ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ኻብ ሰማይ ዝወርድ እንጌራ ሓቂ’

‘ኻብ ሰማይ ዝወርድ እንጌራ ሓቂ’

ምዕራፍ 54

‘ኻብ ሰማይ ዝወርድ እንጌራ ሓቂ’

እዛ ዝሓለፈት መዓልቲ ብዙሕ ፍጻሜታት ዝነበራ መዓልቲ ኢያ ነይራ። የሱስ ንኣሽሓት ሰባት ብተኣምራታዊ መገዲ መገቦም: ብድሕሪኡ ኸኣ እቶም ሰባት ንጉስ ክገብርዎ ምስ ደለዩ ሃደመ። በታ ለይቲ እቲኣ ኣብቲ ማዕበል ዝነበሮ ባሕሪ ገሊላ ብእግሩ ከደ፣ ንጴጥሮስ በቲ ማዕበል ዝነበሮ ባሕሪ ብእግሩ ክኸይድ ከሎ ክጥሕል ምስ ጀመረ ኣድሓኖ፣ ከምኡውን ደቀ መዛሙርቱ ጃልብኦም ተሰይራ ምእንቲ ከይጥሕሉ ነቲ ማዕበል ኣህድኦ።

ካብኡ እቶም ብሰሜናዊ ምብራቕ ባሕሪ ገሊላ ዝነበሩ ብተኣምራታዊ መገዲ ዝመገቦም ሰባት ኣብ ጥቓ ቅፍርናሆም ምስ ረኸብዎ “መኣዝ ናብዚ መጻእካ፧” ኢሎም ሓተትዎ። የሱስ ከኣ ክደልይዎ ዝመጹ እንደገና ብናጻ ክበልዑ ስለ ዝበሃጉ ምዃኑ ብምንጋር ገንሖም። ነቲ ጠፋኢ መግቢ ንምርካብ ዘይኰነስ ንዘለኣለም ዝነብር መግቢ ንምርካብ ክዓዩ ነገሮም። ስለዚ እቶም ሰባት “ግብሪ ኣምላኽ ክንገብርሲ እንታይ ንግበር፧” ኢሎም ሓተትዎ።

የሱስ ሓንቲ ዝበለጸት ግብሪ ጥራይ ኢዩ ነጊርዎም። “ግብሪ ኣምላኽ በቲ ንሱ ዝለአኾ ኽትአምኑ እዩ” በሎም።

ይኹን እምበር: የሱስ ብዙሕ ተኣምራታት እኳ እንተ ገበረ እቶም ሰባት ኣይኣመኑን። ንዅሉ እቲ ዝገበሮ ዘደንቕ ነገራት ምስ ረኣዩ እውን ከይተረፈ “ርኢና ኽንአምነካስ እንታይ ትእምርቲ እሞ ትገብር፧ እንታይከ ትገብር አሎኻ፧ ኣቦታትና: ከምቲ ኺበልዑ ኻብ ሰማይ እንጌራ ሀቦም: ዚብል እተጻሕፈ: ኣብ በረኻ ማና በልዑ” በልዎ።

ምልክት ክህቦም ብዝሓተትዎ መሰረት: ምንጪ ናይቲ ተኣምራት መን ምዃኑ ንጹር ንምግባር ከምዚ በሎም:- “እቲ ኻብ ሰማይ ዚወርድ ንዓለምውን ህይወት ዚህብ ናይ ኣምላኽ እንጌራ እዩ እሞ: ነቲ እንጌራ ሓቂ ኻብ ሰማይ ዚህበኩም ኣቦይ እዩ እምበር: ነቲ እንጌራ እቲ ኻብ ሰማይ ዝሀበኩምሲ ሙሴ ኸም ዘይኰነ: ብሓቂ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።”

እቶም ሰባት ከኣ “ጐይታይ: እቲ እንጌራ እቲኸ ዅሉ ሳዕ ሀበና” በልዎ።

የሱስ ከኣ “እንጌራ ህይወት ኣነ እየ። ናባይ ዚመጽእ ኣይጠምን: ብኣይ ዚአምን ከኣ ከቶ ኣይጸምእን እዩ። ግናኸ ከምቲ ዝበልኩኹም እዩ፤ ርኢኹምንስ ኣይአመንኩምንን። ኣቦይ ዚህበኒ ዘበለ ናባይ ኪመጽእ እዩ: ነቲ ናባይ ዚመጽእ ከኣ ከቶ ንወጻኢ ኣይድርብዮን እየ። ኣነ ፍቓድ እቲ ዝለአኸኒ እምበር: ፍቓደይ ምእንቲ ኽገብር ኣይኰንኩን ካብ ሰማይ ወሪደ ዘሎኹ። ንወዲ ርእዩ ብእኡ ዚአምን ዘበለ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረክብ: ኣነውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ: እዚ ፍቓድ ኣቦይ እዩ እሞ: ካብቲ ንሱ ዝሀበኒ ዘበለ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እምበር: ሓደ እኳ ኸየጥፍእ: እዚውን ፍቓድ እቲ ዝለአኸኒ እዩ” በሎም።

ሽዑ እቶም ኣይሁድ “እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ኣነ እየ” ስለ ዝበሎም ከጕረምርሙ ጀመሩ። ሰብኣውያን ወለዲ ዘለውዎ ጥራይ ኰይኑ ስለ እተሰምዖም ከኣ ልክዕ ከምቶም ኣብ ናዝሬት ዝነበሩ ሰባት ዝበልዎ “እዝስ እቲ ኣቦኡን ኣዲኡን ንሕና እንፈልጦም የሱስ ወዲ ዮሴፍ ደይኰነን፧ ከመይ ኢሉ ደኣ፤ ካብ ሰማይ ወረድኩ ይብል አሎ፧” ብምባል ተቓወምዎ።

የሱስ ከኣ “ንሓድሕድኩም ኣይተጕረምርሙ። እቲ ዝለአኸኒ ኣቦይ ዝሰሐቦ እንተ ዘይኰይኑ: ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን። ኣነ ድማ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ። ኣብ ነብያትውን፤ ኵሎም ካብ ኣምላኽ ምሁራት ኪዀኑ እዮም: ዚብል ጽሑፍ አሎ። እቲ ኻብ ኣቦይ ዝሰምዔን እተማህረን ዘበለ ኸኣ ናባይ ይመጽእ። ብጀካ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝዀነ: ነቦ ዝረአዮ የልቦን: ንሱ እዩ ነቦ ዝረአዮ። እቲ ብኣይ ዚአምን ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘላቶ: ብሓቂ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” ኢሉ መለሰሎም።

ቀጺሉ ኸኣ የሱስ ከምዚ ኢሉ ደገመሎም:- “እንጌራ ህይወት ኣነ እየ። ኣቦታትኩም ኣብ በረኻ ማና በልዑ እሞ ሞቱ። ካብኡ ዚበልዕ ዘበለ ምእንቲ ኸይመውት: ካብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ እዩ። እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ህይወት ኣነ እየ። ካብዚ እንጌራ እዚ ዝበልዔ ዘበለ ንዘለኣለም ኪነብር እዩ።” እወ: ሰባት ኣብቲ ብኣምላኽ እተላእከ የሱስ እምነት ብምርኣይ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረኽቡ ይኽእሉ ኢዮም። ማና ይኹን ዝዀነ ካልእ እንጌራ ከምኡ ክገብር ኣይክእልን ኢዩ!

ብዛዕባ እቲ ካብ ሰማይ ዝወርድ እንጌራ ዝነበረ ምይይጥ እቶም ሰባት ንየሱስ ኣብ ቅፍርናሆም ድሕሪ ምርካቦም ብኡንብኡ ኢዩ ተጀሚሩ። የሱስ ኣብ ቅፍርናሆም ኣብ ውሽጢ ቤት ጸሎት ኰይኑ ክምህር ከሎ ኸኣ እቲ ምይይጥ ቀጸለ እሞ ኣብ ዝለዓለ ደረጅኡ በጽሐ። ዮሃንስ 6:⁠25⁠-​51, 59፣ መዝሙር 78:⁠24፣ ኢሳይያስ 54:⁠13፣ ማቴዎስ 13:⁠55⁠-​57

▪ የሱስ ብዛዕባ እቲ ካብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ቀቅድሚ ምዝራቡ እንታይ ፍጻሜታት ኢዩ ዝነበረ፧

▪ ነቲ የሱስ ኣቐድም ኣቢሉ ዝገበሮ ኣብ ግምት ብምእታው: ምልክት ክርእዩ ምሕታቶም ጌጋ ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧

▪ የሱስ ካብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ሓቂ ኣነ ኢየ ምስ በለ ዘጕረምረሙ ስለምንታይ ኢዮም፧

▪ ብዛዕባ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ኣበይ ኢዩ ምይይጥ ተገይሩ፧