ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሱስ ንሓንቲ መበለት ካብ ጓሂ ኣድሓና

የሱስ ንሓንቲ መበለት ካብ ጓሂ ኣድሓና

ምዕራፍ 37

የሱስ ንሓንቲ መበለት ካብ ጓሂ ኣድሓና

የሱስ ንኣገልጋሊ ናይቲ ሓለቓ ሰራዊት ደድሕሪ ምሕዋዩ: ናብ ሓንቲ ብደቡባዊ ምዕራብ ናይ ቅፍርናሆም ልዕሊ 32 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ናይን ናብ እትብሃል ከተማ ከደ። ደቀ መዛሙርቱን ብዙሕ ህዝብን ኣሰነይዎ። ኣብ ኣፍ ደገ ናይን ክበጽሑ ከለዉ ኣብ ምምሳይ ገጹ ኢዩ ነይሩ ዝኸውን። ኣብኡ ኸኣ ብዙሓት ሰባት ንቐብሪ ክኸዱ ተጓነፍዎም። ሬሳ ናይ ሓደ መንእሰይ ካብታ ከተማ ይወጽእ ነበረ።

ብፍላይ ኵነታት ናይታ ኣደ ዘሕዝን ኢዩ: ምኽንያቱ መበለት ኢያ ንሱ ኸኣ ሓደ ወዳ ኢዩ ነይሩ። ሰብኣያ ክመውት ከሎ ውላድ ስለ ዝነበራ ተጸናኒዓ ኽትከውን ትኽእል ኢያ። ተስፍኣ: ባህጋ: ህንጥዮታ ኵሉ ምስ ናይ ወዳ መጻኢ እተኣሳሰረ ኰነ። ሕጂ ግን ክትጸናንዓሉ እትኽእል ዋላ ሓደ የለን። ተቐማጦ እታ ከተማ ናብቲ ናይ መቓብር ቦታ ከሰንይዋ ከለዉ ኣጸቢቓ ኢያ ሓዚና ነይራ።

የሱስ ነታ ሰበይቲ ምስ ረኣያ: እቲ ብርቱዕ ሓዘና ልቡ ተንከፎ። ስለዚ ብለውሃት: እንተዀነ ግን ብተኣማንነት “ኣይትብከዪ” በላ። እቲ ኣገባቡን ተግባሩን ንቖላሕታ ናይቶም ህዝቢ ማረኸ። ስለዚ ቀሪቡ ነቲ ሬሳ ዝነበሮ ቃሬዛ ምስ ተንከዮ እቶም ጸወርቲ ደው በሉ። ኵሎም እንታይ ክገብር ኢዩ ኢሎም ተገሪሞም ክዀኑ ኣለዎም።

እቶም ንየሱስ ዘሰንይዎ ዝነበሩ ህዝቢ ብዙ​ሓት ዝሓመሙ ሰባት ከሕዊ ከሎ ርእዮሞ ኢዮም። እንተዀነ ግን ካብ ምዉታት ከተንስእ ፈጺሞም ርእዮምዎ ኣይፈልጡን ኢዮም። ከምዚ ዝበለ ነገር ክገብር ይኽእልዶ ይኸውን፧ ናብቲ ሬሳ ብምምልካት የሱስ “ኣታ ጐበዝ: ተንስእ: እብለካ አሎኹ” በለ። እቲ ጐበዝ ከኣ ተንሲኡ ተቐመጠ! ክዛረብ ጀመረ የሱስ ከኣ ነዲኡ ሃባ።

እቶም ህዝቢ እቲ ጐበዝ ብሓቂ ህያው ከም ዝዀነ ምስ ረኣዩ “ዓብዪ ነብዪ ተንሲኡልና” በሉ። ካልኦት ከኣ “ኣምላኽ ንህዝቡ በጽሔ” በሉ። ወረ ናይዚ ዘገርም ተግባር ኣብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ከባቢኣ ዘለዋ ዓድታትን ብቕልጡፍ በጽሐ።

ዮሃንስ መጥምቕ ገና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኢዩ ዘሎ: ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝገብሮ ዘሎ ተግባራት ከኣ ኣጸቢቑ ክፈልጥ ደለየ። ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ ብዛዕባ እዚ ተኣምራታት እዚ ነገርዎ። እቲ ዝሃቦ ምላሽከ እንታይ ነበረ፧ ሉቃስ 7:⁠11⁠-​18

▪ የሱስ ናብ ናይን ገጹ ክቐርብ ከሎ እንታይ ኰነ፧

▪ የሱስ በቲ ዝርእዮ እተተንከፈ ብኸመይ ኢዩ: እንታይከ ገበረ፧

▪ እቶም ሰባት ነቲ የሱስ ዝገበሮ ተኣምራት ብኸመይ መለሽሉ፧