ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሱስን እቶም ቈጸርቲ ከዋኽብትን

የሱስን እቶም ቈጸርቲ ከዋኽብትን

ምዕራፍ 7

የሱስን እቶም ቈጸርቲ ከዋኽብትን

ገለ ሰባት ካብ ምብራቕ መጹ። ቈጸርቲ ከዋኽብቲ​— ናይ ኰዀብ ኣቀማምጣ ብምርኣይ ትርጕሙ ዝነግሩ ሰባት​—⁠ኢዮም። ኣብ ዓዶም ኣብ ምብራቕ ከለዉ: ሓደ ሓድሽ ኰዀብ ረኣዩ እሞ: ንኣማእታት ኪሎ ሜተራት እናሰዓብዎ ናብ የሩሳሌም መጹ።

እቶም ቈጸርቲ ከዋኽብቲ ናብ የሩሳሌም ምስ በጽሑ “እቲ እተወልደ ንጉስ ኣይሁድ ኣበይ አሎ፧ ኰዀቡ ኣብ ምብራቕ ርኢና እሞ: ክንሰግደሉ መጺእና” ኢሎም ሓተቱ።

እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ንጉስ ሄሮድስ እዚ ምስ ሰምዐ ሰምበደ። ስለዚ ነቶም ሊቃውንቲ ካህናት ጸውዖም እሞ ክርስቶስ ኣበይ ኢዩ ዝውለድ ኢሉ ሓተቶም። ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት ከኣ “ኣብ ቤት⁠-​ልሄም” ኢሎም መለስሉ። ካብኡ ነቶም ቈጸርቲ ከዋኽብቲ ናብኡ ኣምጽኦም እሞ “ኬድኩም ብዛዕባ እቲ ሕጻን ኣርጊጽኩም መርምሩ። ምስ ረኸብኩምዎ: ኣነ ኸኣ መጺኤ ኽሰግደሉ: ኣፍልጡኒ” በሎም። ብሓቂ ግን ሄሮድስ ነቲ ሕጻን ክረኽቦ እሞ ክቐትሎ ኢዩ ደልዩ ነይሩ!

ድሕሪ ምኻዶም ሓደ ዘገርም ነገር ተፈጸመ። እቲ ኣብ ምብራቕ ከለዉ ዝረኣይዎ ኰዀብ ቀቅድሚኦም ከደ። እዚ ተራ ኰዀብ ዘይኰነስ ብፍላይ ንዕኦም ክመርሖም እተዳለወ ምዃኑ ንጹር ኢዩ። እቶም ቈጸርቲ ከዋኽብቲ እቲ ኰዀብ ኣብ ልዕሊ እቲ ዮሴፍን ማርያምን ዘለዉዎ ገዛ ደው ክሳዕ ዝብል ሰዓብዎ።

እቶም ቈጸርቲ ከዋኽብቲ ኣብቲ ቤት ምስ ኣተዉ ንማርያምን ነቲ ንእሽቶ ቈልዓ የሱስን ረኸብዎም። ሽዑ ኸኣ ኵሎም ሰገዱሉ። ካብ ቦርስኦም ከኣ ናይ ወርቂ: ዕጣን: ከምኡውን ከርበ ህያባት ሃብዎ። ብድሕርዚ ተመሊሶም ንሄሮድስ እቲ ቘልዓ ኣበይ ከም ዘሎ ክነግርዎ ክኸዱ ክብሉ ከለዉ ኣምላኽ ብሕልሚ ከይከዱ ኣጠንቀቖም። ስለዚ ናብ ዓዶም ብኻልእ መገዲ ኣቢሎም ከዱ።

እቲ ነቶም ቈጸርቲ ከዋኽብቲ ንምምራሕ ኣብ ሰማይ ዝንቀሳቐስ ዝነበረ ኰዀብ ዘዳለወ መን ይመስለካ፧ እቲ ኰዀብ ብቐጥታ ናብ የሱስ ኣብ ቤት⁠-​ልሄም ከም ዘይመርሖም ዘክር። ኣብ ክንድኡስ ናብ የሩሳሌም ኣብቲ ንየሱስ ክቐትል ዝደሊ ንጉስ ሄሮድስ ኢዩ መሪሕዎም። ኣምላኽ ኢዱ ብምእታው ነቶም ቈጸርቲ ከዋኽብቲ የሱስ ኣበይ ከም ዘሎ ንሄሮድስ ከይነግርዎ እንተ ዘየጠንቅቖም ከኣ ምቐተሎ ነይሩ። እቲ ጸላኢ ኣምላኽ ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ ኢዩ የሱስ ክቕተል ዝደሊ ዝነበረ። ዕላምኡ ንምፍጻም ከኣ ነቲ ኰዀብ ተጠቕመ። ማቴዎስ 2:⁠1⁠-​12፣ ሚክያስ 5:⁠2

▪ እቶም ቈጸርቲ ከዋኽብቲ ዝረኣይዎ ኰዀብ ተራ ኰዀብ ከም ዘይነበረ ዘረድእ እንታይ ኢዩ፧

▪ እቶም ቈጸርቲ ከዋኽብቲ ክረኽብዎ ከለዉ የሱስ ኣበይ ኢዩ ነይሩ፧

▪ ነቶም ቈጸርቲ ከዋኽብቲ ዝመርሐ ኰዀብ ዘዳለዎ ሰይጣን ኢዩ እንብል ስለምንታይ ኢና፧