ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሱስ ነቶም 70 ይልእኮም

የሱስ ነቶም 70 ይልእኮም

ምዕራፍ 72

የሱስ ነቶም 70 ይልእኮም

ኣብ እዋን ቀውዒ ናይ 32 ከ.ኣ.ዘ. ኢዩ ነይሩ: የሱስ ካብ ዝጥመቕ ከኣ ሰለስተ ዓመት ገይሩ ኣሎ። ንሱን ደቀ መዛሙርቱን ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ኢዮም ኣብ የሩሳሌም በዓል ዳስ ኣብዒሎም: ገና ኣብቲ ከባቢ ከም ዘለዉ ኸኣ ርዱእ ኢዩ። እተን ዝተረፋ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ናይ ኣገልግሎቱ: ኣብ ይሁዳ ወይ ከኣ ኣብቲ ስግር ዮርዳኖስ ዘሎ ኣውራጃ ጴርያ ኢዩ ኣሕሊፍወን። እዚ ዞባ እዚ እውን ክሽፈን ነበሮ።

ሓቂ ኢዩ ብድሕሪ በዓል ፋስጋ ናይ 30 ከ.ኣ.ዘ. የሱስ ዳርጋ ሸሞንተ ወርሒ ኣብ ይሁዳ ብምስባኽ ኣሕለፎ። እንተዀነ ግን: ኣብ በዓል ፋስጋ ናይ 31 ከ.ኣ.ዘ. እቶም ኣይሁድ ክቐትልዎ ምስ ደለዩ: እቲ ድሕሪኡ ዝነበረ ሓደ ዓመትን መንፈቕን ዳርጋ ኣብ ገሊላ ጥራሕ ብምምሃር ኣሕለፎ። ኣብቲ ግዜ እቲ ቅድሚኡ ዘይነበሮ: ብዙሕ ዝቝጽሮምን: ጽቡቕ ልምምድ ዝወሰዱን ጉጅለ ሰበኽቲ ኣፍረየ። ስለዚ ኣብቲ እዋን እቲ: ኣብ ይሁዳ ንመወዳእታ ግዜ ሰፊሕ ናይ ስብከት ወፈራ ጀመረ።

የሱስ ነዚ ስብከት እዚ 70 ደቀ መዛሙርቲ ብምምራጽን በብኽልተ ገይሩ ብምስዳድን ጀመሮ። ስለዚ ኣብቲ ዞባ እቲ ዝዓዩ ኵሉ ዅሎም 35 ጽምዲ ሰበኽቲ ነበሩ። እዚኣቶም ኣብቲ የሱስ ምስቶም ሃዋርያቱ ኰይኑ ክኸዶ ዝመደቦ ነፍሲ ወከፍ ከተማን ቦታን ኣቐዲሞም ከዱ።

ነቶም 70 ናብ ቤት ጸሎት ክኸዱ መምርሒ ኣብ ክንዲ ዝህቦም የሱስ “ኣብ ዝአቶኹምዋ ቤት: ቅድም፤ ነዛ ቤት እዚኣ ሰላም ይኹን: በሉ። ኣብኣ ወዲ ሰላም እንተሎ: ሰላምኩም ኣብኡ ኺሐድር እዩ” ብምባል ኣብ ናይ ብሕቲ ገዛውቲ ክኸዱ ኢዩ ነጊርዎም። መልእኽቶምከ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ የሱስ ‘መንግስቲ ኣምላኽ ናባኻትኩም ቀሪባ ኣላ በልዎም’ በሎም። ብዛዕባ ንጥፈታት ናይቶም 70 ማቲዩ ሄንሪስ ኮመንታሪ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ብምባል ጸብጻብ ትህብ:- “ከም ጐይትኦም: ኣብ ዝኸድዎ ዘበለ ቦታ ካብ ቤት ናብ ቤት ሰበኹ።”

እቲ የሱስ ነቶም 70 ዝሃቦም መምርሒ ምስቲ ቅድሚ ዓመት ነቶም 12 ኣብ ገሊላ ናይ ስብከት ወፈራ ክገብሩ ክልእኮም ከሎ ዝሃቦም ተመሳሳሊ ኢዩ። ነቶም 70 እቲ መልእኽቲ ኣብቶም ሰብ ገዛ ከብጽሕዎ ከም ዝዳለዉ ብምግባር ብዛዕባ እቲ ዘጋጥሞም ምጽራር ኣጠንቂቕዎም ጥራይ ዘይኰነስ: ንሕሙማት ከሕውዩ እውን ሓይሊ ሂብዎም ኢዩ። ስለዚ ኸኣ የሱስ ብድሕሪኦም ቁሩብ ጸኒሑ ናብቲ ቦታ ምስ ከደ: ብዙሓት ሰባት ንጐይታ ናይዞም ከምዚ ዝበለ ዘገርም ነገራት ክገብሩ ዝኽእሉ ደቀ መዛሙርቲ ክቕበልዎ ህንጡያት ኢዮም።

እቶም 70 ዝገበርዎ ስብከትን እቲ የሱስ ብድሕሪኦም ዝገበሮ ተወሳኺ ዕዮን ብዙሕ ኣይጸንሐን። እቶም 35 ጽምዲ ዝዀኑ ሰበኽቲ ናይታ መንግስቲ ቀልጢፎም ናብ የሱስ ክምለሱ ጀመሩ። ተሓጒሶም ከኣ “ጐይታይ: ኣጋንንቲ ድማ ብስምካ ይግዝኡና አለዉ” በልዎ። ከምዚ ዝበለ ጽቡቕ ናይ ኣገልግሎት ጸብጻብ ንየሱስ ከም ዘሐጐሶ ርግጽ ኢዩ: ከመይሲ “ሰይጣን ከም መብረቕ ካብ ሰማይ ኪወድቕ ከሎ ርኤኽዎ። እንሆ: ተመንን ዕንቅርቢትን ኵሉ ሓይሊ ጸላእን ክትረግጹ ስልጣን ሂበኩም አሎኹ” በሎም።

የሱስ ኣብ ግዜ መወዳእታ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ቈመት ሰይጣንን ኣጋንንቱን ካብ ሰማይ ክድርበዩ ምዃኖም ይፈልጥ ኢዩ። ሕጂ ግን: እቶም ዘይርኣዩ ኣጋንንቲ ብሰባት ክወጹ ምርኣይ ናይቲ ክመጽእ ዘለዎ ፍጻሜ ተወሳኺ መረጋገጺ ኢዩ ዝኸውን። ስለዚ የሱስ ንመጻኢ ሰይጣን ካብ ሰማይ ከም ዝድርበ እተረጋገጸ ምዃኑ ተዛረበ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ: እቶም 70 ንተመንን ዕንቅርቢትን ክረግጹ ስልጣን እተዋህቦም ብምሳልያዊ መገዲ ኢዩ። ይኹን እምበር: የሱስ “ስምኩም ኣብ ሰማይ ስለ እተጻሕፈ ደኣ: ኣዚኹም ተሐጐሱ እምበር: መናፍስቲ ስለ እተመልኩልኩም: በዚ ኣይትተሐጐሱ” በሎም።

ኣምላኽ ነዞም ትሑታት ኣገልገልቲ ከምዚ ዝበለ ሓይሊ ክገብሩ ስለ እተጠቕመሎም የሱስ ተሓጐሰ: ነቡኡ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ወደሶ። ናብ ደቀ መዛሙርቱ ግልጽ ኢሉ ኸኣ “ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘሎኹም: ብዙሓት ነብያትን ነገስታትን ኪርእይዎ ደልዮምሲ ኣይረአይዎን። ነዚ ንስኻትኩም እትሰምዕዎ ዘሎኹም ከኣ ኣይሰምዕዎን እሞ: ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘሎኹም ዚርእያ ኣዒንቲ ብጹኣት እየን: እብለኩም አሎኹ” በሎም። ሉቃስ 10:⁠1-24፣ ማቴዎስ 10:⁠1-42፣ ራእይ 12:⁠7-12

▪ የሱስ ኣብተን ናይ መጀመርታ ሰለስተ ዓመታት ናይ ኣገልግሎቱ ኣበይ ኢዩ ሰቢኹ: ኣብተን ናይ መወዳእታ ሽዱሽተ ኣዋርሕከ ነየናይ ዞባ ኢዩ ሸፊኑ፧

▪ የሱስ እቶም 70 ኣበይ ከይዶም ሰብ ክረኽቡ ኢዩ መምርሒ ሂቡዎም፧

▪ የሱስ ንሰይጣን ካብ ሰማይ ክወርድ ከም ዝረኣዮ እተዛረበ ስለምንታይ ኢዩ፧

▪ እቶም 70 ተመንን ዕንቅርቢትን ክረግጹ ዝኽእሉ በየናይ መገዲ ኢዩ፧