ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስቶስ ብዓወት ናብ የሩሳሌም ኣተወ

ክርስቶስ ብዓወት ናብ የሩሳሌም ኣተወ

ምዕራፍ 102

ክርስቶስ ብዓወት ናብ የሩሳሌም ኣተወ

ንጽብሒቱ ንግሆ ሰንበት 9 ኒሳን የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ካብ ቢታንያ ወጺኡ ብደብረ ዘይቲ ኣቢሉ ናብ የሩሳሌም ከደ። ድሕሪ ሓጺር ግዜ ኣብታ ኣብ ደብረ ዘይቲ እትርከብ ቤት-ፋጌ ቀረቡ። የሱስ ንኽልተ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ከምዚ በሎም:-

“ኣብ ቅድሜኹም ናብ ዘላ ዓዲ ኺዱ: ብኡብኡ እስርቲ ኣድጊ: ዒሉኣ ድማ ምስኣ: ክትረኽቡ ኢኹም። ፈቲሕኩም ከኣ ኣምጽኡለይ። ሓደኳ ገለ እንተ በለኩም: ጐይታ ይደልዮም አሎ: በልዎ። ብኡንብኡ ድማ ኪሰዶም እዩ።”

እቶም ደቀ መዛሙርቱ እዚ ዝበሎም ነገራት ምስ መፈጸምታ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ርክብ ከም ዘለዎ ሽዑ እኳ እንተ ዘየስተውዓልዎ: ጸኒሖም ግን መፈጸምታ ትንቢት ምዃኑ ተገንዚቦሞ ኢዮም። ነብዪ ዘካርያስ እቲ ኣምላኽ እተመባጽዓሉ ንጉስ ኣብ ኣድጊ እወ: “ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ” ናብ የሩሳሌም ክኣቱ ምዃኑ ተነበየ። ንጉስ ሰሎሞን እውን ንኽቕባእ ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ኢዩ ዝኸደ።

እቶም ደቀ መዛሙርቲ ናብ ቤት-ፋጌ ምስ ኣተዉ ነቲ ጻዕብ ኣድግን ኣዲኡን ወሰድዎ: ገለ ካብቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ኸኣ “እንታይ ትገብሩ አሎኹም፧” በልዎም። ንጐይታ ይወስድሉ ከም ዘለዉ ምስ ነገርዎም ግን: ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ፈቐዱሎም። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ክዳውንቶም ኣብታ ኣንስተይቲ ኣድግን ኣብ ዒሉኣን ኣቐመጡ: የሱስ ግን ኣብቲ ጻዕብ ኣድጊ ተወጥሐ።

የሱስ ናብ የሩሳሌም ገጹ ክኸይድ ከሎ እቶም ህዝቢ እናበዝሑ ከዱ። መብዛሕትኦም ካብቶም ሰባት ከኣ ክዳውንቶም ኣብቲ መገዲ ኣንጸፉሉ: ካልኦት ከኣ ካብ ኣእዋም ጨንፈር ሰሊዖም ነስነሱሉ። “ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ንጉስ ብሩኽ እዩ። ሰላም ኣብ ሰማይ: ክብሪ ኣብ ኣርያም” እናበሉ ኸኣ ጨደሩ።

ገለ ኻብቶም ምስቲ ህዝቢ ዝነበሩ ፈሪሳውያን በቲ ዝብሃል ዝነበረ ኰረዩ እሞ: ንየሱስ “መምህር: ንደቀ መዛሙርትኻ ግንሐዮም” በልዎ። የሱስ ግን “እዚኣቶም እኳ ስቕ እንተ በሉ: እዞም ኣእማን ኪጭድሩ እዮም: እብለኩም አሎኹ” በሎም።

የሱስ ናብ የሩሳሌም ገጹ እናቐረበ ምስ ከደ ኸኣ ነታ ከተማ ረኣያ እሞ ከምዚ ኢሉ በኸየላ:- “ኣየ: ንስኺ በዛ መዓልትኺ ንሰላምኪ ዚኸውን ነገር እንተ ትፈልጢ። ሕጂ ግና ካብ ዓይንኺ ተኸዊሉ አሎ።” የሩሳሌም እናፈለጠት ብዘይምእዛዛ ከምቲ የሱስ እተነበዮ ዓስባ ክትቅበል ኢያ:-

“ጸላእትኺ [እቶም ኣብ ትሕቲ ጀነራል ቲቶስ ዝነበሩ ሮማውያን] ቐጽሪ ቐጺሮም ዚዞሩኺ መዓልቲ ኽትመጸኪ እያ እሞ: ኪኸቡኺ: በዝን በትን ከኣ ኬጽብቡልኪ እዮም። . . . ንኣኽን ኣባኺ ንዚነብሩ ደቅኽን ኪግምጥሉኺ: እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይኪሐድጉልክን እዮም።” እዚ የሱስ እተነበዮ ናይ የሩሳሌም ጥፍኣት ድሕሪ 37 ዓመታት ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ተፈጸመ።

ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ብዙሓት ካብቶም ህዝቢ የሱስ ንኣልኣዛር ከተንስኦ ከሎ ርእዮም ኢዮም። ሕጂ ኸኣ እዚኣቶም ብዛዕባ እዚ ተኣምራት እዚ ነቶም ካልኦት ይነግርዎም ኣለዉ። ስለዚ የሱስ ኣብ የሩሳሌም ምስ ኣተወ ብዘላ እታ ከተማ ተናዓበት። ሰባት ከኣ ክፈልጡ ስለ ዝደለዩ: “መን እዩ እዚ፧” ኢሎም ሓተቱ። እቶም ህዝቢ ኸኣ “እዚ ነብዪ የሱስ: ብዓል ናዝሬት ናይ ገሊላ እዩ” በልዎም። እቲ ዝኸውን ዝነበረ ምስ ረኣዩ እቶም ፈሪሳውያን ዋላ ሓንቲ ስለ ዘየስለጡ ሓዘኑ: ምኽንያቱ ከምቲ ንሳቶም እውን ዝበልዎ ‘ብዓለሙ ደድሕሪኡ ስዒቡ’ ኢዩ።

ከምቲ ኵሉ ግዜ ናብ የሩሳሌም ክኸይድ ከሎ ዝገብሮ የሱስ ንኽምህር ናብ ቤት መቕደስ ከደ። ኣብኡ ኸኣ ዕዉራትን ሓንካሳትን ናብኡ መጹ: ንሱ ኸኣ ኣሕወዮም! እቶም ሊቃውንቲ ካህናትን ጸሓፍትን እቲ የሱስ ዝገብሮ ዝነበረ ዘደንቕ ነገራት ምስ ረኣዩ: እቶም ኣብቲ ቤት መቕደስ ዝነበሩ ቈልዑ ኸኣ “ሆሳእና ንወዲ ዳዊት” ክብሉ ከለዉ ምስ ሰምዕዎ ተቘጥዑ። “እዚኣቶም ዚብልዎስ ትሰምዕዶ አሎኻ፧” በልዎ።

የሱስ ከኣ “እወ: ካብ ኣፍ ቈልዑን ሕጻናትን ምስጋና ኣዳሎኻ: ዚብልሲ እኳዶ ኣየንበብኩምን፧” ኢሉ መለሰሎም።

የሱስ ምምሃሩ ቀጸለ: ንዅሉ እቲ ኣብ ቤት መቕደስ ዝነበረ ነገራት ከኣ ረኣዮ። ቀልጢፉ ኸኣ መሰየ። ምስቶም 12 ኰይኑ ድማ ነቲ 3 ኪሎ ሜትር ኣቢሉ ዝኸውን መገዲ ተጓዒዞም ናብ ቢታንያ ተመልሱ። ሰንበት ለይቲ ኣብኡ ሓደረ: ምናልባት ከኣ ኣብ ቤት ኣልኣዛር ፈታዊኡ ኢዩ ዝኸውን። ማቴዎስ 21:⁠1-11, 14-17፣ ማርቆስ 11:⁠1-11፣ ሉቃስ 19:⁠29-44፣ ዮሃንስ 12:⁠12-19፣ ዘካርያስ 9:⁠9

▪ የሱስ ናብ የሩሳሌም ከም ንጉስ ኰይኑ ዝኣተወ መዓስን ብኸመይ ዝበለ ኣገባብን ኢዩ፧

▪ እቶም ህዝቢ ንየሱስ ክውድሱ ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ኢዩ፧

▪ የሱስ ንየሩሳሌም ምስ ረኣያ እንታይ ተሰምዖ: እንታይ ኢሉ ኢዩኸ እተነበየ፧

▪ የሱስ ናብቲ ቤት መቕደስ ምስ ከደ እንታይ ኣጋጠመ፧