ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓባይ እምነት ናይ ሓደ ሓለቓ ሰራዊት

ዓባይ እምነት ናይ ሓደ ሓለቓ ሰራዊት

ምዕራፍ 36

ዓባይ እምነት ናይ ሓደ ሓለቓ ሰራዊት

የሱስ ናይ ከረን ስብከቱ ክህብ ከሎ ናይቲ ኣብ ምድሪ ዝፍጽሞ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዳርጋ ኣብ ፍርቂ ኢዩ በጺሑ ነይሩ። እዚ ኸኣ ምድራዊ ዕይኡ ንምፍጻም ሓደ ዓመትን ትሽዓተ ወርሕን ኣቢሉ ተሪፍዎ ነይሩ ማለት ኢዩ።

የሱስ ኣብታ ተግባራቱ ንምፍጻም ከም መበገሲ ዝጥቀመላ ዝነበረ ከተማ ቅፍርናሆም ኣተወ። ኣብኡ ኸኣ ዓበይቲ ሰባት ናይ ኣይሁድ ናብኡ ቀሪቦም ሓተትዎ። ናብኡ ክኸዱ ዝለኣኾም ከኣ ሓደ ካብ ኣይሁድ እተፈልየ ዓሌት ዘለዎ: ካብ ኣህዛብ ዝዀነ: ሓለቓ ሰራዊት ሮሜ ኢዩ።

እቲ ሓለቓ ሰራዊት ዘፍቅሮ ባርይኡ ኣጸቢቑ ብምሕማሙ ክመውት ቀሪቡ ስለ ዝነበረ የሱስ ከሕውየሉ ደለየ። እቶም ኣይሁድ “ንሱ ንህዝብና ይፈቱ: ቤት ጸሎት ዝሰርሓልና ኸኣ ንሱ እዩ እሞ: እዚ ኽትገብረሉ ይግብኦ እዩ” ብምባል ኣብ ክንዲ እቲ ሓለቓ ሰራዊት ኣጸቢቖም ለመኑ።

ብዘይምውልዋል የሱስ ምስቶም ሰባት ከደ። ይኹን እምበር: ምስ ቀረቡ: እቲ ሓለቓ ሰራዊት ኣዕሩኽቱ ሰዲዱ “ጐይታይ: ናብ ትሕቲ ናሕሰይ ክትአቱ ኣነ ኣይብቑዕን እየ እሞ: ኣይትድከም። ስለዚ ድማ ንርእሰይ ናባኻ ንምምጻእ ብቕዕቲ ገይረ ኣይቈጸርኩዋን” በሎ።

እዝስ ካብ ሓደ ትእ​ዛዝ ምሃብ ዝለመደ ሓለቓ ሰራዊት ኣየ ከመይ ዝበለ ትሕትና ዝመልኦ ዘረባ ኰን ኢዩ! ምናልባት ግን ሓደ ኣይሁዳዊ ምስ ኣይሁዳዊ ዘይኰነ ሰብ ርክብ ክህልዎ እቲ ባህሊ ከም ዝኽልክል ስለ እተገንዘበ ንየሱስ ብምሕላይ እውን ክኸውን ይኽእል ኢዩ ከምኡ ዝበለ። ጴጥሮስ እውን “ንኣይሁዳዊ ሰብኣይ ምስ ናይ ካልእ ህዝቢ ሰብ ኪሕወስ . . . ኸም ዘይግብኦ: ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም” በለ።

ምናልባት የሱስ ነዚ ልምዲ እዚ ብምጥሓሱ ሽግር ክመጾ ስለ ዘይደለየ ኢዩ ዝኸውን እቲ ሓለቓ ሰራዊት እቶም ኣዕሩኽቱ ንየሱስ “ሓንቲ ቓል ተዛረብ: ወደይ ከኣ ይሐዊ እዩ። ኣነ ድማ ኣብ ትሕቲ ብዓል ስልጣን ዝግዛእ: ኣብ ትሕተይውን ዓቀይቲ ዘለዉኒ ሰብ እየ እሞ: ነዚ ኺድ እብሎ: ይኸይድ: ነቲ ድማ ንዓ: ይመጽእ: ንባርያይውን እዚ ግበር: ይገብር ከኣ” ክብልዎ ዝሰደዶም።

የሱስ እዚ ምስ ሰምዐ ተገረመ። “ከምዚ ዝበለት ዓባይ እምነትሲ ኣብ እስራኤል እኳ ኣይረኸብኩን: እብለኩም አሎኹ” በሎም። የሱስ ንባርያ ናይቲ ሓለቓ ሰራዊት ምስ ኣሕወየ: እቲ ኣጋጣሚ እቲ ኣይሁድ ዘይኰኑ እምነት ዘርእዩ ሰባት ነቲ በቶም እምነት ዘይብሎም ኣይሁድ እተነጽገ በረኸታት ንምቕባል ስምረት ክረኽቡ ምዃኖም ንምንጋር ተጠቕመሉ።

የሱስ “ካብ ምብራቕን ካብ ምዕራብን ብዙሓት ኪመጹ እዮም: ኣብ መንግስተ ሰማያት ከኣ ምስ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ኣብ መኣዲ ኪቕመጡ እዮም። ደቂ መንግስቲ ግና ናብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ኪድርበዩ እዮም። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ” በለ።

‘እቶም ናብ ወጻኢ ዝድርበዩ ደቂ መንግስቲ’ እቶም ምስ ክርስቶስ ናይ ምግዛእ ኣጋጣሚ መጀመርታ ንዕኦም እተዋህበ እሞ ዘይተቐበልዎ ብትውልዲ ኣይሁድ ዝዀኑ ሰባት ኢዮም። ኣብርሃም: ይስሃቅ: ከምኡውን ያእቆብ ነቲ ናይ ኣምላኽ ናይ መንግስቲ ምድላው ኢዮም ዘመልክቱ። በዚ ኸምዚ የሱስ ኣህዛብ ኣብቲ ሰማያዊ መኣዲ ማለት ኣብ “መንግስቲ ሰማያት” ንኸዕርፉ መርሓባ ከም ዝበሃሉ ኢዩ ዝዛረብ ነይሩ። ሉቃስ 7:⁠1⁠-​10፣ ማቴዎስ 8:⁠5⁠-​13፣ ግብሪ ሃዋርያት 10:⁠28

▪ ኣይሁድ ኣብ ክንዲ ሓደ ሓለቓ ሰራዊት ኣህዛብ ዝለመኑ ስለምንታይ ኢዮም፧

▪ እቲ ሓለቓ ሰራዊት የሱስ ናብ ቤቱ ክኣቱ ዘይምድላዩ ከመይ ገይርካ ክግለጽ ይከኣል፧

▪ እቲ የሱስ ኣብ መደምደምታ ዝሃቦ ሓሳባት እንታይ ማለት ኢዩ፧