ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“እዚ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ ነይሩ”

“እዚ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ ነይሩ”

ምዕራፍ 126

“እዚ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ ነይሩ”

የሱስ ተሰቒሉ ብዙሕ ከይጸንሐ: ኣብ ፍርቂ መዓልቲ: ምኽንያቱ ዘይተፈልጠ ናይ ሰለስተ ሰዓት ጸልማት ኰነ። ናይ ጸሓይ ምግራድ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ: ምኽንያቱ እዚ ሓዳሽ ወርሒ ክትወጽእ ከላ ጥራይ ኢዩ ዝኸውን: ኣብ ቅነ ፋስጋ ኸኣ ወርሒ ምልእቲ ኢያ። ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ ናይ ጸሓይ ምግራድ ንሒደት ደቓይቕ ጥራይ ኢዩ ዝጸንሕ። ስለዚ እቲ ጸልማት መለኮታዊ ምንጪ ዘለዎ ኢዩ! ነቶም ንየሱስ ዘላግጹሉ ዝነበሩ: ላግጾም ከም ዘቋርጽዎ ክገብሮም ይኽእል ይኸውን።

እቲ ዘፍርህ ፍጻሜ እቲ ሓደ ገባር ክፉእ ነቲ ብጻዩ ገኒሑ ንየሱስ ክዝክሮ ቅድሚ ምሕታቱ እንተድኣ ኰይኑ ተፈጺሙ: እቲ ኵነታት ከም ዝናሳሕ ገይርዎ ኣሎ ማለት ኢዩ። እተን ኣርባዕተ ኣንስቲ ማለት ኣደ የሱስ: ሓፍታ ሰሎሜ: ማርያም መግደላዊት: ማርያም ኣደ ሃዋርያ ያእቆብ እቲ ንእሽቶ ኰይነን ኣብ ጥቓ እቲ ናይ ስቓይ ዕንጨይቲ ዝቐረባ ኣብቲ ናይ ጸልማት እዋን ኢዩ ዝኸውን። ዮሃንስ: እቲ የሱስ ዝፈትዎ ሃዋርያ እውን ኣብኡ ምስአን ነበረ።

ማርያም እቲ ዘጥበዎቶን ዘዕበየቶን ወዳ እናተሳቐየ ተሰቒሉ ክትርእዮ ከላ ልባ ‘ሴፍ ከም ዝኣተዎ’ ኰይኑ ኢዩ ተሰሚዕዋ! እንተዀነ ግን: የሱስ ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእሱ ስቓይ ዘይኰነስ ብዛዕባ ናታ ድሕንነት ኢዩ ዝሓስብ ነይሩ። ብሓይሊ ናብ ዮሃንስ ገጹ እናኣመልከተ “ኣቲ ሰበይቲ: እንሆ ወድኺ” በላ። ካብኡ ኸኣ ናብ ማርያም ገጹ እናኣመልከተ: ንዮሃንስ “እንሃ ኣዴኻ” በሎ።

በዚ ኸምዚ የሱስ ነቲ ፍልይ ብዝበለ መገዲ ዝፈትዎ ዝነበረ ሃዋርያ: ነታ ሽዑ መበለት ዝነበረት ኣዲኡ ክኣልያ ሕድሪ ገደፈሉ። ከምኡ ዝገበረ ኸኣ እቶም ካልኦት ደቂ ማርያም ክሳዕ ሽዑ ብእኡ ኣይኣምኑን ስለ ዝነበሩ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ናይ ኣዲኡ ስጋዊ ድሌታት ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ መንፈሳዊ ዘድሊ እውን ብምግዳሱ ሰናይ ኣብነት ሰርዓልና።

ኣብ ሰዓት ሰለስተ ድሕሪ ቀትሪ ኣቢሉ የሱስ “ጸማእኩ” በለ። ተኣማንነቱ ክሳዕ መወዳእታ ምእንቲ ክፍተን ኣቡኡ ዕቝብኡ ከም ዘልገሰ ተረድአ። ስለዚ ዓው ብዝበለ ድምጺ “ኣምላኸይ: ኣምላኸይ: ንምንታይ ሐደግካኒ፧” በለ። ገለ ካብቶም ኣብቲ ከባቢ ደው ኢሎም ዝነበሩ እዚ ምስ ሰምዑ “እንሆ: ንኤልያስ ይጽውዖ አሎ” በሉ። ሓደ ካብኦም ከኣ ጐይዩ መጺጽ ወይኒ ብሰፍነግ ጠሚዑ ኣብ ጫፍ ዘንጊ ገይሩ ክሰቲ ሃቦ። ካልኦት ግን “ሕደጉ: ኤልያስ መጺኡ እንተ ኣውረዶ ንርኤ” በሉ።

የሱስ ነቲ መጺጽ ወይኒ ምስ ጠዓመ “ተፈጸመ” በለ። እወ: እቲ ኣቡኡ ክገብሮ ኢሉ ናብ ምድሪ ዝለኣኾ ነገራት ኵሉ ፈጺሙዎ ኢዩ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ “ኣቦይ: ንነፍሰይ ኣብ ኢድካ ኤማዕቍባ አሎኹ” በለ። የሱስ ብድሕርዚ ኣምላኽ እንደገና ከም ዝህቦ ብምትእምማን ነቲ ሓይሊ ህይወቱ ናብ ኣምላኽ ኣማዕቆቦ። ብድሕርዚ ርእሱ ቍልዕጽ በለ እሞ ሞተ።

የሱስ ንመወዳእታ ግዜ ምስ ኣተንፈሰ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኰነ: ኣኻውሕ ኸኣ ተጨደ። እቲ ምንቅጥቃጥ ኣዝዩ ብርቱዕ ብምንባሩ እቲ ካብ የሩሳሌም ወጻኢ ዝነበረ መቓብር ተኸፊቱ ኣብኡ ዝነበረ ሬሳታት ከኣ ወጺኡ ኢዩ። እቲ ሬሳ ከም ዝወጸ ዝረኣዩ ሓለፍቲ መገዲ ናብ ከተማ ኣትዮም ነገሩ።

ብዘይካ እዚ ኸኣ ኣብቲ የሱስ ዝሞተሉ ግዜ: እቲ ኣብ ቤት መቕደስ ኣምላኽ ዝነበረ ንቕድስቲ ካብቲ ቅድስተ ቅዱሳን ዝፈሊ መጋረጃ ካብ ጫፍ ክሳዕ ጫፍ ኣብ ክልተ ተተርተረ። እዚ ምልኩዕ መጋረጃ እዚ ቍመቱ 18 ሜትሮ ኣቢሉ ኢዩ ዝኸውን: ኣዝዩ ከቢድ ድማ ኢዩ! እዚ ዘገርም ተኣምራት እዚ ኣምላኽ ነቶም ቀተልቲ ወዱ ከም እተቘጥዖም ዘርኢ ጥራይ ዘይኰነስ ብሞት የሱስ መገዲ ናይቲ ቅድስተ ቅዱሳን ዝዀነ ሰማይ ከም እተኸፍተ እውን ኢዩ ዘመልክት።

ሰባት መሬት ከንቀጥቅጥ: ከምኡውን እቲ ዝፍጸም ዝነበረ ነገራት ክርእዩ ከለዉ: ኣዝዮም ኢዮም ዝፈርሁ። እቲ ፍርዲ ከም ዝፍጸም ናይ ምግባር ሓላፍነት ዝነበሮ ኣዛዚ ሰራዊት ንኣምላኽ ክብሪ ሃበ። “እዚ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ ነይሩ” ድማ በለ። የሱስ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ ክፍረድ ኣብ ዝቐረበሉ ግዜ ብዛዕባ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ክዘራረቡ ከለዉ እዚ በዓል ስልጣን እዚ ኣብኡ ነይሩ ይኸውን ኢዩ። ሕጂ ኸኣ የሱስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ: አረ ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ ምዃኑ እውን ኣሚኑ ኢዩ።

ካልኦት እውን በዚ ተኣምራታዊ ፍጻሜታት ከም ዝኣምኑ ኰይኖም ኢዮም: ናብ ቤቶም ክምለሱ ከለዉ ኸኣ ናይ ሓዘኖምን ሕፍረቶምን ምልክት ኣፍ ልቦም እናሃረሙ ከዱ። ብዙሓት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ዝዀና ኣንስቲ ኸኣ ነቲ ኵነታት ርሕቕ ኢለን ብምዕዛብ በዚ ኣገዳሲ ፍጻሜታት እዚ ተመሲጠን ኢየን። ሃዋርያ ዮሃንስ እውን ኣብኡ ነይሩ ኢዩ። ማቴዎስ 27:⁠45-56፣ ማርቆስ 15:⁠33-41፣ ሉቃስ 23:⁠44-49፣ 2:⁠34, 35፣ ዮሃንስ 19:⁠25-30

▪ ምኽንያት ናይቲ ሰለስተ ሰዓት ምጽልማት ናይ ጸሓይ ምግራድ ክኸውን ዘይክእል ስለምንታይ ኢዩ፧

▪ የሱስ ቀቅድሚ ሙማቱ ንዕድመ ዝደፍኡ ወለዲ ምእላይ ብዝምልከት እንታይ ሰናይ ኣብነት ኢዩ ገዲፉ፧

▪ የሱስ ቅድሚ ሙማቱ እተዛረቦ ናይ መወዳእታ ኣርባዕተ ሓሳባት እንታይ ኢዩ፧

▪ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ እንታይ ኢዩ ፈጺሙ: ናይ ቤት መቕደስ መጋረጃ ኣብ ክልተ ምትርታሩ እንታይ ትርጕም ኢዩ ዘለዎ፧

▪ እቲ ፍርዲ ናይ ምፍጻም ሓላፍነት ዝነበሮ ኣዛዚ ሰራዊት በቲ ተኣምራት ብኸመይ ተተንከፈ፧