ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ወደ መዝሙር ክኸውን ትጽቢት ዘይተገብሮ ሰብ

ወደ መዝሙር ክኸውን ትጽቢት ዘይተገብሮ ሰብ

ምዕራፍ 45

ወደ መዝሙር ክኸውን ትጽቢት ዘይተገብሮ ሰብ

የሱስ ካብታ መርከብ ወሪዱ ናብቲ ገምገም ክኸይድ ከሎ ኣየ ከመይ ዝበለ ዘፍርሕ ትርኢት ኢዩ ዝነበረ! ክልተ ፍልይ ዝበለ ጭካነ ዝነበሮም ሰባት ካብቲ ኣብ ጥቕኡ ዝነበረ መካነ-መቓብር ወጺኦም ብጕያ ናብኡ መጹ። ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ሰባት ኢዮም ነይሮም። እቲ ሓደ ካብቲ ካልኣዩ ዝያዳ ጨካንን ንዝነውሐ ግዜ ብኣጋንንቲ እተታሕዘን ስለ ዝነበረ ናይ ሰብ ቈላሕታ ናብኡ ነበረ።

እዚ ዘሕዝን ሰብኣይ እዚ ንብዙሕ እዋን ጥራዩ ኣብቲ መቓብር ይነብር ነበረ። ለይትን መዓልትን ብቐጻሊ የእዊ: ንነብሱ ኸኣ ብጽልጽለ ይበጥሖ ነበረ። ኣዝዩ ጨካን ስለ ዝዀነ በቲ መገዲ እቲ ክሓልፍ ዝደፍር ዋላ ሓደ ኣይነበረን። ንኽኣስርዎ ፈቲኖም ነይሮም እንተዀነ ግን ነቲ ሰንሰለት ይበጣጥሶ: ነቲ ናይ ኣእጋሩ መቑሕ ከኣ ይሰብሮ ነበረ። ንዕኡ ከሕምቕ ዝኸኣለ ሰብ ኣይነበረን።

እቲ ሰብኣይ ናብ የሱስ ገጹ ቀሪቡ ኣብ ኣእጋሩ ምስ ወደቐ: እቶም ተቘጻጺሮምዎ ዝነበሩ ኣጋንንቲ “የሱስ ወዲ ልዑል ኣምላኽ: ምሳኻ እንታይ አሎኒ፧ ከይትሳቕየኒ ብኣምላኽ ኤምሕለካ አሎኹ” ኢሉ ከም ዝጭድር ገበርዎ።

የሱስ ከኣ ብቐጻሊ “ኣታ ርኹስ መንፈስ: ካብዚ ሰብኣይዚ ውጻእ” በለ። ድሕሪኡ የሱስ “ስምካኸ እንታይ እዩ፧” ኢሉ ሓተቶ።

ንሱ ኸኣ “ብዙሓት ኢና እሞ: ስመይ ለጌዎን እዩ” በሎ። ኣጋንንቲ በቲ ተኣኪቦም ኣብቶም ዝቈጻጸርዎም ሰባት ዘውርዱዎ መጥቃዕቲ እቶም ሰባት ክሳቐዩ ከለዉ ምርኣይ የዕግቦም ምዃኑ ግሁድ ኢዩ። ምስ የሱስ ምስ ተራኸቡ ግን ናብ መዓሙቝ ከይስደዱ ለመኑ። ኣብዚ እውን እንደገና የሱስ ዓቢ ሓይሊ ከም ዘለዎ ኢና እንርኢ ዘሎና፣ ነቶም ርጉማት ኣጋንንቲ እውን ከይተረፈ ክቈጻጸሮም ክኢሉ ኢዩ። እዚ: ኣጋንንቲ ምስቲ መራሒኦም ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ ኣብ መጨረሽታ ናብ መዓሙቝ ክድርበዩ ኣምላኽ ከም ዝፈረዶም ይፈልጡ ምዃኖም እውን ይገልጽ።

ኣብቲ ጥቕኡ ዝነበረ ጎቦ 2,000 ኣቢለን ዝዀና ሓሰማታት ሳዕሪ ይበልዓ ነበራ። ስለዚ እቶም ኣጋንንቲ “ናብተን ሓሰማታት ስደደና እሞ ናብኤን ክንአቱ” በልዎ። ኣጋንንቲ ንስጋውያን ፍጡራት ብምጕዳእ ዝረኽብዎ ጨካን ዝዀነ ዘይባህርያዊ ባህታ ኣለዎም። የሱስ ነቶም ኣጋንንቲ ናብቲ መጓሰ ሓሰማታት ክኣትዉ ምስ ኣፍቀደሎም: ብምሉአን እተን 2000 ኣቢለን ዝዀና ሓሰማታት በቲ ጸድፊ ጸዲፈን ናብ ባሕሪ ከም ዝኣትዋ ገበርወን።

እቶም ነተን ሓሰማታት ዝሕ​ልዉ ዝነበሩ እዚ ምስ ረኣዩ: ብጕያ ነቲ ነገር ኣብታ ከተማን ኣብቲ ከባቢኣን ኣውረይዎ። ሽዑ እቶም ሰባት እቲ ዝዀነ ንኽርእዩ መጹ። ምስ መጹ ኸኣ እቲ ኣጋንንቲ ዝወጸሉ ሰብኣይ ረኣይዎ። ዘገርም ኢዩ: ተኸዲኑ ጥዕዩ ኣብ እግሪ የሱስ ኮፍ ኢሉ ነበረ!

እቶም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ከኣ እቲ ሰብኣይ ብኸመይ ከም ዝሓወየ ነገሩ። እቲ ስግንጢር? ዝዀነ ኣማውታ ናይተን ሓሰማታት እውን ነገሩ። እቶም ህዝቢ እዚ ምስ ሰምዑ ኣዝ​ዮም ፈርሑ: ንየሱስ ድማ ካብቲ ከባቢኦም ቀልጢፉ ክኸ​ይድ ለመንዎ። ስለዚ ሕራይ ኢሉ ናብታ ጃልባ ኣተወ። እቲ ኣጋንንቲ ሒዞሞ ዝነበሩ ሰብኣይ ከኣ ምስኦም ክኸይድ: ንየሱስ ለመኖ። የሱስ ግን “ናብ ቤትካ ኣብ ሰብካ ኺድ: እግዚኣብሄር ከመይ ዝበለ ዓብዪ ግብሪ ኸም ዝገበረልካን ከም ዝመሐረካን ንገሮም” በሎ።

የሱስ ሰባት በቲ ዝሰምዕዎ ስምዒታዊ ወረ ኣብ መደምደምታ ክበጽሑ ስለ ዘይደሊ: መብዛሕትኡ ግዜ ነቶም ዘሕውዮም ንዋላ ሓደ ከይነግሩ ኢዩ ዘጠንቅቖም ነይሩ። እዚ ግን ፍልይ ዝበለ ምዃኑ ግቡእ ኢዩ: ምኽንያቱ እቲ ኣጋንንቲ ዝነበርዎ ሰብኣይ ኣብ መንጎ እቶም የሱስ እንደገና ንኽርእዮም ኣጋጣሚ ዘይነበሮ ሰባት ክምስክር ይኽእል ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ: እቲ ሰብኣይ ኣብኡ ምህላዉ ብምኽንያት ጥፍኣት ናይተን ሓሰማታት ክመጽእ ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ሕማቕ ወረ ብምቅዋም: ብዛዕባ እቲ የሱስ ሰናይ ንምግባር ዘለዎ ሓይሊ ክምስክር ይኽእል ኢዩ።

ምስቲ የሱስ ዝበሎ ብምስምማዕ እቲ ቅድም ኣጋንንቲ ሒዞሞ ዝነበሩ ሰብኣይ ተመልሰ። ኣብ ብምሉኡ ዓሰርተ ዓዲ ኸኣ ብዛዕባ እቲ የሱስ ንዕኡ ዝገበረሉ ክነግር ጀመረ: እቶም ሰባት ከኣ ተገረሙ። ማቴዎስ 8:⁠28⁠-​34፣ ማርቆስ 5:⁠1⁠-​20፣ ሉቃስ 8:⁠26⁠-​39፣ ራእይ 20:⁠1⁠-​3

▪ እቶም ኣጋንንቲ ዝሓዞም ሰባት ክልተ ከለዉስ ኣብቲ ሓደ ጥራሕ ኣትኵሮ እተገብረ ስለምንታይ ክኸውን ይኽእል፧

▪ እቶም ኣጋንንቲ ንመጻኢ ኣብ መዓሙቕ ክኣትዉ ምዃኖም ከም ዝፈልጡ እንታይ የርኢ፧

▪ ኣጋንንቲ ንሰባትን እንስሳታትን ክሕዙ ዝፈትዉስ ስለምንታይ ኢዮም፧

▪ የሱስ ነዚ ኣጋንንቲ ሒዞሞ ዝነበሩ ሰብኣይ ብዛዕባ እቲ እተገብረሉ ነገራት ንኻልኦት ክነግር መምርሒ ብምሃብ ካብቲ ንኻልኦት ዝብሎም ዝነበረ እተፈልየ ዝበሎ ስለምንታይ ኢዩ፧