ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ወሳኒት ዝዀነት መዓልቲ ትጅምር

ወሳኒት ዝዀነት መዓልቲ ትጅምር

ምዕራፍ 105

ወሳኒት ዝዀነት መዓልቲ ትጅምር

የሱስ ሰኑይ ምሸት ካብ የሩሳሌም ምስ ወጸ: በቲ ምብራቓዊ ቍልቍለት ናይ ደብረ ዘይቲ ኣቢሉ ናብ ቢታንያ ተመልሰ። እተን የሱስ ኣብ የሩሳሌም ናይ መጨረሽታ ኣገልግሎቱ ክገብረለን ዘለዎ ክልተ መዓልቲ ተወዲአን ኢየን። የሱስ እንደገና እንዳ ኣልኣዛር ፈታዊኡ ከም ዝሓደረ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ዓርቢ ካብ ያሪኮ ካብ ዝመጽእ ኣትሒዙ ንራብዓይ ግዜኡ ኢዩ ኣብ ቢታንያ ዝሓድር ዘሎ።

ሎሚ ሰሉስ 11 ኒሳን ኣንጊሁ ምስ ደቀ መዛሙርቱ እንደገና መገዲ ጀመረ። እዛ መዓልቲ እዚኣ ካብቲ ናይ የሱስ ኣገልግሎት እታ ወሳኒት: ክሳዕ ሽዑ ካብ ዝነበራ ኸኣ እታ ስራሕ ዝበዝሓ መዓልቲ ኢያ። ኣብ ቤት መቕደስ ንመወዳእታ ግዜ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። ቅድሚ ምፍራዱን ሙማቱን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣገልግሎቱ ዝፍጽመላ ናይ መወዳእታ መዓልቲ እውን ኢያ።

የሱስን እቶም ደቀ መዛሙርቱን ናብ የሩሳሌም ክኸዱ ከለዉ ብደብረ ዘይቲ በታ ዝምጹላ መገዲ ተመልሱ። ካብ ቢታንያ በታ መገዲ እቲኣ ክሓልፉ ከለዉ ጴጥሮስ ነታ ትማሊ ንግሆ የሱስ ዝረገማ ኦም ረኣያ። “መምህር: እንሃ: እታ ዝረገምካያ በለስ ነቒጻ” በሎ።

እንተዀነ ግን: የሱስ ነታ ኦም ከም እትሓርር ዝገበራ ስለምንታይ ኢዩ፧ “እምነት እንተ አልያትኩም እሞ እንተ ዘይተዋላወልኩም: እዛ ኦም በለስ ከም ዝዀነቶ ጥራይ ኣይትገብሩን: ነዚ ኸረን [ደው ኢሎምሉ ዝነበሩ ደብረ ዘይቲ] እኳ: ተንስእ: ናብ ባሕሪ ውደቕ: ትብልዎ እሞ ከም ዚኸውን: አሚንኩም ብጸሎት እትልምንዎ ዅሉ ኸም እትረኽቡ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” ኢሉ ክምልሰሎም ከሎ ስለምንታይ ነታ ኦም ከም እትነቅጽ ከም ዝገበራ ኣመልከተሎም።

ስለዚ የሱስ እታ ኦም ከም እትሓርር ብምግባሩ ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ ኣምላኽ ምእማን ከም ዘድልዮም ዝገልጽ ዝርአ መረዳእታ ኢዩ ዝህቦም ዘሎ። ከምዚ ኸኣ ይብል:- “እትጽልይዎን እትልምንዎን ዘበለ ኸም ዝረኸብኩምዎ እመኑ እሞ ኪዀነልኩም እዩ።” እዝስ ብፍላይ ምስቲ ድሕሪ ቀረባ ግዜ ከጋጥሞም ዝነበሮ ከቢድ ፈተናታት ኣረኣኢኻስ: ኣየ ከመይ ዝበለ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኰን ኢዩ! እንተዀነ ግን: ኣብ መንጎ ምሕራር ናይታ ኦም በለስን እምነትን ካልእ ዝምድና እውን ኣሎ።

ሃገር እስራኤል ከምታ ኦም በለስ ዘታልል ትርኢት ኢዩ ዘለዋ። እታ ሃገር ምስ ኣምላኽ ብኺዳን እተኣሳሰረት: ብደጊኣ ኸኣ ነቲ ስርዓታት እተኽብር እኳ እንተ መሰለት: እምነት ዘይብላ: ጽቡቕ ፍረ ድማ ዘይትፈሪ ምዃና ተረጋጊጹ ኢዩ። እምነት ስለ ዝጐደላ ንወዲ ኣምላኽ እውን ከይተረፈ ኢያ ትነጽግ ዘላ! ስለዚ የሱስ ነታ ዘይትፈሪ ኦም በለስ ከም እትሓርር ብምግባሩ: መወዳእታ ውጽኢት ናይዛ ዘይትፈርን እምነት ዘይብላን ሃገር እንታይ ከም ዝኸውን ኢዩ ዘርኢ ዘሎ።

ድሕሪ ቑሩብ ግዜ የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ኣብ የሩሳሌም ኣተዉ: ከምቲ ልማዶም ናብ ቤት መቕደስ ከዱ: የሱስ ከኣ ኣብኡ ክምህር ጀመረ። ሊቃውንቲ ካህናትን ዓበይቲ ህዝብን ንየሱስ “በየናይ ስልጣን ኢኻ እዚ እትገብር ዘሎኻ፧ እዚ ስልጣን እዝስ መን ሀበካ፧” ኢሎም ተኸራኸርዎ። ከምዚ መበሊኦም ድማ ነቲ የሱስ ኣብታ ቅድሚኣ ዝነበረት መዓልቲ ኣብቶም ሸረፍቲ ዝወሰዶ ስጕምቲ ኣብ ኣእምሮኦም ብምሓዝ ምዃኑ ኣየጠራጥርን ኢዩ።

የሱስ ክምልሰሎም ከሎ “ኣነ ድማ ሓንቲ ነገር ክሐተኩም። እዚኣ እንተ ነገርኩምኒ: ኣነ ኸኣ በየናይ ስልጣን እዚ ኸም ዝገብር ክነግረኩም እየ። ጥምቀት ዮሃንስ ካበይ እያ፧ ካብ ሰማይዶ ወይስ ካብ ሰብ፧” በሎም።

እቶም ካህናትን ዓበይቲ ህዝብን ብኸመይ ከም ዝምልሱ ንሓድሕዶም ተማኸሩ። “ካብ ሰማይ እንተ በልናዮ፤ ከመይ ደኣ ዘይአመንኩምዎ፧ ኪብለና እዩ። ካብ ሰብ እንተ በልናዮ ግና: ንዮሃንስ ኵሎም ከም ነብዪ ይቘጽርዎ አለዉ እሞ: ንህዝቢ ንፈርህ።”

እቶም መራሕቲ እንታይ ኢሎም ከም ዝምልሱ ጠፍኦም። ስለዚ ንየሱስ “ኣይንፈልጥን” ኢሎም መለሱሉ።

የሱስ ከኣ “ኣነ ኸኣ በየናይ ስልጣን እዚ ኸም ዝገብር: ኣይነግረኩምን” በሎም። ማቴዎስ 21:⁠19-27፣ ማርቆስ 11:⁠19-33፣ ሉቃስ 20:⁠1-8

▪ ንሰሉስ 11 ኒሳን ፍልይ ዝበለት ዝገብራ እንታይ ኢዩ፧

▪ የሱስ እታ ኦም በለስ ከም እትሓርር ክገብራ ከሎ እንታይ ትምህርቲ ኢዩ ዝሃበ፧

▪ የሱስ ነቶም እቲ ዝገብሮ ነገራት በየናይ ስልጣን ከም ዝገብሮ ዝሓተትዎ ሰባት ብኸመይ መለሰሎም፧