ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሱስ ብሓቂ መን ኢዩ፧

የሱስ ብሓቂ መን ኢዩ፧

ምዕራፍ 59

የሱስ ብሓቂ መን ኢዩ፧

እታ ንየሱስን ደቀ መዛሙርቱን ዝሓዘት ጃልባ ኣብ ቤተ-ሳይዳ ደው ምስ በለት: እቶም ህዝቢ ሓደ ዕዉር ሰብኣይ ሒዞም ናብ የሱስ ብምምጻእ ኢዱ ብምንባር ከሕውዮ ለመንዎ። የሱስ ነቲ ሰብኣይ ብኢዱ ሒዙ ካብታ ዓዲ ኣውጽኦ ጡፍ ምስ በለሉ ኸኣ “ገለዶ ትርኢ አሎኻ፧” ኢሉ ሓተቶ።

እቲ ሰብኣይ ከኣ “ሰባት እርኢ አሎኹ: ኪመላለሱ ኸለዉ ኣእዋም መሲሎም እርእዮም አሎኹ” በለ። ኣእዳዉ ኣብ ኣዒንቲ እቲ ሰብኣይ ብምንባር ከኣ ኣነጺሩ ከም ዝርኢ ገበሮ። ካብኡ የሱስ ናብታ ከተማ ከይኣቱ ብምእዛዝ ነቲ ሰብኣይ ንገዝኡ ሰደዶ።

ካብኡ የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብቲ በቲ ሓደ ጫፍ ናይ ሰሜን ጳለስጢና ዝርከብ ዝነበረ ቂሳርያ ናይ ፊልጶስ ከደ። ናብታ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ ዳርጋ 350 ሜትሮ ኣቢላ እትልዕል ቂሳርያ ናይ ፊልጶስ ንምብጻሕ: ዳርጋ 48 ኪሎ ሜተር ዝኸውን ነዊሕ ዓቐበት ኣሎ። እቲ ጕዕዞ ምናልባት ገለ መዓልትታት ይወስድ ይኸውን።

ኣብቲ መገዲ የሱስ ንኽጽሊ ንበይኑ ከደ። ንኽመውት ትሽዓተ ወይ ዓሰርተ ኣዋርሕ ኣቢሉ ኢዩ ተሪፍዎ ዘሎ: ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ይሻቐል ነበረ። ድሮ ብዙሓት ካብ ምስዓቡ ኣቋሪጾም ኢዮም። ካልኦት ከኣ እቶም ህዝቢ ንጉስ ክገብርዎ ምስ ደለዩ ብምእባዩ ከምኡውን ጸላእቱ ንግስነቱ ንኸረጋግጽ ካብ ሰማይ ምልክት ከርእዮም ምስ ሓተትዎ ብዘይምሃቡ ተደናጊሮምን: ሓዚኖምን ከም ዘለዉ ርዱእ ኢዩ። ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ መንነቱ እንታይ ኢዮም ዝኣምኑ፧ ኣብቲ ዝጽልየሉ ዘሎ ቦታ ምስ መጹ የሱስ “ሰብ መን እዩ ይብለኒ አሎ፧” ኢሉ ሓተቶም።

ንሳቶም ከኣ “ገሊኦም ዮሃንስ መጥምቕ: ካልኦት ድማ ኤልያስ: ገሊኦምውን ኤርምያስ ወይስ ሓደ ኻብ ነብያት ዚብሉ አለዉ” ኢሎም መለስሉ። እወ: እቶም ህዝቢ ሓደ ካብዞም ነብያት እዚኣቶም ካብ ምዉታት ተንሲኡ ከም የሱስ ኰይኑ ዝመጸ ይመስሎም ነበረ!

ንሱ ኸኣ “ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ፧” ኢሉ ሓተቶም።

ጴጥሮስ ቀልጢፉ “ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ።

ነቲ ጴጥሮስ ዝሃቦ መልሲ ድሕሪ ምንኣዱ የሱስ “ኣነ ኸኣ እብ​ለካ ኣለኹ: ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ። ንማሕበረይ ከኣ ኣብዛ ኸውሒ እዚኣ ኽሀንጻ እየ: ደጌታት ሲኦል ድማ ኣይሕይልዋን” በሎ። ኣብዚ የሱስ ሓንቲ ማሕ​በር ከም ዝሃንጽ እሞ እቶም ኣባላታ ምድራዊ ጕዕዝኦም ብተኣማንነት ምስ ወድኡ ሞት እውን እንተዀነ ከም ዘይሕዞም ኢዩ ዝገልጽ ዘሎ። ድሕርዚ ቀጺሉ ንጴጥሮስ “መርሖታት መንግስተ ሰማያት ክህበካ እየ” በሎ።

የሱስ ከምዚ ምባሉ: ጴጥሮስ ፍልይ ዝበለ መሰላት ከም ዝቕበል ኢዩ ዝገልጽ ዘሎ። ጴጥሮስ ካብቶም ሃዋርያት ዝበለጸ ቦታ ኣይተዋህቦን ወይ ከኣ መሰረት ናይታ ማሕበር ኣይኰነን። እታ ማሕበር እትህነጸሉ ከውሒ የሱስ ባዕሉ ኢዩ። ጴጥሮስ ግን ንጕጅለ ሰባት መንግስተ ሰማያት ናይ ምእታው ኣጋጣሚ ንኽኸፍተሎም ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ሰለስተ መፋትሕ ተዋህቦ።

ጴጥሮስ እታ ናይ መጀመርታ መፍትሕ ኣብ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ነቶም እተናስሑ ኣይሁድ ክድሕኑ እንታይ ክገብሩ ከም ዘለዎም ንኸርእዮም ተጠቕመላ። እታ ካልኣይቲ ኸኣ ብድሕሪኡ ብዙሕ ከይጸንሐ ነቶም ዝኣመኑ ሳምራውያን መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምእታው ኣጋጣሚ ንኽኸፍተሎም ተጠቕመላ። ካብኡ ብ36 ከ.ኣ.ዘ. እታ ሳልሰይቲ መፍትሕ ነቶም ዘይተገዝሩ ኣህዛብ ዝነበሩ ቆርኔሌዎስን ብጾቱን እቲ ኣጋጣሚ እቲ ንምኽፋት ተጠቕመላ።

የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ምምይያጥ ቀጸለ። እቲ ድሕሪ ቀረባ እዋን ኣብ የሩሳሌም ዘጓንፎ ስቓይን ሞትን ምስ ነገሮም ከኣ ጐሃዩ። የሱስ ናብ ሰማያዊ ህይወት ከም ዝትንስእ ስለ ዘይተረድአ ጴጥሮስ ንየሱስ ንበይኑ ገይሩ “ይባልህካ እባ ደኣ: ጐይታይ: እዝስ ኣይብጻሕካ” በሎ። የሱስ ግልጽ ኢሉ “ካባይ ርሐቕ: ሰይጣን: ናይ ሰብ እምበር ናይ ኣምላኽ ኣይትሐስብን ኢኻ እሞ: ንኣይ መዓንቀፊ ኢኻ” በሎ።

ብዘይካ እቶም ሃዋርያት ካልኦት እውን ምስኦም ይጓዓዙ ከም ዝነበሩ ርዱእ ኢዩ: ስለዚ ናብኡ ጸዊዑ ሰዓብቱ ክዀኑ ቀሊል ከም ዘይኰነ ኣረድኦም። “ዝዀነ ይኹን ደድሕረይ ኪስዕብ ዚደሊ እንተሎ: ንገዛእ ርእሱ ይቕበጽ: መስቀሉ የልዕል እሞ ይስዐበኒ። ንህይወቱ ኼድሕና ዚደሊ ኼጥፍኣ እዩ። እቲ ንህይወቱ ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ዜጥፍኣ ግና ኬድሕና እዩ” በሎም።

እወ: ሰዓብቲ የሱስ ስምረቱ ክረኽቡ ዝበቕዑ ምዃኖም ከረጋግጹ እንተድኣ ኰይኖም ተባዓትን ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ዘለዎምን ክዀኑ ኣለዎም። ከምዚ ኸኣ በሎም:- “ስለዚ ኣብዚ ዘማውን ሓጥእን ወለዶ ብኣይን ብቓለይን ዝሐፈረ: ወዲ ሰብ ድማ: ብግርማ ኣቦኡ ምስ ቕዱሳን መላእኽቱ ምስ መጸ: ብእኡ ኺሐፍር እዩ።” ማርቆስ 8:⁠22-38፣ ማቴዎስ 16:​13-​28፣ ሉቃስ 9:​18-​27

▪ የሱስ ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቱ እተሻቐለ ስለምንታይ ኢዩ፧

▪ ሰባት ብዛዕባ ናይ የሱስ መንነት እንታይ ኣረኣእያ ኢዩ ዘለዎም፧

▪ ንጴጥሮስ እንታይ መፋትሕ ኢዩ እተዋህቦ: ብኸመይ ኢዩኸ ዝጥቀመለን፧

▪ ጴጥሮስ እንታይ መአረምታ ኢዩ እተዋህቦ: ስለምንታይከ፧