ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክዳኑ ተንከፈት

ክዳኑ ተንከፈት

ምዕራፍ 46

ክዳኑ ተንከፈት

የሱስ ካብ ዓሰርተ ዓዲ ናብ ቅፍርናሆም ከም እተመልሰ ተሰምዐ: ብዙሕ ህዝቢ ኸኣ ክቕበሎ ኣብ ጥቓ እቲ ባሕሪ ነበረ። ብዘይ ጥርጥር ነቲ ማዕበል ከም ዘህድኦ: ነቶም ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ሰብኡት ከም ዘሕወዮም ሰሚዖም ኢዮም። ካብ ጃልባ ምስ ወረደ ኸኣ ብሃረርታን ብህንጥዮትን ከበብዎ።

ሓደ ካብቶም ንየሱስ ክርእዩ ሃረር ኢሎም ዝነበሩ ሰባት ያኢሮስ እቲ መራሕ ቤት ጸሎት ኢዩ። ኣብ እግሪ የሱስ ወዲቑ “ጓለይ ክትመውት ኢላ አላ እሞ: ምእንቲ ኽትፍወስን ክትሐውንሲ: መጺእካ ኢድካ ኣንብረላ” ኢሉ ኣጽኒዑ ለመኖ። ሓንቲ ጓሉ ከምኡውን ጓል 12 ዓመት ጥራይ ብምንባራ ንያኢሮስ ኣዝያ ክብርቲ ኢያ ነይራ።

የሱስ በቶም ህዝቢ ተሰንዩ ናብ ቤት ያኢሮስ ገጹ ከደ። እቶም ህዝቢ ካልእ ተኣምራት ክግበር ክርእዩ እናተጸበዩ እተሰምዖም ሓጐስ ክንግምቶ ንኽእል ኢና። ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ዝነበረት ሓንቲ ሰበይቲ ግና ናብቲ ናይ ገዛእ ርእሳ ከቢድ ሽግር ኢያ ኣተኲራ ነይራ።

እዛ ሰበይቲ ን12 ዓመታት ደም ይፈሳ ነበረ። ካብ ሓደ ሓኪም ናብቲ ሓደ እናኸደት ኵሉ ገንዘባ ኣብ ሕክምና ኣጥፍአት። እንተዀነ ግን: ዝረኸበቶ ሓገዝ ኣይነበረን: ሽግራ መሊሱ ኢዩ ገዲዱ።

ክትግንዘቦ ከም እትኽእል: እቲ ሕማማ ዘድክም ኣብ ርእሲ ምዃኑ ዘሕፍርን ዘዋርድን እውን ኢዩ። ሓደ ሰብ ብሓፈሽኡ ብዛዕባ ከምዚ ዝኣመሰለ ስቓይ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣይዛረብን ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ኣብ ሕጊ ሙሴ ደም ምፍሳስ ንሓንቲ ሰበይቲ ዘይንጽህቲ ይገብራ ነበረ: ንዓኣ ወይ ነቲ ደም እተጸየቐ ክዳውንታ ዝተንከፈ ዘበለ ኸኣ ክሕጸብን ክሳዕ ምሸት ከኣ ርኹስ ክኸውን ይሕተት ነበረ።

እታ ሰበይቲ ብዛዕባ ተኣምራታት የሱስ ሰሚዓ ነበረት ስለዚ ኸኣ ደለየቶ። “ክዳኑ ጥራይ እንተ ተንኬኹ: ክሐዊ እየ” ኢላ ስለ ዝሓሰበት: እቲ ንጽህቲ ዘይምዃና ኣብ ግምት ብምእታው ብእተኻእላ መጠን ብመንጎ እቶም ህዝቢ ከይተራእየት ሰላሕ ኢላ ናብኡ ቀረበት። ክዳኑ ምስ ተንከፈቶ እቲ ምፍሳስ ደማ ጠጠው ከም ዝበለ ተፈለጣ!

“መን እዩ ኽዳነይ ዝተንከየ፧” እዘን ቃላት ናይ የሱስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኣሰንቢደንኣ ኰን ይዀና! ከመይ ገይሩ ፈሊጡ፧ ጴጥሮስ ከኣ “መምህር: እዞም ህዝቢ ይደፍኡኻን ይጸቕጡኻን አለዉ: ንስኻ ድማ፤ መን እዩ ዝተንከየኒ፧ ትብል” በሎ።

ነታ ሰበይቲ ክርኢ ግልጽ ግልጽ እናበለ: የሱስ “ካባይ ሓይሊ ኸም ዝወጸ ይፍለጠኒ አሎ እሞ: ዝተንከየንስ አሎ: በሎ።” ብሓቂ ተራ ምትንካፍ ኣይነበረን: ከመይሲ በቲ ምትንካፍ ዝሰዓበ ምሕዋይ ካብ ሓይሊ የሱስ ዝወጸ ኢዩ።

እታ ሰበይቲ ከም እተፈልጠት ምስ ኣስተብሃለት እናፈርሀትን እናኣንቀጥቀጠትን ኣብ ቅድሚ የሱስ መጺኣ ሰገደት። ኣብ ቅድሚ እቶም ኵሎም ህዝቢ ብዛዕባ እቲ ሕማማን ብኸመይ ከም እተፈወሰትን ብግልጺ ተዛረበት።

በቲ ነስሕኣ ተተንኪፉ የሱስ “ጓለየ: እምነትኪ ኣድሐነትኪ። ብሰላም ኪዲ: ካብ ሕማምኪውን ጥዐዪ” ብምባል ኣጸናንዓ። እቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ክገዝእ ዝመረጾ ከምዚ ዝበለ ምዉቕ ስምዒት: ድንጋጽ: ብዛዕባ ሰባት ዝግደስ: ከምኡውን ንኽሕግዞም ሓይሊ ዘለዎ ምዃኑ ምፍላጥ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ሰናይ ኰን ኢዩ! ማቴዎስ 9:⁠18⁠-​22፣ ማርቆስ 5:⁠21⁠-​34፣ ሉቃስ 8:⁠40⁠-​48፣ ዘሌዋውያን 15:⁠25⁠-​27

▪ ያኢሮስ መን ኢዩ: ናብ የሱስ ዝመጸኸ ስለምንታይ ኢዩ፧

▪ ሓንቲ ሰበይቲ እንታይ ሽግር ኢዩ ነይርዋ: ሓገዝ ደልያ ናብ የሱስ ክትመጽእ ዝኸበዳኸ ስለምንታይ ኢዩ፧

▪ እታ ሰበይቲ ብኸመይ ኢያ ተፈዊሳ: የሱስከ ብኸመይ ኢዩ ዘጸናንዓ፧