ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሱስ ነቶም ፈሪሳውያን ገንሖም

የሱስ ነቶም ፈሪሳውያን ገንሖም

ምዕራፍ 42

የሱስ ነቶም ፈሪሳውያን ገንሖም

የሱስ ኣጋንንቲ ብሓይሊ ሰይጣን ዘውጽእ እንተድኣ ኰይኑ ሰይጣን ንገዛእ ርእሱ እተኸፋፈለ ኢዩ ብምባል ተዛረበ። ቀጺሉ ኸኣ “ኦም ካብ ፍሪኡ ይፍለጥ እዩ እሞ: ነቲ ኦም ጽቡቕ ግበሩዎ: ፍሪኡ ድማ ጽቡቕ: ወይስ ነቲ ኦም ክፉእ ግበርዎ: ፍሪኡ ድማ ክፉእ” ይኸውን በሎም።

እቲ የሱስ ኣጋንንቲ ብምውጻእ ዝገበሮ ጽቡቕ ተግባር: ንሰይጣን ብምግልጋሉ ኢዩ መጺኡ ምባል ዕሽነት ኢዩ። እቲ ፍረ ጽቡቕ እንተድኣ ዀይኑ እቲ ኦም ክፉእ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ እቲ ፈሪሳውያን ንየሱስ ብዘይ ምኽንያት ብምውንጃልን መሰረት ብዘይብሉ ብምጽራርን ዘርኣይዎ ሕማቕ ፍረ: ክፉኣት ምዃኖም ዘረጋግጽ ኢዩ ነይሩ። የሱስ “ኣቱም ውሉድ ኣትማን: ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ ይዛረብ እዩ እሞ: ክፉኣት ክነስኹምከ: ከመይ ጌርኩም ጽቡቕ ምዝራብ ክትክእሉ፧” በሎም።

ዘረባና ናይ ልብና ኵነታት ዝገልጽ ስለ ዝዀነ በቲ እንብሎ ኢና እንፍረድ። የሱስ ከኣ “ኣነ ግና፤ ብዘረባኻ ኢኻ እትጸድቕ: ብዘረባኻውን ኢኻ እትዅነን እሞ: ሰብ ዚዛረብዎ ዘበለ ዘይጠቅም ኵሉ ቓል ብመዓልቲ ፍርዲ ጸብጻብ ኪህቡሉ እዮም: እብለኩም አሎኹ” በለ።

የሱስ ብዙሕ ተኣምራት እኳ እንተገበረ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ግን: “መምህር: ካባኻ ትእምርቲ ኽንርኢ ንደሊ አሎና” በልዎ። እዞም ካብ የሩሳሌም ዝመጹ ሰባት: ባዕሎም እቲ የሱስ ዝገበሮ ተኣምራታት እኳ እንተ ዘይረኣዩ: ብዛዕባ እቲ ተኣምራታት ክንጸግ ዘይከኣል መርትዖታት ክህቡ ዝኽእሉ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ነይሮም ኢዮም። ስለዚ የሱስ ነቶም ናይ ኣይሁድ መራሕቲ “ክፉእን ዘማውን ወለዶ ትእምርቲ ይደሊ። ብዘይ ትእምርቲ ነብዪ ዮናስ ድማ ካልእ ትእምርቲ ኣይውሀቦን” በሎም።

የሱስ እንታይ ማለት ምዃኑ ብምግላጽ ቀጺሉ ከምዚ በለ:⁠-“ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓብዪ ዓሳ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ከም ዝገበረ: ከምኡ ኸኣ ወዲ ሰብ ኣብ ውሽጢ ምድሪ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ኪገብር እዩ።” እቲ ዓሳ ምስ ወሓጦ ዮናስ ልክዕ ካብ ምዉታት ከም ዝተንስአ ኰይኑ ኢዩ ወጺኡ: ስለዚ የሱስ ከም ዝመውት ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ ከም ዝትንስእ ኢዩ ዝንበ ነይሩ። እቶም መራሕቲ ኣይሁድ ግን: የሱስ ምስ ተንስአ እውን ከይተረፈ “ትእምርቲ ነብዪ ዮናስ” ኣይተቐበሉን።

ስለዚ ኸኣ የሱስ ኣብ መዓልቲ ፍርዲ: እቶም ዮናስ ምስ ሰበኸሎም እተናስሑ ሰብ ነነዌ ተንሲኦም ነቶም ንየሱስ ዝነጸግዎ ኣይሁድ ከም ዝዅንንዎም ነገሮም። ብተመሳሳሊ ካብ ኣብነት ናይታ ካብ ጫፍ ምድሪ ንጥበብ ሰሎሞን ክትሰምዕ ኢላ ዝመጸት እሞ በቲ ዝረኣየቶን ዝሰምዓቶን እተገረመት ንግስቲ ሳባ ሓሳባት ሃበ። “እንሆ: ካብ ሰሎሞን ዚዐቢ ኣብዚ አሎ” በሎም።

ድሕርዚ የሱስ ብዛዕባ ሓደ ርኹሳት መናፍስቲ ዝወጽሉ ሰብኣይ መብርሂ ሃበ። እቲ ሰብኣይ ግን: እቶም ኣጋንንቲ ምስ ወጽሉ ነቲ ናይ ኣጋንንቲ ዝነበረ ቦታ ብጽቡቕ ነገራት ኣይመልኦን: ስለዚ ካልኦት ሸውዓተ ኣጋንንቲ ሓዝዎ። የሱስ ከኣ “ነዚ ኽፉእ ወለዶ እዚ ድማ ከምኡ ኪዀኖ እዩ” በለ። እስራኤላውያን ከምቲ ግዝያዊ ምውጻእ ናይቲ እኩይ መንፈስ ጸርዮምን ተሓዲሶምን ነይሮም ኢዮም። እንተዀነ ግን: እቶም ህዝቢ ንነብያት ኣምላኽ ብምንጻጎም: ሕሉፍ ሓሊፎም ኸኣ ንክርስቶስ ስለ ዝነጸግዎ ካብቲ መጀመርታ ዝነበርዎ ዝገደደ ከም ዝዀኖም ኢዩ ዘርኢ።

የሱስ ክዛረብ ከሎ: ኣዲኡን ኣሕዋቱን መጹ እሞ ብሓደ ጫፍ ደው በሉ። ስለዚ ሓደ ሰብ “እንሆ: ኣዴኻን ኣሕዋትካን ኪዛረቡኻ ደልዮም: ኣብ ወጻኢ ደው ኢሎም አለዉ” በሎ።

የሱስ ከኣ “ኣደይ መን እያ፧ ኣሕዋተይሲ እንመን እዮም፧” ኢሉ ሓተተ። “ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ዘበለ ዅሉ: ንሱ ሓወይን ሓብተይን ኣደይን እዩ” ድሕሪ ምባሉ: ኣእዳዉ ናብቶም ደቀ መዛሙርቱ ገጹ ብምዝርጋሕ “ኣደይን ኣሕዋተይንሲ እነዉ” በለ። በዚ መገዲ እዚ ኸኣ የሱስ እቲ ምስ ኣዝማዱ ዘለዎ ርክብ ክሳዕ ክንደይ ጥብቂ ምዃኑ ብዘየገድስ: እቲ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ዘለዎ ርክብ ዝበለጸ ምዃኑ ኣርኣዮም። ማቴዎስ 12:⁠33⁠-​50፣ ማርቆስ 3:⁠31⁠-​35፣ ሉቃስ 8:⁠19⁠-​21

▪ እቶም ፈሪሳውያን ነቲ “ኦም” ከምኡውን ነቲ “ፍረ” ጥዑይ ካብ ምግባሩ ዝሰነፉ ብኸመይ ኢዮም፧

▪ “ትእምርቲ ነብዪ ዮናስ” እንታይ ኢዩ: ጸኒሑ እተነጽገኸ ብኸመይ ኢዩ፧

▪ እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ⁠-​ዘበን ዝነበሩ እስራኤላውያን ከምቲ ርኹስ መንፈስ ዝወጸሉ ሰብኣይ ዝዀኑ ብኸመይ ኢዮም፧

▪ የሱስ ነቲ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ዘለዎ ጥብቂ ርክብ ዘጕልሖ ብኸመይ ኢዩ፧