ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቶም ናይ መጀመርታ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ

እቶም ናይ መጀመርታ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ

ምዕራፍ 14

እቶም ናይ መጀመርታ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ

ኣብ በረኻ 40 መዓልቲ ድሕሪ ምግባሩ የሱስ ናብቲ ዘጠመቖ ዮሃንስ ተመልሰ። ጥቕኡ ምስ ቀረበ ዮሃንስ ናብኡ ብምምልካት ነቶም ምስኡ ዝነበሩ “እንሆ: ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ: በለ። እቲ ብዛዕባኡ፤ ሓደ ሰብኣይ ድሕረይ ይመጽእ: ንሱ ቕድመይ ነይሩ እዩ እሞ: ንሱ ቕድመይ ኰነ: ዝበልክዎ እዚ ኢዩ” በሎም። ዮሃንስ ካብ ወዲ ሓትንኡ የሱስ ዝዓቢ እኳ እንተዀነ: የሱስ መንፈሳዊ ኣካል ኰይኑ ቅድሚኡ ኣብ ሰማይ ከም ዝነበረ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ።

እንተዀነ ግን: ቅድሚ ገለ ሰሙናት የሱስ ክጥመቕ ኢሉ ናብኡ ክመጽእ ከሎ የሱስ እቲ መሲሕ ምዃኑ ዮሃንስ ኣርጊጹ ኣይፈለጠን። ‘ኣነ ኣይፈለጥክዎን: ንሱ ንእስራኤል ምእንቲ ኺግለጽ ግና ኣነ ብማይ እናኣጥመቕኩ መጻእኩ’ ኢሉ ተኣመነ።

ዮሃንስ ንየሱስ ምስ ኣጠመቖ እተፈጸመ ነገር ነቶም ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ክገልጸሎም ከሎ ከምዚ በሎም:⁠-“መንፈስ ቅዱስ ካብ ሰማይ ከም ርግቢ ወሪዱ ኣብኡ ኪቕመጥ ከሎ ርኤኹ: . . . እቲ ብማይ ከጥምቕ ዝለአኸኒ ደኣ፤ እቲ: መንፈስ ቅዱስ ወሪዱ ኣብኡ ኪቕመጥ ከሎ እትርእዮ: ንሱ እዩ ብመንፈስ ቅዱስ ዜጥምቕ: ኢሉኒ እምበር: ኣነስ ኣይፈለጥክዎን። ኣነ ኸኣ ርኤኹ እሞ: ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ መስከርኩ።”

ንጽብሒቱ ዮሃንስ ምስ ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ደው ኢሉ ነበረ። የሱስ ናብኡ ክቐርብ ከሎ ኸኣ እንደገና “እንሆ: ገንሸል ኣምላኽ” በለ። ሽዑ እቶም ክልተ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ዮሃንስ መጥምቕ ንየሱስ ሰዓብዎ። ሓደ ካብኦም እንድርያስ ኢዩ ነይሩ: እቲ ካልኣይ ከኣ እቲ ነዚ ቓላት እዚ ዝመዝገበ ዮሃንስ ዝብሃል ከም ዝዀነ ርዱእ ኢዩ። ብመሰረት ገለ መረዳእታታት እዚ ዮሃንስ እዚ ወዲ ሰሎሜ ሓፍቲ ማርያም ብምዃኑ ወዲ ሓትንኡ ንየሱስ ምዃኑ ግሁድ ኢዩ።

የሱስ ግልጽ ኢሉ እንድርያስን ዮሃንስን ይስዕብዎ ከም ዘለዉ ምስ ረኣየ “እንታይ ትደልዩ አሎኹም፧” በሎም።

ንሳቶም ከኣ ‘ረቢ ኣበይ ሰፊርካ ኣሎኻ፧’ ኢሎም ሓተትዎ።

የሱስ ከኣ “ንዑ ርአዩ” ብምባል መለሰሎም።

ሰዓት ኣርባዕተ ድሕሪ ቐትሪ ኣቢሉ ኢዩ ነይሩ: እንድርያስን ዮሃንስን ከኣ እቲ ዝተረፈ ግዜ ምስኡ ኣምሰዩ። ብድሕርዚ እንድርያስ ኣዝዩ ተሓጒሱ ብምንባሩ ነቲ ጴጥሮስ ዝብሃል ሓዉ ክደሊ ከደ። ‘ንመሲህ ረኺብናዮ’ ኢሉ ድማ ነገሮ። ንጴጥሮስ ከኣ ናብ የሱስ ወሰዶ። ምናልባት ኣብቲ ግዜ እቲ ዮሃንስ እውን ንሓዉ ያእቆብ ረኺቡ ናብ የሱስ ኣምጺእዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ፣ ይኹን እምበር ዮሃንስ ነዚ ናይ ብሕቱ ሓበሬታ እዚ ኣብዛ ወንጌሉ ኣየእተወን።

ንጽብሒቱ የሱስ ነቲ በዓል ቤተ⁠-​ሳይዳ: ንእንድርያስን ንጴጥሮስን ወዲ ዓዶም ዝነበረ ፊሊጶስ ረኸቦ። “ስዐበኒ” ኢሉ ኸኣ ዓደሞ።

ሽዑ ፊሊጶስ ነቲ በርተሎሜዎስ እውን ዝብሃል ናትናኤል ረኸቦ እሞ “እቲ: ሙሴ ኣብ ሕጊ ነብያትውን ብዛዕባኡ ዝጸሐፉ: የሱስ: ወዲ ዮሴፍ ብዓል ናዝሬት: ረኺብናዮ” በሎ። ናትናኤል ተጠራጠረ። “ካብ ናዝሬትዶ ገለ ሰናይ ኪመጽእ ይከአል እዩ፧” ኢሉ ሓተቶ።

ፊልጶስ ከኣ “ንዓ ርኤ” በሎ። ናብ የሱስ ገጾም ክመጹ ከለዉ የሱስ ብዛዕባ ናትናኤል “እንሆ: ጕርሒ ዜብሉ ቕኑዕ እስራኤላዊ” በለ።

ናትናኤል ከኣ “ኣበይ ትፈልጠኒ፧” በሎ።

የሱስ ከኣ “ፊሊጶስ ከይጸውዓካ: ኣብ ትሕቲ በለስ ከሎኻ ርእየካ” ኢሉ መለሰሉ።

ናትናኤል ተገረመ። “ረቢ: [ትርጕሙ መምህር] ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ: ንስኻ ንጉስ እስራኤል ኢኻ” በሎ።

የሱስ ድማ “ኣብ ትሕቲ በለስ ርእየካ ስለ ዝበልኩኻዶ አሚንካ፧” ኢሉ ሓተቶ። ቀጺሉ ኸኣ “ካብዚ ዚዐቢ ነገር ክትርኢ ኢኻ ኢሉ መለሰሉ።” ድሕርዚ ከምዚ ኢሉ ተመባጽዐ:- “ካብ ሕጂ ሰማይ ተኸፊቱ: መላእኽቲ ኣምላኽውን ናብ ልዕሊ ወዲ ሰብ ኪድይቡን ኪወርዱን ከም እትርእዩ: ብሓቂ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።”

ድሕሪ እዚ ብዙሕ ከይጸንሐ: የሱስ ምስቶም ዝረኸቦም ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቱ ንዮርዳኖስ ገዲፉ ናብ ገሊላ ተጓዕዘ። ዮሃንስ 1:⁠29⁠-​51

▪ እቶም ናይ መጀመርታ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ መን ኢዮም፧

▪ ጴጥሮስ ምናልባትውን ያእቆብ ምስ የሱስ እተፋለጡ ብኸመይ ኢዮም፧

▪ የሱስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ንናትናኤል ዘእመኖ እንታይ ኢዩ፧