ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሱስ ንመወዳእታ ግዜ ናብ የሩሳሌም ገጹ ክጓዓዝ ከሎ ዓሰርተ ደዌ ዝሓዞም ሓወዩ

የሱስ ንመወዳእታ ግዜ ናብ የሩሳሌም ገጹ ክጓዓዝ ከሎ ዓሰርተ ደዌ ዝሓዞም ሓወዩ

ምዕራፍ 92

የሱስ ንመወዳእታ ግዜ ናብ የሩሳሌም ገጹ ክጓዓዝ ከሎ ዓሰርተ ደዌ ዝሓዞም ሓወዩ

የሱስ ንየሩሳሌም ሓዲጉ ናብቲ ብሰሜናዊ ምብራቕ የሩሳሌም ምናልባት 24 ኪሎ ሜተር ጥራይ ርሒቑ ዝርከብ ኤፍሬም ብምኻዱ: ነቲ ኣባላት ሳንሄድሪን ንዕኡ ንምቕታል ዝገበርዎ ጻዕሪ ኣፍሸሎ። ኣብኡ ኸኣ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ኰይኑ ካብቶም ጸላእቱ ረሓቐ።

ይኹን እምበር: እዋን በዓል ፋስጋ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ቀሪቡ ስለ ዝነበረ የሱስ እንደገና ነቐለ። ብሰማርያን ገሊላን ኣቢሉ ተጓዕዘ። ቅድሚ ሙማቱ ናብዚ ቦታ እዚ ዝኸይድ ዘሎ ንመወዳእታ ግዜ ኢዩ። ኣብ ገሊላ ከሎ: ንሱን ደቀ መዛሙርቱን ምስቶም በዓል ፋስጋ ንምብዓል ናብ የሩሳሌም ዝኸዱ ዝነበሩ ካልኦት ሰባት ሓቢሮም ተጓዒዞም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። በቲ ካብ ርባ ዮርዳኖስ ብወገን ምብራቕ ዝነበረ ኣውራጃ ጴርያ ኣቢሎም ኢዮም ከይዶም።

ኣቐድም ኣቢሉ ግን: የሱስ ኣብ ሓንቲ ኣብ ሰማርያ ወይ ገሊላ እትርከብ ዓዲ ክኣቱ ኸሎ ዓሰርተ ደዌ ዝሓዞም ሰባት ኣጓነፍዎ። እዚ ዘስካሕክሕ ሕማም እዚ ቀስ እናበለ ንናይ ሓደ ሰብ ክፍሊ ኣካላት​—⁠ናይ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ኣጻብዕቲ: ኣእዛኑ: ኣፍንጭኡ: ከናፍሩን​—⁠ይቘራርጾ። ካልኦት ከይተሓላለፎም ንምክልኻል ሕጊ ኣምላኽ ሓደ ደዌ ዝሓዞ ‘ጭሕሙ ይኽደን: ርኹስ: ርኹስ: ኢሉ ኸኣ ይጨርሕ። ቍስሊ ዘለዎ ዅሉ መዓልቲ ርኹስ ይኹን። ንበይኑ ይቀመጥ’ ይብል።

እቶም ዓሰርተ ደዌ ዝሓዞም ነቲ ንዕኦም ዝምልከት ሕጊ ንምኽባር ካብ የሱስ ኣጸቢቖም ርሒቖም ነበሩ። ይኹን እምበር: ድምጾም ዓው ኣቢሎም “ዎ የሱስ መምህር: ምሐረና” በልዎ።

የሱስ ከኣ ብርሑቕ ረኣዮም እሞ “ኪዱ: ርእስኹም ንኻህናት አርእዩ” በሎም። የሱስ ከምኡ ዝበሎም ሕጊ ኣምላኽ ንሓደ ደዌ ሒዝዎ ነይሩ ዝሓወየ ሰብ ምሕዋዩ ንኽነግሩ ስልጣን ዘለዎም ካህናት ስለ ዝዀኑ ኢዩ። በዚ መገዲ እዚ: እዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ምስ ጥዑያት ሰባት ንኽነብሩ ተቐባልነት ይረኽቡ።

እቶም ዓሰርተ ሕማም ደዌ ዝነበሮም የሱስ ብተኣምራታዊ መገዲ ከሕዊ ሓይሊ ከም ዘለዎ እምንቶ ነበሮም። ስለዚ ገና ዘይሓወዩ እኳ እንተ ነበሩ ብቕልጡፍ ናብቶም ካህናት ከዱ። ኣብ መገዲ ከለዉ ኸኣ እቲ ኣብ የሱስ ዘርኣይዎ እምነት ዓስቢ ኣምጽኣሎም። ከም ዝጠዓዩ ክርእዩን ክስምዖምን ጀመረ!

ካብቶም ዝሓወዩ ደዌ እቶም ትሽዓተ ብእኡ ኣቢሎም ከዱ: እቲ ሓደ ደዌ ዝነበሮ ሳምራዊ ግን ናብ የሱስ ተመልሰ። ስለምንታይ ኢዩ እተመልሰ፧ ምኽንያቱ በቲ ረኺብዎ ዘሎ ንኸመስግን ኢዩ። ዓው ብዝበለ ድምጺ ንኣምላኽ ወደሶ: ንየሱስ ምስ ረኸቦ ኸኣ ኣብ እግሩ ወዲቑ ኣመስገኖ።

የሱስ ከኣ “ዝነጽሁስ ዓሰርተ ደይኰኑን፧ እቶም ትሽዓተ ደኣ ኣበይ አለዉ፧ ብጀካ እዚ ኻልእ ዝዓሌቱስ ንኣምላኽ ክብሪ ኺህብ እተመልሰዶ የልቦን፧” በለ።

ካብኡ ነቲ ሳምራዊ ሰብኣይ “ተንስእ እሞ ኺድ። እምነትካ ኣሕወየትካ” በሎ።

የሱስ ነቶም ዓሰርተ ደዌ ዝሓዞም ከም ዘሕወዮም ከነንብብ ከሎና: ነቲ “እቶም ትሽዓተ ደኣ ኣበይ አለዉ፧” ዝብል ሕቶ ዘመሓላልፎ ትምህርቲ ክንግንዘቦ ኣሎና። እቶም ትሽዓተ ዘርኣይዎ ናይ ዘይምምስጋን መንፈስ ከቢድ ጕድለት ኢዩ። ንሕናኸ ከምቲ ሳምራዊ ሰብኣይ ነቲ ኣብ ናይ ኣምላኽ ጽድቃዊት ሓዳስ ዓለም ዘለኣለማዊ ህይወት ናይ ምርካብ ርግጽ ዝዀነ መብጽዓውን ሓዊስካ ነቲ ካብ ኣምላኽ እንረኽቦ ነገራት ነመስግነሉ ዲና፧ ዮሃንስ 11:⁠54, 55፣ ሉቃስ 17:⁠11-19፣ ዘሌዋውያን 13:⁠16, 17, 45, 46፣ ራእይ 21:⁠3, 4

▪ የሱስ ነቲ ንኽቐትልዎ ዝገበርዎ ጻዕሪ ብኸመይ ኣፍሸሎ፧

▪ ብድሕርዚ የሱስ ናበይ ኢዩ ዝኸደ: ኣብ መወዳእታ ክበጽሖ ደልዩ ዝነበረ ቦታኸ ኣበይ ኢዩ፧

▪ እቶም ደዌ ዝሓዞም ብርሑቕ ደው ዝብሉ ስለምንታይ ኢዮም: የሱስ ናብ ካህናት ክኸዱ ዝነገሮምከ ስለምንታይ ኢዩ፧

▪ ካብዚ ተመክሮ እዚ እንታይ ኢና እንማሃር፧