ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሱስ ህያው ኰነ!

የሱስ ህያው ኰነ!

ምዕራፍ 128

የሱስ ህያው ኰነ!

እተን ኣንስቲ መቓብር የሱስ ጥራዩ ምስ ጸንሐን: ማርያም መግደላዊት ንጴጥሮስን ንዮሃንስን ክትነግር ብጕያ ከደት። እተን ካልኦት ኣንስቲ ግን ኣብቲ መቓብር ከም ዝተረፋ ንጹር ኢዩ። ብዙሕ ከይጸንሓ ኸኣ ሓደ መልኣኽ ተራእየን እሞ ናብ ውሽጢ ክኣትዋ ዓደመን።

እተን ኣንስቲ ኣብቲ ውሽጢ እውን ካልእ መልኣኽ ረኣያ ሓደ ካብቶም መላእኽቲ ኸኣ “ንስኻትክንሲ ነቲ እተሰቕለ የሱስ ትደልያ ኸም ዘሎኽን: እፈልጥ አሎኹ እሞ: ኣይትፍርሃ። ከምቲ ዝበሎ: ተንሲኡ እዩ እሞ: ኣብዚ የሎን። ነታ ጐይታ ተነቢርዋ ዝነበረ ስፍራ: ንዕነ ርአያ። ቀልጢፍክን ደኣ ኺዳ እሞ: ካብ ምዉታት ከም ዝተንስኤ: ንደቀ መዛሙርቱ ንገራኦም” በለን። ስለዚ እዘን ኣንስቲ እዚኣተን እውን ብፍርህን ብዓቢ ሓጐስን እናጐየያ ከዳ።

ማርያም ንጴጥሮስን ዮሃንስን ረኸበቶም እሞ “ንጐይታና ኻብ መቓብር ወሲዶሞ: አበይ ከም ዘንበርዎ ኣይንፈልጥን” ኢላ ነገረቶም። እቶም ክልተ ሃዋርያት ከኣ ብኡንብኡ ከዱ። ዮሃንስ ዝነኣሰ ብምዃኑ ነቲ ሓደ ሃዋርያ ቀዲምዎ ኣብቲ መቓብር በጽሐ። ኣብዚ እዋን እዚ እተን ኣንስቲ ድሮ ከይደን ስለ ዝነበራ ኣብቲ መቓብር ዋላ ሓደ ሰብ ኣይነበረን። ዮሃንስ ናብቲ መቓብር ቅልቅል በለ እሞ ነቲ መግነዝ ርኣየ: እንተዀነ ግን ናብ ውሽጢ ኣይኣተወን።

ጴጥሮስ ኣብኡ ምስ በጽሐ ከይተጠራጠረ ትኽ ኢሉ ናብ ውሽጢ ኣተወ። እቲ መግነዝን እቲ ርእሲ የሱስ እተሸፈነሉ መኣረምያን ኣብኡ ረኣዮ። ኣብ ሓደ ቦታ ተዓዅሊሉ ነበረ። ሽዑ ዮሃንስ እውን ናብቲ መቓብር ኣተወ እሞ ነቲ ማርያም ዝበለቶ ኣመኖ። እንተዀነ ግን: የሱስ ክትንስእ ምዃኑ ብዙሕ ግዜ ነጊርዎም እኳ እንተ ነበረ: ጴጥሮስ ይኹን ዮሃንስ የሱስ ከም ዝተንስአ ኣይተረድኦምን። ገሪምዎም ክልቲኦም ናብ ገዝኦም ተመልሱ: እታ ናብቲ መቓብር ተመሊሳ ዝነበረት ማርያም ግን ኣብኡ ተረፈት።

ክሳዕ ሽዑ እተን ካልኦት ኣንስቲ ከምቲ እቲ መልኣኽ ዝኣዘዘን የሱስ ከም ዝተንስአ ነቶም ሃዋርያት ክነግራ ተጓየያ። ክሳዕ እቲ ዝከኣለን እናጐየያ ከላዋ: ኣብ መገዲ የሱስ ተጓነፈን እሞ “ከመይ ኢኽን፧” በለን። ኣብ እግሩ ወዲቐን ሰገዳሉ። ብድሕርዚ የሱስ “ኣይትፍርሃ: ኪዳ እሞ ነሕዋተይ ናብ ገሊላ ኪኸዱ ንገራኦም: ኣብኡውን ኪርእዩኒ እዮም” በለን።

ኣቐድም ኣቢሉ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ምስ ኰነን እቶም መላእኽቲ ምስ ተራእዩን: እቶም ሓለውቲ ዝነበሩ ወተሃደራት ደንዚዞም ከም ዝሞቱ ሰባት ኰኑ። ምስ ተንስኡ ብኡንብኡ ናብታ ከተማ ኣትዮም እቲ ዝዀነ ነገር ነቶም ሊቀ ኻህናት ነገርዎም። ምስቶም “ዓበይቲ” ኣይሁድ ምስ ተማኸሩ: ነቶም ወተሃደራት ጉቦ ብምሃብ ነቲ ነገር ክዓብጥዎ ወሰኑ። “ብለይቲ ደቂስና ኸሎና: ደቀ መዛሙርቱ መጺኦም ሰሪቖሞ” ኢሎም ክነግሩ መምርሒ ተዋህቦም።

ናይ ሮሜ ወተሃደራት ኣብ ሓለዋ ከለዉ እንተድኣ ደቂሶም ብሞት ስለ ዝቕጽዑ: እቶም ኻህናት “እዚ [ከም ዝደቀስኩም] ኣብቲ ሹም እንተ ተሰምዔ: ንሕና ኸነረድኦ: ንኣኻትኩም ድማ ከም ዘይትጕህዩ ኽንገብረኩም ኢና” በልዎም። እቲ ጉቦ ብርክት ዝበለ ስለ ዝነበረ እቶም ወተሃደራት ከምቲ እተባህልዎ ገበሩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ እቲ ናይ የሱስ ሬሳ ተሰሪቑ ዝብል ናይ ሓሶት ዘረባ ኣብ መንጎ ኣይሁድ ብሰፊሑ ተዘርገሐ።

እታ ኣብ መቓብር ተሪፋ ዝነበረት ማርያም መግደላዊት ብጓሂ ተዋሕጠት። የሱስ ኣበይ ይህሉ፧ ኣብቲ መቓብር ንኽትርኢ ቅልቅል ምስ በለት እቶም ጻዕዳ እተኸድኑ መላእኽቲ እንደገና ተራእዩ! እቲ ሓደ ብትርኣስ እቲ ሓደ ኸኣ ብእግሪ ናይቲ የሱስ ዝነበሮ ቦታ ኮፍ ኢሎም ነበሩ። “ኣቲ ሰበይቲ: እንታይ የብክየኪ አሎ፧” ኢሎም ሓተትዋ።

ማርያም ከኣ “ንጐይታይ ወሲዶምዎ: ኣበይ ከም ዘንበርዎ ኸኣ ኣይፈልጥን” በለቶም። ብድሕርዚ ግልጽ በለት እሞ እንደገና “ኣቲ ሰበይቲ: እንታይ የብክየኪ አሎ፧” ኢሉ ዝሓታ ሰብ ረኣየት። ንሱ እውን “ንመንሲ ትደልዪ አሎኺ፧” ኢሉ ሓተታ።

እቲ ሰብኣይ ናይቲ መቓብር ዝነበሮ ስፍራ ኣታኽልቲ ሓላዊ ኢዩ ዝኸውን ኢላ ስለ ዝሓሰበት “ጐይታይ: ንስኻ ኣልዒልካዮ እንተ ዄንካስ: ኣነ ኽወስዶ: ኣበይ ከም ዘንበርካዮ ንገረኒ” በለቶ።

እቲ ሰብኣይ ከኣ “ማርያም” በላ። በቲ ትፈልጦ ኣዘራርብኡ ድማ ብኡንብኡ የሱስ ምዃኑ ፈለጠቶ። “ረቡኒ” (ትርጕሙ “መምህረይ”) በለቶ። ወሰን ብዘይብሉ ሓጐስ ከኣ ሓዘቶ። የሱስ ግን “ገና ናብ ኣቦይ ኣይደየብኩን እሞ: ኣይትተንክይኒ። ግናኸ ናብ ኣሕዋተይ ኪዲ እሞ፤ ናብ ኣቦይን ኣቦኹምን ናብ ኣምላኸይን ኣምላኽኩምን እድይብ አሎኹ: በልዮም” በላ።

ሽዑ ማርያም ኣብቲ እቶም ደቀ መዛሙርትን ብጾታ ሃዋርያትን ተኣኪቦምሉ ዝነበሩ ቦታ ኸደት። ብዛዕባ እቲ እተን ካልኦት ኣንስቲ ንየሱስ ካብ ምዉታት ተንሲኡ ርኢናዮ ዝበልኦ ንሳውን ብወገና ተወሳኺ ጸብጻብ ኣቕረበት። እዞም ነተን መጀመርታ ዝመጻ ኣንስቲ ዘይኣመኑወን ሰብኡት ንማርያም እውን ከም ዘይኣመንዋ ርዱእ ኢዩ። ማቴዎስ 28:⁠3-15፣ ማርቆስ 16:⁠5-8፣ ሉቃስ 24:⁠4-12፣ ዮሃንስ 20:⁠2-18

▪ እቲ መቓብር ጥራዩ ምስ ጸንሓ ማርያም መግደላዊት እንታይ ገበረት: እተን ካልኦት ኣንስቲኸ እንታይ ተመክሮ ኢዩ ዘጋጠመን፧

▪ ጴጥሮስን ዮሃንስን እቲ መቓብር ጥራዩ ምስ ጸንሖም እንታይ ገበሩ፧

▪ እተን ካልኦት ኣንስቲ የሱስ ከም ዝተንስአ ነቶም ሃዋርያት ክነግርኦም እናኸዳ ከለዋ እንታይ ኣጓነፈን፧

▪ ነቶም ዝሕልዉ ዝነበሩ ወተሃደራት እንታይ ኣጋጠሞም: እቶም ካህናትከ ምስ ተነግሮም እንታይ ምላሽ ሃቡ፧

▪ ማርያም መግደላዊት ኣብቲ መቓብር ንበይና ኸላ እንታይ ኣጋጠመ: እቶም ሃዋርያትከ ነቲ እተን ኣንስቲ ዝነገርኦም ብኸመይ መለሱሉ፧