ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ጲላጦስ ናብ ሄሮድስ ምኻድ እንደገና ኸኣ ምምላስ

ካብ ጲላጦስ ናብ ሄሮድስ ምኻድ እንደገና ኸኣ ምምላስ

ምዕራፍ 122

ካብ ጲላጦስ ናብ ሄሮድስ ምኻድ እንደገና ኸኣ ምምላስ

የሱስ ንጉስ ምዃኑ ንጲላጦስ ክሓብኣሉ እኳ እንተ ዘይፈተነ: መንግስቱ ንሮሜ እተፍርሕ ከም ዘይኰነት ግን ገለጸሉ። የሱስ “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን። መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ እንተ ትኸውንሲ: ብኣይሁድ ከይተሐዝ: ገላዎይ ምተዋግኡለይ ነይሮም። ሕጂ ግና መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን” በለ። በዚ ኸምዚ ኸኣ የሱስ ምድራዊ መበቈል ዘይብላ እኳ እንተ ዀነት መንግስቲ ከም ዘለዎ ሰለስተ ግዜ ኣፍልጦ ሃበ።

ጲላጦስ ግን መሊሱ “እምብኣርስከ ንስኻ ንጉስ ኢኻ፧” ብምባል ጸቕጢ ገበረሉ። እዚ ኸኣ ‘መንግስትኻ ካብዛ ዓለም እዚኣ እኳ እንተ ዘይኰነትሲ ንጉስ ዲኻ፧’ ማለት ኢዩ።

ጲላጦስ ኣብ ጽቡቕ መደምደምታ ከም ዝበጽሐ ንኽነግሮ የሱስ ከምዚ በለ:- “ንጉስ ምዃነይሲ ንስኻ እኳ ትብል አሎኻ። ኣነ ንሓቂ ኽምስክር: ምእንትዚ ተወለድኩ: ምእንትዚውን እየ ናብ ዓለም ዝመጻእኩ። ካብ ሓቂ ዝዀነ ዅሉ ኸኣ ድምጸይ ይሰምዕ እዩ።”

እወ: የሱስ ናብ ምድሪ ዝመጽኣሉ ቀንዲ ዕላማ “ንሓቂ” ብፍላይ ከኣ ንሓቂ ናይታ መንግስቲ ንኽምስክር ኢዩ። የሱስ እቲ ሓቂ እቲ ህይወቱ ከም ዝኸፍል ዝገብሮ እንተዀነ እውን እሙን ክኸውን ተዳልዩ ኢዩ ዘሎ። ጲላጦስ “ሓቂ እንታይ እዩ፧” ኢሉ እኳ እንተ ሓተተ ተወሳኺ መግለጺ ክወሃቦ ኣይተጸበየን። ንኽፈርድ ዘኽእሎ እኹል መርትዖ ረኺቡ ኢዩ።

ጲላጦስ ናብቶም ካብ ቤተ መንግስቲ ወጻኢ ኰይኖም ዝጽበዩ ዝነበሩ ህዝቢ ተመሊሱ ወጸ። ነቶም ሊቃውንቲ ካህናትን ነቶም ምስኦም ዝነበሩን “ኣብዚ ሰብኣይ እዚ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩን” በሎም። ከምዚ ክብል ከሎ የሱስ ኣብ ጐኑ ከም ዝነበረ ርዱእ ኢዩ።

እቶም ህዝቢ በቲ ውሳኔ ተቘጢዖም “ካብ ገሊላ ሒዙ ኽሳዕ ኣብዚ ኣብ ብዘላ ይሁዳ እናመሀረ ንህዝቢ የባዕድ አሎ” ብምባል ግዲ በልዎ።

እቲ ምስትውዓል ዘይነበሮ ድርቅና ናይቶም ኣይሁድ ንጲላጦስ ኣገሪምዎ ክኸውን ኣለዎ። ስለዚ እቶም ሊቃውንቲ ካህናትን ዓበይቲ ህዝብን ምጭዳር ምስ ቀጸሉ: ጲላጦስ ናብ የሱስ ምልስ ኢሉ “ብኽንደይ ነገር ይምስክሩልካ ኸም ዘለዉዶ ኣይትሰምዕን ኢኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። የሱስ ግን ዋላ ሓንቲ ኣይመለሰን። የሱስ መሰረት ዘይብሉ ክስታት እናቐረቦ ክነሱ ስቕ ምባሉ ጲላጦስ ተገረመ።

ጲላጦስ የሱስ ገሊላዊ ምዃኑ ስለ ዝፈለጠ: ካብ ሓላፍነት ናጻ ክዀነሉ ዝኽእል መገዲ ረኸበ። እቲ ናይ ገሊላ ገዛኢ ሄሮድስ ኣንጢጳስ (ወዲ ሄሮድስ ዓቢ) ንበዓል ፋስጋ ኢሉ ኣብ የሩሳሌም ኢዩ ነይሩ: ስለዚ ጲላጦስ ንየሱስ ናብኡ ሰደዶ። ቕድሚ ገለ ግዜ ሄሮድስ ኣንጢጳስ ርእሲ ዮሃንስ መጥምቕ ከም ዝቝረጽ ገይሩ ነይሩ ኢዩ: ብድሕሪኡ ኸኣ ሄሮድስ ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝገብሮ ዝነበረ ተኣምራታዊ ተግባራት ምስ ሰምዐ: የሱስ ካብ ምዉታት ዝተንስአ ዮሃንስ ከይከውን ፈሪሑ ነበረ።

ሕጂ ሄሮድስ ንየሱስ ክርኢ ብምኽኣሉ ተሓጐሰ። ከምኡ ዝዀነሉ ምኽንያት ብዛዕባ ድሕንነት ናይ የሱስ ስለ ዝግደስ ወይ ከኣ እቲ ክሱ ሓቂ ምዃኑን ዘይምዃኑን ንምፍላጥ ክጽዕር ስለ ዝደለየ ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡ ግን ክፈልጥ ስለ እተሃንጠየን: የሱስ ኣብ ቅድሚኡ ገለ ተኣምራት ክገብር ከሎ ክርእን ስለ ዝደለየ ኢዩ።

የሱስ ግን ነቲ ናይ ሄሮድስ ናይ ምፍላጥ ምህንጣይ ከዕግብ ኣይደለየን። አረ ሄሮድስ ክሓቶ ከሎ ሓንቲ ቃል እውን ኣይመለሰሉን። ከምቲ ዝደለዮ ስለ ዘይኰነሉ: ሄሮድስን እቶም ወተሃደራት ሓለውቱን ንየሱስ ተላገጽሉ። ብርቕርቕ ዝብል ክዳን ከዲኖም ኣላገጹሉ። ብድሕርዚ እንደገና ናብ ጲላጦስ ሰደድዎ። በዚ ምኽንያት እዚ እቶም ቅድም ንሓድሕዶም ዝጻልኡ ዝነበሩ ሄሮድስን ጲላጦስን ኣዕሩኽ ኰኑ።

የሱስ ምስ ተመልሰ: ጲላጦስ ነቶም ሊቃውንቲ ካህናት: ናይ ኣይሁድ መራሕትን ነቶም ህዝብን ብሓንሳብ ጸውዖም እሞ “ነዚ ሰብኣይ እዚ፤ ንህዝቢ የስሕት አሎ: ኢልኩም ናባይ ኣምጺእኩምዎ: እንሆ: ኣብ ቅድሜኹም መርሚረዮስ: በዚ እትኸስዎ ዘሎኹም ነገር ኣብዚ ሰብኣይ እዚ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩን። ሄሮድስውን ከምኡ: ንሱ መሊሱ ናባና ሰዲድዎ እዩ እሞ: እንሆ: ናብ ሞት ዜብጽሕ ነገር ሓንቲ እኳ ኣይገበረን። ደጊም ቀጺዔ ኽፈትሖ እየ” በሎም።

በዚ ኸምዚ ጲላጦስ የሱስ ካብ በደል ንጹህ ምዃኑ ክልተ ግዜ ተዛረበ። እቶም ካህናት ብቕንኢ ኣሕሊፎም ከም ዝሃብዎ ስለ እተገንዘበ ናጻ ንኽሰዶ ተሃንጥዩ ኢዩ ነይሩ። ጲላጦስ ንየሱስ ናጻ ንኽሰዶ ክፍትን ከሎ: ከምኡ ንኽገብር ዝያዳ ዝደፋፍኦ ነገር ረኸበ። ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጡ ከሎ: ሰበይቱ “ሎሚ ብሕልሚ [እቲ ሕልሚ መለኮታዊ ምንጪ ከም ዝነበሮ ፍሉጥ ኢዩ] ስሊኡ ብዙሕ መከራ ረኺቡኒ አሎ እሞ: ኣብ ነገር እቲ ጻድቕ እቲ ኣይትእቶ” ዝብል መልእኽቲ ሰደደትሉ።

እንተዀነ ግን: ጲላጦስ ክገብሮ ከም ዝግብኦ እኳ እንተ ተረድኦ: ነዚ ንጹህ ሰብኣይ እዚ ብኸመይ ናጻ ይስደዶ፧ ዮሃንስ 18:⁠36-38፣ ሉቃስ 23:⁠4-16፣ ማቴዎስ 27:⁠12-14, 18, 19፣ 14:⁠1, 2፣ ማርቆስ 15:⁠2-5

▪ የሱስ ነቲ ብዛዕባ ንግስነቱ ዝቐረበ ሕቶ ብኸመይ መለሰሉ፧

▪ እቲ የሱስ ኣብ ምድራዊ ህይወቱ እናመስከረ ዘሕለፎ “ሓቂ” እንታይ ኢዩ፧

▪ ጲላጦስ እንታይ ኢሉ ፈረዶ: እቶም ህዝቢኸ ብኸመይ መለሰሉ: ጲላጦስከ ንየሱስ እንታይ ገበሮ፧

▪ ሄሮድስ ኣንጢጳስ መን ኢዩ: ንየሱስ ብምርኣዩ ኣዝዩ እተሓጐሰ ስለምንታይ ኢዩ: እንታይከ ገበሮ፧

▪ ጲላጦስ ንየሱስ ናጻ ንምስዳድ እተሃንጠየ ስለምንታይ ኢዩ፧