ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“እንሆ እቲ ሰብኣይ”

“እንሆ እቲ ሰብኣይ”

ምዕራፍ 123

“እንሆ እቲ ሰብኣይ”

ጲላጦስ በቲ ናይ የሱስ ዓቕሊ ብምግራሙን ንጹህ ምዃኑ ብምግንዛቡን ናጻ ክሰዶ ዝኽእለሉ መገዲ ደለየ። ነቶም ህዝቢ ኸኣ “በብፋስጋ ሓደ እሱር ክፈትሓልኩም ልማድ አሎኩም” በሎም።

በርባን እተባህለ ዕሉል ቀታሊ እውን ተኣሲሩ ነበረ እሞ ጲላጦስ “ንመን ክፈትሓልኩም ትፈትዉ: ንበርባንዶ ወይስ ነቲ ክርስቶስ ዚብሀል የሱስ፧” በሎም።

በቶም ዘለዓዓልዎም ሊቃውንቲ ካህናት ተታሊሎም እቶም ህዝቢ በርባን ናጻ ክሕደግ የሱስ ግን ክቕተል ሓተቱ። ጲላጦስ ተስፋ ከይቈረጸ እንደገና “ካብ ክልቲኦምሲ ንመን ክፈትሓልኩም ትደልዩ፧” በሎም።

ንሶም ከኣ “ንበርባን” በሉ።

ጲላጦስ ከኣ እናፈርሀ “ነቲ ክርስቶስ ዚብሀል የሱስከ እንታይ ክገብሮ፧” ኢሉ ሓተቶም።

ብሓባር ኰይኖም ዓው ኢሎም “ስቐሎ: ስቐሎ” በሉ።

ጲላጦስ ሞት ናይ ሓደ ንጹህ ሰብ ይሓቱ ከም ዘለዉ ስለ ዝፈለጠ “እንታይ ክፉእከ ገበረ፧ ንሞት ዚኸውን ምኽንያት ኣይረኸብኩሉን። ቀጺዔ ግዳ ኽፈትሖ” በለ።

ዝከኣሎ ክገብር እኳ እንተ ፈተነ እቶም እተቘጥዑ ህዝቢ በቶም መራሕቲ ሃይማኖት ተለዓዒሎም “ይሰቐል” ኢሎም ጨደሩ። እቶም ካህናት ከም ዝዓብዱ ስለ ዝገበርዎም እቶም ህዝቢ ደም ምፍሳስ ደለዩ። ሕስብ እንተ ኣቢልናዮ ኸኣ ቅድሚ ሓሙሽተ መዓልቲ ኣቢሉ ገለ ካብኣቶም ምናልባት ኣብ መንጎ እቶም ንየሱስ ከም ንጉስ ናብ የሩሳሌም እተቐበልዎ ነይሮም ይዀኑ ኢዮም! እዚ ዅሉ ክኸውን ከሎ እቶም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኣብኡ ነይሮም እንተድኣ ኰይኖም ስቕ ኢሎምን ተሓቢኦምን ኢዮም ነይሮም።

ጲላጦስ እቲ ጻዕሩ ዋላ ሓንቲ ከም ዘይጠቅም: ኣብ ክንድኡስ ጫውጫው ከም ዝፈጠረ ምስ ረኣየ ኣብ ቅድሚ እቶም ህዝቢ ማይ ወሲዱ ኢዱ ተሓጽበ እሞ: “ኣነ ኻብ ደም እዚ ጻድቕ እዚ ንጹህ እየ: ባዕላትኩም ፍለጡ” በሎም። ሽዑ እቶም ህዝቢ “ደሙ ኣባናን ኣብ ደቅናን ይኹን” ኢሎም መለሱሉ።

ስለዚ ጲላጦስ እቲ ቅኑዕ ምዃኑ ዝፈልጦ ነገር ኣብ ክንዲ ዝገብር ድልየት ናይቶም ህዝቢ ንምዕጋብ ምስቲ ዝሓተትዎ ብምስምማዕ ንበርባን ፈትሖ። ንየሱስ ወሲዱ ኸኣ ክዳኑ ከም ዝቕንጠጥን ከም ዝቕጥቀጥን ገበሮ። እዚ ተራ ዝዀነ ምቕጥቃጥ ኣይኰነን ነይሩ። እቲ ናይ ሮማውያን ኣቀጣቕጣ ከመይ ከም ዝነበረ ክዛረብ ከሎ ዘ ጆርናል ኦፍ ዘ ኣመሪካን መዲካል ኣሶሲአሽን ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:-

“እቲ ልሙድ ዝነበረ መሳርሒ: እተፈላለየ ቁመት ዘለዎ ብዙሕ ንጽል ወይ እተቖነነ ምራን ዘለዎ እሞ እተወሰነ ክፍልታቱ ኸኣ ሓጺን ወይ በሊሕ ናይ ኣባጊዕ ኣዕጽምቲ ዝለገቦ (ፍላግሩም: ፍላጀሉም ተባሂሉ ዝጽዋዕ) ሓጺር ኩርማጅ ኢዩ ነይሩ። . . . እቶም ሮማውያን ወተሃደራት ደጋጊሞም ብምሉእ ሓይሎም ንሕቖ ናይቲ ግዳይ ምስ ወቕዕዎ እቲ ሓጺን ብርቱዕ ስምብራት ይገብረሉ: እቲ ምራንን እቲ ኣዕጽምቲ ናይ ኣባጊዕን ከኣ ነቲ ቈርበቱን ትሕቲኡ ዘሎ ክፍልን ይሓርዶ። ብድሕርዚ እቲ ምቕጥቃጥ ምስ ቀጸለ እቲ ሕራድ ነቲ ብትሕቲኡ ዘሎ ጭዋዳታት ከም ዝቕደድ ይገብሮ እሞ እቲ ስጋ ደም ይፈስስ።”

ብኸምዚ ዝበለ ዘሳቒ ኣቀጣቕጣ ምስ ተሃርመ የሱስ ናብቲ ኣደራሽ ናይቲ ገዛኢ ኣተወ: ብዘሎ ጭፍራ ሰራዊት እውን ኣብኡ ተኣከቡ። ኣብኡ ኸኣ እቶም ወተሃደራት ብእሾኽ ገይሮም ኣኽሊል ተኒጎም ኣብ ርእሱ ብምንባር ወሲኾም ኣጋፍዕዎ። ኣብ የማናይ ኢዱ ዘንጊ ኣትሓዝዎ: ከምቲ ናይ ንግስና ዝኣመሰለ ቀይሕ ክዳን ከኣ ከደንዎ። “ዎ ንጉስ ኣይሁድ: ከመይ ኢኻ፧” እናበሉ ኸኣ ኣላገጹሉ። ጡፍ በሉሉ ኣብ ገጹ ኸኣ ጸፍዕዎ። ነቲ ተሪር ዘንጊ ካብ ኢዱ ኣግዲፎም ብእኡ ገይሮም ርእሱ ወቕዕዎ: በዚ ኸምዚ ኸኣ እቲ ናይ ውርደት “ኣኽሊል” እተሰርሓሉ እሾኽ ኣብ ርእሱ ኣጸቢቑ ከም ዝወግኦ ገበሩ።

ከምዚ ዝበለ ሕማቕ ተግባራት እናወረዶ ከሎ የሱስ ፍልይ ብዝበለ መገዲ ክብረቱ ብምሕላዉን ጽንዓት ብምርኣዩን ጲላጦስ ተመሰጠ እሞ: ንኸድሕኖ ኢሉ ተወሳኺ ፈተነ ንኽገብር ተለዓዓለ። ነቶም ህዝቢ ድማ “እዚ ሰብኣይዚ ሓንቲ በደል እኳ ኸም ዘይረኸብኩሉ ኽትፈልጡ: እንሆ: ናብ ወጻኢ ኤውጽኣልኩም አሎኹ” በሎም። የሱስ መሪር ስቓይ ወሪድዎ ከሎ እንተ ርእዮም ልቦም ይርሕርሕ ይኸውን ዝብል ሓሳብ ነይርዎ ክኸውን ይኽእል። የሱስ ነቲ ናይ እሾኽ ኣኽሊልን ቀይሕ ክዳንን ተኸዲኑ ካብ ገጹ ደም እናፈሰሰን እናተሳቐየን ኣብ ቅድሚ እቶም ርሕራሐ ዘይነበሮም ሰባት ደው ምስ በለ ጲላጦስ “እንሆ እቲ ሰብኣይ” በሎም።

ቆሲሉን ተቐጥቂጡን እኳ እንተ ነበረ: ብሓቂ ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ: ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ እቲ ዝዓበየ ሰብ ኣብኡ ደው ኢሉ ነበረ! እወ: ጲላጦስ እውን ኣፍልጦ ክህበሉ ዝግባእ ዕቤት ከም ዘለዎ ዘርኢ ክብረትካ ምሕላውን ህድኣትን ኣንጸባሪቑ ኢዩ: ምኽንያቱ እቲ ኣዘራርባ ጲላጦስ ክብርን ድንጋጽን እተሓወሶ ኢዩ ነይሩ። ዮሃንስ 18:⁠39–19:⁠5፣ ማቴዎስ 27:⁠15-17, 20-30፣ ማርቆስ 15:⁠6-19፣ ሉቃስ 23:⁠18-25

▪ ጲላጦስ ንየሱስ ክፈትሖ ዝሃቀነ በየናይ መገዲ ኢዩ፧

▪ ጲላጦስ ንገዛእ ርእሱ ካብ ሓላፍነት ናጻ ክገብር ዝፈተነ ብኸመይ ኢዩ፧

▪ እቲ ምግራፍ እንታይ ዘጠቓለለ ኢዩ ነይሩ፧

▪ የሱስ ምስ ተገርፈ ብኸመይ ኣላገጹሉ፧

▪ ጲላጦስ ንየሱስ ንምውጻእ እንታይ ተወሳኺ ፈተነ ኢዩ ዝገበረ፧