ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካልእ ግዜ እውን ተራእየ

ካልእ ግዜ እውን ተራእየ

ምዕራፍ 129

ካልእ ግዜ እውን ተራእየ

እቶም ሃዋርያት ገና ተስፋ ቈሪጾም ኢዮም ዘለዉ። ትርጕም ናይቲ ጥራዩ ዝጸንሐ መቓብር ኣይተረድኦምን: እተን ኣንስቲ ዝነገርኦም እውን ኣይኣመንዎን። ስለዚ ጸኒሖም ኣብ መዓልቲ ሰንበት ቀለዮጳን ካልእ ወደ መዝሙርን ካብ የሩሳሌም ወጺኦም ናብታ 11 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ኤማሁስ እትብሃል ዓዲ ክኸዱ ወጹ።

እናኸዱ ብዛዕባ እቲ ዝዀነ ነገር ክዘራረቡ ከለዉ ሓደ ጋሻ ምስኦም ሕውስ በለ። ንሱ ድማ “እዚ: እናኸድኩምን . . . እትዛራረብዎ ዘሎኹም ዘረባስ እንታይ እዩ፧” ኢሉ ሓተቶም።

እቶም ጕህዮም ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ ደው በሉ እሞ: ቀለዮጳ ኸኣ “በዘን መዓልትታት እዚኣተን ነዚ ኣብ የሩሳሌም ዝዀነ ነገር ዘይትፈልጥሲ: ንስኻ በይንኻዶ ኣብኣ ጋሻ ኢኻ፧” በሎ። እቲ ሰብኣይ ከኣ “እንታይ እዩ፧” በሎ።

ንሳቶም ከኣ “እዚ ናይ የሱስ ናዝራዊ ነገር” ኢሎም መለሱሉ። ወሲኾም ከኣ “ሊቃውንቲ ኻህናትናን ዓበይትናን ንፍርዲ ሞት ኣሕሊፎም ከም ዝሀብዎን ከም ዝሰቐልዎን: ንሕና ግና፤ እቲ ንእስራኤል ዜድሕን ንሱ እዩ: ኢልና ተስፋ ንገብር ኔርና” በልዎ።

ቀለዮጳን እቲ ብጻዩን ብዛዕባ እቲ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ዝዀነ ፍጻሜታት ማለት እቲ ልዕለ-ባህሪ ዝዀነ ናይ መላእኽቲ ምርኣይን ጥራዩ ዝጸንሐ መቓብርን ገሊጾም: ትርጕም ናይቲ ዝዀነ ነገራት ግን ክርድኦም ከም ዘይከኣለ ነገርዎ። እቲ ጋሻ ሰብኣይ ከኣ “ኣቱም: ነብያት ብተዛረብዎ ዅሉ ንምእማን ልቦም ዝደንጐየ ዐያሱ: ክርስቶስ እዚ ሓሳረ መከራ እዚ ኺጸግብ እሞ ናብ ክብረቱ ኺአቱ ናይ ግዲ ደይኰነን፧” በሎም። ብድሕርዚ ኸኣ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ንክርስቶስ ዝምልከት ነገራት እናጠቐሰ ተርጐመሎም።

ኣብ መወዳእትኡ ጥቓ ኤማሁስ በጽሑ: እቲ ጋሻ ኸኣ ሓሊፉ ከም ዝኸይድ መሰለ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ተወሳኺ ክነግሮም ስለ ዝደለዩ ‘መስዩ ኢዩ: ምሳና ሕደር’ ኢሎም ግዲ በልዎ። ስለዚ ምስኦም ክድረር ኣተወ። እንጌራ ኣልዒሉ ባሪኹ ቈሪሱ ክህቦም ከሎ ብሓቂ ሰብኣዊ ኣካል ዝለበሰ የሱስ ምዃኑ ኣለለይዎ። ሽዑ ግን ካብኦም ተሰወረ።

ሽዑ እቲ ጋሻ ኵሉ ክፈልጥ ዝኸኣለ ስለምንታይ ምዃኑ ተረድኦም! “እቲ ኣብ መገዲ ኺዛረበናን እተን ጽሑፋት ኪትርጕመልናን ከሎዶ ግዳ ልብና ይነደና ኣይነበረን፧” ተበሃሃሉ። ከይተደናጐዩ ኸኣ እንደገና ናብ የሩሳሌም ተመልሱ እሞ ነቶም ሃዋርያትን ነቶም ምስኦም ተኣኪቦም ዝነበሩን ረኸብዎም። ቀለዮጳን እቲ ብጻዩን ቅድሚ ምዝራቦም ከኣ እቶም ካልኦት ብሓጐስ “ጐይታ ብሓቂ ተንሲኡ: ንስምኦን እኳ ተራእይዎ” በልዎም። ብድሕርዚ እቶም ክልተ ኸኣ የሱስ ንዕኦም እውን ብኸመይ ከም እተራእዮም ኣዘንተዉሎም። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ንእተፈላለዩ ደቀ መዛሙርቱ እተራእዮም እዚ ራብዓይ ማለት ኢዩ።

የሱስ ብሃንደበት ሓምሻይ ግዜ ተራእዮም። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ንኣይሁድ ፈሪሖም መዓጹ ዓጽዮም እኳ እንተ ነበሩ: የሱስ ኣትዩ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ “ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን” በሎም። ንሳቶም ግን መንፈስ ዝረኣዩ መሲልዎም ፈርሁ። መንፈስ ከም ዘይኰነ ብምግላጽ ከኣ “እንታይ ኴንኩም ኢኹም እትስምብዱ: ከምዚ ዝበለ ሓሳብከ ስለምንታይ ኣብ ልብኹም ይለዐል፧ ኣነ ባዕለይ ምዃነይ ኣእዳወይን ኣእጋረይን ርአዩ። ከምዚ ንኣይ ዘሎኒ እትርእይዎ ዘሎኹም: ንመንፈስሲ ስጋን ዓጽምን የብሉን እሞ: ኣረምሲስኩም ርአዩኒ” በሎም። ንሳቶም ግን ገና ንምእማን ተጠራጠሩ።

ብሓቂ የሱስ ምዃኑ ንኽርድኡ ክሕግዞም ኢሉ ኸኣ “ገለ ዚብላዕዶ ኣብዚ አሎኩም፧” በሎም። ምቃል ጥቡስ ዓሳ ተቐቢሉ ምስ በልዐ ኸኣ “እዚ እቲ ምሳኻትኩም ከሎኹ: [ቅድሚ ሙማተይ] ኣብ ሕጊ ሙሴን ነብያትን መዝሙራትን ብዛዕባይ እተጻሕፈ ዅሉ ኺፍጸም ይግብኦ እዩ ኢለ ዝነገርኩኹም ቃለይ እዩ” በሎም።

የሱስ ካብኡ ቀጺሉ “ክርስቶስ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ: ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ካብ ምዉታት ኪትንስእ: ብስሙ ኸኣ ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ካብ የሩሳሌም ጀሚሩ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ኪሰብኽ: ጽሑፍ እዩ። በዚ ንስኻትኩም ምስክር ኢኹም” ብምባል ከም ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ገይሩ ማሃሮም።

ኣብዛ ኣገዳሲት ሰንበት ምሸት እዚኣ ቶማስ ብገለ ምኽንያት ኣብኡ ኣይነበረን። ስለዚ ኣብተን ስዒበን ዝነበራ መዓልትታት እቶም ካልኦት ብሓጐስ “ንጐይታ ርኢናዮ” በልዎ።

ቶማስ ከኣ “ኣሰር እቲ ሽንካር ኣብ ኢዱ እንተ ዘይርኤኹ: ኣጻብዔይ ድማ ኣብቲ እተሸንከሮ እንተ ዘየእቶኹ: ኣብ ጐድኑውን ኢደይ እንተ ዘየእቶኹስ: ኣይአምንን እየ” በሎም።

ድሕሪ ሸሞንተ መዓልትታት እቶም ደቀ መዛሙርቲ እንደገና ተኣኪቦም ነበሩ። ኣብዚ ግዜ እዚ ቶማስ ምስኦም ኢዩ ዘሎ። እቲ መዓጹ ተዓጽዩ እኳ እንተነበረ የሱስ እንደገና ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ “ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን” በሎም። ካብኡ ንቶማስ “ኣጻብዕካ ናብዚ ኣምጽእ ነእዳወይውን ርኤ: ኢድካ ኸኣ ናብዚ አምጽእ እሞ ናብ ጐድነይ ኣእትዋ። ኣማኒ እምበር: ዘይኣማኒ ኣይትኹን” በሎ።

ቶማስ ከኣ “ጐይታይን ኣምላኸይን” በሎ።

የሱስ ከኣ “ሳላ ዝርኤኻኒ ኢኻ ዝአመንካ: እቶም ከይረአዩ ዚአምኑ ብጹኣን እዮም” በሎ። ሉቃስ 24:⁠11, 13-48፣ ዮሃንስ 20:⁠19-29

▪ ሓደ ጋሻ ነቶም ናብ ኤማሁስ ዝኸዱ ዝነበሩ ክልተ ደቀ መዛሙርቲ እንታይ ኢሉ ኢዩ ዝሓተቶም፧

▪ እቲ ጋሻ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ እንታይ ምስ በሎም ኢዩ ልቦም ከም ዝነድድ ዝዀነ፧

▪ እቶም ደቀ መዛሙርቲ እቲ ጋሻ መን ምዃኑ ዘስተውዓልዎ ብኸመይ ኢዮም፧

▪ ቀለዮጳን እቲ ብጻዩን ናብ የሩሳሌም ምስ ተመልሱ: እንታይ ዘሐጕስ ነገር ኢዮም ዝሰምዑ፧

▪ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ንሓምሻይ ግዜ እተራእዮም ብኸመይ ኢዩ: ሽዑኸ እንታይ ተፈጸመ፧

▪ የሱስ ንሓምሻይ ግዜ ምስ ተራእዮም ሸሞንተ መዓልቲ ጸኒሑ እንታይ ተፈጸመ: ቶማስከ ኣብ መወዳእትኡ የሱስ ህያው ከም ዝዀነ ብኸመይ ተኣማመነ፧