ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እንጌራን ማይ ብሑቝን

እንጌራን ማይ ብሑቝን

ምዕራፍ 58

እንጌራን ማይ ብሑቝን

ኣብ ዓሰርተ ዓዲ ብዙሕ ህዝቢ ናብ የሱስ ወሓዘ። ብዙሓት ናብዛ መብዛሕትኦም ተቐማጦኣ ኣህዛብ ዝዀኑ ምድሪ ንየሱስ ንኽሰምዑን ካብ ሕማሞም ንኽሓውዩን ኢሎም ካብ ርሑቕ ቦታታት ኢዮም መጺኦም። ምስኦም ከኣ እቲ ብልምዲ ኣብ ናይ ኣህዛብ ከባቢ ክኸዱ ከለዉ ስንቂ ዝሕዙሉ ዓቢ መሶብ: ወይ ከኣ ኣገልግል ተማሊኦም መጹ።

ይኹን እምበር: የሱስ ኣብ መወዳእትኡ ንደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ “እዞም ህዝቢ እዚኦም ሰለስተ መዓልቲ ምሳይ ገይሮም እዮም: ዚብላዕ ከኣ የብሎምን እሞ: የደንግጹኒ አለዉ። ሓያሎ ኻባታቶም ካብ ርሑቕ ዝመጹ እዮም: ጾሞም ነናብ ቤቶም እንተ ኣሰናበትክዎም: ኣብ መገዲ ኺሕለሉ እዮም” በሎም።

እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ “ኣብዚ በረኻዚ ደኣ ነዞም ሰብ እዚኦም ዜጽግብ እንጌራ ኻበይ ይርከብ፧” ኢሎም ሓተትዎ።

የሱስ “ክንደይ እንጌራኸ አሎኩም፧” በሎም።

ንሳቶም ድማ “ሾብዓተ: ሒደት ድማ ዓሳ” በልዎ።

እቶም ሰባት ኣብ መሬት ኮፍ ከም ዝብሉ ምስ ገበረ የሱስ ነቲ እንጌራን ነቲ ዓሳን ወሲዱ ናብ ኣም​ላኽ ጸለየ: ቈሪሱ ኸኣ ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም። ንሶም ከኣ ብግዲኦም ነቶም ሰባት ክሳዕ ዝጸግቡ ክበ​ልዑ ዓደ​ልዎም። ብዘይ ኣንስትን ቈልዑን እቶም ዝበልዑ ዳርጋ 4,000 ሰብኡት እኳ እንተዀኑ እቲ ተረፍ ምስ ተኣከበ ሸውዓተ ምሉእ መሶብ ተላዕለ!

የሱስ ነቶም ህዝቢ ምስ ኣሰናበቶም ምስ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ጃልባ ደይቡ ናብ ምዕራባዊ ገምገም ባሕሪ ገሊላ ከደ። ኣብኡ ፈሪሳውያን በቶም ናይ ሰዱቃውያን ሃይማኖታዊ ኣንቆራ ተሰንዮም ካብ ሰማይ ምልክት ከርእዮም ብምሕታት ንየሱስ ፈተንዎ።

ንኽፍትንዎ ይጽዕሩ ከም ዘለዉ ብምፍላጥ የሱስ “ምስ መሰየ: ሰማይ ይቐይሕ አሎ እሞ: ጻሕያ ኪኸውን እዩ: ትብሉ። ምስ ወግሔ: እቲ እተደባነወ ሰማይ ይቐይሕ አሎ እሞ: ሎሚ ዝናም ኪዘንም እዩ: ትብሉ። ገጽ ሰማይ ምፍላይ ትፈልጡ ትእምርቲ ዘመናትከ ኽትፈልዩዶ ኣይኰነልኩምን፧” በሎም።

በዚ ኸኣ የሱስ እኩይን ዘማውን ወለዶ ኢሉ ጸውዖም: ልክዕ ከምቲ ኣቐዲሙ ነቶም ፈሪሳውያን ዝበሎም ከኣ ብዘይካ ትእምርቲ ዮናስ ካልእ ትእምርቲ ከም ዘይወሃቦም ነገሮም። ካብኡ ነቒሎም ከኣ ንሱን ደቀ መዛሙርቱን ናብ ጃልባ ደይቦም ናብታ ብወገን ሰሜናዊ ምብራቕ ናይ ባሕሪ ገሊላ እትርከብ ቤተ⁠-​ሳይዳ ከዱ። ኣብቲ መገዲ ኸኣ ደቀ መዛሙርቱ እንጌራ ከም ዘይተማልኡ: ብዘይካ ሓንቲ ኸኣ ከም ዘይብሎም ዘከሩ።

ነቲ ኣቐድም ኣቢሉ ምስ ፈሪሳውያንን ምስቶም ደገፍቲ ሄሮድስ ዝዀኑ ሰዱቃውያንን እተዛረቦ ብምዝካር የሱስ “ካብ ማይ ብሑቝ ፈሪሳውያንን ካብ ማይ ብሑቝ ሄሮድስን ተጠንቀቑን ተአርነቡን” በሎም። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ የሱስ ብዛዕባ ማይ ብሑቝ እተዛረበ: እንጌራ ብምርስዖም ኰይኑ ስለ እተሰምዖም ንሓድሕዶም ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ክዘራረቡ ጀመሩ። ከም ዘይተረድኦም ብምስትብሃል የሱስ “ንምንታይ እንጌራ ስለ ዘይምህላውኩም ትሐስቡ፧” በሎም።

ቅድሚ ቑሩብ ግዜ ምናልባት ቅድሚ ሓደ ወይ ክልተ መዓልቲ የሱስ ንኣሽሓት ሰባት ብተኣምራታዊ መገዲ እንጌራ ሂብዎም ኢዩ። ቃል ብቓሉ ብዛዕባ እንጌራ ከም ዘይተገደሰ ክፈልጡ ይግብኦም ነይሩ። ከምዚ ብምባል ከኣ ኣዘከሮም:⁠-“ኣይትዝክሩንዶኸ ኢኹም፧ እቲ ሓሙሽተ እንጌራ ንሓሙሽተ ሽሕ ምስ ቈረስኩኸ: ቈረርስ ዝመልኤ ኽንደይ መሶብ አልዐልኩም፧”

ንሳቶም ከኣ “ዓሰርተው ክልተ” በልዎ።

“እቲ ሾብዓተ እንጌራ ነርባዕተ ሽሕ ምስ ቈረስኩኸ: ቈረርስ ዝመልኤ ኽንደይ መሶብ አልዐልኩም፧”

ንሳቶም ከኣ “ሾብዓተ” ኢሎም መለስሉ።

የሱስ ከኣ “ገናዶ ኣይተስተውዕሉን ኢኹም፧” በሎም። ቀጺሉ ኸኣ “እቲ ኻብ ማይ ብሑቝ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ክትእርነቡ ዝበልኩኹም ብናይ እንጌራ ኸም ዘይኰንኩ: ከመይ ዘይተስተውዕሉ፧” በሎም።

ኣብ መወዳእታ እቶም ደቀ መዛሙርቲ እቲ ሓሳብ ተረድኦም። እቲ ንእንጌራ ከም ዝበኵዕ ዝገብርን ሓፍ ዘብልን ማይ ብሑቝ ንብልሽውና ኢዩ ዘመልክት። ስለዚ እቶም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ቃል ብቓሉ ከም ዘይተዛረበ: ኣብ ክንድኡስ ካብቲ ብልሹው ሳዕቤን ዘለዎ “ትምህርቲ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን” ክሕለዉ የጠንቅቖም ከም ዘሎ ተረድኦም።​—⁠ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና። ማርቆስ 8:⁠1⁠-​21፣ ማቴዎስ 15:⁠32⁠–​16:⁠12

▪ እቶም ህዝቢ ንስንቂ መትሓዚ ዝዀኖም ዓቢ መሶብ ዝማልኡ ስለምንታይ ኢዮም፧

▪ ካብ ዓሰርተ ዓዲ ድሕሪ ምውጽኦም: የሱስ ብጃልባ ናበይ ኢዩ እተጓዕዘ፧

▪ የሱስ ብዛዕባ ማይ ብሑቝ ምዝራቡ ኣብቶም ደቀ መዛሙርቲ እንታይ ዘይምርዳእ ኢዩ ፈጢሩ፧

▪ የሱስ “ማይ ብሑቝ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን” ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ ኢዩ፧