ካብ ሰማይ ዝመጸ መልእኽትታት
ምዕራፍ 1
ካብ ሰማይ ዝመጸ መልእኽትታት
ብሓቂ ክርአ ኸሎ ብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ንመምርሒና ክኸውን ኢሉ ዝሃበና ካብ ሰማይ ዝመጸ መልእኽቲ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ዳርጋ ቅድሚ 2,000 ዓመታት ኣቢሉ ይገብር ክልተ ፍሉይ መልእኽትታት ብሓደ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝቐውም” መልኣኽ ኣቢሉ ተሰደ። ስሙ ገብርኤል ኢዩ። እስከ ኵነታት ናይዚ ኣገዳሲ ዝዀነ ናብ ምድሪ እተገብረ ክልተ ምብጽሓት ንመርምሮ።
እቲ ግዜ 3 ቅ.ኣ.ዘ. ኢዩ ነይሩ። ካብ የሩሳሌም ብዙሕ ከይረሓቐ ኣብቲ ናይ ይሁዳ ኵድዅዶታት ሓደ ዘካርያስ እተባህለ ካህን የሆዋ ይነብር ነበረ። ኣሪጉ ኢዩ: ሰበይቱ ኤልሳቤጥ እውን ኣሪጋ ኢያ ነይራ። ውሉዳት ከኣ ኣይነበርዎምን። ዘካርያስ ኣብ የሩሳሌም ኣብ ቤት መቕደስ ኣምላኽ ከገልግል ግዲኡ ኢዩ ነይሩ። ብሃንደበት ከኣ ገብርኤል ብወገን የማን ናይቲ መሰውኢ ዕጣን ተራእዮ።
ዘካርያስ ኣዝዩ ፈርሀ። ገብርኤል ግን “ዘካርያስ: ጸሎትካ ተሰሚዑልካ እዩ እሞ: ኣይትፍራህ። ሰበይትኻ ኤልሳቤጥ ወዲ ኽትወልደልካ እያ: ስሙውን ዮሃንስ ክትሰምዮ ኢኻ” ብምባል ነቲ ሒዝዎ ዝነበረ ፍርሂ ከም ዘልግስ ገበሮ። ገብርኤል ቀጺሉ ክዛረብ ከሎ: ዮሃንስ “ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዓብዪ ኪኸውን” ከምኡውን “ብቑዕ ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ኬዳሉ” ምዃኑ ነገሮ።
እንተዀነ ግን: ዘካርያስ ክኣምን ኣይከኣለን። ኣብቲ ዕድሚኦም ንሱን ኤልሳቤጥን ፈጺሞም ክወልዱ ዘይክእሉ ኰይኑ ተራእዮ። ስለዚ ገብርኤል “ዘረባይ ስለ ዘይአመንካ: ክሳዕ እታ እዚ ነገርዚ ዚዀነላ መዓልቲ ዓባስ ክትከውን ምዝራብውን ክትስእን ኢኻ” ብምባል ነገሮ።
እቶም ኣብ ደገ ዝነበሩ ሰባት ከኣ ዘካርያስ ኣብ ውሽጢ እቲ ቤት መቕደስ እንታይ ኰይኑ ደንጕዩ ኢሎም ክግረሙ ጀመሩ። ኣብ መወዳእትኡ ምስ ወጸ: በእዳዉ ምልክት ክገብር እምበር ክዛረብ ኣይከኣለን: ስለዚ ልዕለ-ባህሪይ ዝዀነ ነገር ከም ዝረኣየ ተገንዘቡ።
ዘካርያስ እቲ ኣብ ቤት መቕደስ ዝገብሮ ናይ ኣገልግሎት ግዜ ምስ ወድአ ናብ ቤቱ ተመልሰ። ብድሕሪኡ ብዙሕ ከይጸንሐ ኸኣ እቲ ነገር ብሓቂ ተፈጸመ—ኤልሳቤጥ ጠነሰት! ክሳዕ እትወልድ ከኣ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣብ ቤታ ካብ ሰባት ርሒቓ ተቐመጠት።
ጸኒሑ ገብርኤል እንደገና ተራእየ። ምስ መን ኢዩኸ እተዛረበ፧ ምስ ሓንቲ ኣብ ከተማ ናዝሬት እትነብር ማርያም እትብሃል ዘይተመርዓወት መንእሰይ ሰበይቲ ኢዩ ተዛሪቡ። ኣብዚ ግዜ እዚ እንታይ መልእኽቲ ኢዩ ዘመሓላለፈ፧ ጽን ኢልካ ስማዕ! ገብርኤል ንማርያም “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጸጋ ረኺብኪ ኢኺ” ኢሉ ነገራ። ወሲኹ ኸኣ “እንሆ: ክትጠንሲ ወዲውን ክትወልዲ: ስሙ ኸኣ የሱስ ክትሰምይዮ ኢኺ። ንሱ ዓብዪ ኪኸውን: ወዲ ልዑልውን ኪብሀል እዩ . . . ንሱ ኣብ ቤት ያእቆብ ንዘለኣለም ኪነግስ እዩ: መንግስቱ ኸኣ መወዳእታ የብላን” በላ።
ገብርኤል ነዚ መልእኽቲ እዚ ምብጻሕ መሰል ገይሩ ከም ዝረኣዮ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ብዛዕባ ዮሃንስን የሱስን ዝያዳ እንዳ ኣንበብና ክንከይድ ከለና ኸኣ እዚ ካብ ሰማይ ዝመጸ ክልተ መልእኽትታት ስለምንታይ ኣዝዩ ኣገዳሲ ከም ዝዀነ ዝያዳ ብንጹር ክንርእዮ ኢና። 2 ጢሞቴዎስ 3:16፣ ሉቃስ 1:5-33
▪ እንታይ ክልተ ኣገዳሲ መልእኽትታት ኢዩ ካብ ሰማይ እተሰደ፧
▪ ነቲ መልእኽቲ ዘብጽሖ መን ኢዩ: ናብ መንከ ኢዩ እተላእከ፧
▪ እቲ መልእኽትታት ንኽትኣምኖ ኣዝዩ ዘሸግር ስለምንታይ ኢዩ፧