ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ወዲ ሰብ ክግለጽ ከሎ

ወዲ ሰብ ክግለጽ ከሎ

ምዕራፍ 93

ወዲ ሰብ ክግለጽ ከሎ

የሱስ ገና ኣብ ሰሜን (ኣብ ሰማርያ ወይ ኣብ ገሊላ) ከሎ: ፈሪሳውያን ብዛዕባ ምምጻእ መንግስቲ ኣምላኽ ሓተትዎ። ብዓቢ ፈንጠዝያን ጽንብልን ትመጽእ ኢዩ ዝመስሎም ነይሩ: የሱስ ግን “መንግስቲ ኣምላኽ እንሃ: ኣብ ውሽጥኹም [“ኣብ ማእከልኩም:” NW  ] አላ እሞ: መንግስቲ ኣምላኽሲ ብምትሕልላው ኣይትምጽእን እያ: እንሃ ኣብዚ ወይስ ኣብቲ ዚብላውን የልቦን” በሎም።

እተን “ኣብ ማእከልኩም” ዝብላ ቃላት የሱስ ሓድሓደ ግዜ “ኣብ ውሽጥኹም” ተባሂለን ተተርጒመን ኣለዋ። ስለዚ ገለ ሰባት የሱስ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልቢ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከም ዘላ ኢዩ ተዛሪቡ ይብሉ። እንተዀነ ግን: መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልቢ ናይዞም ነቲ የሱስ ዝዛረቦም ዘሎ ዘይኣምኑ ፈሪሳውያን ከም ዘየላ ፍሉጥ ኢዩ። ገና ግን ኣብ ማእከሎም ኢያ ነይራ: ምኽንያቱ እቲ ንጉስ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ክኸውን እተሰየመ የሱስ ክርስቶስ ምስኦም ኣሎ።

የሱስ ብዛዕባ ምምጻእ ናይታ መንግስቲ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ኣስፍሕ ኣቢሉ ምዝራብ ዝቐጸለ ምናልባት እቶም ፈሪሳውያን ምስ ከዱ ኢዩ ዝኸውን። የሱስ ብፍላይ ነቲ ብመንግስታዊ ሓይሉ ዝህልወሉ ግዜ ኣብ ኣእምሮኡ ብምግባር ከምዚ ኢሉ ኣጠንቀቖም:- “መብረቕ ካብቲ ሓደ ወሰን ሰማይ ክሳዕ እቲ ኻልእ ወሰን ሰማይ ከም ዚበርቕን ከም ዜብርህን: ከምኡ ኸኣ ወዲ ሰብ . . . ኪኸውን እዩ እሞ፤ እንሆ ኣብዚ ወይስ እንሆ ኣብቲ አሎ: ኪብሉኹም እዮም: ኣይትኺዱ [ነዞም ሓሰውቲ መሲሓን] ኣይትስዐብዎምውን።” ስለዚ የሱስ ከምቲ መብረቕ ኣብ ገፊሕ ቦታ ዝርአ: ናይ መንግስታዊ ስልጣኑ ህላወ ኸኣ ንዅሎም እቶም ክርእዩ ዝደለዩ ሰባት: ክረኣዮም ከም ዝዀነ ኢዩ የሱስ ዘመልክት ዘሎ።

ብድሕርዚ የሱስ ኣብ ግዜ ህላወኡ ናይ ሰባት ኣረኣእያ ከመይ ከም ዝኸውን ንኸርኢ ምስ ኣብ ጥንቲ እተፈጸመ ነገራት ኣመሳሰሎ። ከምዚ ኢሉ ገለጸ:- “ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ: ብዘመን ወዲ ሰብውን ከምኡ ኪኸውን እዩ . . . ብዘመን ሎጥ ድማ ከምኡ ዀነ፤ ይበልዑን ይሰትዩን ይሸጡን ይሻየጡን ይተኽሉን ይሀንጹን ነበሩ። በታ ሎጥ ካብ ሶዶም ዝወጸላ መዓልቲ ድማ ካብ ሰማይ ሓውን ዲንን ወረደ: ንዅሉ ኸኣ ኣጥፍኤ። በታ ወዲ ሰብ ዚግለጸላ መዓልቲ ድማ ከምኡ ኪኸውን እዩ።”

የሱስ እቶም ኣብ ግዜ ኖህን ሎጥን ዝነበሩ ሰባት እቲ ልሙድ ዝዀነ ናይ ምብላዕ: ምስታይ: ምዕዳግ: ምሻጥ: ምትካል: ከምኡውን ናይ ምህናጽ ተግባራት ስለ ዝገብሩ ጥራይ ኢዮም ጠፊኦም ኣይኰነን ዝብል ዘሎ። ኖህን ሎጥን ስድራቤቶምን እውን እዚ ነገራት እዚ ገይሮም ኢዮም። እቶም ካልኦት ግን ንፍቓድ ኣምላኽ ከየቕለቡ ነቲ መዓልታዊ ንጥፈታቶም ኢዮም ዝገብሩ ነይሮም: በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዮም ዝጠፍኡ። እቶም የሱስ ኣብ ዓቢ ጸበባ ናይዚ ኣገባብ እዚ ክግለጽ ከሎ ዝጠፍኡ ሰባት ከኣ በዚ ምኽንያት እዚ ኢዮም።

ነቲ ኣብ መንግስታዊ ስልጣኑ ዝህልወሉ ግዜ ዘመልክት መርትዖታት: ብቕልጡፍ መልሲ ምሃብ ዘለዎ ኣገዳስነት ንምጕላሕ ከኣ የሱስ ከምዚ ብምባል ወሰኸ:- “በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ደርቢ ዘሎ: ኣቓሑኡ ኸኣ ኣብ ቤት ዘለዎ ኺወስዶ ኢሉ ኣይውረድ። ኣብ ወፍሪ ዘሎውን ንድሕሪት ኣይመለስ። ንሰበይቲ ሎጥ ዘክርዋ።”

መርትዖታት ህላወ ክርስቶስ ክርአ ከሎ ሰባት እቲ ንንዋታዊ ጥሪቶም ዘለዎም ፍቕሪ ቅልጡፍ ስጕምቲ ከይወስዱ ከዳናጕዮም ከፍቅዱ የብሎምን። ሰበይቲ ሎጥ ካብ ሶዶም ክትወጽእ ከላ: ናብቲ ገዲፋቶ ዝወጸት ነገራት ብምህንጣይ ንድሕሪት ብምጥማታ ዓንዲ ጨው ኰነት።

ኣብ እዋን ናይ መጻኢ ህላወኡ ዝህሉ ኵነታት ክገልጽ ከሎ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “በታ ለይቲ እቲአ ኽልተ ኣብ ሓንቲ ዓራት ኪድቅሱ እዮም: እቲ ሓደ ኺውሰድ: እቲ ሓደ ኸኣ ኪሕደግ እዩ። ክልተ ኣንስቲ ብሓንሳእ ኪጥሕና እየን: እታ ሓንቲ ኽትውሰድ: እታ ኻልአይቲ ኽትሕደግ እያ” በሎም።

ኖህ ስድራቤቱ ሒዙ ኣብታ መርከብ ምእታዉ ከምኡውን እቶም መላእኽቲ ንሎጥን ስድራቤቱን ካብ ሶዶም ምውጽኦም ምስቲ ክውሰድ ኢዩ ዝብል ኣገላልጻ ይመሳሰል ኢዩ። ድሕነት ማለት ኢዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ምሕዳግ ማለት ምጥፋእ ኢዩ።

ኣብዚ ደረጃ እዚ እቶም ደቀ መዛሙርቱ “ጐይታይ: ኣበይከ እዩ፧” ኢሎም ሓተትዎ።

የሱስ ከኣ “ኣብቲ ገምቢ ዘለዎ: ኣሞራታት ናብኡ ኺእከቡ እዮም” ኢሉ መለሰሎም። እቶም ንድሕነት ‘ዝውሰዱ’ ከምቶም ካብ ርሑቕ ዝርእዩ ኣሞራታት ኢዮም ኣብቲ “ገምቢ” ኸኣ ይእከቡ። እቲ ገምቢ ነቲ ናይ ሓቂ ክርስቶስ ኣብቲ ዘይርአ ናይ መንግስታዊ ስልጣኑ ህላወን ዝገብሮ መንፈሳዊ ድግስን ኢዩ ዘመልክት። ሉቃስ 17:⁠20-37፣ ዘፍጥረት 19:⁠26

▪ እታ መንግስቲ ኣብ ማእከል እቶም ፈሪሳውያን ዝነበረት ብኸመይ ኢያ፧

▪ ህላወ ክርስቶስ ከም መብረቕ ዝኸውን በየናይ መገዲ ኢዩ፧

▪ ሰባት ኣብ እዋን ህላወ ክርስቶስ በቲ ዝገበርዎ ዝጠፍኡ ስለምንታይ ኢዮም፧

▪ ምውሳድን ምሕዳግን እንታይ ማለት ኢዩ፧