ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቶም ዕቡያትን እቶም ትሑታትን

እቶም ዕቡያትን እቶም ትሑታትን

ምዕራፍ 39

እቶም ዕቡያትን እቶም ትሑታትን

የሱስ ብሉጽነት ናይ ዮሃንስ መጥምቕ ድሕሪ ምጥቃሱ: ናብቶም ኣብኡ ዝነበሩ ዕቡያትን ዘይጽኑዓትን ሰባት ኣተኰረ። ‘እዚ ወለዶ እዚ ኣብ ዕዳጋ ተቐሚጦም ነዕሩኾም ዚጽውዑ ቘልዑ እዩ ዚመስል። እሞ ዚብልዎም፤ እምብልታ ነፋሕናልኩም: ኣይሳዕሳዕኩምን: ኣልቀስናልኩም: ኣይበኸኹምን።’

የሱስ እንታይ ማለቱ ኢዩ ነይሩ፧ “ዮሃንስ እማ መጸ: አይበልዕ ኣይሰቲ: ጋኔን አለዎ: ይብሉ። ወዲ ሰብ መጸ: ይበልዕ ይሰቲ፤ እንሆ: በላዕን ሰታይ ወይንን ዓርኪ ተገውትን ሓጥኣንን ይብሉ” ኢሉ ኣረድኦም።

ነቶም ሰባት ከተሐጕሶም ዘይከኣል ኢዩ። ዋላ ሓንቲ ባህ ዘብሎም ነገር የለን። ዮሃንስ ምስቲ እቲ መልኣኽ ‘ወይንን ዘስክር መስተን ከቶ ኣይስተ’ ብምባል ዝሃቦ ትእዛዝ ብምስምማዕ: ከም ናዝራዊ መጠን ነፍሱ ብምሕሳም ጥብቂ ዝዀነ ህይወት ኢዩ ኣሕሊፉ። ይኹን እምበር: እቶም ሰባት ጋኔን ኣለዎ በሉ። በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ የሱስ ነፍሱ ከየሕሰመ ከም ካልኦት ሰባት ኢዩ ዝነብር ነይሩ: ካብ መጠን ዝሓለፈ ኢዩ ኢሎም ከኣ ከሰስዎ።

ነቶም ሰባት ምሕጓስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ኢዩ ነይሩ! ልክዕ ከምቶም ኣዕሩኽቶም እምብልታ ክወቕዑሎም ከለዉ ምስዕሳዕ ዝኣብዩ: ከልቅሱሎም ከለዉ ኸኣ ምብካይ ዝኣብዩ ቈልዑ ኢዮም። እንተዀነ ግን የሱስ “ጥበብ ብደቃ ጸደቐት” በሎም። እወ: እቲ መርትዖ​—⁠እቲ ተግባራት​—⁠ንዮሃንስን ንየሱስ ዝቐረበሎም ክሲ ሓሶት ምዃኑ ኢዩ ግልጺ ዝገብር።

ብድሕርዚ የሱስ ነተን ብዙሕ ሓይሊ ዝገበረለን ሰለስተ ከተማታት ኰራዚን: ቤተ⁠-​ሳይዳ: ከምኡውን ቅፍርናሆም ወቐሰን። እዚ ተግባራት እዚ ኣብተን ከተማታት ከንኣን ዝዀና ጢሮስን ሲዶናን እንተ ዝገብሮ እተን ከተማታት ማቕ ተኸዲነን ሓሙኽሽቲ ነስኒሰን ምተናስሓ ነይረን በሎም። የሱስ ነታ ኣብ እዋን ኣገልግሎቱ መበገሲቱ ዝነበረት ቅፍርናሆም ብምውቃስ ‘ብመዓልቲ ፍርዲ ግና ካባኺ ንምድሪ ሶዶም ይቐልል’ በለ።

ካብኡ ቀጺሉ የሱስ ነቲ ሰማያዊ ኣቡኡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ወደሶ። ከምኡ ንኽገብር ዝደፋፍኦ ኸኣ ኣምላኽ ነቲ ክቡር መንፈሳዊ ሓቅታት ካብቶም ጥበበኛታትን መስተውዓልትን ሓቢኡ: እዚ መስተንክር ዝዀነ ነገራት: ብምሳልያዊ ኣዘራርባ: ነቶም ትሑታትን ህጻናትን ብምግላጹ ኢዩ።

ኣብ መወዳእታ የሱስ “ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን: ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። ኣነ ለዋህ እየ: ልበይውን ትሑት: ኣርዑተይ ፈኲሽ: ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ: አርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ: ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኸቡ ኢኹም” ዝብል ዕድመ ኣቕረበሎም።

የሱስ ዕረፍቲ ዝህብ ብኸመይ ኢዩ፧ ንሰባት ካብቲ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ዝጸዓንዎም ኣብ ባርነት ዘእቱ ልምድታት: ነቲ ቀያዲ ዝዀነ ንመዓልቲ ሰንበት ዝምልከት ሕግታት እውን ሓዊስካ: ሓርነት ብምሃብ ኢዩ ዝገብሮ። ነቶም በቲ ፖለቲካውያን ስልጣናት ዝገብርዎ መግዛእቲ ጭቈና ዝስምዖምን: ነቶም ብምኽንያት ሓጢኣት እተጐድአ ሕልና ዝሳቐዩን ናይ ዕረፍቲ መገዲ የርእዮም ኢዩ። ነዞም ከምዚኦም ዝበሉ እተጐድኡ ሰባት ሓጢኣቶም ብኸመይ ክሕደግ ከም ዝኽእልን ምስ ኣምላኽ ክቡር ዝዀነ ርክብ ብኸመይ ከም ዘስተማቕሩን የርእዮም።

እቲ የሱስ ዝህቦ ሕያውነት ዝመልኦ ኣርዑት ከኣ ነቲ ደንጋጽን መሓርን ዝዀነ ሰማያዊ ኣቦና ንምግልጋል ዘኽእል ንኣምላኽ ምሉእ ወፈያ ምሃብ ኢዩ። እቲ የሱስ ነቶም ናብኡ ዝመጹ ዝህቦ ቀሊል ጾር ከኣ ነቲ ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓታት ማለት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ሕግታቱ ምእዛዝ ኢዩ። ነዚ ምእዛዝ ከኣ ፈጺሙ ከቢድ ኣይኰነን። ማቴዎስ 11:⁠16⁠-​30፣ ሉቃስ 1:⁠15፣ 7:⁠31⁠-​35፣ 1 ዮሃንስ 5:⁠3

▪ እቶም ኣብ ግዜ የሱስ ዝነበሩ ዕቡያትን ዘይጽኑዓትን ሰባት ከም ቈልዑ ዝዀኑ ብኸመይ ኢዮም፧

▪ የሱስ ነቲ ሰማያዊ ኣቡኡ ንምውዳስ እተለዓዓለ ስለምንታይ ኢዩ፧

▪ ሰባት ጾር ከቢድዎም ዝነበረ በየናይ መገድታት ኢዩ: የሱስከ እንታይ ዕረፍቲ ኢዩ ዝህቦም፧