ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሱስን ሓደ ሃብታም መንእሰይ መራሕን

የሱስን ሓደ ሃብታም መንእሰይ መራሕን

ምዕራፍ 96

የሱስን ሓደ ሃብታም መንእሰይ መራሕን

የሱስ ብኣውራጃ ጴርያ ኣቢሉ ናብ የሩሳሌም ክኸይድ ከሎ ሓደ መንእሰይ ሰብኣይ እናጐየየ መጺኡ ኣብ ቅድሚኡ ተንበርከኸ። እቲ ሰብኣይ ምናልባት ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝነበረ ቤት ጸሎት ምርኡይ ቦታ ስለ ዝነበሮ ወይ ከኣ ኣባል ሳንሄድሪን ስለ ዝነበረ ኢዩ ዝኸውን መራሒ ተባሂሉ ተጸዊዑ ዘሎ። ኣዝዩ ሃብታም ከኣ ኢዩ ነይሩ። “ኣታ ሄር መምህር: ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስ: እንታይ እግበር፧” ኢሉ ሓተቶ።

የሱስ ከኣ “ንምንታይ ሄር ትብለኒ፧ ብዘይ ሓደ ኣምላኽ ሄር የልቦን” ኢሉ መለሰሉ። እቲ መንእሰይ ነታ “ሄር” እትብል ቃል ከም መዓርግ ኢዩ ተጠቒሙላ ዝኸውን: ስለዚ ኸኣ የሱስ ከምዚ ዝበለ መዓርግ ንኣምላኽ ጥራይ ከም ዝግባእ ነገሮ።

የሱስ ከኣ ቀጺሉ “ናብ ህይወት ክትአቱ እንተ ደሌኻ ግና: እተን ትእዛዛት ሐሉ” በሎ።

እቲ ሰብኣይ ከኣ “ኣየኖት፧” ኢሉ ሓተቶ።

ሓሙሽተ ካብተን ዓሰርተ ትእዛዛት ብምጥቃስ የሱስ “እኒ ኣይትቕተል: ኣይትዘሙ: ኣይትስረቕ: ብሓሶት ኣይትመስክር: ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር” ኢሉ መለሰ። ሓንቲ ዝያዳ ኣገዳሲት ዝዀነት ትእዛዝ ብምውሳኽ ከኣ “ብጻይካውን ከም ነፍስኻ ፍቶ” በሎ።

እቲ ሰብኣይ ከኣ ብቕንዕና “እዚ ዅሉ ኻብ ንእስነተይ ሒዘ እሕልዎ አሎኹ። እንታይ ደኣ እዩ ዚጐድለኒ ዘሎ፧”

የሱስ እቲ ሰብኣይ ዘቕረቦ ሕቶ ብስምዒትን ካብ ልቡን ምዃኑ ምስ ሰምዖ ፈተዎ። የሱስ ግን እቲ ሰብኣይ ስጋዊ ጥሪት ከም ዝፈቱ ስለ እተረድአ “ሓንቲ ጐዲላትካ። ኪድ: ዘሎካ ዅሉ ሼጥካ ንድኻታት ሀብ: ኣብ ሰማይ ድማ መዝገብ ክትረክብ ኢኻ እሞ ንዓ ስዐበኒ” ብምባል እቲ ክገብሮ ዘለዎ ነገር ኣመልከተሉ።

እቲ ሰብኣይ ኣጸቢቑ ጕህዩ ተንሲኡ ክኸይድ ከሎ ምስ ረኣዮ የሱስ ከም ዝደንገጸሉ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ናይ ሓቂ መዝገብ ዘለዎ ክብሪ ንኸይርኢ እቲ ሃብቱ ኣዖሮ። የሱስ ከኣ “ገንዘብ ንዘለዎም ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ንምእታው ክንደይ ጭንቂ እዩ” በለ።

እቲ ናይ የሱስ ቃላት ንደቀ መዛሙርቱ ኣገረሞም። እንተዀነ ግን: ከም ስርዓት ገይሩ “ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዚአቱስ: ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሐልፍ ይቐልል” ብምባሉ ኸኣ ዝያዳ ተገረሙ።

እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ክፈልጡ ስለ ዝደለዩ “መን ደኣ ዀን ኪድሕን ይከአሎ፧” በሉ።

ብቐጥታ ንዕኦም ብምጥማት የሱስ “ንኣምላኽ ኵሉ ይከአሎ እዩ እሞ: ንኣምላኽ ደኣ እምበር: ንሰብሲ ኣይከአሎን እዩ” በሎም።

ጴጥሮስ ካብ ናይቲ ሃብታም መራሒ እተፈልየ ምርጫ ከም ዝገበሩ ብምምልካት “እንሆ: ንሕና ዅሉ ሐዲግና ሰዐብናካ” በሎ። ስለዚ ኸኣ “እንታይ ኰን ክንረክብ ኢና፧” ኢሉ ሓተቶ።

የሱስ ከኣ “ብሓድሽ ልደት በታ ወዲ ሰብ ኣብ ዝፋን ክብሩ ዚቕመጠላ ጊዜ: ንስኻትኩም ድማ ኣብ ዓሰርተው ክልተ ዝፋን ተቐሚጥኩም ንዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል ከም እትፈርዱ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” ብምባል ተመባጽዐ። የሱስ ናይ ምድሪ ኵነታት ከምቲ ኣብ ገነት ኤድን ዝነበሮ ንኽኸውን ሓድሽ ልደት ከም ዘሎ ኢዩ ዘርኢ ዘሎ። ጴጥሮስን እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርትን ከኣ ምስ ክርስቶስ ኰይኖም ነዛ ንብዘላ ዓለም እትመልእ ገነት ናይ ምግዛእ ዓስቢ ክቕበሉ ኢዮም። ብርግጽ ነዚ ከምዚ ዝበለ ዓቢ ዓስቢ: መስዋእቲ ምግባር ግቡእ ኢዩ!

ይኹን እምበር: ከምቲ የሱስ ገሊጽዎ ዘሎ ሕጂ እውን ከይተረፈ ዓስቢ ኣሎ:- “ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ኢሉ: ቤት: ወይ ኣሕዋት: ወይ ኣሓት: ወይ ኣቦ: ወይ ኣደ: ወይ ሰበይቲ: ወይ ውሉድ: ወይ ግርሁ ዝሐደገ ዘበለ: ሕጂ ኣብዛ ዘመን እዚኣ ቤት: ኣሕዋት: ኣሓት: ኣደ: ውሉድ: ግርሁ: ሚእቲ ኻዕበት ምስ ስደት: ኣብታ እትመጽእ ዓለም ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘይረክብ የልቦን” በሎም።

ከምቲ የሱስ እተመባጽዖ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ዝኸድዎ ዘበለ ምስቶም ክርስትያናት ብጾቶም ዝህልዎም ርክብ: ካብቲ ምስ ኣባላት ስድራቤቶም ዝህልዎም ርክብ ንላዕሊ ዝጠበቐን ዝኸበረን ኢዩ ዝኸውን። እዚ ሃብታም መንእሰይ መራሒ ነዚ ዓስቢ እዝን ነቲ ኣብ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ዝርከብ ናይ ዘለኣለም ህይወትን ከም ዘጥፍአ ርዱእ ኢዩ።

ብድሕርዚ የሱስ ወሲኹ “ብዙሓት ቀዳሞት ዳሕሮት: ዳሕሮት ከኣ ቀዳሞት ኪዀኑ እዮም” በለ። እንታይ ማለቱ ኢዩ፧

ከምዚ ሃብታም መንእሰይ መራሒ ዝኣመሰሉ ሃይማኖታዊ መሰላት ኣብ ምርካብ “ቀዳሞት” ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት: ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ኣይኣትዉን ኢዮም ማለቱ ኢዩ ነይሩ። “ዳሕሮት” ክዀኑ ኢዮም። ብዙሓት: ነቶም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እውን ሓዊስካ: በቶም ርእሶም ዘጽድቑ ፈሪሳውያን ተናዒቖም ከም “ዳሕሮት”​—⁠ሓመድ ሓፋሽ: ወይ ‛ኣምሃ· ’ኣ ʹረትስ  ⁠​ዝርኣዩ ትሑታት ሰባት ግን “ቀዳሞት” ክዀኑ ኢዮም። “ቀዳሞት” ምዃኖም ምስ ክርስቶስ ኣብታ መንግስቲ ናይ ምግዛእ መሰል ክረኽቡ ኢዮም ማለት ኢዩ። ማርቆስ 10:⁠17-31፣ ማቴዎስ 19:⁠16-30፣ ሉቃስ 18:⁠18-30

▪ እቲ ሃብታም መንእሰይ እንታይ ዓይነት መራሒ ኢዩ ነይሩ፧

▪ የሱስ ሄር ከይብሃል እተቓወመ ስለምንታይ ኢዩ፧

▪ ናይቲ መንእሰይ መራሒ ተመክሮ ሃብታም ኣብ ምዃን ዘሎ ሓደጋ ብኸመይ የብርህ፧

▪ የሱስ ንሰዓብቱ እንታይ ዓስቢ ኢዩ እተመባጽዓሎም፧

▪ እቶም ቀዳሞት ዳሕሮት እቶም ዳሕሮት ከኣ ቀዳሞት ዝዀኑ ብኸመይ ኢዮም፧