ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ሓደ ጨቋኒ ገዛኢ ምህዳም

ካብ ሓደ ጨቋኒ ገዛኢ ምህዳም

ምዕራፍ 8

ካብ ሓደ ጨቋኒ ገዛኢ ምህዳም

ዮሴፍ ህጹጽ ወረ ኽነግራ ንማርያም ካብ ድቃሳ ኣበራበራ። መል​ኣኽ የሆዋ ሽዑ ተራእዮ እሞ “ሄሮድስ ነቲ ሕጻን ኪቐትሎ ይደሊ አሎ እሞ: ተንስእ: ነቲ ሕጻንን ነዲኡን ሒዝካ ናብ ግብጺ ህደም: ክሳዕ ዝነግረካ ኸኣ ኣብኣ ጽናሕ: በሎ።”

ቀልጢፎም ከኣ ሰለስቲኦም ሃደሙ። ኣብ ልክዕ ግዜኡ ኢዩ ኸኣ ነይሩ: ምኽንያቱ ሄሮድስ እቶም ቈጸርቲ ከዋኽብቲ ኣዐሽዮምዎ ካብታ ዓዲ ከም ዝኸዱ ፈሊጡ ኢዩ። ንየሱስ ምስ ረኸብዎ ከይዶም ክነግርዎ ከም ዝነበሮም ዘክር። ሄሮድስ ተቘጥዐ። ስለዚ ንየሱስ ክቐትሎ ብዝብል ሓሳብ ንዅሎም እቶም ኣብ ቤት⁠-​ልሄምን ከባቢኣን ዝነበሩ ደቂ ክልተ ዓመትን ካብኡ ንታሕትን ዝዀኑ ኣወዳት ክቕተሉ ኣዘዘ። ኣብዚ ዕድመ እዚ ዘለዉ ከም ዝቕተሉ ዝገበረሉ ምኽንያት ከኣ ብመሰረት እቲ ኣቐዲሙ ካብቶም ካብ ምብራቕ ዝመጹ ቈጸርቲ ከዋኽብቲ ዝረኸቦ ሓበሬታ ኢዩ።

ኵሎም እዞም ኣወዳት ሕጻናት እዚኣቶም ክሕረዱ ኸለዉ ምርኣይ ዘስካሕክህ ኢዩ! ወተሃደራት ሄሮድስ ከኣ ካብ ሓደ ገዛ ናብቲ ሓደ ገዛ ኣተዉ። ወዲ ተባዕታይ ሕጻን ክረኽቡ ከለዉ ኸኣ ካብ ሕቝፊ ኣዲኡ ይምንጥልዎ። ክንደይ ሕጻናት ከም ዝቐተሉ ዋላ ሓንቲ ንፈልጦ ነገር የለን: እቲ ብዙሕ ብኽያትን መልቀስን ናይተን ኣዴታት ግን ናይቲ ኤርምያስ ነብዪ ኣምላኽ ዝበሎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ትንቢት መፈጸምታ ኢዩ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ዮሴፍን ስድራቤቱን ብሰላም ናብ ግብጺ ኣተዉ እሞ ኣብኡ ተቐመጡ። ሓደ ለይቲ ግን መልኣኽ የሆዋ ንዮሴፍ እንደገና ብሕልሚ ተገልጸሉ። እቲ መልኣኽ ከኣ ‘እቶም ህይወት እዚ ሕጻን ዝደልዩ ሞይቶም እዮም እሞ: ነዚ ሕጻንን ነዲኡን ሒዝካ ናብ ምድሪ እስራኤል ኪድ’ በሎ። ስለዚ ነቲ ወዲ ኣምላኽ ካብ ግብጺ ክጽዋዕ ምዃኑ ዝነግር ኣብ ካልእ ክፍሊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ትንቢት ንኽፍጸም እቶም ስድራቤት ናብ ዓዶም ተመልሱ።

ዮሴፍ ኣብቲ ቅድሚ ምህዳሞም ዝነብርዎ ዝነበሩ ቤት⁠-​ልሄም ክነብር ከም ዝደለየ ግሁድ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ኣርኬላዎስ እቲ እኩይ ወዲ ሄሮድስ ኣብ ይሁዳ ከም ዝነገሰ ፈለጠ: የሆዋ ኸኣ ካልእ ሕልሚ ገይሩ ብዛዕባ እቲ ሓደጋ ኣጠንቀቖ። ስለዚ ዮሴፍን ስድራቤቱን ናብ ሰሜን ኣብ ናዝሬት ናይ ገሊላ ተቐመጡ። የሱስ ከኣ ኣብዚ ካብ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖታዊ ናብራ ርሑቕ ዝዀነ ማሕበረሰብ ዓበየ። ማቴዎስ 2:⁠13⁠-​23፣ ኤርምያስ 31:⁠15፣ ሆሴእ 11:⁠1

▪ እቶም ቈጸርቲ ከዋኽብቲ ከይተመልሱ ምስ ተረፉ: ንጉስ ሄሮድስ እንታይ ዘሰንብድ ነገር ኢዩ ዝገበረ: የሱስ ግን ብኸመይ ዕቝባ ረኸበ፧

▪ ዮሴፍ ካብ ግብጺ ምስ ተመልሰ እንደገና ኣብ ቤት⁠-​ልሄም ዘይተቐመጠ ስለምንታይ ኢዩ፧

▪ ኣብቲ እዋን እቲ እንታይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢታት ኢዮም መፈጸምታ ዝረኸቡ፧