ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቲ ጸራግ መገዲ ተወሊዱ

እቲ ጸራግ መገዲ ተወሊዱ

ምዕራፍ 3

እቲ ጸራግ መገዲ ተወሊዱ

ኤልሳቤጥ እትሓርሰሉ ግዜ ቀረበ። ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ወርሒ ማርያም ምስኣ ኢያ ቀንያ። ሕጂ ግን ማርያም ነዊሕ ተጓዒዛ ናብ ዓዳ ናብ ናዝሬት ንኽትምለስ እትፋነወሉ ግዜ በጽሐ። ድሕሪ ዳርጋ ሽዱሽተ ወርሒ ኣቢሉ ንሳ እውን ወዲ ክትወልድ ኢያ።

ማርያም ድሕሪ ምኻዳ ብዙሕ ከይጸንሐት ኤልሳቤጥ ሓረሰት። ብዘይ ዋላ ሓንቲ ሽግር ብምውላዳን: ኤልሳቤጥን እቲ ሕጻንን ከኣ ጥዕንኦም ድሓን ብምንባሩን ኣየ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን ኢዩ ዝዀነ! ኤልሳቤጥ ንጐረባብታን ንኣዝማዳን ነቲ ቈልዓ ምስ ኣርኣየቶም ኵሎም ምስኣ ተሓጐሱ።

ብመሰረት ሕጊ ኣምላኽ ኣብ እስራኤል ወዲ ድሕሪ ምውላዱ ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ክግረዝ ኣለዎ። ብምኽንያት እዚ ኣጋጣሚ እዚ ኣዕሩኽን ኣዝማድን ክበጽሑ መጹ። እቲ ወዲ ብስም ኣቡኡ: ዘካርያስ ተባሂሉ ይጸዋዕ ከኣ በሉ። ኤልሳቤጥ ግን “ኣይፋሉን: ዮሃንስ እዩ ዚስመ” ኢላ መለሰት። ገብርኤል መልኣኽ እቲ ቈልዓ ከምኡ ተባሂሉ ክስመ ኣለዎ ከም ዝበለ ዘክር።

ይኹን እምበር: እቶም ኣዕሩኽቶም “ካብ ዓሌትኪ በዚ ስም እዚ እተሰምየ የልቦን” ብምባል ተቓወሙ። ብድሕርዚ ነቡኡ በእዳዎም እናኣመልከቱ እቲ ቈልዓ መን ተባሂሉ ክስም ከም ዝደሊ ሓተትዎ። መጽሓፊ ዝዀኖ ንእሽቶ ሰሌዳ ክህብዎ ሓተቶም እሞ: “ስሙ ዮሃንስ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ: ንዅሎም ከኣ ገረሞም።

ካብኡ ኸኣ ብተኣምራት ኣፍ ዘካርያስ ተኸፍተ። እቲ መልኣኽ: ኤልሳቤጥ ወዲ ክትወልድ ኢያ ኢሉ ምስ ነገሮ ስለ ዘይኣመነ ዓባስ ከም ዝዀነ ትዝክሮ ኢኻ። ዘካርያስ ክዛረብ ምስ ጀመረ ኸኣ ኵሎም ጐረባብቶም ተገረሙ እሞ “እዚ ሕጻን እዝስ እንታይ ኰን ኪኸውን እዩ፧” ኢሎም ሓሰቡ።

ዘካርያስ መንፈስ ቅዱስ መልኦ እሞ: “ንህዝቡ ስለ ዝበጽሖምን እተበጀዎምን: እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይባረኽ። . . . ኣብ ቤት ዳዊት ባርያኡ ቀርኒ ምድሓን ኣተንስኣልና” ብምባል ወደሰ። እዚ “ቀርኒ ምድሓን” እዚ እቲ ገና ክውለድ ዝነበሮ ጐይታ የሱስ ምዃኑ ሓቂ ኢዩ። ዘካርያስ ከኣ ብእኡ ኣቢሉ ኣምላኽ “ብቕድስናን ብጽድቅን ብዅሉ ዕለትና ኣብ ቅድሚኡ ካብ ኢድ ጸላእትና ድሒንና ብዘይ ፍርሃት ኸነምልኾ” መሰል ከም ዝህበና ተዛረበ።

ብድሕርዚ ዘካርያስ ብዛዕባ ዮሃንስ ወዱ “ኣታ ሕጻን: ንስኻ ድማ ንህዝቡ ብሕድገት ሓጢኣቶም ፍልጠት ምድሓን ክትህቦም: መገዱ ከተቕንዕ: ቀቅድሚ ጐይታ [“የሆዋ:” NW  ] ኽትከይድ ኢኻ እሞ: ነብዪ ልዑል ክትብሀል ኢኻ። ነእጋርና ናብ መገዲ ሰላም ኬቕንዕ: ነቶም ኣብ ጸልማትን ኣብ ድነ ሞትን ተቐሚጦም ዘለዉ ኼብርህ: ስለ ርሕሩሕ ምሕረት ኣምላኽና: ብእኡ ኻብ ላዕሊ በርቂ ጸሓይ ኪበጽሓና እዩ” ብምባል ተነበየ።

ኣብዚ ግዜ እዚ ማርያም: እታ ገና ዘይተመርዓወት ሰበይቲ: ኣብ ዓዳ ኣብ ናዝሬት በጺሓ ኢያ። ከም ዝጠነሰት ምስ ተፈልጠ እንታይ የጋጥማ ይኸውን፧ ሉቃስ 1:⁠56⁠-​80፣ ዘሌዋውያን 12:⁠2, 3

▪ ዮሃንስ ካብ የሱስ ብኽንደይ ኢዩ ዝዓቢ፧

▪ ዮሃንስ ወዲ ሸሞንተ መዓልቲ ምስ ኰነ እንታይ ኢዩ እተፈጸመ፧

▪ ኣምላኽ ናብ ህዝቡ ዝቐረበ ብኸመይ ኢዩ፧

▪ ዮሃንስ እንታይ ዕዮ ክፍጽም ምዃኑ ኢዩ ብትንቢት እተነግረ፧