከለዉ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ ፋስጋ ምዃኑ ትፈልጡ አሎኹም: ንወዲ ሰብ ድማ ኪስቀል: ነህዛብ ኣሕሊፎም ኪህብዎ እዮም” በሎም።

ንጽብሒቱ ረቡዕ 12 ኒሳን: የሱስ ምስ ሃዋርያቱ ጥራይ ብምዃን እታ መዓልቲ ንብሕቶም ከም ዘሕለፍዋ ርዱእ ኢዩ። እታ ቅድሚኣ ዝነበረት መዓልቲ ነቶም መራሕቲ ሃይማኖት ብጋህዲ ገኒሕዎም ኢዩ: ክቐትልዎ ይደልዩ ከም ዘለዉ ኸኣ ተረድአ። ንጽብሒቱ ምሸት ምስ ደቀ መዛሙርቱ ኰይኑ በዓል ፋስጋ ንኸየብዕል ዝዓናቕፎ ነገር ከየጓንፎ ስለ ዝደለየ ረቡዕ ብጋህዲ ኣይወጸን።

ኣብ መንጕኡ እቶም ሊቃውንቲ ካህናትን እቶም ዓበይቲ ህዝብን ኣብ ኣጸድ ናይቲ ሊቀ ካህናት ዝነበረ ቀያፋ ተኣከቡ። ኣብታ ቅድሚኣ ዝነበረት መዓልቲ ካብ የሱስ ዝወረዶም መጥቃዕቲ ማርማር ኣቢሉዎም ስለ ዝነበረ: ከመይ ገይሮም ብጕርሒ ከም ዝሕዝዎን ዝቐትልዎን ኢዮም ዝኣልሙ ነይሮም። እንተዀነ ግን: “ኣብ ህዝቢ ጋሮ ምእንቲ ኸይትንስእሲ: ብበዓል ኣይኹን” በሉ። የሱስ ስምረት ናይቶም ህዝቢ ስለ ዝረኸበ ነቶም ህዝቢ ፈርሁ።

እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ንየሱስ ንምቕታል ውዲት እናገበሩ ከለዉ ሓደ ሰብ ኣብ ማእከሎም መጸ። እቲ ኣብ ማእከሎም ዝመጸ ሰብ እቲ ንጐይትኡ ንምኽሓድ ሰይጣን ሓሳብ ዘእተወሉ: ሓደ ካብቶም ሃዋርያት የሱስ ዝዀነ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ምዃኑ ድማ ደንጸዎም! ይሁዳ “ኣነ ንኣኻትኩም ኣሕሊፈ ኽህቦስ: እንታይ ትህቡኒ፧” ኢሉ ምስ ሓተቶም ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዮም ተሓጒሶም ዝዀኑ። ተሓጒሶም ከኣ እቲ ብመሰረት ሕጊ ሙሴ ዋጋ ባርያ ዝዀነ 30 ቅርሺ ክኸፍልዎ ተሰማምዑ። ካብ ሽዑ ንንዮ ኸኣ ይሁዳ ንየሱስ ህዝቢ ኣብ ዘይብሉ ናብኦም ኣሕሊፉ ንምሃብ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ክደሊ ጀመረ።

ረቡዕ ጸሓይ ምስ ዓረበት 13 ኒሳን ትጅምር። የሱስ ካብ ያሪኮ ዓርቢ ኢዩ መጺኡ: ስለዚ እዛ ለይቲ እዚኣ ኣብ ቢታንያ ዝሓደረላ ሻድሸይትን ናይ መወዳእታን ለይቲ ኢያ። ንጽብሒቱ ሓሙስ: ነቲ ጸሓይ ክትዓርብ ከላ ዝጅምር ፋስጋ ዝኸውን ነገራት ንምድላው ናይ መወዳእታ ምቅርራባት ክግበር ኢዩ። እቲ ገንሸል ፋስጋ ዝሕረድን ብምሉኡ ዝጥበስን ከኣ ሽዑ ኢዩ። እቲ በዓል ኣበይ ኢዮም ዝገብርዎ: እቲ ምቅርራባትከ መን ክገብረሎም ኢዩ፧

የሱስ ከምዚ ዝበለ ዝርዝር ኣይነገረን: ከምኡ ዝገበረሉ ምኽንያት ከኣ ምናልባት ይሁዳ ከይዱ ነቶም ሊቃውንቲ ካህናት ከይነግሮም እሞ ንሳቶም ከኣ ፋስጋ እናብዓለ ከሎ ከይሕዝዎ ኢሉ ኢዩ ዝኸውን። ሕጂ ግን ምናልባት ሓሙስ ድሕሪ ቐትሪ: የሱስ ንጴጥሮስን ንዮሃንስን ካብ ቢታንያ “ኪዱ: ክንበልዕሲ ገንሸል ፋስጋ ኣዳልዉልና” ኢሉ ለኣኾም።

ንሳቶም ከኣ “ኣበይ ከነዳሉ ትፈቱ፧” ኢሎም ሓተትዎ።

የሱስ ከኣ “ኣብ ከተማ ምስ ኣቶኹም: ዕትሮ ማይ ዝጾረ ሰብኣይ ኪጓነፈኩም እዩ እሞ: ናብታ ዚአትዋ ቤት ስዐብዎ። ነቲ ብዓል ቤት ከኣ፤ እታ ምስ ደቀ መዛሙርተይ ገንሸል ፋስጋ ዝበልዓላ ማሕደር ኣጋይሽሲ ኣበይ እያ፧ ይብለካ አሎ መምህር: በልዎ። ንሱ ኸኣ እተነጽፈ ኣዳራሽ ኣብ ደርቢ ኼርእየኩም እዩ: ኣብኡውን ኣዳልዉ” ኢሉ ገለጸሎም።

እቲ በዓል ቤት ወደ መዝሙር የሱስ ምዃኑ ኣየጠራጥርን ኢዩ: ምናልባትውን ነዚ ፍሉይ ኣጋጣሚ እዚ ኣብ ቤቱ ምእንቲ ኽገብሮ የሱስ ክሓቶ ይጽበ ነይሩ ይኸውን ኢዩ። ዝዀነ ዀይኑ ጴጥሮስን ዮሃንስን ኣብ የሩሳሌም ምስ በጽሑ: ኵሉ ከምቲ የሱስ ዝበሎም ኰይኑ ጸንሖም። ስለዚ ክልቲኦም ኰይኖም እቲ ገንሸል ንምድላውን እቲ ነቶም 13 ዘብዕሉ ሰባት: ማለት የሱስን እቶም 12 ሃዋርያቱን: ዝኸውን ነገራት ንምሕላይን ዘድሊ ገበሩ። ማቴዎስ 26:⁠1-5, 14-19፣ ማርቆስ 14:⁠1, 2, 10-16፣ ሉቃስ 22:⁠1-13፣ ዘጸኣት 21:⁠32

▪ የሱስ ረቡዕ እንታይ ኢዩ ገይሩ: ስለምንታይከ፧

▪ ኣብ ቤት እቲ ሊቀ ካህናት እንታይ ኣኼባ ኢዩ እተገብረ: ይሁዳ ናብቶም መራሕቲ ሃይማኖት ዝኸደኸ ንምንታይ ዕላማ ኢዩ፧

▪ የሱስ ሓሙስ ናብ የሩሳሌም ንመን ኢዩ ዝሰደደ: ንምንታይ ዕላማኸ፧

▪ እዞም እተላእኩ ሰባት እንደገና እንታይ ናይ የሱስ ተኣምራታዊ ሓይሊ ዝገልጽ ነገር ኢዮም ዝረኣዩ፧