እቲ ደምበ ኣባጊዕን እቲ ጓሳን
ምዕራፍ 80
እቲ ደምበ ኣባጊዕን እቲ ጓሳን
የሱስ ኣብቲ እታ ቤት መቕደስ ንየሆዋ እንደገና እተወፈየትሉ ዕለት ንምብዓል ተባሂሉ ዝግበር በዓል ምሕዳስ ወይ ከኣ ሃኑካህ ንኽካፈል ናብ የሩሳሌም ከደ። 200 ዓመታት ኣቐዲሙ ብ168 ቅ.ኣ.ዘ. ኣንቲዩኩስ ራብዓይ ኤፒፋነስ ንየሩሳሌም ተቘጻጺሩ ነቲ ቤት መቕደስን መሰውእን ኣርኪስዎ ነበረ። ይኹን እምበር: ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ንየሩሳሌም መለስዋ እሞ እቲ ቤት መቕደስ እንደገና ንየሆዋ ተወፈየ። ካብኡ ንደሓር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት እንደገና ናይ ምውፋያ ጽምብል ይግበር ነበረ።
እዚ በዓል ምሕዳስ ኣብ 25 ኪስላቭ ኢዩ ዝብዓል: እዚ ናይ ኣይሁድ ወርሒ እዚ ኣብዚ ዘመናዊ ዓውደ-ኣዋርሕ ኣብ መወዳእታ ሕዳርን መጀመርታ ክፋል ታሕሳስን ኢዩ ዝውዕል። ስለዚ ኸኣ እቲ ዓቢ በዓል ፋስጋ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ንኽኸውን ካብ ሚእቲ መዓልትታት ቁሩብ ዝይድ ዝብል ጥራይ ኢዩ ተሪፍዎ ዘሎ። ናይ ቁሪ እዋን ስለ ዝዀነ ሃዋርያ ዮሃንስ “ክረምቲ” ኢልዎ ኣሎ።
የሱስ ብዛዕባ ሰለስተ ደምበ ኣባጊዕን ብዛዕባ እቲ ንሱ ከም ሕያዋይ ጓሳ መጠን ዘለዎ ግደን ዝገልጽ ምሳሌ ተጠቕመ። እታ እተዛረበላ ናይ መጀመርታ ደምበ ኣባጊዕ እቲ ናይ ሕጊ ሙሴ ኪዳን ስርዓት ኢዩ። እቲ ሕጊ ንኣይሁድ ካብቲ መበላሸዊ ተግባራት ናይቶም ኣብቲ ፍሉይ ኪዳን ናይ ኣምላኽ ዘይነበሩ ሰባት ዝፈሊ ሓጹር ኢዩ ነይሩ። የሱስ “እቲ ናብ ደምበ ኣባጊዕ ብኣፍ ደገ ዘይአቱ: ብኻልእ ወገን ዚሐኵር: ንሱ ሰራቕን ጕሒላን ከም ዝዀነ: ብሓቂ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። እቲ ብኣፍ ደገ ዚአቱ ግና: ንሱ ጓሳ ኣባጊዕ እዩ” በሎም።
ካልኦት መሲሕ ወይ ከኣ ክርስቶስ ኢና ዝብሉ መጺኦም ኢዮም: እንተዀነ ግን: እቲ የሱስ “ንእኡ እቲ ሓላው ደገ ይኸፍተሉ: እተን ኣባጊዕውን ቃሉ ይሰምዓ። ነተን ኣባጊዑ ኸኣ በብስመን ጸዊዑ የውፍረን። . . . ድምጺ ኻልእ ዘይፈልጣ ስለ ዝዀና: ንኻልእ: ካብኡ ይገልባ እምበር: ኣይስዕባኦን እየን” ብምባል እተዛረበሉ ናይ ሓቂ ጓሳ ኣይነበሩን።
“ሓላው ደገ” ናይቲ ቀዳማይ ደምበ ኣባጊዕ ዮሃንስ መጥምቕ ኢዩ ነይሩ። ዮሃንስ መጥምቕ ከም ሓላው ደገ መጠን ንየሱስ ምስተን ሒዝወን ናብ ልሙዕ ሸኻ ዝወፍር ምሳልያውያን ኣባጊዕ ብምልላይ ነቲ ‘ደገ ከፈተሉ።’ እዘን የሱስ ብስመን ዝጽውዐንን መሪሑወን ዝወጽእን ኣባጊዕ: ኣብ መወዳእትኡ ናብ ካልእ ደምበ ከእትወን ምዃኑ ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “እቲ ደገ ኣባጊዕ ኣነ ኸም ዝዀንኩ: ብሓቂ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ:” እዚ ኸኣ ደገ ናይቲ ሓድሽ መጓሰ ኣባጊዕ ማለት ኢዩ። የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ሓድሽ ኪዳን ምስ ሰርዐን ኣብቲ ብድሕርዚ ዝነበረ ጴንጠቆስጠ መንፈስ ቅዱስ ምስ ኣፍሰሰሎምን ኣብዚ ሓድሽ ደምበ ኣተዉ።
ቀጺሉ ኸኣ የሱስ ዘለዎ ግደ ክገልጽ ከሎ “እቲ ደገ ኣነ እየ። ብኣይ ዚኣቱ ኺድሕን: ኪአቱን ኪወጽእን መጓሰዪውን ኪረክብ እዩ። . . . ኣነ ግና ህይወት ምስ ተረፉ ምእንቲ ኺረኽባ እየ ዝመጻእኩ። . . . ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። ነባጊዔይ እፈልጠን እተን ኣባጊዔይውን ይፈልጣኒ እየን። ከምቲ ኣቦ ንኣይ ዚፈልጠኒ: ኣነውን ነቦ እፈልጦ እየ። ንነፍሰይ ከኣ በጃ እተን ኣባጊዕ ኤሕልፋ” በለ።
ቅድሚ ቅሩብ ግዜ የሱስ “ኣታ ሒደት መጓሰ: እታ መንግስቲ ኺህበኩም ፍቓድ ኣቦኹም እዩ እሞ: ኣይትፍራህ” ብምባል ንሰዓብቱ ኣጸናኒዕዎም ነበረ። እዞም ኣብ መወዳእትኡ 144,000 ዝዀኑ ሒደት መጓሰ ኣብዚ ሓድሽ ወይ ከኣ ካልኣይ ደምበ ኣባጊዕ ኢዮም ዝኣትዉ። የሱስ ግን “ካብዚ መጓሰ እዚ ዘይኰና ኻልኦት ኣባጊዕውን አለዋኒ። ንኣታተን ድማ ከምጽኤን እየ: ቃለይውን ኪሰምዓ እየን። ሓደ መጓሰ ኪዀና እየን ጓሳኤንውን ሓደ” በለ።
እተን ‘ካልኦት ኣባጊዕ’ “ካብዚ መጓሰ እዚ” ስለ ዘይኰና ካብ ካልእ ሳልሳይ ደምበ ክዀና ኣለወን። እዘን ክልተ ናይ መወዳእታ ደምበታት ኣባጊዕ እተፈላለየ መጻኢ ኢዩ ዘለወን። እቶም ኣብ ሓደ ደምበ ዘለዉ “ሒደት መጓሰ” ምስ የሱስ ኣብ ሰማይ ክገዝኡ ኢዮም: እቶም ኣብቲ ካልእ ዘለዉ ‘ካልኦት ኣባጊዕ’ ከኣ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ክነብሩ ኢዮም። ይኹን እምበር: ኣብ ክልተ ደምበ እኳ እንተዀና: እተን ኣባጊዕ ኣይቀናንኣን ወይ እተነጸላ ኰይኑ ኣይስምዐንን ኢዩ: ምኽንያቱ ከምቲ የሱስ ዝበሎ ኣብ ትሕቲ ‘ሓደ ጓሳ’ ዘለዋ “ሓደ መጓሰ” ኢየን።
እቲ ሕያዋይ ጓሳ የሱስ ክርስቶስ ብድሌቱ: ህይወቱ ምእንቲ ክልቲኡ መጓሰ ኣቕረበ። “ባዕለይ እየ በጃ ዘሕልፋ . . . በጃ ኸሕልፋ ስልጣን አሎኒ: መሊሰ ኽወስዳውን ስልጣን አሎኒ። ነዛ ትእዛዝ እዚኣ ኻብ ኣቦይ እየ እተቐበልኩዋ” በለ። የሱስ ከምዚ ድሕሪ ምባሉ ኣብቶም ኣይሁድ ምፍልላይ ኰነ።
ብዙሓት ካብቶም ህዝቢ “ጋኔን ሒዝዎ ይዐብድ አሎ: እንታይ ኢልኩም ኢኹም እትሰምዕዎ፧” በሉ። ካልኦት ግና “እዚ ዘረባ እዚ ዘረባ ዕቡድ [“ጋኔን ዘለዎ ሰብ:” NW ] ኣይኰነን” ብምባል መለሱ። ድሕርዚ ነቲ ገለ ኣዋርሕ ይገብር ነቲ ብዕውሩ እተወልደ ሰብኣይ ከም ዘሕወዮ ብምዝካር “ጋኔንዶ ኣዒንቲ ዕዉራት ኪኸፍት ይከአሎ እዩ፧” በሉ። ዮሃንስ 10:1-22፣ 9:1-7፣ ሉቃስ 12:32፣ ራእይ 14:1, 3፣ 21:3, 4፣ መዝሙር 37:29
▪ በዓል ምሕዳስ እንታይ ኢዩ: መዓስ ኢዩኸ ዝበዓል፧
▪ እቲ ናይ መጀመርታ ደምበ ኣባጊዕ እንታይ ኢዩ: ናቱ ሓላው ደገኸ መን ኢዩ፧
▪ እቲ ሓላው ደገ ነቲ ጓሳ ዝኸፍተሉ ብኸመይ ኢዩ: ካብኡ ንነጀውከ እተን ኣባጊዕ ናበይ ኢየን ዝኣትዋ፧
▪ ናይቲ ሕያዋይ ጓሳ ክልተ ደምበ ዘቝሙ መነ መን ኢዮም: ክንደይ መጓሰኸ ኢዮም ዝዀኑ፧