ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዛንታ ናይ ሓደ ጥፉእ ውሉድ

ዛንታ ናይ ሓደ ጥፉእ ውሉድ

ምዕራፍ 86

ዛንታ ናይ ሓደ ጥፉእ ውሉድ

የሱስ ንፈሪሳውያን ብዛዕባ ዝጠፍአት በጊዕን ዝጠፍአ ድሪምን ምሳሌ ክነግሮም ድሕሪ ምጽንሑ: ካልእ ምሳሌ ነገሮም። እዚ ብዛዕባ ሓደ ፈቃር ኣቦን: ነቶም ክልተ ነናይ ገዛእ ርእሶም ከቢድ ሽግር ዝነበሮም ደቁ ዝገበሮ ኣተሓሕዛን ዝገልጽ ኢዩ።

ኣብቲ ምሳሌ ቀንዲ ተዋሳኣይ እቲ ንእሽቶ ወዲ ኢዩ። ንሱ ነቲ ኣቡኡ ብዘይ ምዕጥይጣይ ዝሃቦ ውርሽኡ ወሰደ። ብድሕርዚ ካብ ቤቱ ወጺኡ ዘይስነ-ምግባራዊ ዝዀነ ኣነባብራ ጀመረ። እስከ የሱስ ነቲ ዛንታ ክዛረብ ከሎ ስምዓዮ እሞ እቶም ተዋሳእቲ ንመን ከም ዘመልክቱ ክትፈልጦ እንተ ኽኢልካ ርአ።

የሱስ ከምዚ ኢሉ ጀመረ:- “ንሓደ ሰብኣይ ክልተ ደቂ ነበርዎ። እቲ ንእሽቶ ኸኣ ነቦኡ፤ ኣቦይ: ካብዚ ጥሪት እቲ ዚበጽሓኒ ግደ ሀበኒ: በሎ። [እቲ ኣቦ ኸኣ ] ነቲ ገንዘቡ . . . መቐሎም።” እዚ ንእሽቶ ወዲ ነቲ እተቐበሎ ገንዘብ እንታይ ገበሮ፧

የሱስ “ድሕሪ ሒደት መዓልቲ ኸኣ እቲ ንእሽቶ ወዲ ዘለዎ ዅሉ አኪቡ: ናብ ካልእ ርሑቕ ሃገር ከደ። ኣብኡ ድማ ነቲ ጥሪቱ ብቕለትን ዕብዳንን ዘረዎ” ኢሉ ይገልጽ። እቲ ገንዘቡ ምስ ኣመናዝር ብምንባር ወድኦ። ብድሕርዚ ከቢድ ሽግር ኣጋጠሞ። የሱስ ቀጺሉ ከምዚ ብምባል የዘንቱ:-

“ዘለዎ ዘበለ ምስ ወድኤ: ኣብታ ሃገር ብርቱዕ ጥሜት ኰነ። ንሱ ኸኣ ኪስእን ጀመረ። ከይዱ ምስ ሓደ ኻብ ደቂ እታ ሃገር እቲኣ ተዋዓዐለ: ንሱ ኸኣ ሓሰማታት ኪጓሲ: ናብ ምድሩ ሰደዶ። ካብቲ ሓሰማታት ዚቕለባኦ ቛርፍ ከብዱ ኺመልእ ከኣ ሃረር ይብል ነበረ: ዚህቦ ግና ሓደ እኳ ኣይረኸበን።”

ሓሰማታት ብመሰረት ሕጊ ሙሴ ዘይንጹሃት ብምንባረን: ሓሰማታት ክትጓሲ ክትግደድ ኣየ ከመይ ዝበለ ውርደት ኰን ኢዩ! ነቲ ወዲ እተን ሓሰማታት ዝምገብኦ ዝነበራ መግቢ ክበልዕ ሃረር ክሳዕ ዝብል ብምግባር ዝያዳ ዘሳቐዮ ግን ጥሜት ኢዩ ነይሩ። የሱስ ብምኽንያት እቲ ክቱር መግደርኡ ‘ናብ ልቡ ተመልሰ’ ይብል።

የሱስ ቀጺሉ ከምዚ ብምባል ኣዘንተወ:- “እንጌራ ዚተርፎም ግዙኣት ኣቦይ ክንደይ እዮም። ኣነ ግና ኣብዚ ብጥሜት እመውት አሎኹ። ተንሲኤ ደኣ ናብ ኣቦይ ክኸይድ እሞ፤ ኣቦይ: ንሰማይን ኣብ ቅድሜኻን ሓጢኣት ገበርኩ። ደጊም ወድኻ ኽብሀል ኣይበቅዕን እየ: ከም ሓደ ኻብ ግዙኣትካ ግበረኒ: ክብሎ [ኢሉ ሓሰበ]። [ስለዚ] ተንሲኡ ናብ ኣቦኡ ኸደ።”

ኣብዚ ኣብ ግምት ከነእትዎ ዝግባእ ነገር ኣሎ:- ካብ ገዝኡ ክወጽእ ከሎ ኣቡኡ ሰጒጕዎን ተቛይቝዎን ነይሩ እንተ ዝኸውን: እቲ ውሉድ ክምለስ ክሓስብ ኣይምኽኣለን ነይሩ። ምናልባት ነቡኡ ምእንቲ ከይርኢ ናብ ዓዱ ተመሊሱ ኣብ ካልእ ቦታ ስራሕ ክደሊ ምወሰነ ነይሩ ይኸውን። ይኹን እምበር: ከምዚ ዝበለ ካልእ ሓሳባት ኣብ ኣእምሮኡ ኣይነበረን። ገዝኡ ኢዩ ክኸይድ ደልዩ!

እቲ ኣብ ናይ የሱስ ምሳሌ ዘሎ ኣቦ: ነቲ ፈቃር: መሓሪ ሰማያዊ ኣቦና የሆዋ ኣምላኽ ከም ዘመልክት ንጹር ኢዩ። እቲ ጥፉእ ወይ ከኣ ሓሻሺ ውሉድ ድማ ነቶም ፍሉጣት ሓጢኣተኛታት ከም ዘመልክት ተገንዚብካ ትኸውን ኢኻ። ኣቐድም ኣቢሎም እቶም የሱስ ዝዛረቦም ዝነበረ ፈሪሳውያን ምስ እዞም ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ብምብልዑ ወቒሶምዎ ኢዮም። እቲ ዓቢ ወዲ ግን ንመን ኢዩ ዘመልክት፧

እቲ ጥፉእ ውሉድ ምስ ተረኽበ

እቲ ኣብ ናይ የሱስ ምሳሌ ዘሎ ጥፉእ ወይ ከኣ ሓሻሺ ውሉድ ናብ ቤት ኣቡኡ ምስ ተመልሰ: እንታይ ዓይነት ኣቀባብላ ኢዩ እተገብረሉ፧ የሱስ ክገልጽ ከሎ ስማዕ:-

“ኣቦኡ ድማ ገና ርሑቕ ከሎ ረአዮ እሞ ደንገጸሉ: ጐይዩ ኸኣ ብኽሳዱ ሐኒቑ ሰዐሞ።” እዚ ብልክዕ ነቲ ሰማያዊ ኣቦና የሆዋ ዘመልክት ከመይ ዝበለ መሓርን ፈቃርን ኣቦ ኰን ኢዩ!

እቲ ኣቦ ናይ ወዱ ርኹስ ናብራ ሰሚዕዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: ዝርዝር መግለጺ ከይተጸበየ ናብ ቤቱ ተቐበሎ። የሱስ እውን ከምዚ ዝበለ ናይ ምቕባል መንፈስ ኣለዎ: ምኽንያቱ ነቶም ኣብቲ ምሳሌ በቲ ሓሻሺ ውሉድ ተመሲሎም ዘለዉ ሓጢኣተኛታትን ግብሪ ዘኽፍሉን ባዕሉ ተበግሶ ብምውሳድ ኢዩ ዝቐርቦም።

ሓቂ ኢዩ እቲ ኣብ ናይ የሱስ ምሳሌ ዘሎ ኣቦ ወዱ ከም እተናስሐ በቲ ክምለስ ከሎ ዝነበሮ ዘሕዝንን ዘጕህን ትርኢት ከም እተረድኦ ኣየጠራጥርን ኢዩ። እቲ ኣቦ ዘርኣዮ ፍቕራዊ ተበግሶ ግን ወዱ ሓጢኣቱ ንኽናዘዝ ቀሊል ከም ዝዀነሉ ገበሮ: የሱስ ከምዚ ይብል:- “እቲ ወዲ ድማ፤ ኣቦይ: ንሰማይን ኣብ ቅደሜኻን ሓጢኣት ገበርኩ: ደጊምሲ ወድኻ ኽብሀል ኣይበቅዕን እየ። [“ከም ሓደ ኻብ ግዙኣትካ ግበረኒ በሎ:” NW  ]።”

ይኹን እምበር: ወዱ ተዛሪቡ ከይወድአ ኣቡኡ ንባሮቱ “ብሉጽ ክዳን ኣምጺእኩም ክደንዎ: ቀለቤት ኣብ ኣጻብዑ: ኣሳእንውን ኣብ ኣእጋሩ ኣእትዉሉ። እዚ ወደይ ሞይቱ ነይሩ ሐውዩ: ጠፊኡ ነይሩውን ተረኺቡ እዩ እሞ: ስብሕቲ ላም ኣምጺእኩም ሕረዱ: ንብላዕ: ንተሐጐስ” በሎም። ብድሕርዚ ድማ ‘ክሕጐሱ ጀመሩ።’

ክሳዕ ሽዑ ‘እቲ ዓብዪ ወዱ ኣብ ወፍሪ ነበረ።’ ነቲ ተሪፉ ዘሎ ዛንታ ብምስማዕ ንመን ከም ዘመልክት ክትፈልጦ እንተ ኽኢልካ እስከ ርአ። የሱስ ብዛዕባ እቲ ዓቢ ወዲ ከምዚ ይብል:- “መጺኡ ናብ ጥቓ ቤት ምስ ቀረበ: ኰበሮን ጓይላን ሰምዔ። ካብቶም ግዙኣት ንሓደ ጸዊዑ፤ እዚ እንታይ እዩ፧ ኢሉ ሐተቶ። ንሱ ኸኣ፤ እቲ ሓውካ መጺኡ እሞ ኣቦኻ: ብደሓኑ ስለ ዝረኸቦ: ስብሕቲ ላም ሐሪዱሉ: በሎ።” ንሱ ግን ተቘጥዐ ክኣቱ ኸኣ ኣይደለየን። ብድሕርዚ ኣቡኡ ወጺኡ ክልምኖ ጀመረ። ንሱ ኸኣ ነቡኡ “እንሆ: ክንድዚ ዓመት ተገዛእኩኻ: ካብ ትእዛዝካውን ከቶ ኣይሐለፍኩን። ንኣይሲ ምስ ኣዕሩኸይ ዝሕጐሰሉ ማሕስእ እኳ ኣይሀብካንን። እዚ ንገንዘብካ ምስ ኣመናዝር ኰይኑ በሊዑ ዝወድኤ ወድኻ ምስ መጸ ግና: ስብሕቲ ላም ሐረድካሉ: ኢሉ መለሰሉ።”

ከምቲ ዓቢ ወዲ ዝገበሮ ንሓጥኣን ምሕረትን ቈላሕታን ምስ ተገብረሎም ዝወቐሰ መን ኢዩ፧ እቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንንዶ ኣይኰኑን፧ የሱስ እዚ ምሳሌ እዚ ከም ዝዛረብ ዝገበሮ ንሓጢኣተኛታት ብምቕባሉ ስለ ዝወቐስዎ ኢዩ: ስለዚ እቲ ዓቢ ወዲ ንዕኦም ከመልክት ኣለዎ።

የሱስ እቲ ኣቦ ነቲ ዓቢ ወዱ ዝበሎ ሓደራ ብምንጋር ነቲ ዛንታ ክድምድም ከሎ ከምዚ ይብል:- “ወደይ: ንስኻስ ኵሉ ሳዕ ምሳይ አሎኻ: ናተይ ዘበለ ድማ ናትካ እዩ። እዚ ሓውካ ግና ሞይቱ ነይሩ ሐውዩ: ጠፊኡ ነይሩውን ተረኺቡ እዩ እሞ: ክንሕጐስን ባህ ኪብለናን ይግብኣና እዩ።”

የሱስ እቲ ዓቢ ወዲ ኣብ መወዳእትኡ እንታይ ከም ዝገበረ ከይተዛረበ ሓደጎ። ብርግጽ ከኣ ድሕሪ ናይ የሱስ ሞትን ትንሳኤን “ብዙሓት ካብ ካህናትውን ንእምነት ተአዘዙ:” እዚኣቶም ንገለ ካብቶም የሱስ ዝዛረቦም ዘሎ በቲ ‘ዓቢ ወዲ’ ዝምሰሉ ሰባት እውን ዘጠቓልሉ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም።

ኣብዚ ዘመናዊ ግዜ ግን እቶም ክልተ ደቂ ንመን ኢዮም ዘመልክቱ፧ እቶም ምስ የሆዋ ርክብ ንምግባር ብዛዕባ ዕላማታቱ እኹል ፍልጠት ዘለዎም ሰባት ኢዮም ክዀኑ ዘለዎም። እቲ ዓቢ ወዲ ንገለ ኣባላት ናይቶም “ሒደት መጓሰ” ወይ ከኣ “ጉባኤ . . . እቶም ኣብ ሰማያት ተጻሒፎም ዘሎዉ በዅራት” ኢዩ ዘመልክት። እዚኣቶም ከምቲ ናይቲ ዓቢ ወዲ ዝበለ ኣረኣእያ ነበሮም። ነቲ ምርኡይ ቦትኦም ዝወስዱሎም ዘለዉ ኰይኑ ስለ እተሰምዖም: ነቶም ምድራውያን ክፍሊ ዝዀኑ “ካልኦት ኣባጊዕ” ክቕበልዎም ድሌት ኣይነበሮምን።

በቲ ሓደ ሸነኽ: እቲ ሓሻሺ ወዲ ነቶም ህዝቢ ኣምላኽ ዝነበሩ እሞ ዓለም እትህቦ ተድላ ንምርካብ ኢሎም ዝኸዱ ኢዩ ዘመልክት። ድሕሪ ገለ ግዜ ግን እዚኣቶም እውን ተመሊሶም ንጡፋት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ይዀኑ። እቲ ኣቦ ነቶም ምሕረት ክግበረሎም ከም ዘድልዮም ኣፍልጦ ዝህቡ እሞ ናብኡ ዝምለሱ ሰባት: ብሓቂ ፈቃርን መሓርን ኢዩ! ሉቃስ 15:⁠11-32፣ ዘሌዋውያን 11:⁠7, 8፣ ግብሪ ሃዋርያት 6:⁠7፣ ሉቃስ 12:⁠32፣ እብራውያን 12:⁠23፣ ዮሃንስ 10:⁠16

▪ የሱስ እዚ ምሳሌ ወይ ዛንታ እዚ ንመን ኢዩ ዝነገረ: ስለምንታይከ፧

▪ ኣብቲ ዛንታ እቲ ቀንዲ ተዋሳኣይ መን ኢዩ: እንታይከ ኣጓነፎ፧

▪ እቲ ኣቦን እቲ ንእሽቶ ወዱን ኣብ ግዜ የሱስ ንመን ኢዮም ዘመልክቱ ነይሮም፧

▪ የሱስ ንኣብነት ናይቲ ኣብዚ ምሳሌ ዘሎ ደንጋጺ ኣቦ ዝስዕቦ ብኸመይ ኢዩ፧

▪ እቲ ዓቢ ወዲ ንሓዉ ብዝተገብረሉ ጽቡቕ ኣቀባብላ እንታይ ተሰምዖ: እቶም ፈሪሳውያን ከምቲ ዓቢ ወዲ ዝዀኑ ብኸመይ ኢዮም፧

▪ ናይ የሱስ ምሳሌ ኣብዚ ግዜና እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧