ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ወደ መዝሙር ምዃን ዘምጽኦ ሓላፍነት

ወደ መዝሙር ምዃን ዘምጽኦ ሓላፍነት

ምዕራፍ 84

ወደ መዝሙር ምዃን ዘምጽኦ ሓላፍነት

ካብ ቤት እቲ ኣባል ሳንሄድሪን ዝነበረ ምርኡይ ፈሪሳዊ ድሕሪ ምውጽኡ የሱስ ናብ የሩሳሌም ገጹ ኸደ። ብዙሕ ህዝቢ ኸኣ ሰዓቦ። ዕላምኦም ግን እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ ናይ ሓቂ ሰዓብቱ ንኽዀኑ እንታይ ኢዩ ዘድሊ፧

እናኸዱ ከለዉ የሱስ ናብቶም ህዝቢ ግልጽ በለ: “ናባይ ዚመጽእ እንተሎ እሞ ኣቦኡን ኣዲኡን ሰበይቱን ደቁን ኣሕዋቱን ኣሓቱን: ህይወቱውን ከይተረፈት: እንተ ዘይጸልኤ: ወደ መዝሙረይ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ” ብምባሉ ኣሰንቢድዎም ክኸውን ይኽእል።

የሱስ እንታይ ማለቱ ኢዩ ነይሩ፧ የሱስ ሰዓብቱ ቃል ብቓሉ ኣዝማዶም ክጸልኡ ኣለዎም ማለቱ ኣይነበረን። ኣብ ክንድኡስ እቲ ንዕኦም ዘርእይዎ ፍቕሪ ካብቲ ንየሱስ ዘርእይዎ ብምውሓዱ ኢዮም ዝጸልእዎም። እቲ ንየሱስ ኣባሓጎኡ ዝነበረ ያእቆብ ንልያ ‘ይጸልኣ’ ንራሄል ግን ይወፍትዋ ምንባሩ ተዛሪቡ ኣሎ: እዚ ኸኣ ንራሄል ካብ ሓፍታ ልያ ንላዕሊ የፍቅራ ነይሩ ማለት ኢዩ።

የሱስ ሓደ ወደ መዝሙር ‘ህይወቱውን ከይተረፈ’ ክጸልእ ከም ዝግብኦ ምዝራቡ ኣስተብህል። ኣብዚ እውን የሱስ ሓደ ናይ ሓቂ ወደ መዝሙር ካብ ገዛእ ርእሱ ንላዕሊ እውን ከይተረፈ ንየሱስ ከፍቅር ኣለዎ ማለቱ ኢዩ። በዚ ኸምዚ የሱስ ወደ መዝሙሩ ምዃን ከቢድ ሓላፍነት ምዃኑ ኢዩ ዘጕልሕ ዘሎ። ተጠንቂቕካ ከይሓሰብካ ዝግበር ነገር ኣይኰነን።

ናይ የሱስ ወደ መዝሙር ምዃን ሽግርን መስጐግትን ከም ዘለዎ ከምዚ ብምባል ኣመልከተ:- “መስቀሉ ዘይጸውር እሞ ደድሕረይ ዘይስዕብ ዘበለ: ወደ መዝሙረይ ኪኸውን ኣይክእልን።” በዚ ኸምዚ ሓደ ናይ ሓቂ ወደ መዝሙር ልክዕ ከምቲ የሱስ እተጸመሞ ዓይነት ናይ ውርደት ጾር ክቕበል ፍቓደኛ ክኸውን ኣለዎ: ከምቲ የሱስ ድሕሪ ቀረባ ግዜ ዝገብሮ ኸኣ ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ኣብ ኢድ ጸላእቲ ኣምላኽ ሙማት እውን ከይተረፈ ዘጠቓልል ኢዩ።

ስለዚ ወደ መዝሙር ክርስቶስ ምዃን እቶም ዝስዕብዎ ሰባት ጽቡቕ ገይሮም ክሓስቡሉ ዘድልዮም ጕዳይ ኢዩ። የሱስ ነዚ ሓቂ እዚ ብሓደ ምሳሌ ገይሩ ኣጕልሖ። ከምዚ በለ:- “ካባኻትኩምከ: ምስራሕ ግምቢ ዝደሊ እሞ መሰረት ምስ ሰረተ: ምውዳኡ እንተ ሰአነ: ዝረአይዎ ዅሎም፤ እዚ ሰብኣይዚ ምንዳቕ ጀሚሩስ ምውዳኡ ስኢኑ: ኢሎም ምእንቲ ኼላግጹሉ ኸይጅምሩ: ንመወዲኢኡ ዝአኽሎ ገንዘብ እንተለዎ: ቅድም ተቐሚጡ ዘይጽብጽብ: እንታዋይ እዩ፧”

ስለዚ የሱስ ልክዕ ከምቲ ግምቢ ክሰርሕ ዝደሊ እሞ ቅድሚ ምጅማሩ ንኽውድኦ ዝኣክል ገንዘብ ከም ዘለዎ ዘረጋግጽ ሰብኣይ: እቶም ዝስዕብዎ ዝነበሩ ህዝቢ ኸኣ ደቀ መዛሙርቱ ቅድሚ ምዃኖም እቲ ዘድሊ ኵሉ ክፍጽሙ ይኽእሉ ምዃኖም ክውስኑ ከም ዘድልዮም ኢዩ ዘብርሃሎም ዘሎ። ካልእ ምሳሌ ብምውሳኽ ከኣ ከምዚ በለ:-

“ወይስ ኣየናይ ንጉስ እዩ: ምስ ካልእ ንጉስ ኪዋጋእ ዚኸይድ እሞ ነቲ ብኽልተ እልፊ ዝመጾስ ብእልፊ ክገጥመሉ ዚኽእል እንተ ዀይኑ: ተቐሚጡ ቕድም ዘይመክር፧ እንተ ዘይኰነስ: ገና ካብኡ ርሑቕ ከሎ: ልኡኻት ናብኡ ልኢኹ ዕርቂ ይልምኖ።”

ካብኡ የሱስ “ከምኡ ድማ ነፍሲ ወከፍኩም ዘለዎ ዘበለ ዅሉ ዘይቀበጸ: ወደ መዝሙረይ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ” ብምባል ናይቲ እተጠቕመሉ ምሳሌ ቀንዲ ነጥቢ ኣጕልሐ። እቶም ዝስዕብዎ ዝነበሩ ህዝብን: ኵሎም እቶም ብዛዕባ ክርስቶስ ዝማሃሩ ሰባትን እዚ ክገብሩ ፍቓደኛታት ክዀኑ ኣለዎም። ደቀ መዛሙርቱ ክዀኑ እንተድኣ ኰይኖም ኵሉ ዘለዎም​—⁠ኵሉ ንብረቶም: ህይወቶም እውን ከይተረፈ⁠—​ክስውኡ ፍቓደኛታት ክዀኑ ኣለዎም። እዚ ክትገብር ፍቓደኛ ዲኻ፧

የሱስ ቀጺሉ “ጨው ጽቡቕ እዩ” በለ። ኣብቲ ናይ ከረን ስብከቱ ንደቀ መዛሙርቱ “ጨው ምድሪ ኢኹም” ኢልዎም ነይሩ ኢዩ: እዚ ማለት ከኣ ልክዕ ከምቲ ቃል ብቓሉ ጨው ሓደ ነገር ንኸይበላሾ ዝዕቅብ: ንሳቶም ከኣ ንሰባት ናይ ምዕቃብ ጽልዋ ኣለዎም ማለት ኢዩ። የሱስ “እቲ ጨው: መቐሬቱ እንተ ኸደኸ: ብምንታይ ይምቅር፧ ንወጻኢ ይጕሕፍዎ እምበር: ንምድሪ ዀነ: ንምድኳዕ ኰነ: ኣይጠቅምን እዩ። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ” ብምባል ደምደመ።

የሱስ እቶም ንገለ ግዜ ደቀ መዛሙርቱ ኰይኖም ዝነበሩ እውን ደኺሞም ከቋርጹ ከም ዘይብሎም ኢዩ ዘርኢ ዘሎ። እንተድኣ ኣቋሪጾም: ዘይጠቕሙ: ኣብዛ ዓለም እዚኣ ንመላገጺ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ዘይበቕዑ: አረ ንኣምላኽ ዘጽርፉ ኢዮም ዝዀኑ። ስለዚ ልክዕ ከምቲ ሓይሊ ዘይብሉ እተባላሸወ ጨው ንደገ ይድርበዩ: ይጠፍኡ ኸኣ። ሉቃስ 14:⁠25-35፣ ዘፍጥረት 29:⁠30-33፣ ማቴዎስ 5:⁠13

▪ ሓደ ሰብ ንኣዝማዱን ንገዛእ ርእሱን “ክጸልእ” ኣለዎ ክባሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧

▪ የሱስ እንታይ ክልተ ምሳሌታት ኢዩ ዝሃበ: እንታይ ማለትከ ኢዩ፧

▪ እቲ የሱስ ብዛዕባ ጨው ዝሃቦ መዕጸዊ ዘረባ እንታይ ማለት ኢዩ፧