ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ናይ የሱስ ፈተናታት ምምሃር

ካብ ናይ የሱስ ፈተናታት ምምሃር

ምዕራፍ 13

ካብ ናይ የሱስ ፈተናታት ምምሃር

ምስ ተጠምቀ ብኡንብኡ የሱስ ብመንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ ተመሪሑ ናብ በረኻ ይሁዳ ከደ። ብዙሕ ዝሓስቦ ነገራት ነበሮ: ምኽንያቱ ብዛዕባ ናይ ሰማይ ነገራት ምእንቲ ከስተውዕል ኣብ ግዜ ጥምቀቱ ‘ሰማይ ተኸፊቱ’ ኢዩ። ብሓቂ ብዙሕ ዘስተንትነሉ ነገራት ኣለዎ!

የሱስ ኣብቲ በረኻ 40 መዓልትን 40 ለይትን ኣሕለፈ: ዋላ ሓንቲ ኸኣ ኣይበልዐን። ሽዑ የሱስ ኣዝዩ ጠምዩ ከሎ ድያብሎስ “ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ: እዚ ኣእማን እንጌራ ኪኸውን በል” ብምባል ክፍትኖ ኢሉ ናብኡ መጸ። የሱስ ግን ብሕታዊ ድሌቱ ንምርዋይ ነቲ ዝነበሮ ተኣምራት ናይ ምፍጻም ክእለት ምጥቃም ጌጋ ምዃኑ ይፈልጥ ኢዩ። ስለዚ ከይፍተን ኣበየ።

ድያብሎስ ግን ኢዱ ኣይሃበን። ካልእ ኣቀራርባ ፈተነ። ኣምላኽ መላእኽቱ ልኢኹ ምእንቲ ከድሕኖ ካብቲ ናይ ቤት መቕደስ መንደቕ ንኽጸድፍ ንየሱስ ፈተኖ። የሱስ ግን ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባር ክገብር ኣይፈተነን። የሱስ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብምጥቃስ: ንኣምላኽ ከምኡ ገይርካ ምፍታን ጌጋ ምዃኑ ኣርኣየ።

ኣብ ሳልሳይ ፈተና: ድያብሎስ ብተኣምራታዊ መገዲ ንየሱስ ኵለን መንግስታት ዓለም ኣርኣዮ እሞ “ፍግም ኢልካ እንተ ሰገድካለይ: እዚ ዅሉ ኽህበካ እየ” በሎ። የሱስ ግን ንኣምላኽ እሙን ኰይኑ ክቕጽል ብምምራጽ ጌጋ ንምፍጻም ንፈተና ኢዱ ኣይሃበን።

ካብዚ ናይ የሱስ ፈተናታት ክንማሃር ንኽእል ኢና። ንኣብነት: ድያብሎስ ከምቲ ገሊኦም ሰባት ዝብልዎ እከይ ባህሪ ጥራይ ዘይኰነስ ብሓቂ ዘሎ: ዘይርአ ኣካል ኢዩ። ናይ የሱስ ፈተና ዅለን ናይ ዓለም መንግስታት ናይ ሰይጣን ምዃነን እውን የርኢ ኢዩ። ብሓቂ ናቱ እንተ ዘይነብራ ድያብሎስ ንክርስቶስ ክህበካ ምባሉስ ከመይ ኢሉ ፈተና ይኸውን፧

እዚ እውን ሕሰበሉ:⁠- የሱስ ሓንሳእ እንተድኣ ሰጊዱሉ ሰይጣን ኵለን መንግስታት ዓለም ብምሃብውን ከይተረፈ ክሽልሞ ፍቓደኛ ኢዩ ነይሩ። ብተመሳሳሊ መገዲ ድያብሎስ ንዓና እውን ምናልባት ዓለማዊ ሃብቲ: ስልጣን: ወይ ቦታ ንምርካብ ዘህርፍ ኣጋጣሚታት ኣብ ቅድሜና ብምግባር ክፍትነና ይደሊ ይኸውን። እቲ ፈተና ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ ንኣምላኽ እሙናት ብምዃን ናይ የሱስ ኣብነት ምስዓብ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ጥበብ ኢዩ! ማቴዎስ 3:⁠16፣ 4:⁠1⁠-​11፣ ማርቆስ 1:⁠12,​13፣ ሉቃስ 4:⁠1⁠-​13

▪ የሱስ ኣብ በረኻ 40 መዓልትታት ክገብር ከሎ ዘስተንትነሉ ዝነበረ ነገራት እንታይ ኢዩ ነይሩ፧

▪ ድያብሎስ ንየሱስ ኣብ ፈተና ከእትዎ ዝጸዓረ ብኸመይ ኢዩ፧

▪ ካብቲ ናይ የሱስ ፈተናታት እንታይ ኢና እንማሃር፧