ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሱስ ንኣሽሓት ሰባት ብተኣምራታዊ መገዲ ይምግብ

የሱስ ንኣሽሓት ሰባት ብተኣምራታዊ መገዲ ይምግብ

ምዕራፍ 52

የሱስ ንኣሽሓት ሰባት ብተኣምራታዊ መገዲ ይምግብ

እቶም 12 ሃዋርያት ኣብ ብምልእታ ገሊላ ጕሉሕ ዝዀነ ናይ ስብከት ጕዕዞ ፈጸሙ። ሕጂ ዮሃንስ ድሕሪ ምቕታሉ ነዊሕ ከይጸንሐ ነቲ ዘደንቕ ተመክሮታት ከዘንትዉ ናብ የሱስ ተመልሱ። ከም ዝደኸሙን ብዙሓት ሰባት ይመጹን ይኸዱን ብምንባሮም ከኣ ክበልዑ እውን ከም ዘይክእሉ ምስ ረኣየ የሱስ “ኣብ ጽምዊ ቦታ ብሕት ኢልኩም: ሓንሳእ ክትዐርፉ ንዑናይ” በሎም።

ምናልባት ካብ ጥቓ ቅፍርናሆም ክኸውን ይኽእል: ኣብ ጃልብኦም ደዪቦም ናብ ጽምው ቦታ ገጾም ከዱ: እቲ ዝኸድዎ ኸኣ ቤተ-ሳይዳ ሓሊፍካ ብወገን ምብራቕ ዮርዳኖስ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። ብዙሓት ሰባት ግን ክኸዱ ከለዉ ርኣይዎም: ካልኦት ከኣ ኣበይ ከም ዝኸዱ ፈለጡ። እዚኣቶም ኵሎም ብገምገም ኣቢሎም ቀዲሞምዎም ከዱ: እታ ጃልባ ደው ክትብል ከላ ኸኣ እቶም ህዝቢ ኣብኡ ጸንሕዎም።

ካብ መርከብ ወሪዱ ነዞም ኵሎም ህዝቢ ምስ ረኣየ ሓላዊ ከም ዘይብለን ኣባጊዕ ስለ ዝነበሩ የሱስ ደንገጸሎም። ስለዚ ነቶም ሕሙማቶም ኣሕወየ: ብዙሕ ነገራት ከኣ ክምህሮም ጀመረ።

ግዜ ቀልጢፉ ሓለፈ: ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ከኣ ናብኡ መጺኦም “እዛ ቦታ እዚኣ በረኻ እያ: ምድሪ ኸኣ መስዩ እዩ: ዚብላዕ የብሎምን እሞ: ኣብ ጥቓና ናብ ዘሎ ኣቝሻትን ዓድታትን ከይዶም: ንኣታቶም ዚበልዕዎ ኺዕድጉ ኣሳናብቶም” በልዎ።

ይኹን እምበር: የሱስ “ኪበልዑ ንስኻትኩም ሀብዎም” በሎም። የሱስ እንታይ ከም ዝገብር ድሮ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ ንፊልጶስ “እዚኣቶም ምእንቲ ኺበልዑስ: እንጌራ ኻበይ ክንዕድግ ኢና፧” በሎ።

ብኣረኣእያ ፊልጶስ እቲ ኵነታት ዘይከኣል ኢዩ ዝመስል ነይሩ። ገለ 5,000 ኣቢሎም ዝዀኑ ሰብኡት ነበሩ: ኣንስትን ቈልዑን እንተ ተቘጺሮም ከኣ ምናልባት ልዕሊ 10,000 ኣቢሎም ኢዮም ነይሮም! “ናይ ክልተ ሚእቲ ዲናር [ሓደ ዲናር ናይ ሓደ መዓልቲ መሃያ ኢዩ ነይሩ] እንጌራ እኳ ቘቍራስ ኣይበጽሖምን እዩ” ኢሉ መለሰሉ።

እንድርያስ ከኣ ንኽንድዚ ዝኣኽሉ ምምጋብ ከም ዘይከኣል ንምርኣይ “ሓሙሽተ ጐጎ ስገምን ክልተ ዓሳን ዘለዎ ቘልዓ ኣብዚ አሎ። እዚኣተን ግና ንኽንድዚ ዚአክል ሰብ እንታይ ይጠቕማ፧” በሎ።

ቀቅድሚ በዓል ፋስጋ ናይ 32 ከ.ኣ.ዘ. ዝነበረ እዋን ጽድያ ብምዃኑ ብዙሕ ሳዕሪ ነበረ። ስለዚ የሱስ እቶም ሰባት ኣብቲ ሳዕሪ በብ50 በብ100 ኰይኖም ኮፍ ክብሉ ደቀ መዛሙርቱ ከም ዝነግርዎም ገበረ። ነቲ ሓሙሽተ ጐጎን ክልተ ዓሳን ወሲዱ ናብ ሰማይ ጠሚቱ ባረኾ። ካብኡ ነቲ ጐጎ ክቘርሶ ነቲ ዓሳ ኸኣ ክመቓቕሎ ጀመረ። እዚ ኸኣ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ሃቦም: ንሳቶም ከኣ ነቶም ህዝቢ ዓደልዎም። እቲ ዘስደምም ከኣ ኵሎም እቶም ሰባት ክሳዕ ዝጸግቡ በልዑ!

ብድሕርዚ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ዝተረፈ ቘረርስ: ሓንቲ እኳ ኸይትጠፍእ: አክብዎ” በሎም። ምስ ኣከብዎ ኸኣ 12 መሶብ ዝኣክል ተረፍ ተላዕለ! ማቴዎስ 14:⁠13⁠-​21፣ ማርቆስ 6:⁠30⁠-​44፣ ሉቃስ 9:⁠10⁠-​17፣ ዮሃንስ 6:⁠1⁠-​13

▪ የሱስ ምስ ሃዋርያቱ ጽምዊ ቦታ ዝደለየ ስለምንታይ ኢዩ፧

▪ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ናበይ ኢዩ ወሲድዎም: ከዕርፉ እኳ እንተ ደለዩ ዘይከኣሉ ስለምንታይ ኢዩ፧

▪ ምስ መሰየ እቶም ደቀ መዛሙርቲ እንታይ ኢዮም ዝሓተቱ: የሱስከ ነቶም ህዝቢ ብኸመይ ሓለየሎም፧