ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እንደገና ናብ ቤት መቕደስ ምኻድ

እንደገና ናብ ቤት መቕደስ ምኻድ

ምዕራፍ 103

እንደገና ናብ ቤት መቕደስ ምኻድ

የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ካብ ያሪኮ ድሕሪ ምምጽኦም ኣብ ቢታንያ ሰለስተ ለይቲ ሓደሩ። ሰኑይ 10 ኒሳን ብንግሁኡ ጸሓይ ክትበርቕ ከላ ኸኣ ናብ የሩሳሌም ገጾም መገዲ ጀሚሮም ነበሩ። የሱስ ጠምዩ ነበረ። ስለዚ ሓንቲ ቈጺላ ዝነበረት ኦም በለስ ምስ ረኣየ: ፍረ እንተ ኣልይዋ ክርኢ ናብኣ ገጹ ከደ።

እታ ኦም በለስ ቅድሚ ግዝይኡ ኢያ ቈጺላ ምኽንያቱ ክሳዕ ሰነ ናይ በለስ ግዜ ኣይኰነን: ሽዑ ኸኣ ኣብ መወዳእታ መጋቢት ኢዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: የሱስ ቅድሚ ግዜኣ ስለ ዝቘጸለት: እቲ ፍረ እውን ይቕድም ይኸውን ኢሉ ኢዩ ሓሲቡ። እንተዀነ ግን: ከምቲ ዝሓሰቦ ኰይኑ ኣይጸንሖን። እቲ ቈጽሊ ናይታ ኦም ዘታልል ኢዩ ነይሩ። ካብኡ የሱስ ነታ ኦም “ካባኺ ሓደ እኳ ንዘለኣለም ፍረ ኣይብላዕ” ኢሉ ረገማ። ናይቲ የሱስ ዝወሰዶ ስጕምቲ ሳዕቤንን ትርጕምን ንጽብሒቱ ንግሆ ኢዩ ክፍለጥ።

ጕዕዝኦም ብምቕጻል የሱስን ደቀ መዛሙርቱን የሩሳሌም በጽሑ። ናብታ ቅድሚኡ ዝነበረ ድሕሪ ቀትሪ ተመልኪትዋ ዝነበረ ቤት መቕደስ ከደ። ሎሚ ግን ልክዕ ከምቲ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ በዓል ፋስጋ ናይ 30 ከ.ኣ.ዘ. ዝገበሮ: ስጕምቲ ወሰደ። የሱስ ነቶም ኣብቲ ቤት መቕደስ ዝሸጡን ዝዕድጉን ዝነበሩ ሰባት ኣውጽኦም: ናይቶም ሸረፍቲ ጣውላን ናይቶም ርግቢት ዝሸጡ ሰደቓን ገልበጦ። ዋላ ሓደ ሰብ ኣቑሑት ተሸኪሙ በቲ ቤት መቕደስ ክሓልፍ እውን እንተዀነ ኣየፍቀደን።

የሱስ ነቶም ኣብ ቤት መቕደስ ኰይኖም ዘሽርፉን እንስሳታት ዝሸጡን ዝነበሩ ሰባት “ቤተይ ንዅሎም ኣህዛብ ቤት ጸሎት ትብሀል: ጽሑፍ ደይኰነን፧ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጐሓሉት ገበርኩምዋ” በሎም። ነቶም ንመስዋእቲ ዝዀኑ እንስሳታት ካብኦም እንተ ዘይኰይኑ ካብ ካልእ ክዕድጉ ኣማራጺ ዘይነበሮም ሰባት ክቡር ዋጋ ይሓትዎም ስለ ዝነበሩ እዞም ሰባት እዚኣቶም ጐሓሉት ኢዮም። ስለዚ የሱስ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ንግዲ ከም ምዝራፍ ወይ ምስራቕ ገይሩ ኢዩ ዝርእዮ።

ሊቃውንቲ ካህናት: ጸሓፍቲ: ከምኡውን ዓበይቲ ህዝቢ እቲ የሱስ ዝገበሮ ምስ ሰምዑ ብኸመይ ክቐትልዎ ከም ዝኽእሉ እንደገና ክሓስቡ ጀመሩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ክዕረዩ ዘይክኣሉ ሰባት ምዃኖም ኣርኣዩ። እንተዀነ ግን: ንየሱስ ብኸመይ ከጥፍእዎ ከም ዝኽእሉ ኣይፈለጡን ምኽንያቱ ብምሉኡ እቲ ህዝቢ ብቐጻሊ ኢዩ ዝሰምዖ ነይሩ።

ብዘይካ እቶም ብትውልዶም ኣይሁዳውያን ዝዀኑ ናብ በዓል ፋስጋ ዝመጹ ኣህዛብ እውን ነበሩ። እዚኣቶም ናብ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት እተለወጡ ጵሮሴሊት ኢዮም ነይሮም። ገለ ጵሮሴሊት ክዀኑ ዝኽእሉ ግሪኻውያን ናብ ፊልጶስ ቀሪቦም ንየሱስ ክርእይዎ ዝኽእሉ እንተ ዀይኖም ሓተትዎ። ፊልጶስ ናብ እንድርያስ ከይዱ እዚ ዝከኣል እንተ ዀይኑ ሓተቶ። የሱስ ገና እቶም ግሪኻውያን ክርእይዎ ኣብ ዝኽእሉሉ ቦታ ኣብ ቤት መቕደስ ኢዩ ዘሎ።

የሱስ እቲ ብህይወት ዝጸንሓሉ ግዜ ሒደት መዓልትታት ጥራይ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ: ስለዚ ኸኣ ብጽቡቕ ኣገባብ ገይሩ ነቲ ኵነታቱ ከምዚ ብምባል ኣብርሆ:- “ወዲ ሰብ ኪኸብር: ጊዜኡ በጺሓ እያ። ፍረ ስርናይ ናብ ምድሪ እንተ ዘይወደቐትን ዘይሞተትን: በይና እያ እትነብር። እንተ ሞተት ግና: ብዙሕ ፍረ ኸም እትፈሪ: ብሓቂ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።”

ሓንቲ ፍረ ስርናይ ንበይና ጥቕሚ የብላን። ኣብ ምድሪ እንተ ወደቐት እሞ እቲ ከም ፍረ ዝነበራ ህይወት ብምውዳእ እንተ “ሞተት” ግን እንታይ ትኸውን፧ ትበቍል እሞ ድሕሪ ገለ ግዜ ኸኣ ብዙሕ ፍረ ስርናይ ዘለዎ ብርዒ ትኸውን። ብተመሳሳሊ የሱስ ሓደ ፍጹም ሰብ ጥራይ ኢዩ። ንኣምላኽ እሙን ኰይኑ እንተ ሞይቱ ግን: ነቶም ከም ናቱ ዝበለ ናይ ርእስኻ ምስዋእ መንፈስ ዘለዎም እሙናት ሰባት ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዝረኽቡ ክገብሮም ኢዩ። ስለዚ የሱስ “ንህይወቱ ዚፈትዋ ኼጥፍኣ እዩ። እቲ ንህይወቱ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዚጸልኣ ግና ንዘለኣለም ህይወት ኪሕልዋ እዩ” በሎም።

የሱስ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ጥራይ ይዛረብ ከም ዘየለ ርዱእ ኢዩ: ምኽንያቱ ካብኡ ቀጺሉ ከምዚ ብምባል ገለጸ:- “ዜገልግለኒ እንተሎስ: ንኣይ ይስዐበኒ። እቲ ዜገልግለኒ ድማ ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ኣብኡ ኪኸውን እዩ። ዜገልግለኒ እንተሎ: ንእኡውን ኣቦይ ኬኽብሮ እዩ።” ንየሱስ ምስዓብን ንዕኡ ምግልጋልን ኣየ ከመይ ዝበለ ዘገርም ዓስቢ ኰን ኢዩ ዘለዎ! ኣብታ መንግስቲ ምስ ክርስቶስ ከም ዝኸብር ብምግባር ኣቦ ዓስቢ ክህቦ ኢዩ።

ብዛዕባ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝጽበዮ ዝነበረ ስቅያትን ጻዕረ ሞትን ክዛረብ ከሎ የሱስ ከምዚ በለ:- “ሕጅስ ነፍሰይ ጕህያ አላ: እንታይ እሞ ኽብል እየ፧ ኣቦ: ካብዛ ሰዓት እዚኣ አድሕነኒ።” እቲ ዝጽበዮ ዝነበረ ነገር ክተርፍ ዝኽእል እንተዀይኑ ጥራይ! ግናኸ ኣይክእልን ኢዩ: ምኽንያቱ ከምቲ ባዕሉ ዝበሎ ‘ምእንትዚ ኢዩ ናብዛ ሰዓት እዚኣ መጺኡ።’ የሱስ ምስ ኵሉ እቲ ኣምላኽ ዝገበሮ ምድላው: ምስቲ መስዋእታዊ ሞቱ እውን ከይተረፈ ይሰማማዕ ኢዩ። ማቴዎስ 21:⁠12, 13, 18, 19፣ ማርቆስ 11:⁠12-18፣ ሉቃስ 19:⁠45-48፣ ዮሃንስ 12:⁠20-27

▪ ግዜኡ እኳ እንተ ዘይነበረ የሱስ ፍረ በለስ ክረክብ ትጽቢት ዝገበረ ስለምንታይ ኢዩ፧

▪ የሱስ ነቶም ኣብቲ ቤት መቕደስ ዝሸጡ ዝነበሩ “ጐሓሉት” ዝበሎም ስለምንታይ ኢዩ፧

▪ የሱስ ከምታ እትመውት ፍረ ስርናይ ዝኸውን በየናይ መገዲ ኢዩ፧

▪ የሱስ ብዛዕባ እቲ ዝጽበዮ ዝነበረ ስቅያትን ሞትን እንታይ ተሰምዖ፧