ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ቤት ያኢሮስ ወጺኡ እንደገና ናብ ናዝሬት ከደ

ካብ ቤት ያኢሮስ ወጺኡ እንደገና ናብ ናዝሬት ከደ

ምዕራፍ 48

ካብ ቤት ያኢሮስ ወጺኡ እንደገና ናብ ናዝሬት ከደ

ሱስ ካብ ዓሰርተ ዓዲ ብባሕሪ ተጓዒዙ ብምምጽኡ: ነታ ደም ዝፈሳ ዝነበረ ሰበይቲ ብምሕዋዩ: ንጓል ያኢሮስ ድማ ብምትንስኡ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ብስራሕ ኣዝዩ ትሑዝ ኢዩ ነይሩ። እታ መዓልቲ ግን ኣይተወድአትን ነይራ። የሱስ ካብ ቤት ያኢሮስ ክወጽእ ከሎ: ክልተ ዕዉራት ሰባት ደድሕሪኡ እናሰዓቡ ዓው ኢሎም “ወዲ ዳዊት: ምሐረና” በልዎ።

ንየሱስ “ወዲ ዳዊት” ኢሎም ብምጽውዖም የሱስ ወራሲ ናይ ዝፋን ዳዊት ምዃኑ ስለዚ ኸኣ እቲ መብጽዓ እተገብረሉ መሲህ ምዃኑ ከም ዝኣምኑ ኢዮም ዝገልጹ ነይሮም። የሱስ ግን ምናልባት ዘይምሕላሎም ክርኢ ደልዩ ኢዩ ዝኸውን: ነቲ ሓገዝ ንምርካብ ዝገብርዎ ዝነበሩ ጻዕሪ ሸለል በሎ። እቶም ሰባት ግን ተስፋ ኣይቈረጹን። ናብቲ ዝነብረሉ ቤት ሰዓብዎ: ናብቲ ቤት ምስ ኣተወ እውን ሰዓብዎ።

ኣብኡ ኸኣ የሱስ “እዚ ምግባር ከም ዚከአለኒዶ ትአምኑ ኢኹም፧” ኢሉ ሓተቶም።

ንሳቶም ከኣ “እወ ጐይታይ” ኢሎም ብምትእምማን መለስሉ።

ስለዚ የሱስ ኣዒንቶም ብምትንካፍ “ከም እምነትኩም ይኹነልኩም” በሎም። ብኡንብኡ ኸኣ ክርእዩ ከኣሉ! ብድሕርዚ የሱስ “ሓደ እኳ ኸይፈልጥ ተጠንቀቑ” ብምባል ኣሕሚሙ ተዛረቦም። ብሓጐስ ግን ነቲ የሱስ ዝበሎም ትእዛዝ ሸለል በልዎ እሞ ብዛዕብኡ ኸኣ ኣብ ብምሉኡ እቲ ሃገር ተዛረቡ።

እዞም ሰባት እዚኣቶም ምስ ከዱ: እቶም ህዝቢ ሓደ ጋኔን ዝሓደሮ እሞ ዓባስ ዝዀነ ሰብኣይ ኣምጽኡሉ። የሱስ ነቲ ጋኔን ኣውጽኦ እቲ ሰብኣይ ከኣ ብኡንብኡ ክዛረብ ጀመረ። እቶም ህዝቢ ኸኣ በቲ ተኣምራታት ተገረሙ እሞ ከምዚ በሉ:⁠- “ከምዚ ዝበለስ ኣብ እስራኤል ከቶ ኣይተራእየን።”

እቶም ፈሪሳውያን ከኣ ኣብኡ ነበሩ። ነቲ ተኣምራት ክኽሕድዎ ኣይክእሉን ኢዮም: እንተዀነ ግን በቲ እኩይ ዘይምእማኖም ብዛዕባ እቲ የሱስ ተኣምራት ዝገበረሉ ሓይሊ ነቲ ድሮ ዝበልዎ ክሲ ከምዚ ብምባል ደገምዎ:⁠- “ነጋንንቲ ብሓለቓ ኣጋንንቲ የውጽኦም አሎ።”

ድሕሪ እዚ ፍጻሜታት እዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ናብ ዓዱ ናብ ናዝሬት ተመልሰ: ኣብዚ ግዜ እዚ ደቀ መዛሙርቱ ምስኡ ነበሩ። ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣቢሉ ይገብር: ኣብ ቤት ጸሎት ከይዱ ኣብኡ ኸኣ ምሂሩ ነበረ። እቶም ሰባት መጀመርታ በቲ ደስ ዘብል ቃላቱ ተገሪሞም እኳ እንተ ነበሩ: ጸኒሖም ግን በቲ ትምህርትታቱ ኰረዩ እሞ ክቐትልዎ ፈተኑ። የሱስ ግን ምሕረት ብምርኣይ: ንኻልኣይ ግዜ ነቶም ቅድም ጐረባብቱ ዝነበሩ ሰባት ክሕግዝ ፈተነ።

ኣብ ካልእ ቦታታት ሰባት ናብ የሱስ ይውሕዙ ነበሩ: ኣብዚ ግን ከም ዘይመጽዎ ግሁድ ኢዩ። ስለዚ ብመዓልቲ ሰንበት ክምህሮም ኢሉ ናብ ቤት ጸሎት ከደ። ዝበዝሑ ካብቶም ዝሰምዕዎ ተገረሙ። “እዚ ጥበብዚ: እዚ ሓይሊ እዚኸ ኻበይ ረኸቦ፧ እዝስ ወዲ እቲ ጸራቢ ደይኰነን፧ ኣዲኡስ ማርያም እትበሀል ደይኰነትን፧ ኣሕዋቱስ ያእቆብ: ዮሴፍ: ስምኦን: ይሁዳ ደይኰኑን፧ ኣሓቱ ዅላተንሲ ምሳናዶ ኣየለዋን፧ እዚ ዅሉ ደኣ ኻበይ ተዋህቦ፧” ኢሎም ሓተቱ።

‘የሱስ ከማና ተራ ሰብ ኢዩ። ክዓቢ ከሎ ዝረኣናዮ: ስድርኡ ንፈልጦም ኢና። ከመይ ኢሉ እቲ መሲሕ ክኸውን ይኽእል፧’ ብምባል ሓሰቡ። ስለዚ ናይቲ ዅሉ ጥበቡን ተኣምራታቱን መርትዖታት እኳ እንተ ነበሮም ነጸግዎ። ኣጸቢቖም ስለ ዝፈልጥዎ እቶም ኣዝማዱ እውን ብእኡ ተዓንቀፉ: እሞ ንየሱስ “ነብዪ ብዘይ ኣብ ዓዱን ኣብ ቤቱን ኣይንዐቕን እዩ” ኢሉ ከም ዝድምድም ገበርዎ።

ብሓቂ የሱስ በቲ እምነት ምጕዳሎም ተገረመ። ስለዚ ንሒደት ዝሓመሙ ሰባት ኢዱ ብምንባር ምሕዋይ እንተ ዘይኰይኑ: ኣብኡ ብዙሕ ተኣምራት ኣይገበረን። ማቴዎስ 9:⁠27⁠-​34፣ 13:⁠54⁠-​58፣ ማርቆስ 6:⁠1⁠-​6፣ ኢሳይያስ 9:⁠7

▪ እቶም ዕዉራት ንየሱስ “ወዲ ዳዊት” ኢሎም ብምጽውዖም እንታይ ከም ዝኣምኑ ኢዮም ዘርኣዩ፧

▪ እቶም ፈሪሳውያን ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝገበሮ ተኣምራት እንታይ መግለጺ ኢዮም ዝሃቡ፧

▪ የሱስ ነቶም ኣብ ናዝሬት ዝነበሩ ክሕግዝ ኢሉ ምምላሱ ናይ ምሕረት ተግባር ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

▪ ንየሱስ ኣብ ናዝሬት ከመይ ዝበለ ኣቀባብላ ተገብረሉ: ስለምንታይከ፧