ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዘይተመርዓወት ጥንስቲ

ዘይተመርዓወት ጥንስቲ

ምዕራፍ 4

ዘይተመርዓወት ጥንስቲ

ማርያም ካብ እትጠንስ ሰለስተ ወርሒ ገይራ ኣላ። እቲ ናይ መጀመርታ እዋን ጥንሳ ንኤልሳቤጥ ኣብ ምብጻሕ ከም ዘሕለፈቶ ትዝክሮ ኢኻ: ሕጂ ግን ናብ ናዝሬት ናብ ዓዳ ተመሊሳ ኣላ። ሕጂ ጥንሳ ኣብ ዓዳ ክውረ ኢዩ። ብሓቂ: ኣብ ዘጨንቕ ኵነታት ኢያ ዘላ!

ነቲ ኵነታታ ዝያዳ ዘጋድዶ ኸኣ ማርያም ንኽትምርዖ ነቲ ጸራባይ ዝነበረ ዮሴፍ ተሓጽያ ኢያ ነይራ። ብመሰረት እቲ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ ኸኣ ሓንቲ እተሓጽየት ሰበይቲ ፈትያ ምስ ካልእ ሰብኣይ ጾታዊ ርክብ ምስ እትፍጽም ብዳርባ እምኒ ክትቅተል ከም ዘለዋ ትፈልጥ ኢያ። ምጥናሳ ንዮሴፍ ከመይ ገይራ ክትገልጸሉ ትኽእል፧

ማርያም ንሰለስተ ኣዋርሕ ገይሻ ስለ ዝነበረት ዮሴፍ ክርእያ ከም ዝህወኽ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ምስ ተራኸቡ ኸኣ ማርያም ብኡንብኡ እቲ ሓድሽ ነገር ነገረቶ። ብመንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ ከም ዝጠነሰት ንኽትገልጽ ዝከኣላ ክትገብር ትኽእል ኢያ። እዚ ግን ዮሴፍ ንኽርድኦ ኣዝዩ ዝኸብዶ ነገር ምዃኑ ክትግምቶ ትኽእል ኢኻ።

ዮሴፍ እቲ ማርያም ዝነበራ ጽቡቕ ስም ይፈልጥ ኢዩ። ኣጸቢቑ ከም ዝፈትዋ ኸኣ ርኡይ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ዋላ እኳ ዝበለት እንተ በለት: ካብ ካልእ ሰብ ዝጠነሰት ኢዩ ዝመስሎ። ይኹን እምበር: ዮሴፍ ብዳርባ እምኒ ክትቅተል ወይ ከኣ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ክትዋረድ ኣይደለየን። ስለዚ ብምስጢር ክፈትሓ ሓሰበ። ኣብቲ ግዜ እቲ እተሓጽዩ ሰባት ከም እተመርዓዉ ኢዩ ዝሕሰብ ነይሩ: ሕጺኦም ከቋርጹ እንተ ዀይኖም ከኣ ክፋትሑ የድሊ ነበረ።

ጸኒሑ ኸኣ ዮሴፍ ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ እናሓሰበ ኸሎ ደቀሰ። መልኣኽ የሆዋ ኸኣ ብሕልሚ ተራእዮ እሞ “እቲ ሕጽይትኻ ማርያም ጠኒሳቶ ዘላ ኻብ መንፈስ ቅዱስ እዩ እሞ: ንምውሳዳ ኣይትፍራህ። ወዲ ኽትወልድ እያ: ንሱ ኸኣ ንህዝቡ ኻብ ሓጢኣቶም ኬድሕኖም እዩ እሞ: ስሙ የሱስ ክትሰምዮ ኢኻ” በሎ።

ዮሴፍ ምስ ተበራበረ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ዘመስገነ! ከይተደናጐየ እቲ መልኣኽ ዝሃቦ መምርሒ ገበረ። ንማርያም ናብ ቤቱ ወሰዳ። እዚ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እተወስደ ስጕምቲ ዮሴፍን ማርያምን ብሕጊ እተመርዓዉ ምዃኖም ዘፍልጥ ናይ መርዓ ጽንብል ኢዩ ነይሩ። ዮሴፍ ግን ማርያም ንየሱስ ጠኒሳ ከላ ምስኣ ጾታዊ ርክብ ኣይገበረን።

ርኣያ እሞ! ማርያም ብጽሕቲ ወርሒ ኢያ ዘላ: ይኹን እምበር: ዮሴፍ ኣብ ኣድጊ የወጥሓ ኣሎ። ናበይ ኢዮም ዝኸዱ ዘለዉ: ማርያም ክትወልድ ኣብ ዝቐረበትሉ ግዜ ዝጓዓዙ ዘለዉኸ ስለምንታይ ኢዮም፧ ሉቃስ 1:⁠39⁠-​41, 56፣ ማቴዎስ 1:⁠18⁠-​25፣ ዘዳግም 22:⁠23, 24

▪ ዮሴፍ ማርያም ከም ዝጠነሰት ምስ ፈለጠ እንታይ ኢዩ ዝሓሰበ: ስለምንታይከ፧

▪ ከይተመርዓዉ ከለዉ ዮሴፍ ንማርያም ክፈትሓ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

▪ እንታይ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እተወስደ ስጕምቲ ኢዩ ከም ናይ ዮሴፍን ናይ ማርያምን ናይ መርዓ ጽንብል እተሓስበ፧