ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክኣስርዎ ኣይከኣሉን

ክኣስርዎ ኣይከኣሉን

ምዕራፍ 67

ክኣስርዎ ኣይከኣሉን

በዓል ዳስ ገና ከይተወድአ ኸሎ: እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ንየሱስ ዝኣስርዎ ወተሃደራት ለኣኹ። ክሕባእ ኣይፈተነን። ኣብ ክንድኡስ: “ገና ቕሩብ ዘመን ምሳኻትኩም እየ: ናብቲ ዝለአኸኒ ኸኣ ክኸይድ እየ። ክትደልዩኒ ኣይክትረኽቡንን ኢኹም: ናብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ኸኣ ንስኻትኩም ክትመጹ ኣይኰነልኩምን እዩ” ብምባል ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ምምሃሩ ቀጸለ።

እቶም ኣይሁድ እቲ ዝብሎ ዝነበረ ኣይተረድኦምን ስለዚ ንሓድሕዶም “ንሕና ኽንረኽቦ ዘይኰነልናስ እዚ ናበይ ኪኸይድ ኰን ሐሊኑ እዩ፧ ናብቶም ኣብ ሃገር ጽርኢ ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ደዀን ኪኸይድ እሞ ነቶም ጽርኣውያን ኪምህር ሐሲቡ ኰይኑ፧ ክትደልዩኒ አይክትረኽቡንን ኢኹም: ናብቲ አነ ዘሎኽዎ ኽትመጹ ድማ ኣይኰነልኩምን: ዚብሎ ቓልሲ እንታይ እዩ፧” ተባሃሃሉ። ብርግጽ የሱስ ብዛዕባ እቲ ቀሪቡ ዝነበረ ሞቱን እቲ ጸላእቱ ክስዕብዎ ዘይክእሉ ናብ ሰማያዊ ህይወት ምትንስኡን ኢዩ ዝዛረብ ነይሩ።

እታ ናይቲ በዓል ሻብዐይትን ናይ መወዳእታን መዓልቲ በጽሐት። ኣብ እዋን እቲ በዓል ነፍሲ ወከፍ ንግሆ ሓደ ካህን ካብ ሰሊሆም ዘምጽኦ ማይ ኣብቲ መሰውኢ ናብ ታሕቲ ገጹ ምእንቲ ክፈስስ ይኽዕዎ ነበረ። የሱስ እቶም ሰባት ነዚ መዓልታዊ ጽንብል እዚ ከም ዝዝክሩ ብምግባር: “ዝጸምኤ እንተሎ: ናባይ ይምጻእ እሞ ይስተ። ብኣይ ዚአምን: እቲ ጽሑፍ ከም ዝበለ: ካብ ከብዱ ርባታት ማይ ህይወት ኪውሕዝ እዩ” በሎም።

የሱስ ብዛዕባ እቲ ብምፍሳስ መንፈስ ቅዱስ ዝመጽእ ዓበይቲ ነገራት ኢዩ ዝዛረብ ነይሩ። ኣብ መዓልቲ ጴንጠቆስጠ ናይታ ድሕሪኣ ዝነበረት ዓመት እዚ ናይ መንፈስ ቅዱስ ምፍሳስ እዚ ተፈጸመ። ሽዑ እቶም 120 ደቀ መዛሙርቲ ነቶም ሰባት ከገልግልዎም ምስ ጀመሩ ርባታት ማይ ህይወት ወሓዘ። ክሳዕ ሽዑ ግን: ዋላ ሓደ ካብ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ብመንፈስ ቅዱስ ተቐቢኡ ናብ ሰማያዊ ህይወት እተጸውዐ ኣይነበረን።

ነቲ ናይ የሱስ ትምህርቲ ምላሽ ብምሃብ ገሊኦም ነቲ ካብ ሙሴ ዝዓቢ ነብዪ ክመጽእ ኢዩ ዝበል መብጽዓ ብምምልካት “እዚ ብሓቂ እቲ ነብዪ እዩ” በሉ። ካልኦትውን: “እዚ ክርስቶስ እዩ” በሉ። ገሊኦም ግና: “ክርስቶስ ደዀን ካብ ገሊላ ዚመጽእ ኰይኑ፧ እቲ ጽሑፍዶ: ክርስቶስ ካብ ዘርኢ ዳዊት: ካብታ ዳዊት ዝነበራ ዓዲ: ካብ ቤት-ልሄም: ከም ዚመጽእ: ኣይነግርን እዩ፧” በሉ።

ስለዚ ኣብቶም ህዝቢ ምፍልላይ ኰነ። ገሊኦም ንየሱስ ክኣስርዎ ደለዩ: ኢዱ ዘልዓለ ግን ኣይነበረን። እቶም ወተሃደራት ንየሱስ ከይሓዙ ምስ ተመልሱ: እቶም ሊቃውንቲ ካህናትን ፈሪሳውያንን “ከመይከ ዘየምጻእኩምዎ፧” በልዎም።

እቶም ወተሃደራት ከኣ “ከምዚ ሰብኣይዚ ገይሩ ከቶ ሰብ ኣይተዛረበን” ኢሎም መለሱሎም።

እቶም ሃይማኖታውያን መራ​ሕቲ ተቘጥዑ እሞ ከላግጽሎም: ከጸልምዎም: ክጸርፍዎም ተንስኡ። “ንስኻትኩምውንዶ ስሒትኩም ኢኹም፧ ካብ መኳንንቲ ወይ ካብ ፈሪሳውያንከ ብእኡ ዝአመነዶ አሎ፧ እዚ ሕጊ ዘይፈልጥ ህዝብዚ ግና ርጉም እዩ” ብምባል ኣናሸውዎም።

ሽዑ እቲ መራሒ ናይ ኣይሁድን ፈሪሳውን ዝነበረ (ኣባል ሳንሄድሪን ማለት ኢዩ) ኒቆዲሞስ ብድፍረት ኣብ ክንዲ የሱስ ተዛረበ። ኒቆዲሞስ ቅድሚ ክልተ ዓመትን መንፈቕን ብለይቲ ናብ የሱስ ብምምጻእ እምነቱ ከም ዝገለጸ ትዝክሮ ትኸውን ኢኻ። ሕጂ ኸኣ ኒቆዲሞስ “ሕግናኸ ንሰብዶ: ቅድም ከይተሰምዔን እቲ ዝገበሮ ኸይተፈልጠን: ይፈ​ርዶ እዩ፧” በሎም።

እቶም ፈሪሳውያን ከኣ ሓደ ካብኣቶም ንየሱስ ስለ ዝደገፎ ዝያዳ ተቘጥዑ። “ንስኻውንዶ ኻብ ገሊላ ኢኻ፧ መርምር እሞ ካብ ገሊላ ነብዪ ኸም ዘይትንስእ ክትርኢ ኢኻ” በልዎ።

ቅዱሳት ጽሑፋት ብቐጥታ ነብዪ ካብ ገሊላ ክወጽእ ኢዩ እኳ እንተ ዘይበለ: ክርስቶስ ካብኡ ከም ዝመጽእ ንኸመልክት ኣብቲ ከባቢ “ዓብዪ ብርሃን” ከም ዝኸውን ይዛረብ። ብተወሳኺ ኸኣ የሱስ ኣብ ቤት-ልሄም ኢዩ ተወሊዱ: ካብ ዘርኢ ዳዊት ኢዩ ኸኣ ነይሩ። ፈሪሳውያን ነዚ እናፈለጡዎ ኣብቶም ህዝቢ ብዛዕባ የሱስ ጌጋ ምርዳእ ከም ዘስፋሕፍሕ ብምግባሮም ብሓላፍነት ተሓተትቲ ኢዮም። ዮሃንስ 7:⁠32-52፣ ኢሳይያስ 9:⁠1, 2፣ ማቴዎስ 4:⁠13-17

▪ ኣብ እዋን እቲ በዓል ኣብ ነፍሲ ወከፍ ንግሆ እንታይ ኢዩ ዝግበር: የሱስከ ናብቲ ነገር እቲ ከም ዘስተብህሉ ዝገበሮም ብኸመይ ኢዩ፧

▪ እቶም ወተሃደራት ንየሱስ ዘይኣሰርዎ ስለምንታይ ኢዮም: እቶም ሃይማኖታውያን መራሕቲኸ ብኸመይ መለሱ፧

▪ ኒቆዲሞስ መን ኢዩ: ኣብ የሱስ ዘለዎ ኣረኣእያኸ ከመይ ኢዩ: እቶም ብጾቱ ፈሪሳውያንከ ብኸመይ ረኣይዎ፧

▪ ክርስቶስ ካብ ገሊላ ከም ዝመጽእ እንታይ መርትዖ ኣሎ፧