ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሱስ ነቶም ተጻረርቱ ይዅንኖም

የሱስ ነቶም ተጻረርቱ ይዅንኖም

ምዕራፍ 109

የሱስ ነቶም ተጻረርቱ ይዅንኖም

የሱስ ነቶም ሃይማኖታውያን ተጻረርቱ ኣጸቢቖም ጋን ከም ዝስርሑ ስለ ዝገበሮም መሊሶም ክሓትዎ ፈርሁ። ስለዚ ድንቍርንኦም ንምቅላዕ ባዕሉ ተበግሶ ወሰደ። የሱስ “ብዛዕባ ክርስቶስ እንታይ ይመስለኩም፧ ወዲ መንከ እዩ፧” ኢሉ ሓተቶም።

እቶም ፈሪሳውያን ከኣ “ወዲ ዳዊት” ኢሎም መለሱሉ።

የሱስ: ዳዊት ብስጋ ኣቦ ክርስቶስ ወይ ከኣ ኣቦ መሲሕ ምዃኑ ዘይክሕድ እኳ እንተዀነ: “ዳዊት ደኣ: ጐይታ ንጐይታይ: ንጸላእትኻ ኣብ ትሕቲ እግርኻ ኽሳዕ ዘድርሶም: ኣብ የማነይ ተቐመጥ: በሎ: እናበለ: [ኣብ መዝሙር 110] ብመንፈስ ከመይ ኢሉ ጐይታይ ይብሎ፧ እምብኣርሲ ዳዊት ጐይታይ ካብ ዚብሎ: ከመይ ኢሉ ደኣ ወዱ ይኸውን፧” ኢሉ ሓተቶም።

እቶም ፈሪሳውያን ናይ ሓቂ መንነት ክርስቶስ ወይ እቲ ቅቡእ ስለ ዘይፈልጡ ስቕ በሉ። እቲ መሲሕ ከምቲ እቶም ፈሪሳውያን ዝኣምንዎ ሰብኣዊ ውሉድ ዳዊት ጥራይ ኣይኰነን: ኣብ ክንድኡስ ኣብ ሰማይ ዝነብር ዝነበረ ልዕሊ ዳዊት ወይ ከኣ ንዳዊት ጐይትኡ ኢዩ ነይሩ።

ካብኡ የሱስ ናብቶም ህዝብን ደቀ መዛሙርቱን ብምምልካት ብዛዕባ እቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣጠንቀቖም። የሱስ እዚኣቶም “ኣብ መንበር ሙሴ ተቐሚጦም” ሕጊ ኣምላኽ ዝምህሩ ስለ ዝዀኑ: “ዚብሉኹም ኵሉ ግበሩን ሐልዉን” በሎም። ወሲኹ ግን “ይብሉ ደኣ እምበር: ኣይገብሩን እዮም እሞ: ከምቲ ግብሮም ኣይትግበሩ” በሎም።

ግቡዛት ኢዮም: ስለዚ ኸኣ የሱስ ልክዕ ከምቲ ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ ኣብ ቤት ሓደ ፈሪሳዊ እናበልዐ ከሎ ዝገበሮ ገይሩ ኰነኖም። “ኵሉ ግብሮም: ሰብ ምእንቲ ኺርእዮም ይገብሩ” በለ። ከምዚ ብምባል ከኣ ኣብነት ሃበ:-

“ክታባውቶም የግፍሑ።” እዚ ኣብ ግምባር: ወይ ከኣ ኢድ ዝእሰር ንኣሽቱ መትሓዚታት: ኣርባዕተ ክፍሊ ናይቲ ሕጊ​—⁠ዘጸኣት 13:⁠1-10, 11-16፣ ከምኡውን ዘዳግም 6:⁠4-9፣ 11:⁠13-21⁠—​ዝሓዘ ኢዩ ነይሩ። እቶም ፈሪሳውያን ግን ንሕጊ ቅንኢ ከም ዘለዎም ምእንቲ ከምስሉ ነዚ መትሓዚ እዚ የዕብይዎ ነበሩ።

የሱስ ቀጺሉ “ዘፈር ክዳውንቶምውን የንውሑ” በሎም። ኣብ ዘሁልቍ 15:⁠38-40 እስራኤላውያን ኣብ ክዳውንቶም ዘፈር ክገብሩ ተኣዚዞም ነበሩ: ፈሪሳውያን ግን እቲ ናቶም ዘፈር ካብ ናይ ዝዀነ ይኹን ካልእ ሰብ ዝነውሐ ኢዩ ነይሩ። ኵሉ እቲ ዝገብርዎ ንኽርኣዩ ኢዮም ዝገብርዎ! የሱስ “ኣብ ኣውራ ምቕማጥ ይቕመጡ” በሎም።

እቲ ዘሕዝን: እቶም ደቀ መዛሙርቱ እውን በዚ ኣውራ ናይ ምዃን ባህጊ ተተንኪፎም ኢዮም። ስለዚ “ንስኻትኩም ግና: መምህርኩም ሓደ እዩ እሞ: መምህራን ኣይትብሀሉ: ንስኻትኩምሲ ዅልኹም ኣሕዋት ኢኹም። ኣቦኹም: እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ: ሓደ እዩ እሞ: ኣብ ምድሪ ንሓደ እኳ ኣቦይ ኣይትበሉ። መራሒኹም ሓደ እዩ: ንሱ ኸኣ ክርስቶስ እዩ እሞ: ንስኻትኩምሲ መራሕቲ ኣይትብሀሉ” ኢሉ መዓዶም። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ቀዳማይ ናይ ምዃን ባህጎም ከልግስዎ ኣለዎም! የሱስ “እቲ ኻባኻትኩም ዚበልጽሲ ግዙእኩም ይኹን” ኢሉ መዓዶም።

ካብኡ ቀጺሉ ኸኣ ደጋጊሙ ግቡዛት ኢሉ ብምጽዋዕ ኣብ ልዕሊ እቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ዝወርድ ተኸታታሊ ወዮ ገለጸ። የሱስ “መንግስተ ሰማያት ንሰብ ትዐጽዉሉ” ከምኡውን ኣብ “ቤት መበለታት ትበልዑ: ንምኽንያትውን ጸሎት ተንውሑ” በሎም።

የሱስ ኣቱም “ዕውራት መራሕቲ: ወይለኹም” በሎም። በቲ ብናይ ገዛእ ርእሶም ሓሳባት ዝገብርዎ ምፍልላያት ክርአ ከም ዝከኣል ፈሪሳውያን ንመንፈሳዊ ነገራት ኣድላይነት ዘለዎ ገይሮም ስለ ዘይርእይዎ የሱስ ኰነኖም። ንኣብነት “ብቤተ መቕደስ ዚምሕል ደሓን እዩ: ብወርቂ ቤተ መቕደስ ንዚምሕል ግና ማሕላ ይዀኖ” ይብሉ። ኣብ ክንዲ ኣብቲ መንፈሳዊ ጥቕሚ ናይቲ ቦታ ኣምልኾ: ኣብቲ ኣብ ቤት መቕደስ ዘሎ ወርቂ ዝያዳ ኣትኵሮ ብምግባሮም: ስነ-ምግባራዊ ዑረት ከም ዘለዎም ኣርኣዩ።

ብድሕርዚ የሱስ ከምቲ ቅድሚኡ እውን ኢልዎም ዝነበረ: እቶም ፈሪሳውያን ዕሽር ወይ ዓስራይ ኣፍ ናይቲ ኣብ ግምት ዘይኣቱ ንኣሽቱ ኣታኽልቲ እውን ከይተረፈ ክህቡ እናተጠንቀቑ: “እቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ኣውራ ነገር፤ ፍርዲ: ምሕረት: እምነት” ግን ብምሕዳጎም ኰነኖም።

የሱስ ንፈሪሳውያን “ኣቱም ቃርማ እተጽርዩ: ገመል ከኣ እትውሕጡ ዕዉራት መራሕቲ” በሎም። ካብ ወይኖም ቃርማ የጽርዩ: ከምኡ ዝገብሩ ግን ሓሰኻ ብምዃኑ ጥራይ ዘይኰነስ ብልምዶም ዘይንጹህ ስለ ዝዀነ ኢዩ። ነቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ኣውራ ነገር ሸለል ምባሎም ግን: ምስቲ ብልምዶም እውን ዘይንጹህ ዝዀነ ገመል ምውሓጥ ይመሳሰል። ማቴዎስ 22:⁠41–23:⁠24፣ ማርቆስ 12:⁠35-40፣ ሉቃስ 20:⁠41-47፣ ዘሌዋውያን 11:⁠4, 21-24

▪ የሱስ ብዛዕባ እቲ ዳዊት ኣብ መዝሙር 110 ዝበሎ ምስ ሓተቶም ፈሪሳውያን ስቕ ዝበሉ ስለምንታይ ኢዮም፧

▪ ፈሪሳውያን ክታባውቶም ዘግፍሑ: ዘፈር ክዳውንቶም ከኣ ዘንውሑ ስለምንታይ ኢዮም፧

▪ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ እንታይ ኢሉ ኢዩ ዝመዓዶም፧

▪ ፈሪሳውያን ብናይ ገዛእ ርእሶም ሓሳባት እንታይ ምፍልላይ ኢዮም ዝገብሩ: የሱስከ ነቲ ኣውራ ነገር ሸለል ብምባሎም ብኸመይ ኢዩ ዝዀነኖም፧