ክርክር ይልዓል
ምዕራፍ 115
ክርክር ይልዓል
ኣቐድም ኣቢሉ ኣብታ ምሸት እቲኣ የሱስ ኣእጋር ናይ ሃዋርያቱ ብምሕጻብ ብዛዕባ ትሕትና ጽቡቕ ገይሩ ምሂርዎም ነበረ። ብድሕሪኡ ዝኽሪ ናይቲ ቀሪቡ ዝነበረ ሞቱ ኣተኣታተወ። ሕጂ ኸኣ ምስቲ ክፍጸም ዝጸንሐ ነገራት ኣረኣኢኻ ዘገርም ነገር ተፈጸመ። ኣብ መንጎ እቶም ሃዋርያቱ ኣነ ኢየ ዓቢ: ኣነ እባ ዝብል ርሱን ክርክር ተላዕለ! እዚ ክፍሊ ናይቲ ቀጻሊ ክርክሮም ምዃኑ ርዱእ ኢዩ።
የሱስ ኣብቲ ከረን ትርኢቱ ምስ ተለወጠ እቶም ሃዋርያት ካብኦም መን ይዓቢ ዝብል ክርክር ኣልዒሎም ከም ዝነበሩ ትዝክሮ ኢኻ። ብተወሳኺ ያእቆብን ዮሃንስን ኣብታ መንግስቲ ምርኡይ ቦታ ክወሃቦም ሓቲቶም ነይሮም ኢዮም: እዚ ኸኣ ኣብ መንጎ እቶም ሃዋርያት ውድድር ከም ዝልዓል ገበረ። ሕጂ ኸኣ የሱስ ኣብዛ ንመወዳእታ ግዜ ምስኦም ዘሕለፋ ለይቲ እንደገና ክቋየቑ ክሰምዖምሲ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ሓዚኑ ይኸውን! እንታይከ ገበረ፧
ነቶም ሃዋርያት ኣብ ክንዲ ዝገንሖም የሱስ እንደገና ብትዕግስቲ ኣረድኦም:- “ነህዛብ ነገስታቶም እዮም ዚገዝእዎም እቶም ምልኪ ዘለዎም ከኣ ሕያዎት ይብሀሉ። ንስኻትኩም ግና ከምኡ ኣይትኹኑ . . . እቲ ኣብ መኣዲ ዚቕመጥን እቲ ዜገልግልንከ አየናዮም ይዐቢ፧ እቲ ኣብ መኣዲ ዚቕመጥ ደይኰነን፧” ብድሕርዚ ነቲ ዘርኣዮም ኣብነት ብምዝኽኻር “ኣነ ግና ኣብ ማእከልኩም ከም ኣገልጋሊ እየ” በሎም።
እቶም ሃዋርያት ዘይፍጹማት እኳ እንተዀኑ ኣብ ግዜ ፈተንኡ ምስ ክርስቶስ ጠበቑ። ስለዚ ኸኣ “ከምቲ ንኣይ ኣቦይ ዝመደበለይ: ንኣኻትኩም ከኣ ኣነ መንግስቲ መደብኩልኩም” በሎም። እዚ የሱስ ምስቶም እሙናት ሰዓብቱ ዝገበሮ ኪዳን ኣብቲ ንጉሳዊ ግዝኣቱ ምስኡ ከም ዝሓብሩ ይገብሮም። ኣብ መወዳእትኡ ኣብዚ ኪዳን መንግስቲ እቱዋት ዝዀኑ ውሱን ዝቝጽሮም 144,000 ጥራይ ኢዮም።
እቶም ሃዋርያት እቲ ኣብ ግዝኣት መንግስቲ ምስ ክርስቶስ ናይ ምሕባር ዘገርም መጻኢ እኳ እንተ ቐረበሎም ኣብቲ እዋን እቲ ግን ብመንፈስ ድኹማት ኢዮም ነይሮም። የሱስ “በዛ ለይቲ እዚአ ዅልኹም ብኣይ ክትዕንቀፉ ኢኹም” በሎም። ይኹን እምበር: ንጴጥሮስ ኣብ ክንድኡ ከም ዝጸለየ ድሕሪ ምንጋሩ የሱስ “ንስኻ ድማ ምስ ተመለስካ: ነሕዋትካ ኣጸናንዓዮም” በሎ።
“ደቀየ: ገና ቕሩብ ጊዜ ምሳኻትኩም እየ። ክትደልዩኒ ኢኹም: ከምቲ ንኣይሁድ፤ ናብቲ ኣነ ዝኸዶ ንስኻትኩም ክትመጹ ኣይከኣለኩምን እዩ ዝበልክዎም: ንኣኻትኩምውን ሕጂ እብለኩም አሎኹ። ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም: ከምኡ ጌርኩም ከኣ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ: ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም አሎኹ። ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም: በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” በሎም።
ጴጥሮስ ድማ “ጐይታይ: ናበይ ክትከይድ ኢኻ፧” ኢሉ ሓተቶ።
የሱስ ከኣ “ናብቲ ኣነ ዝኸዶ ንስኻ ሕጂ ኽትስዕበኒ ኣይከአለካን እዩ: ደሓር ግና ክትስዕበኒ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ።
ጴጥሮስ ክፈልጥ ስለ ዝደለየ “ጐይታይ: ሕጂኸ ኽስዕበካ ዘይክአለኒ እንታይ ኰይነ፧” ኢሉ ሓተቶ። “ህይወተይ እኳ በጃኻ ኤሕልፋ እየ” በሎ።
የሱስ “ንህይወትካዶ በጃይ ተሕልፋ፧” ኢሉ ሓተቶ። “ሰለስተ ጊዜ ኽሳዕ እትኽሕደንስ ደርሆ ኸም ዘይንቁ: ብሓቂ: ብሓቂ እብለካ አሎኹ” በሎ።
ጴጥሮስ ከኣ “ምሳኻ ንሙማት እንተ ዀነ እኳ: ከቶ ኣይክሕደካን እየ” በሎ። እቶም ካልኦት ሃዋርያት እውን ከምኡ ክብሉ ምስ ጀመሩ ጴጥሮስ “ኵሎም እኳ ብኣኻ እንተ ተዐንቀፉ: ኣነስ ከቶ ኣይዕንቀፍን እየ” ብምባል ተጃህረ።
እቶም ሃዋርያት ኣብ ገሊላ ናይ ስብከት ጕዕዞ ንኽገብሩ ብዘይ ማሕፉዳ: ብዘይ ስንቂ ዝሰደዶም ግዜ ብምምልካት የሱስ ከምዚ ኢሉ ሓተቶም:- “ገለዶ ጐዲሉኩም፧”
ንሳቶም ከኣ “ሓንቲ እኳ” በሉ።
“ሕጂ ግና ማሕፉዳ ዘለዎ ይማላእ: ከምኡውን ስንቂ። እቲ ዜብሉ ኸኣ ክዳኑ ሸይጡ ሰይፊ ይሻየጥ: ማለት እቲ ምስ ዓመጽቲ ተቘጽረ: ዚብል ጽሑፍ ኣባይ ኪፍጸም ብግዲ እዩ: እብለኩም አሎኹ: እወ: እቲ ብዛዕባይ ቅድም እተባህለ ይፍጸም አሎ” በሎም።
የሱስ ነቲ ምስቶም እኩያት ወይ ከኣ ዓመጸኛታት ዝስቀለሉ ግዜ ኢዩ ዘመልክት ዘሎ። እቶም ሰዓብቱ ብድሕሪኡ ከቢድ ስደት ከጋጥሞም ከም ዝዀነ እውን ኢዩ ዘመልክት ዘሎ። ንሳቶም ከኣ “ጐይታይ: እንሆ: ኣብዚ ኽልተ ሰይፊ አሎ” በሉ።
ንሱ ኸኣ “ይአክል” በሎም። ቀጺልና ከም እንርእዮ ሰይፊ ምሓዞም የሱስ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ካልእ ኣገዳሲ ዝዀነ ትምህርቲ ንኽምህር ከኽእሎ ኢዩ። ማቴዎስ 26:31-35፣ ማርቆስ 14:27-31፣ ሉቃስ 22:24-38፣ ዮሃንስ 13:31-38፣ ራእይ 14:1-3
▪ ክርክር ናይቶም ሃዋርያት ኣዝዩ ዘገርም ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
▪ የሱስ ነቲ ክርክር ብኸመይ ፈትሖ፧
▪ በቲ የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ዝገብሮ ኪዳን እንታይ ኢዩ ዝፍጸም፧
▪ የሱስ እንታይ ሓድሽ ትእዛዝ ኢዩ ዝሃበ: ክሳዕ ክንደይከ ኢዩ ኣገዳሲ ዝኸውን፧
▪ ጴጥሮስ ከመይ ዝበለ ካብ መጠን ንላዕሊ ዝዀነ ርእሰ-ተኣማንነት ኢዩ ዘርኣየ: የሱስከ እንታይ በለ፧
▪ እቲ የሱስ ብዛዕባ ማሕፉዳን ስንቅን ምሓዝ ዝሃቦ መምርሒ ካብቲ ቅድም ዝሃቦ ዝፍለ ስለምንታይ ኢዩ፧