ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓርቢ ተቐቢሩ—ሰንበት እቲ መቓብር ጥርሑ ኰይኑ

ዓርቢ ተቐቢሩ—ሰንበት እቲ መቓብር ጥርሑ ኰይኑ

ምዕራፍ 127

ዓርቢ ተቐቢሩ​—⁠ሰንበት እቲ መቓብር ጥርሑ ኰይኑ

ሕጂ ዓርቢ ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ምውድኡ ኢዩ ዘሎ: ጸሓይ ምስ ዓረበት ከኣ ሰንበት 15 ኒሳን ክትጅምር ኢያ። እቲ ዝሞተ ስጋ የሱስ ኣብቲ ዕንጨይቲ ተሰቒሉ ኣሎ: እቶም ምስ የሱስ እተሰቕሉ ሰረቕቲ ግን ገና ብህይወቶም ኢዮም ዘለዉ። ዓርቢ ድሕሪ ቀትሪ ምድላው ኢዩ ዝብሃል ምኽንያቱ ሰባት ዝብላዕ ዘዳልዉሉን: ሰንበት ክሳዕ ዝሓልፍ ክጸንሕ ዘይክእል ዝዀነ ይኹን ኣገዳሲ ዕዮ ንምውዳእ ዝጓየዩላ መዓልቲ ኢዩ።

እዛ ብዙሕ ከይጸንሐት እትጅመር ሰንበት ተራ ሰንበት (ሻብዓይቲ መዓልቲ ናይ ሰሙን) ጥራይ ዘይኰነትስ ድርብ ወይ ከኣ “ኽብርቲ” ሰንበት እውን ኢያ ነይራ። እታ መጀመርታ መዓልቲ ናይ በዓል ቅጫ ዝዀነት 15 ኒሳን (ኣብ ዝዀነት መዓልቲ ናይቲ ሰሙን ትውዓል ብዘየገድስ ኵሉ ግዜ ሰንበት ኢያ) ምስታ ተራ ሰንበት ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ስለ ዝውዕላ ኢያ ኽብርቲ ሰንበት ተባሂላ ተጸዊዓ ዘላ።

ብመሰረት ሕጊ ኣምላኽ: ኣካል ናይቶም ዝሞቱ ሰባት ኣብ ዕንጨይቲ ተሰቒሉ ኣይሓድርን ኢዩ። ስለዚ እቶም ኣይሁድ ሞት ናይቶም እተፈርዱ ሰባት ኣእጋሮም ብምስባር ከቀላጥፍዎ ንጲላጦስ ሓተትዎ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እቶም ወተሃደራት ኣእጋር ናይቶም ክልተ ሰረቕቲ ሰበሩ። የሱስ ግን ዝሞተ ይመስል ስለ ዝነበረ ኣእጋሩ ኣይተሰብረን። እዚ ኸኣ መፈጸምታ ናይቲ “ካብኡ ሓደ ዓጽሚ እኳ ኣይኪሰብሩን እዮም” ዝብል ጽሑፍ ኢዩ።

ይኹን እምበር: የሱስ ብሓቂ ከም ዝሞተ ንምርግጋጽ ሓደ ካብቶም ወተሃደራት ኲናት ኣልዒሉ ንየሱስ ኣብ ጐድኑ ወግኦ። እቲ ዂናት ኣብ ከባቢ ልቡ ወግኦ ብኡንብኡ ኸኣ ደምን ማይን ወጸ። እቲ ናይ ዓይኒ ምስክር ዝነበረ ዮሃንስ እዚ እውን መፈጸምታ ናይቲ “እቶም ዝወግእዎ ኺርእይዎ እዮም” ዝብል ጽሑፍ ምዃኑ ጸብጻብ ኣቕረበ።

እቲ ናይ ሞት ፍርዲ ክፍጸም ከሎ እቲ ምርኡይ ኣባል ሳንሄድሪን ዝነበረ ዮሴፍ ብዓል ኣርማትያስ ኣብኡ ነይሩ ኢዩ። ምስቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣንጻር የሱስ ዝገበሮ ዘይፍትሓዊ ተግባር ኣይተሰማምዐን። ዮሴፍ ከም ሓደ ካብቶም ሰዓብቲ የሱስ ክፍለጥ እኳ እንተ ፈርሐ: ብሓቂ ክርአ ኸሎ ግን ወደ መዝሙር የሱስ ኢዩ ነይሩ። ሕጂ ግን ብትብዓት ናብ ጲላጦስ ከይዱ ሬሳ የሱስ ክወሃቦ ሓተተ። ጲላጦስ ነቲ ሓላፍነት ዝነበሮ በዓል ስልጣን ጸውዖ ንሱ ኸኣ የሱስ ከም ዝሞተ ምስ ኣረጋገጸሉ: እቲ ሬሳ ንዮሴፍ ከም ዝውሃብ ገበረ።

ዮሴፍ ነቲ ሬሳ ወሰዶ ንኽቕበር ከኣ ብጽሩይ ጨርቂ ገነዞ። ኒቆዲሞስ እተባህለ ካልእ ኣባል ሳንሄድሪን ይሕግዞ ነበረ። ኒቆዲሞስ እውን ነቲ ዝነበሮ ሓላፍነት ምእንቲ ከየጥፍእ ኣብ የሱስ ዝነበሮ እምነት ብጋህዲ ክገብሮ ኣይደለየን። ሕጂ ግን 33 ኪሎ ግራም ዝኸውን ከርበን ክቡር ዓልወን ኣምጽአ። ናይ የሱስ ኣካላት ከምቲ ልምዲ ቀብሪ ኣይሁድ እዚ ቀመማት እዚ ብዘለዎ ዓለባ ገይሮም ገነዝዎ።

ብድሕርዚ ነቲ ሬሳ ኣብቲ ናይ ዮሴፍ ሓድሽ ካብ ከውሒ እተወቕረ መቓብር ዝርከቦ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ቦታ ኣታኽልቲ ኣንበርዎ። ኣብ መወዳእትኡ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መቓብር ዓቢ እምኒ ገበሩ። ቅድሚ ሰንበት ቀቢሮም ምእንቲ ክውድኡ ናይቲ ሬሳ ምድላው ብሃወኽ ኢዩ ተገይሩ። ስለዚ ማርያም መግደላዊትን ማርያም ኣደ ያእቆብ እቲ ንእሽቶን: ምናልባት ኣብቲ ምድላው ክሕግዛ ጸኒሐን: ተወሳኺ ቀመምን ቅዱይ ቅብእን ንኸዳልዋ ብጕያ ናብ ቤተን ከዳ። ሰንበት ምስ ሓለፈት ከኣ ናይ የሱስ ኣካላት ተወሳኺ ቀመም ክገብራሉ እሞ ንነዊሕ ግዜ ከም ዝጸንሕ ክገብርኦ መደባ።

ንጽብሒቱ: ቀዳም (መዓልቲ ሰንበት) ኢዩ: እቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን እቶም ፈሪሳውያንን ናብ ጲላጦስ ከይዶም “ጐይታይ: እቲ መስሓቲ ብህይወቱ ኸሎ፤ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኽትንስእ እየ: ከም ዝበለ ዘከርና። ስለዚ ደቀ መዛሙርቱ ብለይቲ መጺኦም ከይሰርቅዎ እሞ ንህዝቢ: ካብ ምዉታት ተንሲኡ: ከይብሉ: ካብታ ቐዳመይትስ እታ ዳሕረይቲ ስሕተት ከይትገድድ: እቲ መቓብር ክሳዕ ሰለስተ መዓልቲ ኺሕሎ አዝዝ” በልዎ።

ጲላጦስ ከኣ “ሓለውቲ እነውልኩም: ኬድኩም ከም ፍልጠትኩም ኣጽኒዕኩም ሐልዉ” በሎም። ስለዚ ከይዶም ነቲ መቓብር ኣጽኒዖም ሓተምዎ: ዝሕልዉ ሮማውያን ወተሃደራት ከኣ ኣቐመጥሉ።

ሰንበት ንግሆ ማርያም መግደላዊት: ማርያም ኣደ ያእቆብ ምስ ሰሎሜ: ዮሃና: ከምኡውን ካልኦት ኣንስቲ ኰይነን ቀመማት ሒዘን ናይ የሱስ ኣካላት ንምልካይ ናብቲ መቓብር ከዳ። ኣብቲ መገዲ ኸኣ ንሓድሕደን “እቲ እምንስ ካብቲ ኣፍ መቓብር መን ኪግልብጠልና እዩ፧” ተበሃሃላ። ኣብኡ ምስ በጽሓ ግን ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከም ዝዀነ መልኣኽ የሆዋ ኸኣ ነቲ እምኒ ከም ዝገልበጦ ፈለጣ። እቶም ሓለውቲ ከይዶም ነበሩ: እቲ መቓብር ከኣ ጥራዩ ነበረ! ማቴዎስ 27:⁠57–28:⁠2፣ ማርቆስ 15:⁠42–16:⁠4፣ ሉቃስ 23:⁠50–24:⁠3, 10፣ ዮሃንስ 19:⁠14, ዮሃ 19:31–20:⁠1፣ ዮሃ 12:⁠42፣ ዘሌዋውያን 23:⁠5-7፣ ዘዳግም 21:⁠22, 23፣ መዝሙር 34:⁠20፣ ዘካርያስ 12:⁠10

▪ ዓርቢ ምድላው ተባሂላ እትጽዋዕ ስለምንታይ ኢያ: “ኽብርቲ” ሰንበትከ እንታይ ኢያ፧

▪ ምስ ስጋ የሱስ እተተሓሓዘ እንታይ ጽሑፋት ኢዩ ተፈጺሙ፧

▪ ዮሴፍን ኒቆዲሞስን ንናይ የሱስ ቀብሪ እንታይ ገበሩ: ምስ የሱስ ዝነበሮም ርክብከ እንታይ ኢዩ፧

▪ እቶም ካህናት ንጲላጦስ እንታይ ኢሎም ኢዮም ዝሓተትዎ: እንታይ ኢሉኸ መለሰሎም፧

▪ ሰንበት ብንግሁኡ እንታይ ኣጋጠመ፧