ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ከይተወልደ ከሎ ክብሪ እተዋህቦ

ከይተወልደ ከሎ ክብሪ እተዋህቦ

ምዕራፍ 2

ከይተወልደ ከሎ ክብሪ እተዋህቦ

ገብርኤል መልኣኽ ነታ ጐርዞ ዝነበረት ማርያም ናይ ዘለኣለም ንጉስ ዝኸውን ወዲ ክትወልድ ምዃና ምስ ነገራ: “እዚኸ: ሰብኣይ ከይፈለጥኩስ: ከመይ ኢሉ ኪኸውን እዩ፧” ኢላ ሓተተቶ።

ገብርኤል ከኣ “መንፈስ ቅዱስ ኪወርደኪ ሓይሊ ልዑልውን ኬጽልለኪ እዩ። ስለዚ ኸኣ እቲ ዚውለድ ቅዱስ: ወዲ ኣምላኽ ኪበሀል እዩ” ኢሉ ገለጸላ።

ነዚ መልእኽቲ እዚ ንኽትኣምኖ ክሕግዛ ኢሉ ኸኣ ገብርኤል ቀጺሉ “እንሆ: ኤልሳቤጥ እታ ዘመድኪ እኳ:—ንኣምላኽ ዚሰአኖ ነገር ስለ ዜልቦ:—ኣብ እርግናኣ ወዲ ጠኒሳ አላ: ነታ መኻን እትብሀል እዚ ወርሒ እዚ ሳድሳያ እዩ” በላ።

ማርያም ናይ ገብርኤል ቃላት ተቐበለቶ። ዝሃበቶ መልሲኸ እንታይ ነበረ፧ “እኔኹ: ኣነ ባርያ እግዚኣብሄር: ከምቲ ዘረባኻ ይኹነለይ” በለቶ።

ገብርኤል ድሕሪ ምኻዱ ማርያም ቀልጢፋ ነታ ምስ ዘካርያስ ሰብኣያ ኣብቲ ኣኽራን ዝመልኦ ሃገር ይሁዳ ትነብር ዝነበረት ኤልሳቤጥ ንኽትበጽሓ ክትከይድ ተቐረበት። ካብቲ ማርያም ትነብረሉ ዝነበረት ናዝሬት እዚ ምናልባት ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ መዓልቲ ዝወስድ ነዊሕ ጕዕዞ ኢዩ ነይሩ።

ኣብ መወዳእትኡ ማርያም ኣብ ቤት ዘካርያስ ምስ በጽሐት ሰላምታ ኣቕሪባ ኣተወት። ሽዑ ኤልሳቤጥ መንፈስ ቅዱስ መልኣ እሞ ንማርያም ‘ንስኺ ኻብ ኣን​ስቲ ብርኽቲ ኢኺ: ፍረ ኸርስኺውን ብሩኽ እዩ። ኣደ ጐይታይ ናባይ ክትመጺኸ: እዚ ኻበይ ኰነለይ፧ እንሆ: ድምጺ ሰላምታኺ ምስ ሰማዕኩ: ኣብ ከር​ሰይ ሕጻን ብሓጐስ ተሰራሰረ’ በለታ።

እዚ ምስ ሰምዐት ከኣ ማርያም ካብ ልቢ ብምም​ስጋን “ነፍሰይ ንእግዚኣብሄር ተዕብዮ: መንፈሰይ ከኣ ብኣምላኽ: በቲ መድሓንየይ: ባህ ይብሎ። ውርደት ባርያኡ ስለ ዝረአየ: እቲ ሓያል ዓብዪ ነገር ገይሩለይ እዩ እሞ: . . . እንሆ: ካብ ሕጂ ዅሎም ወለዶ ብጽእቲ ኺብሉኒ እዮም” በለት። ስምረት ከም ዝረኸበት እኳ እንተ ተገልጸላ ማርያም ኵሉ ክብሪ ንኣምላኽ ከም ዝግባእ ኢያ ተዛሪባ። “ስሙ ቅዱስ እዩ። . . . ምሕረቱውን ነቶም ዚፈርህዎ ንውሉድ ወለዶ ይነብር” በለት።

ማርያም መንፈስ ዝነፈሶ ትንቢታዊ መዝሙር ገይራ “ሓይሊ ብቕልጽሙ ገበረ: ንዅሩዓት ብሓሳብ ልቦም ዘረዎም። ንሓያላት ካብ ዙፋውንቶም ኣውረዶም: ንተዋረዱ ኸኣ ልዕል ኣበሎም። ንጥሙያት ብጽቡቕ ነገር ኣጽገቦም: ንሃብታማትውን ጥራይ ኢዶም ሰደዶም። ከምቲ ነቦታትና: ንኣብርሃምን ንዘርኡን ዝነገሮም: ክሳዕ ዘለኣለም ምሕረቱ እናዘከረ: ንእስራኤል ባርያኡ ተቐበሎ” በለት።

ማርያም ምስ ኤልሳቤጥ ዳርጋ ንሰለስተ ወርሒ ኣቢላ ጸንሐት: ብዘይ ጥርጥር ከኣ ኣብተን ኤልሳቤጥ ጥንስቲ ዝነበረትለን ናይ መወዳእታ ሰሙናት ዓቢ ሓገዝ ገይራ ኢያ። እዘን ብሓገዝ ኣምላኽ ውሉድ ተሰኪመን ዝነበራ ክልተ እሙናት ኣንስቲ ኣብቲ እተባረኸ ግዜ ናይ ህይወተን ብሓንሳእ ክዀና ብሓቂ ጽቡቕ ኢዩ ነይሩ!

የሱስ ቅድሚ ምውላዱ እውን ከይተረፈ ክብሪ ከም እተዋህቦ ኣስተብሂልካዶ፧ ኤልሳቤጥ “ጐይታይ” ኢላ ጸውዓቶ: እቲ ዘይተወልደ ውሉዳ ኸኣ ማርያም ምጽእ ምስ በለት ብሓጐስ ተሰራሰረ። በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ቀጺልና ከም እንርእዮ: ካልኦት ጸኒሖም ንማርያምን ነቲ ገና ዘይተወልደ ወዳን ንዒቖምዎም ኢዮም። ሉቃስ 1:⁠26⁠-​56

▪ ማርያም ብኸመይ ከም እትጠንስ ንኸረድኣ ገብርኤል እንታይ ኢዩ ዝበለ፧

▪ የሱስ ቅድሚ ምውላዱ ክብሪ እተዋህቦ ብኸመይ ኢዩ፧

▪ ማርያም ንኣምላኽ ንምውዳስ ብትንቢታዊ መዝሙር እንታይ ኢያ ዝበለት፧

▪ ማርያም ንኽንደይ ግዜ ኢያ ምስ ኤልሳቤጥ ዝጸንሐት: ኣብዚ ግዜ እዚ ማርያም ምስ ኤልሳቤጥ ክትጸንሕ ግቡእ ዝኸውንከ ስለምንታይ ኢዩ፧